መንገዲ ባሕታዉያን 5

ምዕራፍ 5. ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድን ልብኻ ምንጻህን

እምበኣር ሕጂ ናብቲ ዝዓበየ ዕማም ክንኣቱ፣ ንሱ ዉን፣ ፍተውት ገዛእ ርእስኻ ምቁጽጻር እዩ። እዚ ማለት ገዛእ ርእስኻ ምክሓድ ወይ ምምላኽ እዩ። ነዚ ዘይርአ ኲናት ንክትዕወተሉ ገዛእ ርእስኻ ክትቀጽዕ ይግባእ። ፍትወት ገዛእ ስጋኻ ኣብ ዝነገሶ ልቢ፣ ብንጽህና ክትጽልይ ኣሸጋሪ`ዩ፣ “ይኲን ፈቃድከ/ ፍቓድካ ይኹን” ኢላ ልቢ ክትጽልይ ኣይትኽእልን። ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ እንድሕሪ ዘይንዒቕካ፣ ናብቲ ዝዓበየ ክብሪ ክትበቅዕ ኣይትኽእልን። ኣብ ስጋዊ ሓርነትካ ጥራይ እንድሕሪ ተጸሚድካ፣ ኣማናዊ ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነገሶ፣ ኣማናዊ ሓርነት ኣይክህልወካን።

“ስጋዊ ሓርነት ኣይትብሃግ፣ ሓርነት ክወሃበካ እዩ” ይብሉ ቅዱሳን ኣቦታት።ምድሪ እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካ። እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ፥ ተባሂሉ ኣዳም። ረሃጹ`ዩ፣ እሾኹ።

ቅዱሳን ኣቦታት፣ ብዉሕድ ነገር ክንጅምር ይምዕዱና። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ከምዚ ይብል፣ “ነዛ ንእሽቶይ ሓዊ ከመይ ከምትጠፍእ ዘይተመሃርካ`ሲ፣ ከመይ ጌርካ ነቲ ብርቱዕ ባርዕ ከተጥፍእ ትኽእል።”  ቅዱሳን ኣቦታት ዉን ከምዚ ይብሉ፡ “ካብ ዓቢ ፈተና ክትድሕን፣ ነተን ንኣሽቱ ፍትወታት ቅተለን፣” ። እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፍለ ኣይኮነን፣ ኲሉ ከም ሰንሰለት ዝተሓሓዘ እዩ።
ሕማቅ ኣመል ዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ ይምዕብል። ኣብ ህይወትካ ዘሎ፣ ኲሉ ክፋእ ኣመል፤ ንኡስ ብዝመስሉ ነገራት ተተሓሒዘን ዝመጽኣ እየን። ሽኮራዊ ነገር ብምፍታው፣ ዘረባ ብምዝዉታር፣ ኲሉ ነገር ክንፈልጥ ካብዘለና ህንጡይነትን፣ ኣብ ዘይጉዳይና ጦብሎቕ ምባል ስለንፎትዉን እዩ፤ ብዙሕ ሕማቕ ኣመል ኣጥሪና ዘልና። ኲሉ ድሌታትናን ክፋእ ኣመልናን፣ ካብቲ ገዛእ ርእስና ከነዕግብ ኢልና ንገብሮ ባዕላዊ ፍቓድ ዝተበገሰ እዩ።
ገዛእ ፍቓድና ከነማልእ ንነብሮ ህይወት`ዩ፣ ዝጎድኣና ዘሎ። ድሕሪ ዉድቐት ኣዳም፣ ፍቓድ ደቂሰባት  ናብ ስጋዊ ፍትወት ጥራይ እዩ ዝጎይይ። ከምኡ ስለዝዀነ ኸኣ፣ እቲ ቃልሲ ምስ ገዛእ ርእስና ኮይኑ። ማለት እዚ ሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ፣ ኣንጻር ስጋዊ ፍቓድና እዩ።  ብካልእ ኣገላልጻ ንገዛእ ፍቓድና ናብ ፍቃድ ኣምላኽ ምግዛእ እዩ። እዚ ብምዘይምድንጓይ ሕጂ ክፍጸም ኣለዎ። 

ዝዀነ ነገር ክትሓትት፣ ስጋካ ዝድርኸካ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣይትሕተት። ክልተ ኩባያ ቡኒ ክትሰቲ እንድሕሪ ቃሕ ኢልካ፣ ሓንቲ ጥራይ ስተ። መመሊስካ ሰዓት ክትርእዮ እንድሕሪ ረቢጹካ፣ ሰዓት ኣይትርአ። ሽጋራ ክትሰቲ ቃሕ እኒቴሉካ፣ ግደፎ። ደገ ክትወጽእ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ገዛ ኮፍ በል። እዚ ገዛእ ርእስኻ ምግታእ ይበሃል፣ እዚ ሜላ`ዚ ገዛእ ፍቓድካ ናብ ፍቓድ ኣምላኽ ከተግዝእ ይሕግዘካ።

ምናልባት ገሌኹም፣ “ብሓቒ እዚ ዂሉ የድልይ ድዩ፧?” ኢልኩም ትሓቱ ትህልዉ። ነዚ ሕቶ ቅዱሳን ኣቦታት ብሕቶ ይምልስዎ። “ዕትሮ፣ ነቲ ኣብ ዉሽጡ ዘሎ ርስሓቱ ከይጽረኹም፣ ጽሩይ ማይ ምመላእኹሞ`ዶ? ገዛኹም ረሳሕን ትርኪምርኽን መሊኡ እንከሎ፣ ክቡር ጋሻ  መአንገድኩምሉ`ዶ? ፍጹም ዘይመስል እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከምዝበሎ፣ ነቲ ንጹህ ጐይታ ንኽንርእዮ፣ ከምኡ  ገዛእ ርእስና ከነንጽህ ኣለና” /1ይ ዮሃ 3፥3/።
ስለዚ ልብና ነንጽህ! ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኲሉ ጋዕ-ገልጠምን፣ ተርኪምርኽን ኣዉጺእና ንጉሓፎ። ነቲ ረሳሕ ባይታ ንወልዉሎ፣ መስኹቲዉን ይነገግፍ፣ ንፋስን ብርሃንን ክኣትዎ ዉን ይከፈት። ማሕደር ኣምላኽ ድሉው ይኹን። ብድሕሪዚ ነቲ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ኣረጊት ክዳንና ንደርብዮ፣ ሓድሽ ክዳን ዉን ንኸደን። ንዕዑ ድሉው ዘይኮነ ክዳን ምስ ንኽደን፣  ካብቲ መርዓ ከይንሱገግ /ሊቃ 13፥28/።
ጉይታ ብሓዋርያቱ ጌሩ ተመሳሳሊ ትእዛዝ ኣዚዙና። “ልብኹም ኣንጽሁ” /ያዕ 4፥8/። ቅዱስ ጵዉሎስ ዉን ይደግሞ “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉThe FDA requires all slovak-republic.org levitra 10 mg generic drugs to offer the same benefits and safety as their brand name alternatives. ርእስና ነንጽህ” /2 ቆሮ 7፥1/። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ከምዚ በለ ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኵርዓት፡ ዕሽነት። እዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ። /ማር 7፥21-23/። ንግቡዛት ፈሪሳዉያን ኸኣ “ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። /ማቴ 23፥26/።
ንምንታይ ልብና ነንጽሆን ነጽርዮን ከምዘለና ግን ቅኑዕ ርድኢት ይሃልወና፤ ምእንቲ ክጥዕመና ወይ ንክምችኣና ኣይኮነን። ነዚ መዕረፊ ጋሻ ዝዀነ ልብና፣ ነዳል
ዎን ነጽርዮን ዘለና፣ ንዉልቅና ኣይኮነን፣ ነቲ ጋሻ ንክጥዕሞን፣ ንክፎትዎን እዩ። ምእንቲ እቲ ኣብ ልብና ዝኣቱ ክቡር ጋሻና ክሕጎስን ባህ ክብሎን፣ ክፎትዎን እዩ። “ባህ`ዶ ይብሎ ይኸዉን፧?” ንገዛእ ርእስና ንሕተታ። ተሓጒሱ`ዶ ይኣትዉ ይኸዉን፧? ዂሉ ሓሳብና ናብኡ እዩ።
ስለዚ ተዓጠቕ፣ ልብኻ ኣጽርዮ፣ ዝዀነ ህያብ ክትረኽብ ዉን ትጽቢት ኣይትግበር።
ሰልስተ ዓይነት ጠባያት ኣብ ሰብ ኣሎ። ቀዳማይ ስጋዊ ሰብ፣ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝሓስብ፣ ዋላ ንካልኦት ይህሰይ ኣይግድሶን፣ ብዛዕባ ስግኡ ጥራይ ይሓስብ። ካልኣይ ባህሪያዊ ሰብ፣ ንገዛእ ርእሱን፣ ንካልኦትን ከሐጉስ ይደሊ። እቲ ሳልሳይ መንፈሳዊ ሰብ፣ እዚ ንኣምላኽ ጥራይ ከሐጉስ ይደሊ፣ ዋላ ሞት ይምጻእ።
እቲ ቀዳማይ ካብ ናይ ሰብ ደርጃ ወሪዱ ዳርጋ ናብ እንስሳ ገጹ ዝኸደ`ዩ። እቲ ካልኣይ ባህሪያዊን ልሙድን ኮይኑ፣ እቲ ሳልሳይ ግና ካብ ደረጃ ደቂ ሰባት ክብ ዝበለ ኮይኑ፣  ብክርስቶስ ዝንበር ህይወት እዩ።

መንፈሳዊ ሰብ መንፈሳዊ ነገር ጥራይ ይሓስብ፣ ብንስሓ ሓደ ሓጥእ ኣብ መላእኽቲ ዝግበር ሓጎስ ክሰምዕ ይብህግ። እቲ ዝናሳሕ ሓጥእ ዉን ንሱ ምዃኑ ይዝክር። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ይሃልዉካ። በዚ ተስፋ ጥራይ ክትጽዕር ይግባእ። ጐይታ፣ ቅድም መንግስቱን ጽድቁን ክንደሊ፣ (ማቴ 6፥33) ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ፍጹም ዝዀነ ንሕና ዉን ፍጹማት ክንኸዉን እዩ ዝኣዘዘና (ማቴ 5፥48)።

ስለዚ ኣይትሳነፍ፣ በርቲዕኻ ተቃለስ። ነቲ ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ ኩሉ ስጋዊ ባህሪያት፣ እንስሳዊ ጠባያት ጽርግርግ ኣቢልካ ኣጥፍኣዮ። ዋላ ሓንቲ ኣሰር ዉን ኣይትሕደግ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ እንስሳዊ ኣካይዳ፣ ኣየናይ ምዃኑ መርሚርካ፣ ካብ ሱሩ ሞንቂስካ ንክትቡንቁሶ፣ ዕላማካ ይኹን። ምክንያቱ “ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ።” /ገላ 5፥17/።

ነዚ ዂሉ ክትገብር እንከለኻ ግን ሓደ ነገር ኣስተዉዕል። ምናልባት ገዛእ ርእስኻ ከተድሕን ብዙሕ ስለዝጻዓርካ፣ ብሰንኪ`ዚ ኸኣ ትዕቢት ክወርሰካ እንድሕሪ ጀሚሩ፣ ቀልጢፍካ ነዚ ሓሳብ ካብ ልብኻ ኣርሕቆ። ትዕቢት ዝዓበየ ሕማም እዩ። ስለዚ ገዛእ ርእስኻ መርምር፣ ትዕቢት ከይሕዘካ ዉን ኣዚኻ ተጠንቀቕ። ገዛእ ርእስኻ ከም ጻድቕ ከይትሓስባ!