ስግዉ ቃል 1

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።

መዘኻከሪ

ሓደ ጽሑፍ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ክትቱርጉሞ ከቢድ እዩ፣ ብፍላይ ናይ ቴኦሎጂካዊ ትርጓሜን፣ ዓሙቊ ጽሑፋዊ ስራሕ ምትርጓም፣ ምርምርን ዝያዳ ጻዕሪን ይሓትት። ብወገነይ፣ ኣንባብያን ዝርድእዎ መንገዲ ክኸዉን ይኽእል`ዩ ኢለ ብዝሓሰብክዎ፣ ቶርጊመዮ ኣሎኹ። ግን ገለ መረዳኣታ ክህልወኩም ነዘን ነጥቢ ኣብ ግምት ሓዝወን።
  1. ስልቲ ትርጉም ዳርጋ 97% ቀጥታዊ እዩ፣ እዚ ዉን ዝኾነ ነገር ክዉስኽ ድሌት ኮነ ዕላማ ስለዘይብለይ እዩ። ግን ገሊኡ እንግሊሽ ነዊሕን ዝተሓሓዘን ስለዝኾነ፣ ነዚ ናብ ዝተፈላለየ ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳብ ብምቕያርን ተወሰኽቲ መራኸቢ ቃላት እንዳእተኹን ኣቕሪበዮ።
  2. The Word (Word) ትብል ሓረግ ኣብዛ መጽሓፍ 163 ግዜ  ተደጋጊማ ንረኽባ። ስለዚ ነዛ  ሓረግ ካብቲ ካልእ ንክትፍለ ቦልድ ጌረ ጽሒፈያ።
  3. ኣብዛ መጽሓፍ ቅ.ኣትናቴዎስ፣ ን ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብስሙ ወይ ዉን  ቃል፣ ወልድ፣ መድሓኒ እንዳበለ ይጽዉዖ። ኣብ ገሊኡ ከምቲ ንሱ ዝበላ፣ ኣብ ገሊኡ ኣብ ሓጹር () መወሰኽታ ሽም እንዳእተኹ፣ ኣብ ገሊኡዉን ነዊሕ ናይ ኣኽብሮት ኣገላልጻ ብምእታዉ ጽሕፈዮ።
  4. ቀንዲ ሕመረት ናይዚ መጽሓፍ ኣብ ክልተ ቃላት ዘተኮረ እዩ፣ the Word & Corruption. ነታ ቀዳመይቲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ኮይኑ፣ ነታ ካልአይቲ ግና ብዝተፈላለየ ቃላት ክትክኣ መሪጸ። Corruption ማለት ብግእዝ ምምሳን ብትግርኛ ምምሽማሽ እዩ። ነዘን ቃላት ጥራይ ኣብ ትርጉም ምጥቃም፣ ዳርጋ ነቲ መልእኽቲ ሕንፍሽፍሽ ምግባር ኮይኑ ስለዝተራእየኒ፣ ኣብ ሓጹር ወይ ከኣ፤ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት ብምባል ቶርጊመዮ።
  5. ኢንግሊሽ ከተንብቡ ትኽእሉ ንዑ ኣንቢብኩም ነዚ ትግርኛ እንተትርእይዎ ምመረጽኩ። እግረ መገድኹም መኣረምታ ክትገብሩ ዕድል ስለዝህብ። ነዚ ጽሑፍ እተንብቡ ዘለኹም የሕዋት፣ መንፈሳዉያን ምኳንኩም እምነት ስለዘለኒ እርማት ኣብ ምሃብ ድሕሪ ከይትብሉ፣ ብስም ድንግል ማርያም ይምሕጸነኩም።

ምዕራፍ 1. ስነፍጥረትን ዉድቀትን (Creation and the Fall)

Prevention Although there are several treating methods like vacuum devices, ICP, hormone replacement therapy, ICP, penile viagra generika implant, surgery, psychotherapy and erection-enhancing medicines are extremely helpful to relieve the condition.

1.   ኣብታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ (Against Heathen) ብዛዕባ ናይ ኣህዛብ ኣምልኮ ጣኦትን ከንቱ ኣምልኮኦምን ከመይ ኢሉ ከምዝጀመረ፣ ብጸጋ ኣምላኽ ገሊጸልካ ኔረ። ከምኡዉን፣ ብዛዕባ ቃል ተዘራሪብና ኔርና፣ ንሱ መለኮታዊ ምዃኑን፣ ኩሉ ፍጥረታት ንፍቓዱን ስልጣኑን ዝግዝኡሉን፣ እግዚአብሔር ኣብንዓለም ብእኡ (ብቃል ማለት ብወልድ) ኣቢሉ ከምዝፈጠረን፣ ኩሉ ነገር ብእኡ ከምዝመሓደርን፣ ህላዌኦምዉን ብእኡ ከምዝኾነ ገሊጸልካ ኔረ። መፍቀሪ ክርስቶስ ዝኾንካ መቃርዮስ፣ ሕጂ ኸኣ፣ ቃል ከመይ ኢሉ ሰብ ከምዝኾነን፡ ኣብ ማእከልና ከምዝሓደረን እናተዘራረብና ብዛዕባ እዛ ቅድስቲ እምነትና ኣዕሚቕና ክንማሃሃር ኢና። ንኣምላኽ ዘለኻ ፍቕርን ቃሉ ንምጽናዕ ዝህልወካ ተወፋይነትን ልዕሊ ዂሉ ክኸዉን ግና ይግባእ።
     ኣይሁድ ዝንዕቅዎ፣ ግሪካዉያን ዝጸርፍዎ፣ ንሕና ግና ኣዚና እነኽብሮ ሚስጢር ክርስቶስ ንምስክር። ብስጋዊነቱ (ብሰብኣዊነቱ) ንኡስ ክብሪዉን ዘይግብኦ ይመስል። ነዚ ርእዮም ዘይኣመንቲ ኣጽዋር ጸርፊታቶም ኣዝነቡሉ፣ እቲ ዝገርም ግና፣ ኣብ ከምዚ ኩነት`ዩ ኣምላክነቱ (መለኮታዊነቱ) ዝያዳ ዝተገልጸ። ብዓይኒ ሰብ ጠሚቶም ዘይከኣል (impossibleንዝበልዎ፣ ኩሉ ከምዝከኣል ብግልጺ ኣርኣየ፡ ነቲ ዘይብቁዕ ( unfitting) ኢሎም ዝተጸየፍዎ፣ ብምሕረቱ (ቸርነቱ) ብቁዕ ገበሮ፡ ፈላጣት ኢና በሃልቲ ናይ ሰብ ነገር መሲልዎም ዘላገጽሉ፣ መለኮት ኣወሃሂዱ ኣኽበሮ።  በቲ ንዑቅን ድኩምን ዝመስል ሞት ኣብ መስቀል ኣቢሉ፣ ንኣምልኮ ጣኦትን ርኹስ ስርዓቶምን ሰዓሮ። ብስቅታን ህድኣትን መንገዲ ጌሩ ንልቢ ዘይኣመንቲ ኣህዛብን መላገጽቲ ዓለማዉያንን ብምስሓብ፣ ኣምላኽ ምዃኑ ኣሚኖም ከምዝቅበልዎ ገበረ።
        እምበኣር ነዚ ኹሉ ክንርዳእ፣ ነቲ ቅድም ዝበልናዮ ከንምለሶ ኢና። `ስለምንታይ እዩ፣ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ቃለ ኣብ ብስጋ ሰብ ዘተግልጸ፧’  ንባህሪኡ ዝመዓራረዮ ኣካል ኣይኮነን ዝተዋሃሃደ፣ ንዕዑ ዝብቅዕ ኣካል ዉን ኣይርከብን፣ ምክንያቱ ንሱ ኣካል  ዘይብሉ ቃል (Word without body) ስለዝኾነ። መሓሪ ኣምላኽን፣ ድሕነት ደቂ-ሰባት ዝደሊ ፈቃርን ስለዝኾነን ጥራይ እዩ፣ ስጋ ሰብ ዝለበሰ። ስለዚ እግዚአብሔር ንዓለም ከመይ ጌሩ ከምዝፈጠራ ብምርኣይ ክንጅምር ኢና። ነዚ ነጥቢ ኣቐዲምካ ክትርድኦ ይግባእ። ፍጥረት ዝደሓነን ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ዝተመልሰን፣ በቲ ኣብ መጀምርታ ዝፈጠሮ ቃል እዩ (the renewal of creation has been brought by the Self-same Word Who made it  in  the beginning)። ዓለም ዝተፈጥረት ብቃል (ብወልድ) እዩ፣ መሊሳ ዉን ዝደሓነት ዉን ብእኡ ብቃለ አብ እዩ።  ኣብ መንጎ ስነፍጥረትን ድሕነት ደቂ ሰባትን ርክብ ኣሎ። አብ ነዚ ክልቲኡ ዕዮ ክዓዪ ሓደ መሳርሒ እዩ ተጠቒሙ። አብ ብወልድ (ቃል) ኣቢሉ ንዓለም ፈጠራ፣ መሊሱዉን ብወዱ (ብቃሉ) ኣድሓና።

ኣብ ፍቕዲ ሓደ፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ስነመጎታዊ መእተዊ እዩ ዝገብር። ንመቃርዮስ ኣብ ፍቕሪን ቃል ኣምላኽ ክጸንዕ ብምዝክኻር፣ ናብታ ሕመረት መልእኽቲ ናይ ኦርቶዶክስ ይመጽእ። ፍጥረት ዝደሓነን ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ዝተመልሰን፣ በቲ ኣብ መጀምርታ ዝፈጠሮ ቃል እዩ። ዓለም ዝተፈጥረት ብቃል (ብወልድ) እዩ፣ መሊሳ ዉን ዝደሓነት ዉን ብእኡ ብቃለ አብ እዩ።  ኣብ መንጎ ስነፍጥረትን ድሕነት ደቂ ሰባትን ርክብ ኣሎ። አብ ነዚ ክልቲኡ ዕዮ ክዓዪ ሓደ መሳርሒ እዩ ተጠቒሙ። አብ ብወልድ (ቃል) ኣቢሉ ንዓለም ፈጠራ፣ መሊሱዉን ብወዱ (ብቃሉ) ኣድሓና።”  ንኣብነት ሓደ ሰብ ሓንቲ ጽብቕቲ ምዕብልቲ መሳርሒ፣ ምሂዙ ንበል። እዛ ምህዞ እንተተባላሽያ፣ መን እዩ ከዐርያ ዝኽእል፧?! ባዕሉ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝመሃዛ፣ መሃዛይ እዩ፣ መሊሱ የዐርዩ፣ ናብ ናይ ቀደም ኣገልግሎታ ክመልሳ ዝኽእል። ከምኡ ዉን ንሰብ ፈጣሪኡ፤  ቃል (ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) እዩ፣ መሊሱ ሰብ ብናቱ ሸለልተኝነትን፣ ብዲያብሎስ ምትላልን ብሰንኪ ሞት ናብ ዘልኣለማዊ ምምሳን ክኸይድ ምስ ጀመረ፣ እቲ ኣብ መጀመርታ ፈጣሪኡ ዝዀነ ቃል ንሱ እዩ መጺኡ ከም ብሓድሽ ክሕድሶ ዝኽእልን፣ ናብ ቀደም ክብሩ ዝመልሶን። ነዚ ዉን ኣብ ዉዳሴ ማርያም ናይ ሶንይ “ፈቀደ እግዚእ ያግእዞ ለኣዳም፣ ህዙነ ወትኩዘ ልቡ፣ ወያግብኦ ሃበ ዘትካት መንበሩ” /ጐይታ ነቲ ትኹዝን ሕዙን ልቢ ንዝነበረ ኣዳም ከድሕኖ ፈተወ፣ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ዉን መለሶ (ናብቲ መልክዕ ምስሊን ኣምላኽ መለሶ) ንብል

2.  ብዛዕባ ስነ-ፍጥረትን ኣፈጣጥራ ዓለምን፣ ብዙሕ ኣበሃህላ ኣሎ፣ ነፍሲ ወከፎምዉን ንገዛእ ርእሶም ዝጥዕሞም መግለጺ ይህቡ። ንኣብነት ናይ ገሊኦም ሃበስ ቀደስ፣ ዓለም ባዕላ ንባዕላ እያ ተፈጢራ ይብሉ (all things are self-originated)። ዓለም ዝፈጠረ ጥበብ ከምዘሎ ዝክሕዱ  ኤፒኩሪያን (The Epi-cureans) ኣብነት ናይ ከምዚኦም እዮም። እዚ ኣብሃህላ ግና፣ ንኹሉ ህላዌታትን ንናይ ገዛእ ርእሶም ህላዌ`ዉን  ከይተረፈ ዝጻረር እዩ። ኩሉ ነገር ብኸምዚ ዝባሃል ኣገባብ ዝመጽአ እንተዀይኑ ደኣ ስለምንታይ ኩሉ ነገር ሓደ ዓይነትን ተመሳሳሊን ዘይከዉን። ምኽንያቱ ባዕሉ ንባዕሉ ዝፍጠር ነገር ሓደ ዓይነትን ተመሳሳሊን`ዩ ዝኸዉን። ኣብ ኣድማስ ኩሉ ነገር ጸሓይ፡ ወይ ወርሒ፡ ወይ ሓደ ዓይነት ነገር ጥራይ ምኾነ። ኣብ ኣካላትና ዉን ተመሳሰሊ ነገር ምኾነ፣ ኩሉ ኣካልና ኢድ ጥራይ፣ ወይ ዓይኒ፣ ወይ እግሪ ጥራይ ምኾነ። ግን ኣብ ባይታ ዝተፈላለየ ነገር ኢና ንረኽብ፣ ጸሓይ፣ ወርሒ፣ ዓለም. . . ወዘተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ኣብ ኣካልና ዉን፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣሎና፣ እግሪ፣ ኢድ፣ ርእሲ . . .ወዘተ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ዓለም ዘሎ ፍልልይን ዘይምምስሳልን፣ ነገራት ባዕሎም ዝተፈጥሩ ዘይኮነስ፣ እዃ ደኣ ነዚ ኹሉ ምኽንያት ከምዘለዎን፣ ነዚ ኩሉ ፍሉያት ነገራት ዝፈጠረ ጥበብን ኣእምሮን ከምዘሎን የረድኣና። ናይዚ ኩሉ ሃንዳሲን ፈጣሪን ጥበብን ኣእምሮን ኸኣ እግዚእብሔር ባዕሉ እዩ።

ገለ ሰባት ዓለም ባዕላ ንባዕላ እያ ተፈጢራ (Self Originated) ዝብሉ ኔሮም፣ ኣብ ግዜ ቅ.ኣትናቴዎስ (ኣብ ግዜና ዉን ኣለዉ)። ንመረዳእታ ቅዱስ ኣቦና ናብ ተፈጥሮ ንጠምት። ንኣብነት ብእሳተጎመራ ዝተፈጥሩ ጎቦታት ንርአ። ኩሎም ዳርጋ ተመሳሰልቲ እዮም። ከመይሲ ብሓደ መስርሕ ስለዝተፈጥሩ። ግን ኣብ ደቂ ሰባትን ኩሉ ስነፍጥረትን ከምኡ ኣይኮነን፣ ከማን ብጣዕሚ ፍልልይ ኣሎና (diversified)። እዚ ፍልልይ ኸኣ ህላወ ኣምላኽ መረጋገጺ እዩ። ነዚ ኹሉ ዝተፈላለየ ቅርጺታት፣ ትሕዝቶን ዕላማን እንዳሃበ ዝፈጠረ፣ ዉን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ገሊኦም ናይቲ ሓያል ግሪካዊ ፈላስፋ ፕላቶ ኣተሓሳስባ ይስዕቡ። ንሱ፣ ኣምላኽ ካብ ህልው ነገር እዩ ንዓለም ዝፈጠረ፣ ይብል። ከምቲ ሓደ ጸራባይ ካብ ዕንጨይቲ ዝተፈላለየ ኣቕሑት ዝሰርሕ፣ ንኣምላኽ ዉን ከምኡ ጌሮም ይገልጽዎ። ነዚ ብምባሎም ዉን ንእግዚእብሔር ይድርትዎ። ኣምላኽ ናይ ነገራት ኩሉ ምንጪን፣ ምክንያተ ህላወን ምዃኑ ይክሕዱ። ጸራባይ እንጨይቲ እንድሕሪ ዘይረኺቡ ኣቕሑት ክሰርሕ ከምዘይኽእል፣ ኣምላኽ ዉን ካብ ህሉው ነገር ንዓለም ፈጢሩ ምባል፣ ንኣምላኽ ምድራት እዩ። ኣምላኽ ንዓለም ክፈጥር ኣብ ካልእ ግዳማዊ ነገር ዝምርኮስ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ከመይ ጌርና ፈጣሪ ንብሎ፧ ካብ ህሉው ነገር ተበጊሱ ዝፈጥርን፣ ንነገራት ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላው ዘምጽአ ሓይሊ እንድሕሪ ዘይኮይኑ፣ ጸራባይ እምበር ፈጣሪ ኣይንብሎን። እግዚአብሔር ግና ከምኡ ኣይኮነን፣ ካብ ዘይምንባርን ዘይምህላዉን ዝፈጠረ፣ ፍጹም ኣምላኽ እዩ።
ስነ-ሓሳብ ናይ ግኖስቲክ ኸኣ ንዉሰድ፣ ንሳቶም ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቡኡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ ኣሎ፣ ይብሉ። እዚ ግና ጌጋ እዩ፣ ነዚ መረዳእታ ዝኾነና ጐይታ ምስ ኣይሁድ ዝገበሮ ዝርርብ እዩ። ጐይታ፤ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ክጣበቅ ከምዝግባእ ከረድኦም እንከሎ፣ “እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም”   ይብሎም። እዚዉን ካብ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ጠቂሱ ፣ መሊሱ ነዚ ሓሳብ ምስ ፈጣሪ ኣተሓሒዙ “ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ሰብ ኣይፍለዮ ብምባል መደምደምታ ጌሩሉ /ማቴ 19፥4-6/። ካብ አብ ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ ከመይ ይርከብ፧ ቅዱስ ዮሃንስ ዉን ከምዚ በለ ብእኡ ዂሉ ዀነ፣ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን’’’/ዮሃ 1፥3/። ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ፣ ከመይ ይህሉ፧!
 ይቕጽል. . . . . . . . .