መንገዲ ባሕታዉያን

መእተዊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምለክ ኣሜን

ጾም ካብ ዝጅምር ድሮ ሶምን ሓሊፉ፣ ከም መደብ ንናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መጽሓፍ ፖስት ክገብር እኳ እንተነብረ፣ ብምክንያት ዓቢይ ጾም ‘ኣብ ብሎግካ ፖስት ግበሮ’ ኢሉ ሓደ ዓርከይ ኣዝያ ጽብቅቲ መጽሓፍ ሰዲዱለይ። ምስ ኣንበብክዋ ዉን ኣዝዬ ተሓጉሰ፣ ምክንያቱ እዛ መጽሓፍ ኣዝያ ጽብቕቲን መንፈሳዊ ህይወት ብንጹር እትምህርን ስለዝዀነት። ብተወሳኺ፣ ነዚ ቀሰይ ኢለ ክስጉሞ ዝሓሰብክዎ ብሎግ፣ ተሳታፋይ ስለዝረኸብኩ። ብዝዀነ ናብ ቀንዲ ኣርእስቲ ክምለስ።
The way of the Ascetics, ትብል መጽሓፍ`ዩ፣ ሓደ ብክርስቶስ ዝዛመዶ መንፈሳዊ ሓወይ ናብ ትግሪኛ ቶርጊሙ ዝሰደደለይ። ኣስቄጥስ (Ascetics) ብግእዝ፣ ካብ áskēsis  ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝትወስደት ኮይና፣ ቱርጉሟ ምልምማድ፣ ገዛእ ርእስካ ካብ ፍትወት ዓለም ምንጻህ፣ ብጾም ጸሎትን ስግደትን፣ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሓቢርካ ምዕያይ ማለት እዩ። ነዚ ኣካይዳ ዝያዳ ዝተሞከሩሉን እዛ መጽሓፍ ዉን ከም ቀንዲ ኣብነት ጌራ እትጠቅሶምን፣ ከኣ ንባሕታዉያን ኣቦታት እያ። ስለዚ ዉን ሓዉና ነዛ መጽሓፍ “መንገዲ ባሕታዉያን” ክብል ዝቶርጎማ። 
ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር ናይ ቤተክርስቲያንና ነቲ ኣብ ላዕላይ ግብጺ ዝርከብ ገዳም ኣስቄጥስ ብዙሕ ግዜ ተጠቂሱ ንረኽቦ ኢና። እዚ ገዳም ‘ኣስቄጥስ‘ ስም ዝተዋህቦ፣ ዓዉዲ መንፈሳዊ ህይወት ዝማዕበለሉን፣ ኣቦታትን ኣዴታትን ገዛእThey also offer free delivery worldwide and this is really a great advantage. robertrobb.com order cialis online ርእሶም ካብ ፍትወት ዓለም ንምጻህ ዝተላመድሉ ቦታ ስለዝዀነ እዩ። ኣብዚ ቦታ`ዚ፣ ብዙሓት ቅዱሳን ንክርስቶስ መሲሎም፣ ከም መላእክቲ ናይ ቅድስና ህይወት የሕሊፎም፣ ንዓና ነዞም ኣብ ዓለም እንነብር ዉን ብዙሕ መንፈሳዊ መንገዲ ኣዉሪሶምና ኣለዉ።
ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ፣ ሓደ ኣብ ፊንላንድ ዝነብር ኦርቶዶክሳዊ በዓል ሓዳር ኮይኑ፣ ካብ መጽሓፍቲ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ክሊማኮስ “The Conference & The ladder” ኣዋጺኡ፣ ንዓና ነዞም ኣብ ዓለም (ብሕጊ መዉስቦ)  እንነብር ንክንግልገለላ ብምሕሳብ እዩ ዘዳለዋ።
“መንገዲ ባሕታዉያን” ከመይ ጌርና በታ ጸባብ ኣፍደገ ክንኣቱ እተስተምህረና፣ መባእታዊት መጽሓፍ ኮይና፣ ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ንልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመት ዝማዕበለ፣ ህይወት ክርስትና እተርድኣና፣ ኩሉ ሰብ ብዝርድኦ መልክዕ ዝተዳለወት፣ ኣዝያ ጽብቅቲ ስራሕ እያ። መነኮሳትን ባሕታዉያን ኣቦታትን ኣዴታትን ዘሕለፍዎ ህይወት፣ ከም ተሞክሮ ብምዉሳድ፣ ገድሊ ቅዱሳን ብዕምቆት ብምምርማር፣ ከመይ ጌሮም ኣሰር ክርስቶስ ከምዝሰዓቡ፣ ትምህረናን፣ ንዓና ዉን መንገዲ ትሕብረናን።
“መንገዲ ባሕታዉያን” ንናይ ቅ.ዮሃንስ ክሊማኮስ ጽሑፋት እተዘኻክርን፣ ካብ ዓለማዊ (ሓጢኣታዊ) ህይወት ተፈሊና፣ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንክነምርሕ እትድርኽን፣ ኣዝያ ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። ዓለም ንመንፈሳዊ ህይወት ጸማም እዝኒ ኣብ ዝሃበትሉ ዘመን፣ ከምዚ ዓይነት ብሉጽ ጽሑፍ፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ዓቢ ጾም ናይ ከምዚ ዓይነት ህይወት እንነብረሉ ስለዝዀነ፣ ኣንቢብኩም መንፈሳዊ ህይወትኩም ክተዕብዩ፣ ይምነየልኩም። ስብሓት ለእግዚአብሔር!
ብክርስቶስ የሕዋትኩም!