ገለ ካብ ኣጋጣሚታት ቅዱስ ኣትናቴዎስ

 ኣብ ስንክሳር ተመዝጊቡ ካብ ዘሎ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ካብ ዘጋጠሞ ነገራት ሓደ፣ ኣብ ዕለት 13 መስከረም ዝንበብ ክፋል ናይ ሲሳየ ዕለት እዩ። እዚኣ ዕለት እግዚአብሔር ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝገበረሉ ተኣምራት ንዝክረሉ እዩ። ከምቲ ኣብ ታሪክ ህይወት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝረኣናዮ፣ 5 ግዜ ካብ መነበሩ ተሰዲዱ እዩ። ኣብታ ሳልሳይ እግሪ ስደቱ፣ ኣብ ክንድኡ ንጊዮርጊስ ኣብ እስክንድርያ ጳጳስ ክኸዉን ምስ ሾምዎ`ዩ እዚ ነገር ኣጋጢሙ።
ንጉስ ቆንስጣንጤዎስ (ወዲ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ) ነቲ ወልዲ ፍጡር እዩ፣ ዝብል ትምህርቲ ኣርዮስ ምስ ተቐበለ፣ ኣብ ክንዲ ኣትናቴዎስ ካልእ ጊዮርጊስ ዝበሃል ብምሿም፣ ንኣትናቴዎስ ገዘቶ። ነዚ ክገብር እንከሎ ኸኣ 500 ወታሃደራትን፣ ኣብ ክንዲ ኣትናቴዎስ፣ ጊዮርጊስ ዝበሃል ሰባኣይ ከምዝተሾመ ዝሕበር ደብዳቤ ኣትሓሒዙ ናብ እስንክድርያ ለኣኾ። ንጊዮጊስ ዉን ኣርዮሳዊ ክርስትና ክምህርን ክድግፍን ገበሮ። ነቶም ነዚ ትምህርቲምቕባል ዝኣበዩ ኸኣ ቐተሎም። እዚ ሰብኣይ መጺኡ ትምህርቲ ኣርዮስ ክምህር ምስ ጀመረ ግና፣ ዉሕድ ህዝቢ ጥራይ ተቐቢልዎ። ነቶም ምቕባል ዝኣበዩ ህዝቢዉንGentle-natured, quiet men with deep emotions may respond to a nakatsumassagewellness.com online viagra lower dose of it . በብሓድ ቀተሎም። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና ን ሽዱሽተ ዓመት ዝኣኽል ተሓብአ። ድሕሪዚ ናብ ቁስጥንጥንያ ብምኻድ፣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብትብዓት ደው ኢሉ፣ ናብ መንበሩ ክመልሶ፣ ወይ ከኣ ኣክሊል ሰማዕትነት ክወርስ ሕጂ ክቐትሎ ሓተቶ። ንጉስ ግና ንዓሳኽሩ፣ ኣብ ሓንቲ ንኢሽቶይ ጃልባ ጌሮም ብዝይ ምግቢ ብዘይ ማይ ናብ ባሕሪ ክሰድዎ ኣዘዞም። ንጉስ ብጥሜትን ብጽምእን ተሳቕዩ ክመዉት እሞ፣ ኣርዮሳዊ ትምህርቱ ከስፋሕፍሕ እዩ ሓሲቡ። 
እታ ጃልባ ግና ወሰናወሰን ኣቢላ፣ ብመልኣኽቲ ተዓጂባ፣ ብጐይታ ሰላም ረኺባ ናብ እስክንድርያ በጽሐት። ህዝቢ ጓስኦም ከምዝተመልሰ ምስ ሰምዑ፣ ናብ ወሰን ባሕሪ ብምኻድ ብዓቢ ድምቐት ተቐበልዎ። ኣዝዮም ዉን ተሓጎሱ። መዝሙር ምስጋና ብምዝማርን፣ ጧፍ ብምብራህን ተቀበልዎ። ናብ ቤተክርስቲያን ብምውሳድ ከኣ ንጊዮርጊስ ሶጊጎም፣ ኣብታ ክብርቲ መንበሩ ኣንበርዎ። ኩሎም ኣርዮሳዉያንን ሰዓብቶምን ካብ ቤተክርስቲያን ረሓቁ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዉን ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ነዛ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኣገልገላ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኹልና ይኹን። ኣሜን!