መንገዲ ባሕታዉያን 4

ምዕራፍ 4. ስቕታን ዘይርአ ኲናትን

ብዛዕባ ዕላማ ምንጻርን፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ከይንምካሕ፣ ተዘራሪብና፣ እቲ ህይወት ዉን ኣብ ልቢ ከምዝጅምር ርኢና። እምበኣር ሕጂ ናብ ኲናት ክንኣቱ። እዚ ኲናት ዘይርአ እዩ። ብስቕታ ኣብ ልቢ ዝግበር ቃልሲ። ግንባር ናይዚ ኲናት ልቢ፣ ኣብ ምዓሙቚ ዉሽጥና ዝኻየድ ቃልሲ። ቅዱሳን ኣቦታት “ሚስጢርኩም ከይወጽእ ኣፍኩም ኣይትኽፈቱ” ይብሉ። ዉዕይ ሻሂ ዝሓዘ ፔርሙስ፣ ከፍትካ እንድሕሪ ገዲፍካዮ፣ እቲ ሓፋ ይኸይድ`ሞ፣ እቲ ሻሂ ይዝሕል፣ ክትሰትዮዉን ኣይትደልን።
ስለዚ ንስኻ ዉን ብዛዕባ`ዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ዕላማ፣ ምስ ማንም ሰብ ኣይተዕልለሉ። ብዛዕባ`ዚ ጀሚርካዮ ዘላኻ ህይወት፣ ብዛዕባ ከጋጥመኻ ዝኽእል ፈተናታት፣ ብዛዕባ ረኺብካዮ ዘለካ ተሞክሮ፣ ዋላ ሓንቲ ኣይትዛረብ፣ ትም በል። እዚ ጉዳይ ኣብ ክልቴኹም ጥራይ ይኹን፣ ኣብ መንጎኻን እግዚአብሔርን። ብተወሳኺ፣ ኣባት ነፍስኻ። 
ስቕታ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምልፍላፍን ብዙሕ ምዝራብን፣ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ንከተድህብ ይገብረኻ። ዓባስ ዂን። ሱቕ ክንብል ከለና፣ ድምጺ ናይቲ መሓሪ ኣምላኽ ክንሰምዕ ንኽእል። ብስቕታ፣ ምስቲ ዂሉ ዝሰምዕ ጐይታ፣ ክናፍርና ከይከፈትና ክነዕልል ንኽእል። በዚዉን ኣብ ኣምላኽ ዘለና እምነት ዝያዳ ይሕይል። ዂሉ ጻዕርኻ ናብኡ ይኸዉን። እምነትኻን ትምክሕትኻን ኣብ ኣምላኽ ይኹን።Are you and your partner growing apart because you suffer discover for more purchase generic viagra from sexual problems, there are some solutions to help you. ደጊም ናብ ሰማያዊ ህይወት እዩ ጉዕዞኻ፣ ኣብ ሰማያት ድማ ዘረባ ኣየድልይን።
ካብዛ ሰዓት ጀሚርካ ኲሉ ዘጋጥመካ ነገር፣ ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ፣ ኣምላኽ ንሰናይካ ኢሉ ዝለኣኾ ምዃኑ ክትርዳእን ክትኣምንን ይግባእ። ንዓኻ እንታይ የገድስ ኣምላኽ ይፈልጥ፤ ፈተና ድዩ፣ ዓወት፣ ሃብቲ ድዩ ድኽነት፤ ኣብታ ግዜ`ቲ እንታይ ከምዘድልየኻ  ንሱ ይፈልጥ። ነገራት ብወዝቢ ኣየጋጥምን። ኲሉ ነገር ንክትመሃረሉ እዩ ዝጎንፈካ። ስለዚ ነዚ ሓሳብ ኣጸቢቕካ ክትርዳእ ፈትን። እዚ ዓይነት ርድኢት እዩ፣ ኣብ እግዚአብሔር ዘለኻ እምነት ከተዕቢ ዝሕግዘኻ።
ሕጂ ዉን ቅዱሳን ኣቦታት ከምዚ ይብሉ፣ “ንገዛእ ርእስኻ ገና ታተ ኢሉ እግሪ ምትኻል ዝመሃር ህጻን፣ ወይ ጋና ድምጺ ቃላት ከጽሪ ዝፍትን ቆልዓ ጌርካ ጠምታ”። ኣብዚ ሕጂ ኣቲካዮ ዘለኻ ኲናት፣ ኲሉ ክእለትኻን፣ ዓለማዊ ጥበብኻን ዋጋ ይብሉን። ዋላ ሃብትካ ኰነ፣ ስልጣንካ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለካ ዕበየት ዉን እንተዀነ፣ ምንም ረብሓ የብሉን። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘይዉዕል ሃብቲ፣ ጾር እዩ። ኣብ ልቢ ዘይሰፍር ፍልጠት ድንቁርና እዩ፤ መሊሱ ኸማን ትዕቢት ይፈጥረልካ። ኣቦታት ንኸምዚ ዓይነት ፍልጠት ዕሩቕ ይብልዎ፣ ፍቕርን ርህራሀን ስለዘይብሉ። ስለዚ ደጊም ኲሉ ዘለኻ ፍልጠት ደርብዮ፣ ጥበበኛ ንኽተከዉን ኣብ ቅድሚኡ ዓሻ ዂን፤ ምእንቲ ሃብታም ክትከዉን፣ ጨርቃም ኲን፤ ምእንቲ ክትሕይል፣ ድኹም ዂን።