መንገዲ ባሕታዉያን 1

ምዕራፍ 1. ዕላማኻ ጽኑዕን ንጹርን ይኹን

                                        
ብሰም አቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ አምላኽ አሜን።
ነፍስኻ ከተድሕናን ዘለዓለማዊ ህይወት ክትወርስ ድሌት እንተድኣ ሃልዩካ፣ ካብ ትህኪት ተንስእ፣ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብካ ከምዚ በል፡ “በስመ ኣቦን ወድን፣ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን”
እምነት ብግብሪ እምበር፣ ብምምርማር ኣይትመጽእን። ኣምላኽ መን ምዃኑ ንኽትፈልጥ ብግብሪ ተበገስ። ዘረባን፣ ምርምርን ኣይኮነን ዝጠቅም፣ ንእግዚአብሔር ብተሞክሮ ጥራይ ኢኻ ክትፈልጦ ትኽእል። ንፋስ ንክትረኽብ መስኮት ትኸፍቶ፣ ጸሓይ ክትጽሎ ዉን ናብ ደገ ኢኻ ትወጽእ። እምነት ዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ እያ ትዓቢ። ቅዱሳን ኣቦታት ከምዝመሃሩና፣ ዕላማ ብኮፍ ወይ ብትጽቢት ኣይብጻሕን። ህይወት ናይቲ ጥፉእ ወዲ ኣብነትና ንግበሮ፣ “ተንሲኡ ኸኣ ናብ ኣቡኡ ተመልሰ” /ሉቃ 15፥20/።
ሽሕ እኳ ኣብ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ሃሉ ብዘየገድስ፣ ኩሉ ግዜ ናብ ኣምላኽ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። እግዚአብሔር ዶንጊኻ ኢሉ ኣይክመልሰካን። ኣብራሃም ክጽዋዕ እንከሎ ወዲ 75 ዓመት እዩ ኔሩ። እቶም ኣብ ዓሰርተ ሓደ ሰዓት ዝመጽኡ ሸቃሎ፣ ማዕረ እቶም ኣብ ቀዳመይቲ ሰዓት ዝመጽኡ ሸቃሎ ተከፊልዎም። እዚ ጽሑፍ ንከንቱ ኣይኮነን። 
ተሃዊኽካ ዉን ኣይክብለካን። ዱር ብንኢሽቶ ሓዊ እንድዩ ዝጠፍእ፣They don’t see their lives going haywire and generico viagra on line find my drugstore falling to pieces. እሞኸ ደኣ፣ ነፍስኻ ክትቃጸል ክትጠፍእን ክትዓንዉን እንከላሲ፣ ሱቕ ኢልካ ክትርእያ ዲኻ፧?
ኣብ ግዜ ጥምቀትኻ ዝተቀበልካዮ ጸጋ ኣሎ። ንጸላኢ ሰናያት ዉን ክትቃለስ ዉን ተኣዚዝካ ኣለኻ። እምበኣር ጸጋ ኣልዕል እሞ፣ ተቃለስ። እቲ ኣብ ከንቱ ድኻምን፣ ትህኪትን ኮይንካ ዘሕለፍካዮ ዘመን ዉሑድ ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ሓድሽ ጀምር። ምክንያቱ ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝተቀበልካዮ ጸጋ ዉልድነትን፣ ቅድስናን ኣርኪስካዮ ኢኻ።
ስለዚ ብቅጽበት ተንስእ፣ ኣይትዶንጊ! ዕላማኻ ‘ደሓር‘፣ ወይ ‘ጽባሕ‘፣ ወይ ‘ምሸት‘፣ ወይዉን ‘ነዚ ዝሰርሖ ዘለኹ ምስወዳእኹ’ እንዳበልካ ኣይተናዉሓዮ። ምክንያቱ ምንዋሕ ሰዓታት፣ ጉሉ ግዜ ሓደገኛ እዩ። 
ዕላምካ ልባዊን ጽኑዕን ምዃኑ ብግብርኻ ከተርእይ ትኽእል፣ ብቅጽበት ምስትብገስ እዩ። ኣረጊት ሰብነትካ ገዲፍካ ሓድሽ ህይወት ከምዝጀምርካ፣ ሓድሽ መንገዲን፣ ሓድሽ ዕላማን ከምዝሓዝካ ብተበግሶኻ ኣርእይ። እምበኣር ተበገስ፣ ኣይትፍራሕ! “ኦ ጐይታ እብገስ ኣሎኹ እሞ ደግፈኒ” በሎ። ምክንያቱ ልዕሊ ኲሉ ዘድልየካ፣ ናይ ጐይታ ረድኤት እዩ። ኣብ ዕላማኻ ጽናዕ፣ ናብ ድሕሪት ኣይትጠምት። እታ ናብ ድሕሪት ምስ ጠመተት፣ ናብ ዓንዲ ጨዉ ዝተቀየረት ሰይቲ ሎጥ ዘክራ /ዘፍ 19፥26/። ኣረጊት ሰብነትካ ደርቢኻዮ ኣሎኻ፣ እምበኣር ኣብኡ ይኹን፣ ግደፎ። ከም ኣብራሃም “ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድኻን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ዉጻእ፣ ናብቲ ኣነ ዘርእየኻ ምድሪ ኸኣ ኺድ።” ዝብል ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕካ ኣለኻ /ዘፍ12፥1/። እምበኣር ኲሉ ሓሳብካን ልብኻን ናብታ ምድሪ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ይኹን።