መንገዲ ባሕታዉያን 7

ምዕራፍ 7. ካብ ፍትወት ስጋ ናብ ፍቕሪ ክርስቶስ

ቅዱስ ቴዎፋን ባሕታዊ ከምዚ ኢሉ ይሓትት`ሞ ዝምልሶ መልሲ ኸኣ ንስማዓዮ፣ “ካብ ስጋና እንድሕሪ ወጺእና ንመን ንረኽብ?” “ንኣምላኽን ንብጻይናን ክንረኽብ ኢና።” በዚ ምክንያት`ዩ እምበኣር፣ ገዛእ ሰብነትናን ስጋናን ክንቀብጽ ዝተነገርና። ብመድኃኒ ዓለም ክርስቶስ፣ ድሕነት ክረክብ ዝደሊ ሰብ፣ ነዚ ነገር ክፍጽም ኣለዎ። ስጋዊ ሰብ ንስግኡ ጥራይ ዘማዕኸለ ህይወት ይህልዎ። ኣምላኽ ዘማእኸሎ ህይወት ንደሊ እንድሕሪ ኮይንና፣ ገዛእ ርእስና ንቕበጽ። ሽዑ ነቲ ኣምላኽናን፣ ጎረቤትናን፣ ብጻይናን ዝዀነ ንክርስቶስ ክንረኽቦ ኢና።

እዚ ማለት፣ እቲ ኣብ ስጋና ሓዲሩ፣ ንስጋዊ ፍትወት ክንግዛእ ዝገበረና ሓይሊ፣ ክሰዓር እዩ። ብዘይ ገለ ምጽራርዉን እቲ ኣብ ፍትወት ስጋ ጥራይ ዘድህብ ዝነበረ ሰብ፣ ሕጂ ናብ እግዚአብሔር ክምለስ እዩ። በዚ ዉን ኣቢሉ ናብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሰጋገር ይኽእል። ብፍቕሪ ኣምላኽ ኸኣ ናብ ፍቕሪ ብጻይ። እቲ “ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ” /ማቴ 6፥3-4/ ዝተባህለ ዉን ነዚ`ዩ። ናብ ኣማላኽ ዝገበርካዮ፣ ናብ የሕዋትካ ናብ ሰባት ይበጽሕ። ነዚ ምስ ንገብር`ዩ፣ እቲ ነንሕድሕድና ምምዕዓድ ዝዀነልና፣ ስጋዊ ሜላ ዘይብሉ፣ ልዕሊ ዂሉ ዝዀነ ምልኣት ፍልጠት ክንረኸብ ንኽእል። ብባዕላዊ ሜላ ዝምራሕ፣ ካብ ባዕላዊ ዕላማ ዝብገስ፣ ዉልቃዊ ኣካይዳ፣ ኣብዚ ኣየድልይን። እዚ ኲሉ ግዜ ናብ ዉልቃዊ ዕግበት ጥራይ ስለዘምርሕ፣ ሓደጋ ኣለዎ። ስለዚ ጽድቂ ይሰርሕ ኣለዂ ኢልካ፣ ገዛእ ርእስካ ከይተታልል ተጠንቀቕ።

ገዛእ ርእስኻ ብስራሕ፣ ብኣኼባ፣ ብዝተፈላለዩ ሓላፍነት፣ ጽሙድ ኣይትግበራ። ሙሉእ ግዜኻ ኣብ ስራሕ ጽሙድ ምዃን፣ ርእሱ ዝኸኣለ ስሚ’ዩ፣ ክቐትለካ ዉን ይኽእል። ገለ ገለ እዋን ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ትገብር ኢኻ፣ ይኹን እምበር ነዚ ንኽትገብር ዝደረኸካ ዉልቃዊ ድሌታትካን፣ ንገዛእ ርእስኻ ባህ ከተብል ደሊኻ ኢኻ እምበር፣ ንኣምላኽ ከተሐጉስ ኢልካ ኣይኮንካን (ሮሜ 15፥1)። ገዛእ ርእስኻ መርምር እሞ፣ እዚ ነገር ሓቂ ምዃኑ ክትርዳእ ኢኻ።

እግዚአብሔር ፤ ፈቃር፡ ወሃቢ ሰላም፡ በጃ ኮይኑ ዘድሕን ፍጹም ርህሩህ ኣምላኽ እዩ። እዚ ኣምላኽ ኣብ ማእኸል ግብዝናን፣ ኣምሰሉ ህይወት ኣብ ዝነገሶን፣ ኣይነብርን። እንታይ ደኣ ሓቀኛን ልባዊ ህይወትን ይፎቱ። በዚ ዝስዕብ መንገዲ ገዛእ ርእስኻ መርምር። ንኣብነት ክትገብሮ ዝመደብካዮ ሰናይ ነገር ብገለ ምክንያት ክትገድፎ ምስእትግደድ፣ ትሓርቕ’ዶ፧ ትቑጣዕ፣ ሰላምኻ ተጥፍእ፣ ትጉህይ’ዶ፧? ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ብሓቂ ህይወትካ፣ ብስጋዊ ፍትወት ተመሊኡ ከምዘሎ ከተረጋግጽ ትኽእል።

ምናልባት ስለምንታይ?People with ejaculation buy cialis online look at this icks.org problem might feel angry or ashamed and upset. ዝብል ሕቶ ተቕርብ ትኸዉን። እቶም ምኩራት ኣቦታትና እዚ መልሲ ይህቡ። እቲ ገዛእ ፍቓዱ ናብ ፍቓድ ኣምላኽ ዘየግዝአ ጥራይ’ዩ፣ ተቓዉሞ ዝገጥሞ። ምክንያቱ ኣምላኽ ተቓዉሞ ኣይስዕሮን እዩ። ካብ ስጋዊ ፍትወት ዝረሓቐ ገዛእ ርእሱ ክሳዕ ምዉፋይ ዝበጽሕ ፍቕሪ፣ ናይ ዉልቂ ዘይኮነስ ናይ ኣምላኽ’ዩ። ስለዚ ተቃዉሞ እንተ መጽአ ከማን፣ ክሓርቅ፣ ክጉህይ ኮነ፣ ክቁጣዕ ኣይግባእን። ክበልዕ፣ ክሰቲ፣ ከጽንዕ፣ ክሰርሕ፣ ንህዝበይ ከገልግል፣ ወዘተ፣ ብምባል ብዉልቀይ ዘዳልዎ መደባት፣ ካብ ዉልቃዊ ድሌት ጥራይ ተበጊሰ ዝሰርዖ ዉጥን፣ ተቃዉሞ ከጋጥሞ ንቡር’ዩ፣ ስለዚዉን እየ ዝጉህይ። በታ ናብ ህይወትን ናብ ኣምላኽን እተብጽሕ ጸባብ ኣፍደገ ዝኣቱን በኣ ዝመላለስን ሰብ፣ ሓደ ነገር ጥራይ’ዩ ክዕንቅፎ (ተቃዉሞ ክገጥሞ) ዝኽእል፣ እዚ ኸኣ፣ ሓጢኣት ዝመልኦ ስጋዊ ድሌት ወይ ፍቓድ እዩ። ኩሉ ፈተናታት ካብ ስጋዊ ፍቓድ’ዩ ዝብገስ። ሓደ ነገር ክገብር መዲቡ ከብቅዕ፣ ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይፈቒዱ’ሞ እንተተረፈ፣ ስለምንታይ ይጉህይ፧? ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ መደብ ኣይትስራዕ (ያዕ 4፥13-16)።

ሕጂዉን ቅዱሳን ኣቦታት ዝብልዎ ንስማዕ።

ኣይትታለሉ፣ ክርስቲያን ንበሃል ኩላትና ከምቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመላለሶ ክንመላለስ ኢና ተጸዊዕና (1ይ ዮሃ 2፥6)። ንሱ ማለት ክርስቶስ ፍቓዱ ዘይኮነስ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኾ ዝገበረ፣ ኣብ ሓሰር ዝተወልደ፣ ኣርበዓ መዓልቲ ለይቲን ዝጾመ፣ ሙሉእ ለይቲ ብጸሎት ዝተግሀ፣ ኣጋንንቲ ዝገሰጸ፣ ሕሙማት ዝፈወሰ፣ ሙታን ዘተንስአ፣ ንሱ እወ እዚ ወሃቢ ህይወት መድኃኒዓለም ርእሱ ዘጸግዓሉ ቦታ ኣይነበሮን፣ ኣብ መወዳእታ ዉን፣ ክጸፍዕዎ፣ ጡፍ ክብሉሉን ክሰቕልዎን ዝፈቐደ እዩ።

እስከ ቅሩብ ገዛእ ርእስኻ ምስኡ ኣነጻጽር፣ ደምበር’ዶ ብገለ ኣጋጣሚ ንዕዑ መሲልካ ትፈልጥ፧? ሓንቲ ለይቲ ብጸሎት ተጊህኻ’ዶ ትፈልጥ? ሓንቲ መዓልቲ ጾይምኻ’ዶ ትፈልጥ? ሓደ ጋኔን ገሲጽካ’ዶ ኣዉጺእኻ ትፈልጥ? ገዛእ ርእስኻ ክትጽረፍ፣ ጡፍ ክብሉልኻን ክጸፍዑኻን ፈቒድካ’ዶ ትፈልጥ? ፍቓድካ ሓዲግኻ፣ ስጋኻ’ዶ ኣብ መስቐል ሸንኺርካያ (ገላ 5፥24) ትፈልጥ? መዓልታዊ ነዚአን ሕቶታት ንነብስኻ ሕተታ።
ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድ (ምንዓቕ) እንታይ ማለት እዩ? ገዛእ ርእሱ ዝኸሓደ ሰብ ”ሕጉስ ኣሎኹ’ዶ? ዕጉብ ድዬ?” ኢሉ ኣይሓትትን። ገዝእ ርእስኻ ብሓቒ እንድሕሪ ክሒድካ፣ እዚ ሕቶታት ኣብ ህይወትኻ ቦታ
ኣይክህልዎን። ምክንያቱ ምእንቲ ሰማያዊ ሓጎስ ኢልኻ ገዛእ ርእስኻ ክሒድካ ኣሎኻ።

ገዛእ ርእስና ጥራይ ከነሐጉስ ስለንደሊ ዉን እዩ፣ ኲሉ ግዜ ዕግርግርን ጽልኢን ኣብ ህይወትና ዝነግስ። ስለዚ ካብዚ ሓሳብ’ዚ ኣልግስ፣ ኣንጻሩ ዉን ተቓለስ፣ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ከተሐጉስ ኣይትድለይ፣ ሽዑ እቲ ዝተረፈ ክምልኣልኻ እዩ።