ዕላማ ናይዚ ብሎግ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ክርስቲያን ምዃነይ ካብ ዝዝክሮ ከም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ህይወትን ትምህርትን ጌሩ ዝመሰጠኒ የለን። ንሱ ኣብ ትሕቲ መማህራን ተኮስኪሱ ዝዓበየ፣ ህይወት ቅዱሳን ብግብሪ ተማሂሩ ዘስተማቐረን፣ ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ እምነት ወልድ ዋሕድ ጸኒዑ ዝነበረ ኣቦ እዩ። ከም መነኮስ ባሕታዊ፣ ከም መምህር ሰባኪ፣ ከም ሰማዕት መከራ ዝጸገበ፣ ከም ኣቦ ምእመናን ዝጓሰየ፣ ኮታስ ብኩሉ ህይወቱ ንሓዋርያት ዝመሰለ መራሒ ነበረ። ነዚዉን ቤተክርስይቲያን ሓዋርያዊ ኣቦ ብምባል ናይ ክብሪ ሽም ወሲኻትሉ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኩሉንትናዊ መራሒ ዘብሎ ብዙሕ ነጥብታት ኣለዎ። ገለ ካብኡ፣ ካብ እግሪ መማህራን ከይተፈልየ ተኮስኪሱ ዝዓበየ። ብፍልጠት ጥራይ ዉን ኣይነበረን፣ ናይ ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ ወደ መዝሙር ኮይኑ ኣብ ብሕትዉና ፍቕሪ ኣምላኽ ብግብሪ ዘስተማቐረ። ንኡስ እየ ኢሉ ነቲ ዝተማህሮ ካብ ምምስካር ሱቕ ዘየበለ ኣማናዊ ሰማእት (መስካሪ) እዩ። ወዲ 19 መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ ነታ ኣዝያ ፍልጥቲ መጽሓፉ ስግዉ ቃል De Incarnatione ዝደረሰ ትጉህ እዩ። ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ሞጊቱ ዝሰዓረ ጽኑዕ መምህር፣ ፓትሪያሪክ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዉን ነዛ ሓቀኛ እምነት ክምስክር ብዙሕ ሓሳረ መከራ ዝጸገበ፣ ነባጊዑ ዝሓሊ ሕያዋይ ጓሳ ነበረ። ብሓጺሩ ህይወት ቅ.ኣትናቴዎስ ተራ simple፣ ዓሚቊ፣ ቅኑዕ፣ ቅድስ፣ ጽድቂ፣ ፍቕሪ፣ መንፈሳዊን፣ ሓቂን እዩ። ከምዚ ብምኳኑ ዉን ብዓለም ተጸሊኡ ነበረ።
ኣትናቴዎስ “ዓለም ጸሊኣትኻ” ምስበልዎ። “ዓለም ንዓይ ከይጸላእትኒ እንኸላ፣ ኣነ እየ ንዓለም ቀዲመ ዝጸላእኽዋ” ብምባል ኣንጻር ዓለምን፣ ዓለማዊ ምንቅስቓስን ጸኒዑ ብጸጋ ኣምላኽ ዝበደሀ፣ ሓቀኛ መራሒ እዩ።
ፍኖት ማለት መንገዲ ማለት ኮይኑ ናይ ብሎገይ ስም ብሓጺሩ መንገዲ ኣትናቴዎስ እዩ። መንገዲ ኣትናቴዎስ ማለት፣ መንገዲ ክርስትና፣ መንገዲ ህይወት፣ መንገዲ ሰማያዊ ርስቲ፣ ብሓጺሩ መንገዲ ክርስቶስ እዩ።
“ንሕና ኣምላኽቲ ምእንቲ ኽንከዉን፣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ” እዚኣ  መሰረተThis is normally some sort of effervescent setting that will only need to eliminate coming from a glass rich in liquids that will dissolves quick inside cup and even about men’s physique at the same order generic cialis time affordable for people unable to bear expenses of surgery. እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እያ። ጐይታ ካብ ሰማያት ዝወረደ ናብ ናይ ቀደም ክብርና ንክመልሰና እዩ። እቲ መንገዲ ኸኣ፣ ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃረናን፣ ኣብነት ኮይኑ ዘርኣየናን ናይ ወንጌል ህይወት እዩ።
ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ህይወት፣ ብፍልጠትን ርድኢትን፣ ብጽንዓትን ግብሪን፣ ብፍቅሪን ትሕትናን እዩ። እዚ መንገዲ ንዓይ ህይወት ሂቡኒ ይርኸብ። ከመይሲ ሃይማኖታዊ ትምህርቱ ቅኑዕ፣ ቀሊልን፣ ዓሙቊ እዩ። መንፈሳዊ ጉዕዞ ህይወቱን ዝጸገቦ መከራን ኸኣ፣ ኣብ ኩሉ ቦታ ኮሊዑ ዝበረሀ፣ ኣማናዊ ህይወት ነበሮ። ብፍጹም ልቡ፣ ብኩሉ ሓይሉ፣ ብኩሉ ነፍሱ  ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዘፍቀረ፣ በታ ሓንሳብ ንቅዱሳን ዝተዋህበት እምነት ጸኒዑ ዝተቃለሰ፣ ክሳብ ሞት እሙን ክይኑ ኣኽሊል ህይወት ዝወረሰ ቅዱስ እዩ። ብጸሎት ክዝክረኒ ዝምሕጸኖ ቅዱስ ኣቦይ እዩ።
በዚ ህይወት እንድሕሪ ተጓዒዘ ህይወት ከምዝወርስ ሙሉእ እምነት ኣሎኒ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ልደቱ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝነበረ ምድራዊ ህይወቱ ንዓና መንገድና እዩ። ኣቦታት ዉን ነዚ መንገዲ ህይወት ሓሊፎሞ ኣሰር ሓዲጎምልና ኣለዉ። ነዚ ኣሰር ክንስዕብ ኸኣ ናይዚ ዘመን መንእሰያት ግዴና እዩ። እነ እንዳወድቕኩ እንዳተንሳእኹ ጉዕዞይ ጀሚረ ኣሎኹ። ነዚ ህይወት ሓቢርና ክንጓዓዝ ከኣ ይዕድመኩም።
ኣብ ሶምን ብዉሕዱ ሓንቲ ጽሑፍ ክጽሕፍ እየ። ኹሉ ጽሕፋተይ ብቐጥታ ካብ ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት፣ ናይ ቴኦሎጂ መጻሓፍቲ፣ መጽሓፈ መነኮሳት፣ ሃይማኖተ ኣበው፣ ስንክሳርን፣ ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ስርዓት መጽሓፍቲን ዝተወስደ ክኸዉን እዩ። ብተወሳኺ ዓምደ ጸሎት ትብል ቀጻሊነት ዘለዋ ጽሕፍቲ ኸቕርብ እየ። ኣብዚ ዓምዲዚ ዝተፈላለየ ጸሎታት እንዳቶርገምኩ ፖስት ምግባር ኮይኑ ፕሪንት ጌርኩም ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ።
ታሪክ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ብምዝንታው ክጅምር፣ ቀጺለ ብዛዕብኡ ገለ ገለ ሓጸርቲ ጽሑፋት ይስዕብ። ደሓር ግና ብተኸታታሊ ናቱ መጽሓፍ በብክፋል ከቕርብ እየ። ሓንቲ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብኩም ግና ሓደራ ብጸሎት ዘክሩኒ። ነዚ ጽሑፍ ዝጸሓፈ ምሕረት ኣብዝሓሉ ኢልኩም ኣብ ቅድም ኣምላኽ ዘኽሩኒ።  ስብሓት ለእግዚአብሔር!

2 Responses

  1. Anonymous says:

    if you have the fathers from Deber Bizien it could be nice God bless you

  2. Anonymous says:

    selam naka ykun. kbur hawey hasabatka btami senayn semayawi hasabin eka zhasebka. amlak xegu ybzhalka xelot abona ayfeleka. amlak ybarka!!!!!!!