ስግው ቃል 2

ምዕራፍ 1. ስነ-ፍጥረትን ዉድቀትን. . .

3.   ርእይቶ ደቂ ሰባት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኮይኑ፣ ድፍረት ዝመልኦ ዕሽነቶም ኸኣ ብትምህርቲ ክርስቲያናዊ እምነት እዩ ዝግለጽ። ንሕና ንፈልጦ እዚ’ዩ፣ ንኣድማስ ዝፈጠረ ጥበብን ኣእምሮን ኣሎ፣ ዓለም ባዕላ ዝተፈጥረት ዘይኮነትሲ እግዚአብሔር ኣምላኽ `ዩ ፈጢርዋ። ኣምላኽ  ድሩት ዘይኮነሲ፣ ፍጹም ዘይዉስን እዩ፣ ስለዚ ንዓለም ካብ ህሉው ነገር ዘይኮነስ፣ ካብ ዘይምህላዉን ካብ ዘይምንባርን ማለት እም ሃበ ኣልቦ እዩ ፈጢርዋ። ኣምላኽ ንዂሉ ነገር ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ብቃል ኣቢሉ ፈጠሮ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት “ኣምላኽ ብምጀመርታ ሰማይን ምድሪን ፈጠረ ” ይብል /ዘፍ 1፥1/። ከምኡ ዉን ኣብታ ናይ ሄርማስ ጓሳ(The Sheperd of Hermas) ትብል መጽሓፍ ዉን ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ንረኽብ “ ቅድም ቀዳድም ነዚ ነገር ፍለጥ፣ ሓደ ኣምላኽ ከምዘሎን፣ ንኲሉ ነገር ዝፈጠረን ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ንዂሉ ዘዳለወ ዉን ንሱ ሓደ ኣምላኽ ምኳኑ እመኑ።” / The Shepherd of Hermas, Book IIThis results in reduced blood supply to the penis leading to rock solid generic viagra online cute-n-tiny.com erections for greater time.. I /። ቅ.ጳዉሎስ ዉን ኣብ መልእክቱ ነዚ የረድኣና፣ “ዓለም ብቃል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፣ ከም ኡዉን እቲ ዚርኤ ካብ ዘይርኤ ከም ዝዀነ ብእምነት ነስተዉዕሎ ኣሎና።” /ዕብ 11፥3/። እግዚእብሔር ሰናይን፣ ምንጪ ዂሉ ሰናያትን እዩ። ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ ኣምላኽ ኸኣ በቃቕ ወይ ነፋግ ክኸዉን ፍጹም ኣይኽእልን። ነፋግ ወይ በቃቕ ስለዘይኾነ ኸኣ፣ ብቃሉ ማለት ብጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንዓለም ካብ ዘይምንባር (እም ሃበ ኣልቦ) ናብ ምንባር ፈጠራ። ካብዞም ኹሎም ፍጥረታት ዓለም፣ ንዘርኢ ሰብ ጥራይ ፈልዩ ፍጹም ጸጋን ምሕረትን ኣዳለወሉ። ሰብ ብባህሪኡ ከም እንስሳ ግዚያዊ ፍጡር እዃ እንተኾነ፣ ኣብ ካልኦት እንስሳታት ዘይርከብ ፍሉይ ትዕድልቲን ጸጋን ግን እግዚአብሔር ዓዲልዎ እዩ። እዚ ፍሉይ ጸጋ ወይ ትዕድልቲ ኸኣ፣ ንወልደ ኣምላኽ ክመስሉ፣ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ምዉናን እዩ። ብኸምዚ ኸኣ ንወልደ ኣምላክ ይመስሉ። ስለዚ ሰብ ክነብር እንከሎ፣ መልክዕን ኣእምሮን ኣምላኽ እዩ ዘግህድ ወይ ዝገልጽ። ብዝተወሰነ ደረጃ ደኣ ይኹን እምበር፣ ኣብ ገነት ንዘልዓለም ብቅድስና ክነብሩ`ዩ ተመዲቡ።
ኾይኑ ግና፣ ሰብ ብናጻ ፍቃድ ዝተፈጥረ ስለዝኮነ፣ ዝሓሸን ዝደለዮን ክመርጽ ይኽእል። ኣምላኽዉን ካብ መጀመርታ፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዘሕደሮ ጸጋ ብክልተ ቅድመ ኩነት ከምዝሕሎ ገበሮ።  እዘን ክልተ ቅድመ ኩነት፣ ቦታን (ገነት)፡ ሕጊን (ዕጸ-በለስ ንከይበልዑ)  እየን። እግዚአብሔር ኣብቲ ናቱ ቦታ ኣብ ገነት ኣንቢሩ ሓንቲ ከልካሊት ሕጊ ኸኣ ሃቦም። ጸጋኦም ዓቂቦም፣ ናይ ቅድም ቅድስንኦም ብፍቕሪ ሓልዮም እንተነበሩ፣ እታ ቃንዛ፣ ሕማም ኮነ ጓሂ ዘይብላ ናይ ገነት ህይወት ንኽነብሩን፣ ብድሕሪኡ ዉን ንዘልኣለም ህያዋን ኮይኖም ኣብ መንግስተ ሰማያት ይነብሩ።  ግን ዝተዋህቦም ጸጋ ዉልድነት ደርብዮም፣ ናብ ክፍኣት ዘንቢሎም፣ ካብ መንገዲ ኣምላኽ እንተልገሱ ግና፣ ኣብ ትሕቲ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ሞት ይወድቁ፣ ኣብ ገነት ዉን ኣይነብሩን። እንታይ ደኣ፤ ካብ ገነት ወጻኢ ይሞቱ፣ ኣብ ትሕቲ ሞትን ጥፍኣትን (ምምሽማሽን) ኸኣ ወዲቆም ይነብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዉን ንሕጊ እግዚአብሔር ክነግር እንከሎ፣ ነዚ ሓሳብ`ዩ ዘረድኣና፣ “ካብ ኲሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፣ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፣ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመዉት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ ” /ዘፍ 2፥16/። “ሞት ክትመዉት ኢኻ” /“Ye shall surely die”/ ክብል ከሎ ሞት ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ፣ ኣብ ኲነት ሞትን ምምሽማሽን ይጸንሕ ማለቱ’ዩ።
4. ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ቃል ስጋ ምዃኑ ገዲፍና፣ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰባት ምዝራብና፣ ይገርመካ ይኸዉን። ክልቲኡ ነጥቢ ግን ምትሕሓዝ ኣለዎ። ናትና ጌጋ፣ ንቃል ካብ ሰማይ ኣዉረዶ፣ ናትና ምጥሓስ ሕጊ፣ ፍቕሩ ንኽገልጽ ገበሮ። ኣምላኽ ክረድኣናን፣ ከድሕነናን ኣብ ማዕከልና ተረኽበ። ስጋ ንክወሃሃድ ምኽንያት ዝኾንናዮ ንሕና ኢና። ምእንቲ ድሕነትና ክብል ብፍቕሪ፣ ስጋ ለቢሱ ተወልደን ተገልጸን። ኣምላኽ ንሰብ፣ መንፈስ ዝተወሃሃደ ስጋ ጌሩ ብምፍጣር ንዘልኣለም ንኽነብር’ዩ መዲብዎ። ሰብ ግን፣ ካብ ሕጊ ኣምላኽ ኣልጊሱ ናብ ናይ ክፍኣት መንገዲ ዘንበለ፣ ከም ዉጽኢቱ ዉን ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሞት ወደቐ። ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣምላኽ ዝፍጠሮም ዂነት (state) ዝጸንሕ፣  ናብ መስርሕ ዘልኣለማዊ ጥፍኣትን ምምሽማሽን ይኸይድ ነበረ። ሞትዉን ፍጹም ገዚኣቶ ነበረት። ሰብ ሕጊ ምጥሓሱ ናብቲ ናይ ቀደም ቦህሪኡ ናብ ዘይምንባር  (ዘልኣለማዊ ሞት) ከምዝምለስ ኾነ። ቅድም ዉን ካብ ዘይምንባር (ዘይምህላው) ናብ ምንባር (ምህላው) እዩ ተፈጢሩ፣ ሕጂ ኸኣ ብሰንኪ ጥፍኣት ተመሊሱ ናብ ናይ ቀደም ዂነት ማለት ናብ ዘይምህላው ይኸይድ ነበረ። 
ናይ ቃል (ወልድ) ህላወን ፍቕሪን  እዩ ናብ ምንባር ዝጸዉዓና፣ ስለዚ ነቲ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ኣምላኽ ምስ ሰኣኑ (ምስ ኣጥፍኡ) ኸኣ፣ ናብ ዘይምንባር ይምለሱ። እምበርከ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘልዓለማዊ፣ ክፍኣት ግን ኣንጻር ሰናይ ነገር ስለዝዀነ ህላወ የብሉን። ሰብ ካብ ዘይምንባር ስለዝተፈጥረ (he was made from nothing)፣ መዋቲ እዩ፣ ኮይኑ ግና መልክዕን ምስሊን አምላኽ ኸኣ ኣለዎ። ነዚ ምስሊን መልክዕን ኣምላኽ፣ ሕጊ ብምሕላው ብቀጻሊ እንድሕሪ ዓቒብዎ፣ ንዘልኣለም ህያው ኮይኑ ክነብር ይኽእል። ሰሎሞን ዉን ነዚ ከብርሃልና እንከሎ ኣብ መጽሓፈ ጥበብ ከምዚ ይብል፣ “ምሕላው ሕጊ ከም ዘይትመዉት ምርግጋጽ ማለት እዩ።” /ጥበብ 6፥18/። ሰብ ንጹህ፣ ቅዱስን ምዃኑ፣ ምስ እግዚአብሔር የመሳስሎ፣ ከምቲ መጽሓፍ ዝብሎ “ኣነስ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ ኩላትኩም ዉልድ እቲ ልዑል ኢኹም፡ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፣ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዉን ክትወድቁ ኢዂም፣ በልኩ።” /መዝ 82፥6/።
5. ኲነት ደቂ ሰባት እምበኣር ከምዚ እዩ ኔሩ። እግዚአብሔር ካብ ዘይምህላዉ ፈጢርዎም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብጸጋ ቃሉ ኣቢሉ፣ ህይወት ኣልቢስዎም ነበረ። ከምኡ ህያዉ ኮይኖም ክነብሩ ፈጠሮም። ሰባት ግና ብምኽሪ ዲያብሎስ፣ ካብቲ ዘለዓለማዊ መንገዲ ኣልጊሶም ናብቲ ናብ ጥፍኣት መንገዲ ኣቅንዑ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥፍኣት ዉን ባዕሎም ኣወጁ። ዘለዓለማዊ ኩነኔ ብሞት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊኦም ነገሰ። ከምቲ ዓንተቦ ዝበልክዎ፣ ሰባት ብተፈጥሮኦም መወትቲን ግዚያዊን እኳ’ንተዀኑ፣ ካብ ሕብረት ቃል ዝረኸብዎ ጸጋ ግና ነዚ ሕጊ ተፈጥሮ ክስዕሩ ኣኽኢልዎም። ነዚ ዉህበት ጸጋ እንድሕሪ ዓቂቦሞ ኸኣ ንዘለዓለም ይነብሩ። ህላወ ቃል ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዉን ካብዚ ተፈጥሮኣዊ ሞት (ዘይምንባር)  ዓቂብዎም። “እግዚአብሔር ንሰብ ዘይመዉት ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። እወ ብመልክዑ ዘለዓለማዊ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ሞት ግና ብቅንኣት ሰይጣን እያ ናብ ዓለም ዝኣተወት።” /ጥበብ 2፥23-24/ ኢሉ ንጉስ ሰሎሞን ዝተዛረቦ ዉን ነዚ ከረድኣና እዩ። እዚ ምስዀነ ዉን፣ ሰባት ክሞቱ ጀመሩ፣ ዘለኣለማዊ ምምሽማሽ ዉን ኣብ ኩሎም ነገሰ፣ ናብ ናይ ቀደም ተፈጥሮኣዊ ደረጃዉን ከምዝምለሱ ገበሮም። ምክንያቱ፣ ሕጊ ብምጥሓሶም ካብ እግዚአብሔር ዝተበየነ መቅጻዕቲ ስለዝዀነ። ንሓጢኣት ሓንሳብ ምስ ጀመርዎ፣ ብኡ ኣቢሎም ቀጸልዎ፣ ሞትን ዘልዓለማዊ ምምሽማሽን ኣብ ልዕሊኦም ነገሰ። በገቢረ ሓጢኣት ዉን ካብ ሕማቕን ክፉእን፣ ናብ ዝገደደ ክፍኣት ቀስ እንዳበሉ ዉን ንኩሉ ደረት ክሳዕ ምስጋር በጽሑ። ልክዕ ከም ሓደ ሸዉሃቱ ዝተኸፍተሉ ሃርጋፍ ዉን፣ ሓደስቲ ሓጢኣት ብምምሃዝ ሽውሃት ሓጢኣቶም ኣርወዩ። ዝሙትን ቅጥለትን ኣብ ኹሉ እዩ፣ ዓመጽን ቅትለትን ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርግሐ፣ ሕጊ ተሳዒሩ፣ ፍትሒ ተናዒቁ። ዂሉ ዓይነት ሓጢኣት ብኩሉ ሰብ (ብሕብረት ይኹን ብዉልቂ) ተፈጸመ። ከተማ ምስ ከተማ፣ ሃገር ምስ ሃገር ኲናት ገጠሙ፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተለዓለ። ኣብ ኲላ ምድሪዉን ጃንዳዊ ህልቀትን ኲናትን ዀነ። ነንሕድሕዶም ዉን ብግብሪ ክፍኣት ይቀዳደሙ ነበሩ። ዘይተፈጥሮኣዊ ሓጢኣት ዉን ነበር። ሰማዕት ዝዀነ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያ፣ ቅ.ጳዉሎስ ነዚ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፣ “ደቂ ኣንስትዮኦም ከይተረፋ ነቲ ባህርያዊ ግብረ ስጋ ናብ ዘይባህርያዊ ለወጥኦ፣ ሰብኡትዉን ከምኡ ነቲ ምስ ጓል ኣንስትዮ ዚፍጸም በህርያዊ ግብረ ስጋ ሓዲጎም ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ነደዱ፣ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነዉሪ ገበሩ፣ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተት ግቡእ መቕጻዕቲ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣዉረዱ።” /ሮሜ 1፥26-27/።