መንገዲ ባሕታዉያን 2

ምዕራፍ 2. ዉልቃዊ ሓይልኻ ኣይክጠቕመካን

ቅድም ቀዳድም ነዚ ዘክር፣ ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ኣይትመርኮስ፣ ቅዱሳን ኣቦታት ብሓደ ቃል ዝመክሩና ነዚ እዩ። ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኲናት ብርቱዕ እዩ፣ ስለዚ ስጋዊ ሓይልኻ ዋላ ሓንቲ ኣይክገብረልካን። ኣብ ዉልቃዊ ሓይልካ እንድሕሪ ተሞርኪስካ፣ ብዙሕ ግዜ ክትወድቅ ኢኻ፣ ነዚ ህይወት ዉን ኣይክትቅጽሎን። እቲ ዘድልየካ ዓወትን ብርተዐን፣ እግዚአብሔር ጥራይ`ዩ ክህበካ ዝኽእል።

ኣብ ዉልቃዊ ሓይልኻ፣ ንከይትዉከል ወስን። ብዙሓት ነዚ ዉሳኔ ብዘይምዉሳኖም፣ ወዲቖም ኣለዉ። ነዚ ሓሳብ ክትስዕሮ ይግባእ። እንድሕሪ ዘይስዒርካዮ፣ ናብ ቅድሚት ክትስጉም ኣይኮነልካን። ሓደ ሰብ፣ ፈላጥ፣ ኲሉ ክግበር ሓይሊ ዘለዎ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣትሓሳስባ ጥራይ ዝዉከል፣ እንድሕሪ ኮይኑ`ሲ፣ ከመይ ጌሩ ካብ ካልኦት ሰባት ምዕዶ ክቕበል ይኽእል፧? ከምዚ ዓይነት ትምክሕቲ ኣብ ዘለዎ ልቢ፣ ብርሃን ኣምላኽ ክኣቱ ኣይኽእልን። “ኣቱም ንገዛእ ርእስኹም ፈላጣትን መስተዉዓልትን ጌርኩም እትሓስቡ ወይለኹም” /ኢሳ 5፥21/ ይብል ነብይ ኢሳይያስ። ቅዱስ ጳዉሎስ ዉን ደጊሙ ከምዚ ይብል “ኣይትተዓበዩ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትመክሑ” /ሮሜ12፥16/። መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ብልሒታትን ኣስተዉዓልትን ተሓቢኣ፣ ንህጻናት ግና ተገሊጻትሎም ኣላ /ማቴ11፥25/።
ስለዚ ኣብ ልብና ዘሎ ትምክሕቲ ነዉጽኣዮ። ኣብ ገዛእ ርእስና ትዉክልቲ ብምግባር ዝነበረና ኣካይዳ ንግደፎ። እዚ ነገር ኣብ ገለ ኩነታት ኣዝዩ ዓሙቚ ስለዝኾነ፣ ክሳዕ ክንደይ ከምዘሸግረና ዉን ኣይንፈልጦን። ማለት ኣብ ህይወት ገለ ሰባት እዚ ሓሳብ ኣዝዩ ሱር ሰዲዱ ንረኽቦ፣ ከምኡ ስለዝዀነ ዉን ህይወት ናይቶም ሰባት ኣዝዩ ብዙሕ ሕልክላካት ኣለዎ።
ኣብ ህይወትና ዝገሃድ ዘሎ ዝተፈላለየ ሽግር፣ ናይWhen men regain their sexual abilities they order cheap levitra important source are able to fully satisfy your partner and ensure there are no intimacy issues in your relationship. ነፍስናን ስጋናን መከራ፣ ኩሉ ጭንቀትን ሽግርን፣ ካብ ምንታይ ድዩ ዝብገስ ዘሎ፤ ካብቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ስስዐ፣ ትምክሕቲ፣ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ካብ ምፍታዉን፣  ኣብ ዉልቃዊ ሓይልና ጥራይ ንዉከል ስለዘለናን እንድዩ። እስከ ናብ ሕይወትካ ምልስ ኢልካ ጠምታ፣ መዓልታዊ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ከተዕግብ እንዲኻ ተጸሚድካ ትዉዕል። ገዛእ ስጋኻ ጥራይ ስለትፎትዋ ዉን፣ ኩሉ ግዜ እሱር ኢኻ። ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት እሱር ስጋ ኢኻ። ንግሆ ትትንስ እሞ ‘ሕጂ ከምዚ ክሰትይ እየ’፣ ‘መሊሰ ከምዚ ክሰርሕ እየ’‘ከምዚ ዉን ክበልዕ እየ’‘ከምዚ ዉን ከንብብ እየ’ ትብል። ረኣዮ እሞ፣ ሙሉእ ግዜኻ ብዛዕባ ስጋኻ ጥራይ ክትሓስብ ተሕልፎ። ነገራት ከምቲ ዝሓሰብካዮ ምስ ዘይሰልጠካ ዉን፣ ኣዚኻ ተሓርቕን ትቁጣዕን።
ዉሽጥኻ ኣጸቢቕካ መርምሮ`ሞ ከምኡ ጸገም ከምዘለኻ ክትርዳእ ኢኻ። ሰባት ክቃወሙኻ እንከልዉ፣ ተሓርቕ እንዲኻ፣ እዚ መርኣያ ናይቲ ጸገም እዩ። ዉጽኢት ናይዚ ኣብ ባርነት ሓጢኣት ከም ንነብር ጌርና። “ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ” /2ይ ቆሮ 3፥17/።
ብስጋዊ ስምዒት ተባሒትካ፣ ከመይ ጌርካ ሓርነት ክህልወካ፧? ጐይታ እንታይ ድዩ ኢሉና፣ ን ኣምላኽ ዝያዳን ከነፍቅርን፣ ንብጻይና ከም ነፍስና ከነፍቅርን እንድዩ፧ ከምኡ ንገብር ዶ ኣሎና፧? በንጻሩ ሓሳብና ብዉልቃዉ ጉዳይና እንድዩ ተባሒቱ ዝዉዕል፧?
ስለዚ ዝዀነ ሰናይ ነገር ካባኻ ከምዘይርከብ ተረዳእ። ምናልባት ንካልኦት ሰባት ናይ ምፍቃር ሰናይ ሓሳብ እንተሕዲርካ፣ ካብ ዉልቅካ ከም ዘይኮነ ፍለጥ፣ ካብቲ ምንጪ ኲሉ ሰናይ ነገር፡ ወሃቢ ህይወት ኣምላኽ ዝተዋህበካ ዉህብቶ ምዃኑን፣ ንሱ ኣብ ህይወትካ ዘግሃዶ ሓይሉን እዩ። ሰናይ ነገር ናይ ምግባር ሓይሊ ዉን፣ ብናይ ዉልቅካ ክእለት ዝሰልጥ ዘይኮነስ፣ ዉህብቶ ስሉስ ቅዱስ እዩ።