መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 2

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ . . . . 2ይ ክፋል

ግጉይ ግምት ቁ.2፦ መሰረት ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን መጽሓፍ ቅዱስ ኔሩ፣ ትዉፊት ግና ሰባት ድሕሪ ግዜ ዘተኣታተዉዎ ብልሽዉና እዩ።

ብፍላይ ኣብቶም ወንጌላዉያንን ካሪዝማቲክን ዝበሃሉ ጉጅለታት፣ እቲ “ትዉፊት” ዝብል ቃል፣ ክርስቲያናዊ መልክዕ ዘይብሉ፣ ን “ስጋዊ”፡ “ብመንፈስ ምዉት ዝኾነ”፡ “ኣዕናዊ” ወይ “ንኣጉል ኣኽራሪነት” ዝምልከት ቃል ጌሮም ይርድእዎ። ንሓድሽ ኪዳን ከንብቡ ከለዉ ዉን፣ ትዉፊት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጻረር ኮይኑ ይስምዖም፣ ብኸምዚዉን ንትዉፊት የወግዝዎ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ቤተክርስቲያን ስርዓት ቅዳሴ ኔርዋ፣ ዝበሃል ፈጺሞም ኣይቅበልዎን። ከምቲ ናቶም ኣባሃህላ፣ “ቤተክርስቲያን ምስ ተበላሸወት እዩ፣ እዚ ናይ ቅዳሴ ስርዓት ተኣታትዩ” ይብሉ። እዞም ሰባት ግና፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌሮም ኣጽኒዖም፣ ጽሑፋት ቀዳሞት ኣቦታት መርሚሮም፣ ታሪክ ቀዳሞት ክርስቲያናትን ቤተክርስቲያንን ምስ ዝፍትሹ፣ ሓደ ፍሉይ ነገር ይበርሃሎም። ንኣብነት፣ ቀዳሞት ክርስቲያናት ሰንበት ሰንበት ናብ ቤተክርስቲያን ዝማልእዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን፣ ኣብቲ ግዜ ቀሊል ናይ ሕትመት መሳርሒ ስለዘይነበረ፣ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ክህልወካ ኣጸጋሚ ኔሩ። ዉሕዳት ሰባት ጥራይ እዮም፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም። ኣብ ክንድዚ ኸኣ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ቤተክርስቲያን ንኣምልኾ ኣብ ትእከበሉ ስፍራ ይቕመጥ፣ ወይ ኸኣ ሓላፍነት ብዝተዋህቦ ኣገልጋሊ ይተሓዝ ኔሩ። መብዛሕቱአን ቤተክርስቲያናት ሙሉእ መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ኣይነበረንን፣ ዋላ ሓድሽ ኪዳን እንተኾነ ኣይነበረንን። ምክንያቱ ሓድሽ ኪዳን ክሳብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣይተወድአን ኔሩ፣ ደሓር ዉን ብቀኖና ዝጸደቀ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ፣ ቀዳሞት ክርስቲያናት መጽሓፍ ቅዱስ አየጽንዑን ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ የጽንዕዎን ይምርምርዎን ኔሮም፣ ግን ብዉልቂ ዘይኮነሲ፣ ብሕብረት እዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ክርስቲያናት ንመጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ይመርምርዎን የጽንዕዎን ኔሮም። ምክንያቱ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፣ ሓድሽ ኪዳን ኣይተዛዘመን ኔሩ። ስለዚ ከምዚ ካብ በልና፣ ኣብዚ ዓበይቲ ሕቶታት ክለዓል ግድንዩ። ቀዳሞት ክርስቲያናት ብዛዕባ ወንጌል፣ ብዛዕባ ህይወትን ትምህርቲን ጐይታ፣ ብዛዕባ ስርዓት ኣምልኮ፣ ብዛዕባ ባህሪያት ጐይታናን መድሓኒናን ክርስቶስ. . .ወዘተ ከመይ ጌሮም ክፈልጡ ከኣሉ፧ኣብቲ ግዜቲ ካብ ሓዋርያት ዝተረኸብዎ ኣፈ ታሪካዊ ትዉፊት ጥራይ ኔርዎም። ብቐጥታ ካብ ሓዋርያት ዝተማህሩ ብዙሓት ምእመናን ኔሮም። ግን ድሕሪ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፣ ኩሎም ሓዋርያት ብሰማእትነት ስለዝሓለፉ፣ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ ምእመናን ካብ ትዉፊት እዮም ንክርስትና ዝተማህሩ። ድሒሮም ዝመጽኡ ወልዶ ብሓድሽ ኪዳን ኣቢሎም ንጽሑፋት ሓዋርያት የንብቡ እኳ እንተነበሩ፣ ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን ግና ንኩሉንትናዊ ህይወት ክርስትና ዳርጋ ካብ ትዉፊት እያ ተቀቢላቶ።

እዚ ዉን ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ብግልጺ ንረኽቦ። ንኣብነት ኣብ ጽሑፋት ቅ. ጳዉሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ንርአይ፦
“እምበኣር ኣቱም ኣሕዋትና! ጸኒዕኩም ቁሙ፣ ነቲ ብቓል (ቃላዊ ትምህርቲ) ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም ትዉፊትከኣ ሓዝዎ።” (2ተሰ 215) (Therefore, brethren, stand fast and hold the traditions which ye have been taught, whether by word [i.e. oral tradition] or our epistle)
ትዉፊት ዝብል ቃል ብግሪክ “ፓራዶሲስ paredosis” ብእንግሊሽ ኸኣ “ትራዲሽን tradition” ይበሃል። ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ትዉፊት ክትምህር ከላ ነዛ ቃል እያ ትጥቀም። ፕሮቴስታንት ኣብ ዘሕትምዎ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ቃል ናብቲ ንዕዖም ዝጥዕሞም ቃል ይቅይርዋ ኮይኖም እምበር፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቅ ጌርና ምስ ንምርምሮ ዝያዳ ክበርሃልና`ዩ። ትዉፊት፡ ፓራዶሲስ፡ ትራዲሽን ማለት ብሓጺሩ “ዝተወፈየ ወይ ዝተሰጋገረ” ማለት እዩ። ቃል ብቃሉ ካብ ኣወፈየ ዝብል ግሲ ዝተወስደ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ምስግጋር ወይ ምትሕልላፍ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ እዛ ቃል ብኣወንታዊን ኣሉታዊን መልክዕ ተገሊጻ ንረኽባ። ኣብቲ ንናይ ፈሪሳዉያን ናይ ሓሶት ትምህርቲ ክግለጽ እንከሎ ትዉፊት ብምባል ብኣሉታዊ መልክዑ ይገልጾ (ማር 7፥3፡5፡8)፣ ኣብቲ ናይ ቤተክርስቲያን ቅኑዕ ትምህርቲ ክዛረብ እንከሎ ኸኣ ብኣወንታዊ መልክዑ ተገሊጹ ንረኽቦ። ስለዚ ናይ ፈሪሳዉያን ትዉፊት ግጉይ ዝገብሮ፣ ናይ ቤተክርስቲያን ትዉፊት ግን ቅኑዕ ዝገብሮ እንታይ እዩ፧ እቲ ምንጪ! ሓደ ትውፊት ቅኑዕ ወይ ግጉይ ዝበሃል ብምንጩ እዩ። ጐይታ ኢየሱስ፣ ምንጪ ናይ ፈሪሳዉያን ትዉፊት “ትዉፊት (ስርዓት) ሰብ the tradition of men” ብምባል ናይ ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጳዉሎስ ግን በቲ ሓደ ወገን፣ ናይ ክርስትና ትዉፊት ሓቀኛ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል “ብዂሉ ስለ እትዝክሩንን፣ ከምቲ ዝመሃርኩኹም [paredoka, a verbal form of pa
radosis] ጌርኩም ነቲ ትዉፊት [paradoseis] ስለ ዘጽናዕኩምዎን ኣመስግነኩም ኣሎኹ።” (1ይ ቆሮ 11፥2)። ነዚ ትዉፊት ግን ብመጀመርታ ካበይ ረኺብዎ፧ “እቲ ንኣኻትኩም ዘምሓላለፍኩልኩም ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ [paredoka] እየ” (1ይ ቆሮ 11፥23)። ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ነዚ ከተመልክት እያ ሓዋርያዊ ትዉፊት ትብለና “በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት” (ይሁዳ 3)። ምንጪ ናይ ቤተክርስቲያን ትዉፊት፣ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ባዕሉ፣ ብቐጥታ ናብ ሓዋርያት ኣወፈዮ። በቲ ዝገብሮ፡ ዝምህሮን፡ ዝዛረቦን ኣሰጋጊርዎ። ኹሉ ንሱ ዝገብሮን ዝመሃሮን ኣብ መጽሓፍ ኣይሰፈረን “ኲሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዝኸዉንሲ፣ ነቲ ዝተጻሕፈ መጽሓፍቲ ዂሉ እዚ ዓለም እኳ ኣይምኣኸሎን ይመስለኒ።” (ዮሃ 21፥25)። ሓዋርያት ነዚ ካብ ጐይታ ዝተቐበልዎ ፍልጠት ናብ ቤተክርስቲያን ኣዉሪሶማ። ቤተክርስቲያን “ናይ ሓቂ ዓንዲን መሰረትን” (1 ጢሞ 3፥15) ክትከዉን ዝኸኣለት ነዚ ሃብቲ`ዚ ስለዝዓቀበቶ እዩ።

ሓድሽ ኪዳን በዚ መንገዲ ኣነጺሩ የረድኣንና። ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን ብሓዋርያት ኣቢላ ካብ ጐይታ ዝተቐበለቶ ናይ ቃልን ጽሑፍን ትዉፊት ኔርዋ። ኣብቲ መጀመርያ እቲ ጽሑፋዊ ትዉፊት፣ ሙሉእ ኣይነበረን። ገሌአን ቤተክርስቲያናት ክፋል ጥራይ እዩ ኔርወን፣ ማለት ገሌአን ቤተክርስቲያናት መልእክቲታት፣ ገሌአን ኸኣ ወንጌል ኔርወን። ቀስ ብቀስ ማለት ድሕሪ ግዜ እዘን ጽሑፋት ተጠርኒፈን ሓድሽ ኪዳን ተባህላ። ቤተክርስቲያን ነቶም ቅኑዓት (authentic) ጽሑፋት ከመይ ጌራ ክትፈልየን ከኣለት፧  ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፣ መናፍቃን ናይ ሓሶት ትምህርቲ ከመሓላልፉ ብስም ሓዋርያት ጌሮም ዘዳልዉዎ ጽሑፋት ኔሩ። ቤተክርስቲያን ነቲ ናይ ሓዋርያት (ሓቀኛ) ካብቲ ናይ ሓሶት (መናፍቃን) ከመይ ጌራ፣ ክትፈልዮ ከኣለት፧ እቲ ብቃል ዝተወራረሱ ትዉፊት እዩ፣ ቤተክርስቲያን ነዚ ዉሳነ ክትዉስን ዝሓገዛ። 

ፕሮቴስታንት ንቅዱስ ትዉፊት ፍጹም ዝቃወሙሉ ምኽንያት፣ ንሳቶም ዝፈልጥዎ፣ ነቲ ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ዘሎ ትዉፊት እዩ። ናይ ሮም ትዉፊት፣ ኣብ ስልጣን ብዝተሾመ ፖፕ ዝቀያየርን፣ ቅድም ዘይነበረ ሓድሽ ትምህርቲ ዝፈጥርን እዩ (ንኣብነት ፍጹምነት ናይ ፖፕ Papal Infallibility)። ብኣንጻሩ ናይ ኦርቶዶክስ ትዉፊት ኣይቅየርን ኣይዓብይን። እቲ ቅድም ዝተረኸበቶ ክሳብ ሕጂ ኣሎ። ቤተክርስቲያን ካብ መናፍቃን ዕንቅፋታት ክገጥማ እንከሎ፣ ነቲ ሓቂ ካብቲ ጌጋ ፈልያ ብንጹርን ዓሚቕን መንገዲ ተኸላኪላ እያ፣ ኮይኑ ግና እቱ መሰረታዊ ሓቂ ኣይቅየርን። ምናልባት ኣብ ታሪካዊ ጉዕዞኣ፣ ቤተክርስቲያን ንዝሓለፈቶ ተሞክሮ ትምሃረሉ እያ፣ ነቶም ካብቲ ህይወት ዝቦቐሉ ቅዱሳን ኣይትርዖምን፣ ነቲ እምነት ብሓቂን ቅኑዕን መንገዲ ስለዝገለጽዎ፣ ጽሑፋቶም ዓቂባቶ ኣላ። ምክንያቱ “በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት” (ይሁዳ 3) ክንጸንዕ ስለዘለና።

ግን፣ ቤተክርስቲያን ንሓዋርያዊ ትዉፊት ከም ዝዓቐበት እንታይ መረጋገጺ ኣለና፧ ሓጺር መልሲ፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣብ ቤተክርስቲያን ከም ዝዕቀብ ጌርዎ፣ ምክንያቱ ከምኡ ከምዝገብር ቃል ኣትዩልና እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንቤተክርስቲያኑ ኣብ ከዉሒ ከምዝሓንጻን፣ ኣፈደገታት ስኦል ዉን ከምዘይሕይልዋ ተማባጺዑልና እዩ (ማቴ 16፥18)። ክርስቶስ ባዕሉ ርእሲ ቤተክርስቲያን እዩ (ኤፈ 4፥16)፣ ቤተክርስቲያን ኸኣ ኣካሉ (ኤፈ 1፥22-23)። ቤተክርስቲያን ንሓዋርያዊ ትዉፊት ኣጥፊኣቶ እንቴልና፣ እቲ ሓቂ ኣብ ቤተክርስቲያን የለን፣ ቤተክርስቲያን ዉን ማዕከን ሓቂ ኣይኮነትን ማለት እዩ። ምክንያቱ ቤተክርስቲያን ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ስለዝኾነት (1ጢሞ 3፥15)። ፕሮቴስታንት ዝደጋግምዎ ልሙድ ኣገላልጻ ታሪክ ቤተክርስቲያን፣ ካብ ዘመን ቆስጠንጢኖስ ክሳብ ዘመነ ሕዳሴ (16 ክ.ዘPeople are not supposed icks.org purchase generic cialis to sit with the disorder and live a miserable life.. ምንቅስቃስ ፕሮቴስታንት ዝጀመረሉ) ቤተክርስቲያን ኣብ ጥፍኣት ጉዕዞ ኔራ፣ ይብሉ። እዚ ማለት ካብ ዘመን ሓዋርያት ክሳብ ክሳብ ዘመን ቆስጠንጢኖስ ቤተክርስቲያን ኣብ ቅዱስ መንገዲ ኔራ፣ ደሓር ግን ክሳብ ምንቅስቃስ ፕሮቴስታንት ዝጅምር፣ ቤተክርስቲያን ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ኔራ፣ እዩ። በቲ ካልእ ኣገላልጻ፣ ንልዕሊ 1200 ዓመት ኣፈደጋታት ስኦል ንቤተክርስቲያን ሓይሎማ ኔሮም፣ ማለት እዩ። በዚ ናቶም ኣበሃህላ ንቃል ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ የፍርስዎ ኣለዉ። ኣይኮነን ንክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ዘመናት፣ ንሓንቲ መዓልቲ ዉን ትኹን፣ ቤተክርስቲያን ኣካል ክርስቶስ ካብ ምዃን እንድሕሪ ኣቛሪጻ፣ ኣፈደገታት ስኦል ሓይሎማ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ንኹሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተስፋታት ጐይታ ኣይተፈጸመን ማለት እዩ። እዚ እንድሕሪ ኮይኑ እቲ ሓቂ፣ ጐይታ ብፍረ ኣድሪ መሲሉ ንዕብየት ቤተክርስቲያን ክምህር እንከሎ፣ ከምዚ ኢሉ ክገልጾ ምተገብአ፥ ሓንቲ ክትቦቅል
ዝጀምረት ኣታኽልቲ እሞ ዝተዶቕሰት፣ ድሕሪ ግዜ ኣብ ክንዳኣ ካልእ ፍረ ቦቒላ ዝዓበየት
። ኮይኑ ግና ጐይታ፣ ሓንቲ ንኢሽቶ ፍረ ኣድሪ ትቦቅል እሞ፣ ቀስ ኣንዳበለት ናብ ዓቢ ገረብ ትዓቢ፣ ካብ ኲለን ኣሕምልቲ ዉን ዝዓበየት ኦም ትኸዉን (ማቴ 13፥31-32) እዩ ዝበለ።  

ገሊኦም ኸኣ፣ ውሑዳት ሓቐኛ ኣመንቲ ፕሮቴስታንት ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ በዓቲታት ተሓቢኦም ኒሮም፣ ይብሉ፣ መርትዖ ግን የብሎምን። ብጴንጤቆስጤን የሀዋ መሰኻኽር ከም ኣብነት ዝጥቀሱ፣ ዋልደስያንስ (Waldensians) ዝበሃሉ ጉጅለ እንተ ወሲድና፣ ኣብ 12 ክፍለ ዘመን እዮም ኔሮም። እዞም ሓቐኛ ኣመንቲ ዝብልዎም፣ ኣብ ዘመን ግዝኣት ሮማ ይግፍዑ ኔሮም ንበል እሞ፣ ደሓር ግና ክርስትና ናጻ ሃይማኖት ምዃኑ ምስ ተኣወጀ ስለምንታይ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነብርዎ ቦታታት ወጺኦም ብናጽነት እምነቶም ዘይገለጹ፧ ብሓቂ እዞም ኔሮም ዝበሃሉ ጉጅለታት ንልዕሊ ሽሕ ዓመታት ንኹሉ መሰናኽላት ተጻዊሮም ኔሮም፣ እንተተባሂሉ ስለምንታይ ገለ መርትዖታት ወይ ኣሰር ዘይርከብ፧ ብሓቂ እዚ ዝብልዎ ሓሳብ ሓቂ እንተዝኸዉን ገለ ታሪካዊ ድዩ ትምህርታዊ ሰነድ ምተረኽበ።

ገሊኦም ዉን፣ ንታሪክ ቤተክርስቲያን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ነዚ ዝስዕብ ሕቶ የልዕሉ። ኣብ ታሪክ ቤተክርስቲያን፣ ነንሕድሕዶም ዘይሰማምዑ መማህራን ኔሮም፣ ስለዚ ከመይ ጌርና ሓዋርያዊ ትዉፊት ተዓቂቡ ንብል፧ ወይ ኸኣ፣ ሓደ ግጉይ ኣካይዳ ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ ዝገሃድ፣ ካብቲ ሓዋርያዊ ትዉፊት ከመይ ጌሩ ክፍለ ይከኣል፧ ነዚ ሕቶ ዘልዕልዎ ምስ ናይ ሮም ኣካይዳ ብምትሕሓዝ እዩ። ኣብ ናይ ሮም ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ሓድሽን ግጉይን “ትዉፊት ዝብልዎ” ኣካይዳ ኣታኣታትዮም እዮም። እዚ ዝኾነሉ ምክንያት፣ ምዕራብ ላቲናዉያን፣ ኣብ ትዉፊት ዘለዎም ግጉይ ርድኢት እዩ። ኦርቶዶክስ ካብ ምዕራባዊ ቤተክርስቲያን ብቐንዱ ክትፍለ ዘኽኣላ፣ ኣብ ትዉፊት ዘልዋ ሓቐኛ ርድኢት እዩ፣ መሰረታዊ ትዉፊት ዘይቕየርን፣ ኣድማሳዊን (ዓለምለኻዊነቱ ዝሓለወ) እዩ። ሓቀኛ ሓዋርያዊ ትዉፊት ኣብ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ከይተቀየረ ንነዊሕ ዘመናት ይጸንዕ። ንሓቐኛ እምነት ክትረኽቦ እንተደሊኻ፣ ቤተክርስቲያን ካብ ቅድም ጀሚራ፣ ኣብ ሙሉእ ታሪኻ፣ ኣብ ኹለን ቤተክርስቲያን ዝርኸብ እምነት ርኸቦ፣ ንሱ እዩ እቲ ሓቂ። ኣብ ታሪክ ዘየለ፣ ዘይጸንሐ፣ ዘይነበረ ትምህርቲ፣ ክሕደት እዩ። ሓቂ ምዃኑ መረጋገጺ ኣብ ኣድማሳዊነቱ ዉን እዩ። እዚ ክበሃል ኸሎ ግና፣ ካብ ቤተክርስቲያን ዝተፈለዩ መናፍቃን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን፣ ቅዱስ ጳዉሎስ ከም ዝገለጾ “እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግሃድስ ኣብ ማዕከልኩም ምፍልላይ (ምንፍቅና) ኪኸዉን ግዲ እዩ።”  (1ቆሮ 11፥19)።
. . . . . .ይቅጽል