ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን መን እያ፧

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ወንጌላዊት እያ፣ ግና ፕሮቴስታንት ኣይኮነትን። ኣጽናፋዊት እያ ግና ካቶሊካዊት ኣይኮነትን። ቅድሚ ምግምማዕ እምነታት ዝነበረት ሓንቲን ሓቀኛን እያ። ተኣሚና፣ ምሂራ፣ ሞጊታ፣ ዓቂባ፣ ተከላኺላ ዝጸንሐት እንኮ እያ። ምእንቲ እዛ እምነት ብዙሓት ብሰማእትነት ሞይቶም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ግዜ ጀሚሩ ንልዕሊ 2000 ዓመት ተዓቂባ ዘላ ክርስቶስ ብደሙ ዝመስረታ ቤተክርስቲያን ኣምላኽ እያ።
ኣብ ግዜና ገሌኦም ብጉድለት እምነት፣ ወይ ከኣ ብምትእትታዉ ፖለቲካ፣ ነዛ ቤተክርስቲያን ከጽንትዋ ዝሓስቡ ብዙሓት ኣለዉ። ነዚኦም ብኽልተ መንገዲ ኢና ክንካኸሎም ዘለና። ሓደ ጋሻ ትምህርቲ ናብ ቤተክርስቲያን ንኸይኣቱ ብምሕላዉ። ነዚ ክንገብር እንተዀይንና፣ ገዛእ ርእስና ብትምህርቲ ቅዱሳኣን ኣቦታት ዝበሰልና ክንኸዉን። እቲ ካልኣይ ከኣ ሓቀኛ ምስሊ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ብህይወትን ብትምርህቲን ምምስካር።
ከምቲ ሓደ ናይ ቤተክርስቲያን መምህር ዝበልዎ “ናይ ኦርቶዶክስ ቴኦሎጂካዊ ትምህርቲ ድርብ (ክልተ) ዕማም`ዩ ዘለዎ። ቀዳማይ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ቅንዒቲ ምዃና ምምሃርን ምርግጋጽን። እቲ ካልኣይ ከኣ ምእመናን ነዚ እምነትFor the medications to work, you may need to do some appalachianmagazine.com here order levitra research on the internet before ordering them online. ብህይወት ክነብሩሉን፣ ክሕልዉዎን ምሕጋዝ እዩ።”
ስለዚ ብኹሉ ሸነኻቱ ማለት ሓቂ ምዃኑን፣ ብህይወት ምትጋብሩን የድሊ። ኹሉ ናይ ቤተክርስቲያንና ትምህርቲ መንፈሳዊን ቴኦሎጂካዊን መረዳእታ ዘለዎ ድርብ እዩ። ንበይኑ፣ ማለት ቴኦሎጂ ብዘይ መንፈሳዊ፣ ወይ ከኣ መንፈሳዊ ብዘይ ቴኦሎጂ ክቀዉም ኣይኽእልን።
ኦርቶዶክስ ማለት “ናብ ሕብረት እምነት፣ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፣ ናብ እኹል ሰብኣይ፣ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ. .” ኤፈ 4፥11 እትመርሓናን ብርሓናዊት ኣደ፣ ኣትፍዉሰና ሓኪም፣ ናብ ሰማያት እተብጽህ መሳልል እያ። 
ጉዕዝኡ ንዝጀመረ፣ ብርግጽ ናብ መዕረፊ እተብጽሕ መርከብ እያ። ሕጂ ንደይባ። ናብዛ ጃልባ ክትድይቡ ዘድልየኩም ትኬት፣ ተበግሶ ይበሃል። ኣብ ልብኩም እንተበጊስኩሞ፣ ጐይታ ባዕሉ ኢድኩም ሒዙ ታተ እንዳበለ ክሳዕ ደልዲልኩም እትረግጹ ክመርሃኩም እዩ። ብደመና ሰማይ ከቢቦምና ዘለዉ ቅዱሳን ከኣ ኣብነትና እዮም። ብጸሎትዉን ይድግፉና። ምሕረትን ጸጋን ናይ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ምስኹልና ይኹን!

3 Responses

  1. Anonymous says:

    Thanks God for his words and thank you for your effort to share what you know. I like not only the your new posts but also how you profile your self. I am looking an hones, neat and to the point description “ኣብ ቤተክርስቲያን ዘገልግል ተራ ዲያቆን ኮይነ፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ሲኖዶስ መንፈሳዊ ሓይሉ ተሓዲሱ ኣብ ደገን ኣብ ዉሽጢን ንዘለና ምእመናን ብቅኑዕ መንገዲ ክጓስዩና፣ ትምኒት ዘለኒ ንኡስ መንእሰይ እየ። ቀንዲ ዕላማይ ነቲ ኣነ ብናጻ ዝተቀበልክዎ ትምህርቲ ኣቦታት ምስ የሕዋተይን ኣሓተይን ምምቃል እዩ። ኣብዚ ብሎግ ብዝያዳ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ትምህርቲ ፖስት ክገብር እየ።”

    Please keep it up !

    May God the Almighty be with you

  2. rtuee says:

    ይቀንየለይ፣ ብጸሎት ዉን ክትዝክረኒ ይምሕጸነካ።!

  3. rtuee says:

    Tnx, may you remember me in your daily prayer!