ርእሰ መነኮሳት ኣባ እንጦንስ

ምንኩስና ካብ ዝጀመሩ ቀዳሞት ኣቦታት እዩ፣ ኣባ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት። ቅዱስ እንጦንስ ዓቢ (St Anthony the Great)፣ ርእሰ መነኮሳት፣ ኣቦ ምንኩስና. . .ካብተን ቤተክርስቲያንና እትጽዉዓሉ ናይ ክብሪ ኣስማቱ እዩ። ክርስቲያን ካብ ዝኾኑ ሓረስቶት ስድራቤት እዩ ተወሊዱ። ኣብ ከባቢ 269 ዓ.ም. ኣብ ቤተክርስቲያን ወንጌል ክንበብ እንከሎ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ እሞ፣ “ዘለካ ኲሉ ሸይጥካ፣ ንድኻታት ሃብ፣ . . . ንዓ ሰዓበኒ” ትብል ቃል ወንጌል ኣብ ልቡ ሓደረት። በዚ ተደሪኹ፣ ነዛ ጥቅሲ ኣብ ህይወቱ ተግበራ፣ ዘለዎ ኲሉ ሃብቱ ሽይጡ ንድኻታት ብምሃብ ዉን ናብራ ብሕትዉና ኣብ ከባቢ`ታ ከተማ ጀመረ። ሓደ ባሕታዊ ዉን ነዚ ህይወቱ ይመርሖ ነበረ። ኣብ ከባቢ 285 ዓ.ምDo not be afraid to Click This Link buy cialis experiment with treating impotence.. ናብ በረኻታት ግብጺ ብምኻድ ዉን ኣብኡ ፍጹም ናብራ ብሕትዉና ተታሓሓዞ። ዕዮ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ስለዝዓዘዘ ከኣ ብዙሓት ደቀመዛሙርቲ ከፍሪ ጀመረ። ኣብ ከባቢ 305 ዓ.ም. ካብ በዓቱ ብምዉጻእ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኣባታዊ ጉስነቱ ክመርሖም ጀመረ፣ ድሕሪ 5 ዓመት ከኣ መሊሱ ናብ በዓቱ ተመልሰ። ክልተ ግዜ ናብ ከተማ እስክንድርያ ምብጻሕ ጌሩ፣ ሓንሳብ ክርስቲያናት ክስደዱ እንከለዉ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ፣ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣንጻር ኣርዮሳዉያን ኣብ ዝቃለሰሉ ዝነበረ። ቅዱስ እንጦንስ ህይወት መላኣኽቲ ዝመቐረቱ ናብራ ምንኩስና መስረት ዘንበረን፣ ዘስፋሕፈሐን ኮይኑ፣ ድሕሪ ነዊሕ ተጋድሎ ኣብ 105 ዓመቱ ዓረፈ። ታሪክ ህይወቱ ዝጸሓፈ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ እዩ።

ብሂል ቅዱስ እንጦንስ

1.  ሓደ መነኮስ መጺኡ ንኣባ እንጦንስ “ሰብ ንእግዚአብሔር ከሐጉሶ እንድሕሪ ደልዩ እንታይ ክገብር ኣለዎ፧?”  ኢሉ ሓተቶ፣ ኣባ እንጦንስ ከኣ ከምዚ ምባል መለሰ “ነዚ ዝብለካ ኣስተዉዕለሉ፣ መንናትካ ብዘየገድስ፣ ኲሉግዜ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣንብሮ፤ ዝኾነ ነገር ክትገብር ከሎኻ ብመርሒነት ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን፤ ኣብ ዝዀነ ቦታ ንበር፣ ሱቕ ኢልካ ኣይትግደፎ። ነዘን ስለስተ ነገራት ተግብረን ሽዑ ክትድሕን ኢኻ።” 

2. ኣባ እንጦንስ ንኣባ ጳሞን ከምዚ ኢልዎ “ሰብ፤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደዉ ኢሉ ስለቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ገዛእ ርእሱ ዝወቅሳን፣ ክሳብ መወዳእታ ትንፋሱ ዉን ከይተዘናገዐ ፈተና ዝጽበይን እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣዝዩ ሓያል እዩ”።

3. “ፈተና ዘይሰገረን ዘይተሞክረን ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣትዉን፣ ብዘይ ፈተና ማንም ክድሕን ኣይኽእልን”

4. ኣባ ጳሞን “እንታይ ክገብር፧” ብምባል ንኣባ እንጦንስ ሓተቶ። ኣባ ዉን ከምዚ ኢሉ መለሰሉ “ኣብ ገዛእ ጽድቓ ኣይትመካሕ፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ኣይትጨነቅ፣  ከብዲኻን ምልሓስካን ዉን ሓሉ”