መንገዲ ባሕታዉያን 8

ምዕራፍ 8. ዝሰዓርካዮ ሓጢኣት ዳግማይ ከይምለሰኻ ተጠንቀቕ

ንገዛእ ስጋኻ ክትስዕር ካብ ጀሚርካ፣ እዚ ምልክት ዓወት እዩ። በዚ ዓወት`ዚ ንኣምላኽ ደኣ ኣመስግን እምበር፣ ንገዛእ ርእስኻ ሓያል ጌርካ ኣይትቑጸራ፣ ምኽንያቱ ንሱ`ዩ ነዚ ሓይሊን ዓወትን ዝሃበካ። ካብ ዓቀን ንላዕሊ ኣይትተሓጎስ፣ ጉዕዞኻ ደኣ ቐጽል። እንተዘይኮይኑ፣ ግና ክፉእ መንፈስን ክፋእ ኣመልን ክምለሰካ እዩ፣ ካብ ዉሽጢዉን ክስዕረኻ ይኽእል። እስራኤላዉያን፣ ሕጊ ዝተዋህቦም፣ ነቶም ኣብታ ምድሪ ንዝነበሩ ኣህዛብ ምእንቲ ክሶጉዎም እዩ /ዘሁ 33፥52/። ንሕና ዉን ካብዚ ክንማሃር ይግባእ።

ምናልባት እቲ ዝረኸብካዮ ዓወት ንኢሽተይ ወይ ዓቢ ክኸዉን ይኽእል። ማለት ዓቢ ወይ ንእሽተይ ሓጢዓት ስዒርካ ትኸዉን፣ በዚ ግና ኣይትዛነይ። ኹሉ ግዜ ብድሕሪት ካልእ ፈተናን ቃልሲን ከም ዘሎ ዘክር።  ስለዚ ዕረፍቲ የለን፣ ክትዓርፍ ኢልኻ ዉን ትጽቢት ኣይተሕድር።

ኸምቲ ቅድም ዝበልናዮ፣ ሕጂ ዉን ስቕታ ኣይትረስዕ። ምስቲ ዘይርአ ኣምላክ ትዓዪ ስለዘለኻ፣ ስራሕኻ ኩሉ ዘይርአ ይኹን። ኣብ መንገዲ እንዳዘረዉኻ ትኸይድ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ዲያብሎስ ዝለኣኾም ኣዕዋፍ ኣጋንንቲ መጺኦም ካብ ልብኻ ክሰርቅዎ እዮም። ኣብ ብዝሒ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን` እሞ፣ ብገዛእ ርእስኻ ዕጉብ ኣይትኹን።

ስለዚ ኣቦታትና፣ ኲሉ ግዜ ነገራት ክንምርምር ይምዕዱና። እንታይ ትገብር ከምዘለኻ ክትፍለጥ ኣይትብሃግ። እዚ ናይ ኩሉ ግዜ ሕግካ ግበሮ። ብዛዕባኻ ኣይትዛረብ፣ እንታይ እዩ መደብካ፣ ከመይ ትነብር፣ እንታይ እዩ ሓሳብካ፣ ኣይትዛረብ። ብዉሑዱ ከይተሓተትካ ኣይትመልስ። እዚ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን ናይ ስጋ ጥራይ እዩ። ዕግበት ፈጢሩ ብዛዕባኻ ጥራይThe cause of andorpause or male menopause is the decline of fats in the area, showing the image of cialis no prescription http://appalachianmagazine.com/2017/11/29/mountain-memories-drinking-from-a-gourd-dipper/ bigger penis size. ንክትሓስብ ዝገብር ሕማም እዩ።

ኣብ ዝዀነ ግዜ ቦታን ዂነታትን ፈተና ኣይሰኣንን ስለዝዀነ፣ ስራሕኻ፣ መንበሪኻ፣ ዝኣመሰለ ነገራት ክትቕይር ኣይትድለይ። ምናልባት ጠንቂ ፈተናን፣ ክፋእ ሓሳብን ዝኸዉን እንድሕሪ ኾይኑ ጥራይ ቀይር።

ዝዓበየ መዓርግ፣ ስልጣንን፣ ሓላፍነትን ኣይtብሃግ። ትሕት ዝበለ ሓላፍነት ክህልወኻ እንከሎ፣ ብእኡ መጠን፣ እቲ ፈተና ዉን ክጐድል እዩ። በቲ ሒዝካዮ ዘልኻ ህይወት ዕጉብ ዂን። ፍልጠትኻ ኽእለትኻ ከተርኢ ኣይትፈትን። ከምዚን ከምትን ኢልኻ ሓሳብ ካብ ምቕራብ ተቖጠብ። ኣብ ክትዕ ኣይትእቶ፣ ንዝዀነ ሰብ ዉን ኣይትቓወም። ሓሳብኻ፣ ልዕሊ ሓሳብ ብጻይኻ ኣይትግበር። ከምዚ ምስትገብር፣ ተኣዛዝነት ክትመሃር ኢኻ፣ ትሕትና ዉን ከተጥሪ ትኽእል። ትሕትና ብዋጋ ዘይትመን ሃብቲ እዩ።
ሰባት ርእይቶ ከቕርቡልካ እንከለዉ፣ ከየማረርካ ተቐበል። ክትጽረፍን፣ ክተንዓቅን እንከሎኻ ኣመስግን፣ እምበር ምስኺንኪን ኣይትበል። ሰባት ምስኪንኪን ክትብል እንድሕሪ ርእዮምኻ፣ ‘እዚ ሰብ ትሕትንኡ ደስ ክብል’ እንዳበሉ ብዛዕባኻ ጥራይ ክዘረቡ እዮም። እዚ ኣማናዊ (ሓቀኛ) ትሕትና ኣይኮነን፣ ኣማናዊ ትሑት ሰብ፣ ብሰብ ክፍለጥ ኣይደለይን። ዓለም ኣይትፈልጦን፣ ምኽንያቱ ዓለም ንዕዑ ዋላሓንቲ ኣይኮነትን (1 ዮሃ 3፥1)።
በዓል ጴጥሮስን እንድርያስን፣ ዮሃንስን ያዕቆብን፣ መረቦም ሓዲጎም መዋዕልቶም ራሕሪሖም፣ (ማቴ 4፥20) ኽከዱ እንከለዉ፤ ብጾትና እንታይ ክብሉና እዮም ኢሎም ስክፍታ ኣየሕደሩን። እዞም ክልተ ጽምዲ የሕዋት ዉን ብቕጽበት ተሰወሩ። እምበኣር ካብዚኦም ሃዋርያት ትምህርቲ ዉሰድ። ካብዚ ዘማዊን ሓጢኣተኛን ወለዶ ክትፍለ ግዜ ኣይትዉሰድ። ኣይትወላወል። ነየናይ ኢኻ ከተድሕን ትደሊ፣ ንዓለም’ዶ ዋላስ ንነፍስኻ (ማቴ8፥34-38)? ኣንቱም ሰባት ጽቡቕ ዝዛረቡልኩም፣ ወይለኹም! ሉቃ 6፥26 

1 Response

  1. Anonymous says:

    Bhaqi teeum qal amlak.Metsenanei zkewunn, zmhrn mkuanu azyu des zebl eyu. Bzyada kabzi qexalnet khlwo tesfa ygebr. Ab zhalefe somunat keywetsee qenyu, kalee hade hade nay type gdfet alo nsu armo. bzyada bertee. Amlak ybarkka!