መንገዲ ባሕታዉያን 6

ምዕራፍ 6. ትምኒትን ምቾትን ኣርሕቅ

“ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።” /ሉቃ 13፥24/። እዚ ቃል፣ ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መንገዲ ብዙሓት ከምዘይመርጽዋ የረድኣና። ንሕና ግና በዛ ቀጣን መንገዲ  ንምእታዉ ክንጋደል ይግባእ።
እዛ መንገዲ ጸባብ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምክንያት፣ ገዛእ ስጋና ክንመልኽን ክንገዝእን ስለዘይንደሊ እዩ። በዚ ምክንያት ዉን ብዙሕ ትምኒታትን ፍተወትን የሕዲርና። እዚ ስጋዊ ፍትወት በብቅሩብ እዩ ዝምዕብል። ኣብ ልብና ቅሩብ ቦታ እንተረኺባ፣ ስጋዊ ፍትወት ባዕላ እያ ትዓቢ። ምናልባት ኣይሰርቕናን ንኸዉን፣ ግን ንሓሚ፤ መስተ ኣይንሰትይን ንኸዉን ግን ብስሰዐ ብዙሕ ቡንን ሻሂን ንሰቲ። ከምዚ ብምግባርና ዉን፣ ስጋና ዝደለየቶ እንዳረኸበት፣ ሸዉሃታ እንዳዕገበት ከምትነብር ንገብራ። ብኸምዚ ዉን ትምኒትን ፍትወትን ኣብ ስጋና ይስልጥን። ፍትወት ስጋ ኩሉ ግዜ፣ ንካልኦት ዓበይቲ ሓጢኣት ትስሕብ። ንሓጢኣት ካብ ሱሩ ክንቡንቅሶ ዘይከኣልና ዉን ብሰንኪ ፍትወት ስጋ እዩ። እዚ ፍትወትን ትምኒትን ስጋን ኸኣ ሓልዮት ስጋ የሕዲሩልና።

ምንጪ ኲሉ ክፍኣትን ሓጢኣትን ስለዝዀነት፣ ስጋዊ ሓልዮት ኣርሕቕ፣ ንትምኒት ስጋ ዉን ቅተል። ሓልዮት ስጋ ትምኒት ስጋ ፈጢሩ። እዚ ትምኒት ኸኣ፣ ብግዲኡ ብዛዕባ ገዛ ርእሳኻ ጥራይ ከም ትሓስብ ጌሩኻ። ስሱዕን ፍቕሪ ብጻይ ዘይብልካን ኮይንኻ። ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጎረቤትን ብጻይን፣ ፍትወት ስጋኻ ጥራይ ትግደስ። ብኸምዚ ዉን ዕጹው ኢኻ። ምስ ኻልኦት ሰባት ዝምድና ርኽብን የብልካን። እምበኣር ካብዚ ማእሰርቲ ንገዛእ ርእስኻ ሓራ ግበር። ካብ ሓልዮት ስጋን ትምኒትን ዉጻእ፣ ሽዑ ሓጢኣት ካባኻ ክትርሕቅ እያ።
ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ስለዝኾነ፣ ንኹሉ ትምኒት ቅተል። ባህጊ ምቾትን ስጋዊ ሓልዮትን ኣጥፍእ። ብኹሉ መንገዲ ተቃለስ፣ ንኹሉ ኣጽዋር ዕጠቕ`ሞ ትንፋስ ከይሃብካ ነዛ ትምኒት ቅተላ። ስጋ ዋላ ብዙሕ ሃባ፣ ኣይትዓግብን፣ ስለዚ ቀጻሊ ንስጋዊ ፍትወት ኣይትገዛእ። ስጋ ዝደለየቶ ኣይተማልእ፣ እሰራ። ነዚዉን ብዘይምቁራጽ ኣዘዉትሮ። ቀጻልነት ዘለዎ ነገር ሓይሊ ኣለዎ። ግን ብቃል ኣምላኽ ክምገብ ይግባእ።

ዲያብሎስ ኲሉ ግዜ መስሎኺ ከምዘናድይ ኣይትዘንግዕ፣ ስለዚ ኣፍደገኻ ጽቡቕ ጌርካ ዕጸዎ፣ ናይ ድሕሪት ማዕጾ ዉን ኣይትክፈቶ። ኲሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ጽናሕ፣ ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ብዝተፈላለየ ሜላ እዩ ዝምጽእ።

ንኣብነት ካብዚአን ነገራት እንታይ ረብሓ ረኺብኻ፧ ኣብ ተሪር ነገራት ክትድቅስ ጀሚርካ፣ ግን ኣብ ምዉቕ ዝበለ ማይ ተኣሊኽካ ትዉዕል?! ሽጋራ ንክትገድፋ ምሒልካ፣ ግን ሙሉእ መዓልቲ ቁምነገር ኣብ ዘይብሉ ዕላላት ተጸሚድካ ተሕልፎ?! ምልፍላፍ (ከንቱ ዝዀነ ብዙሕ ዘረባ) ሓዲጋካዮ፣ ግን ጥቕሚ ዘይብሉ ልበወለድ ከተንብብ ትርከብ?! ልበወለድ ምንባብ ገዲፍካዮ፣ ግን ኸኣ ኣብ ሕልሚ ቀትሪን ዘየድሊን ትካዘን ሓሸዉየ ከተብል ትዉዕል?!

እዚ ስጋኻ ከተዕግብ እትገብሮ፣ ብዝተፈላለየ መዳያት ዝተገልጻ ስጋዊ ፍትወት እዩ።

ሃብቲ፣ ጽጋብ፣ ምቾት፣ ጽቡቅ ብምብላዕ፣ ጽቡቕ ክዳን ምግባር፣ . . . ዝኣመሰሉ ናይ ትምኒት ነገራት ኣይትፍቶ፣ ከማን በንጻሩ፣ ድኽነት፣ ጥሜት፣ ድኻም፣ ጸገም. Treatment of Erectile Dysfunction with published here levitra priceErectile dysfunction is a growing disorder, which is majorly considered aftermath of rapid stressful lifestyle in the modern era or human civilization.. .ዝኣመሰሉ ናብ ትሕትና ዝመርሑ ነገራት ብጸጋ ንምቕባል ልብኻ ድሉው ግበሮ።  እተን ጐይታ ክንገብረን ዝኣዘዘና ነገራት፣ ከም፡ ጥቅሚ ዘይብሉ ቃላት ከይንዛረብ፣ ስጋና ከይነፍቕር፣ ንመራሕቲ (በዓል ስልጣን) ክንእዘዝ፣ ንጓል ኣንስተይቲ ብትምኒት ዘይምጥማት፣ ዘይምሕራቕ፣. . .ዝኣመሰላ ነገራት፣ ብሕቡእ ግበረን። እዜአን ዂለን ንክስዕበንን ክንትግበርንን እየን ተነጊረናና፣ ስለዚ ሱቕ ኢልና ኣይንግደፈን። “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።” እዩ ዝበለ ጐይታ /ማቴ 16፥24/። ህይወትና ቐቢጽና፣ ፍቓድና ናብ ኣምላኽ ከንግዝእ ንበገስ፣ ሽዑ ምሕረት ኣምላኽ ክዝሓልና`ዩ።