መንገዲ ባሕታዉያን 3

ምዕራፍ 3. ግራት ልብኻ

ጀሚርካዮ ዘለኻ ህይወት ልክዕ ናይ ሓረስታይ ህይወት እዩ። እቲ ግራት፣ ማይ፣ ዘርኢ፣ ሙቐት ጸሓይ፣ ኲሉ`ዚ ዉህብቶ ኣምላኽ እዩ፣ እቲ ዕዮ ግና ናይቲ ሓረስታይ።
ሓረስታይ ጽቡቕ እቶት ንክረኽብ፣ ኣበርቲዑ ክጽዕር ኣለዎ። ንግሆን ምሸትን ክዓዪ ይግባእ፣ ክኹስኩሶ፣ ክጽህዮን፣ ካብ ባልዕ ክከላኸሎን ካብ ኣዕዋፍ ክሕልዎን ይግባእ። ኲሉ ግዜ ተጊሁ ክሰርሕ ይግባእ፣ ብዘይ ዕረፍቲን፣ ብዘይ ምስልካይን ክሕልዎ ዉን ኣለዎ። ዋላ ነዚ ኲሉ ጻዕሪታት ምስ ገበረ፣ ናይዚ ሕርሻ እቶት ኣብ ሓደ ዓቢ ሓይሊ ይምርኮስ፣ ኣብ እግዚአብሔር

ክንሕልዎን ክንከናኸኖን ተዋሂብና ዘሎ ዕዮ፣ ግራት ልብና እዩ፣ እቶቱ ኸኣ ዘለዓለማዊ ህይወት።

ዘለዓለማዊ ህይወት እዩ፣ ምክንያቱ ብግዜን ቦታን ዘይዉሰን፣ ብግዳማዊ ኩነታት ዘይጽሎ፣ ኣማናዊ ሓርነት ዘለዎ፣ ገደብ ኮይኑ ዝዓግቶ ዘይብሉ፣ ፍቕሪ፡ ምሕረትን፡ ብርሃንን ዝመልኦ ህይወት ስለዝዀነ። ብመንፈስ ዝንበር፣ መንፈሳዊ ኩነታት ዘለዎ፣ መንፈሳዊ ህይወት እዩ። ኣብዚMany online and real world drugstores carry both brand and generic variations of the same icks.org order levitra drugs, providing the customer with the choice of buying more expensive and less expensive drugs for the same purpose. ምድሪ ይጅምር፣ መወዳእታ ዉን ይበሉን፤ ማንም ምድራዊ ሓይሊ ዘየናዉጾ ሕይወት እዩ፤ እዚ ህይወት ኣብ ልቢ ይጅምር።
ቅዱስ ይስሃቅ ሶርያዊ ከምዚ ይብል “ጸላኢኻ ከም ኣቀራርባኻ እዩ፣ ዝሕይለካ እሞ፣ ገዛእ ርእስኻ ቅጻዕ። ምስ ገዛእ ርእስኻ ተዓረቕ (ሰላም ግበር)፣ ሽዑ ሰማይን ምድሪን ምሳኻ ክዕረቕ እዩ። ናብ ዉሽጣዊ ህይወትካ (ልብኻ) እተው፣ ሽዑ ናብ ውሽጢ ሰማያዊ ድንዃን ዉን ክትኣቱ ኢኻ። ክልትኤን ሓደ እየን፣ ናብ ልብኻ ምእታዉ ማለት፣ ናብ ሰማያዊ ድንዃን ምእታዉ እዩ። ናብታ ቀዳመይቲ ክትኣትዉ ከላኻ፣ ናብታ ዳሕረወይቲ ዉን ኣቲኻ ኣለኻ። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘብጽሕ መሳልል፣ ኣብ ዉሽጥኻ`ዩ ዘሎ፣ ኣብ ነፍስኻ ብምስጢር ክትረኽቦ ኢኻ። ጾር ሓጢኣት ቀንጢጥካ ደርብዮ እሞ፣ ሽዑ ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ዘብጽሓካ ህይወት ክትረኽብ ኢኻ።” 

ኣቦታትና ሰማያዊ ድንኳን ዝብልዋ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ እዩ፣ መንግስተ ሰማያት ዉን ካልእ ስማ። መንግስተ ሰማያት ማለት ብሓጺሩ ክርስቶስ እዩ። ብክርስቶስ ምንባር ማለት ዘለዓለማዊ ህይወት ምንባር እዩ።