ስግው ቃል ብቅ.ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ዝኾነ ሰብ ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጽሑፍ እንተረኺቡ፣ ነቶም ዘይረኽብዎ ምእንቲ ከንብብዎ ወረቐት ዘለዎ ኣብ ወረቐት፣ ወረቐት ዘይብሉ ኣብ ክዳኑ ይጽሓፎ”። ኣባ ቆዝማ (መበል 44 ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ)
ነዛ መጽሓፍ ካብ ዘንብባ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ይገብር፣ ምስ ኣነበብክዋ ብሓቂ ኦርቶዶክሳዊ ምዃነይ ሓበን ተሰሚዑኒ። ከመይሲ ፣ ኣብዛ ሓጻር ግን ዓሟቕ መጽሓፍ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ንዘሎ መልእክቲ ወንጌል ኣዝዩ ዉሕሉልን መንፈሳዊን፣ ሎጂካዊን፣ መጽሓፍ ቅዱሳዊን ብዝኾነ ኣገባብ ሰፊሩ ንረኽቦ። ወዲ 19 ዓመት ዲያቆን እንከሎ ዝተጻሕፈት ኮይና፣ ትምህርታ ግን ኣዝዩ ሰፊሕን ንጹርን እዩ። ዲያቆን ክነሱ፣ መልእክቱ ግና ዕድመ ናይ ዚጸገበ ዓቢ መምህር እዩ። ብሓቂ ነዚ መጽሓፍ ተዓጊስኩም ኣንቢብኩም እንድሕሪ ወዲእኹሟ፣ ኣብ ብርኪኹም ሰጊድኩም፣ ነዚ ጥበብ ኣብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንዘሕደረ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከተመስግኑ ኢኹም። ኢንግሊሽ ተንብቡ ካብዚ ሊንክ ወሲድኩም ኣንብብዋ፣ http://www.copticchurch.net/topics/theology/incarnation_st_athanasius.pdf ነቶም ትግርኛ እተንብቡ ግና፣ ብዓቕመይ ቶርጊመ ኣቕሪበልኩም ኣሎኹ። እቲ ጽሑፍ ኣዝዩ ዓሙቚን ክትትርጉሞ ኣዝዩ ስለዘሽግር፣ ኣብ ገሊኡ ነቲ ኢንግሊሽ ኣስፊረዮ ኣሎኹ። ብሕብሪ ተሰነየ ጽሑፍ ዉን ወሲኹሉ ኣሎኹ፣ እዚ ነቲ ብትግሪኛ ክሰፍር ኣዝዩ ዘሸግር ቃላት መረዳእታ ክኸዉንን፣ እንኮላይ ነቲ መጽሓፍ ንክትርድእዎ ክሕግዘኩምን እዩ።

ዝተጻሕፈትሉ ዘመን

ቅድሚ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ከባቢ 322-4 ዓ.ም. ከመ ዝተጻሕፈት ይንገር። 

ናብ መን ተጻሒፋ

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ናብ መቃርዮስ ዝበሃል ዓርኩ እዩ ነዛ መጽሓፍ ጽሒፍዋ። ኣብቲ መጽሓፍ ኣብ ቀዳማይ ቁጽሪ “መፍቀሪ ክርስቶስ ዝኾንካ መቃርዮስ፣ ብምባል ስሙ ዝጠቀሶዉን ናብኡ ስለዝጸሓፋ እዩ። ቀደም ኣቦታትና ብዛዕባ እምነትን ክሪስቲያናዊ ህይወትን ደብዳቤ ብምጽሓፍ ነንሕድሕዶም ይመሃሃሩ ኔሮም። ቅ.ኣትናቴዎስ ነዛ መጽሓፍ በብምዕራፍ ብምምቃል በብርእስቲ ጌሩ ናብ መቃርስ ይሰደሉ ነበረ። ብርግጽ እቲ መጽሓፍ ከምዚ ሕጂ ቁጽሪ ተዋሂብዎ ኣይኮነን ዝተዳለወ፣ ነዚ ኣቦታት እዮም ንምክክትታሉ ክጠዕመና ቁጽሪ ዝገበርሉ (ከም መጽሓፍ ቅዱስ)። ቅድሚ ነዛ መጽሓፍ ምጽሓፉ፣ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ናይ ኣህዛብ ኣምልኮ ጣኦት እትገለጽ መጽሓፍ Contra Gentes (Against Heathen) ሰዲዱሉ ነበረ። ስለዚ እዛ ስግዉ ቃል እትብል መጽሓፍ ናታ መቐጸልታ እያ።

ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ

Seek doctor’s advice before thinking to act.* order levitra online check availability If you want to make a shift from other anti-impotency drug to Tadalis then maintain a gap and start fresh course. * If you realize that you have a consultation with your doctor and get a prescription for buying these pills. style=”text-align: justify;”>ቀንዲ ዕላማ ናይዛ መጽሐፍ፣ ብዛዕባ ተዋህዶ ንምግላጽን፣ ነቶም ኣብቲ ግዜቲ ንዝነበሩ ፈላስፋታትን ኣህዛብን መልሲ ንምምላስ ኮይኑ፣ ዝያዳ ብዛዕባ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይነት፣ ንምንታይ ስጋ ሰብ ከምዝተወሃሃደን፣ ከመይ ጌሩ ከምዘድሓነናን ጸቒጡ መረዳእታ ይህብ። ኣብቲ ግዜቲ፣ ብዛዕባ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነቱ ዝጠራጠሩ፣ ኣብ መሬት ዘሕለፎ ህይወት ንከንቱ ከምዝነበረ ጌሮም ዝምህሩን፣ ኣብ መስቀል ንዝነበረ ኩነተ ኣማዉትኡ ከም ናይ ድኹም ሰብ ጌሮም ዝገልጽዎ፣ ብዙሓት ሓሰዉቲ መማህራን፣ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣህዛብን፣ ፈላስፋታት ናይ ግሪክ ዝበዝሑሉ ዘመን ነበረ። ብፍላይ ናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ንቤተክርስቲያን ኣዝዩ ይፍትነሉ ዝነበረሉ ግዜ እዩ። በዚ ተበጊሶምዉን፣ ብዘይካ እቲ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ፈላስፋታት ተቃዉሞ፣ ብዙሓት ኣህዛብ ብዛዕባ ክርስቶስ ብዙሕ ሓሶት ጽሑፋት ይጽሕፉ ኔሮም። እምበኣር ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ቀንዲ ዕላማ ነዚ ኩሉ ምጽራር መልሲ ንክህበሉን ንዓርኩ መቃርዮስ ኣብ ክርስቲያናዊ ህይወቱ ንክጸንዕ ንምግባርን ነበረ።

ጽማቚ

ብሓፈሻ እዛ መጽሓፍ ትሽዓተ ምዕራፍ ሃሊይዋ፣ እታ መበል ታሽዐይቲ መደምደምታ እያ። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዛዕባ ስነ-ፍጥረትን ዉድቀት ደቂ-ሰባትን ይገልጽ። ንሰብ ዝፈጠሮ ወልድ ምዃኑን፣ በዘይብኡ ካልእ ፈጣሪ ከምዘየልቦ፣ ይምህር። ወልድ (ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ንሱ ባዕሉ ንሰብ ስለዝፈጠሮን፣ ደጊሙዉን ከድሕኖ ዝኽእል ንሱ ምዃኑን ብዝተፈላለየ ኣገባብ የረድእ። ኣብዚ ንናይ ፍልስፍና ፕላቶን፣ ናይ ግኖስቲክ ትምህርቲን መልሲ ሂብሉ ንረኽቦ።

ካልአይትን ሳልሰይቲን ምዕራፍ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ጸገምን መፍትሒን ይምህር። ማለት ኣዳም ዕጸ በለስ ምስ በልዐ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ከምዝነገሰን፣ ናብ ደቂ ሰባትዉን እዚ ሞት ከምዝተመሓላለፈን ብምስትምሃር፣ ነዚ ኹሉ ፍታሕ ክኸዉን ዝኽእል እንታይ እዩ ብምባል ንኩሉ ነገር መርሚሩ፣ ኣብ መወዳእታ፣ እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ወልድ ማለት ቃል ባዕሉ ስጋ ለቢሱ ከድሕነና ጥራይ ምኻኑ፣ ይምህረና።

ራብኣይን ሓምሻይን ምዕራፋት፣ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤኡን ኮይኑ፣ ስለምንታይ ሞቱ፣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ተራእዩ፣ ትንሳኤኡ ግና ብዉሕዳት ተራእዩ፣ የረድእ። ዝቕጽላ ሰለስተ ምዕራፋት፣ ንኣይሁድን፣ ንኣህዛብን መልሲ ሂቡሉ ኣሎ። ኩለን ምዕራፋት ናይዚ መጽሓፍ ሓጸርቲ፣ ብሩሃት፣ ሎጂካዊን፣ መንፈሳዊን ኮይነን፣ ቋንቋ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና ኣዝዩ ከቢድ እይ። ኮይኑ ግና እዘን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ምዕራፋት ኣዝየ እየ ዝፎትወን።

እምበኣር ቀዳማይ ክፋል ጀባእ እብለኩም፣ ሓደራ ኣንቢብኩም፣ ሓንቲ ኣቡነዘበሰማያት ኣይትረስዑ።
ብክርስቶስ ድኹም ሓዉኩም