ርሑስ በዓል ትንሳኤ

ርሑስ በዓል ትንሳኤ!

 
ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን፣ ሞተ ወኬዶ ለሞት፣ ለእለ ዉስተ መቃብር፣ ወሃበ ህይወተ፣ ዘለዓለም ዕረፍት።
ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ፣ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ፣ ኣብ መቓብር ንዝነበሩ፣ ህይወትን ዘለዓለማዊ ዕረፍትን ሃቦም።
Christ is Risen from the Dead, by death hath he trampled down death and those in the graves hath he bestowed life.Khristós Anésti! Alithós Anésti!

ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን፣ በዓቢይ ሓይል ወስልጣን፣

ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ፣ ብዓቢይ ሓይሊን ስልጣንን

ኣሰሮ ለሰይጣን፣ ኣግዓዞ ለዓዳም፣ ንሰይጣን ኣሰሮ፣ ንኣዳም ኣድሓኖ

ሰላም እምይእዜሰ፣ ኮነ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ኮይኑ

ፍስሓ ወሰላም! ሓጎስን ሰላምን!!

እዚ ቃል እዚ ኣብ ኲለን ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርሲያን ብምምልላስ ዝበሃል ናይ ትንሳኤ ሰላምታ ወይ The Paschal Greeting ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸሎት እዩ። ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚሩ ክሳብ በዓለ ሃምሳ (ን50 መዓልቲ) ናይ ሰላምታ መክፈቲ እዩ። ኣብ ምድሪ ሓበሻ እንርኸብ ኦርቶዶክሳዉያን ኸኣ፣ ነዚኣ ጸሎት ኣብ ግዜ ቅዳሴ ቅድሚ ምንባብ ወንጌል ኣብ ግዜ ዑደት ታቦት ንጽልያ። እታ ናይ ትንሳኤ ሰላምታ ኸእ ምስዚኣ ትመሳሳል ኮይና ቅሩብ ፍልይ ትብል። ንሕና ክልተ ሰላምታ ኣለና። እታ ሓንቲ ብምቅብባል እንብላ ኮይና፣ እታ ሓንቲ ከኣ ኣብ መንጎ ቅዳሴ ብዜማ ንብላ። እዚ ጸሎት ዘመሓላልፎ መልዕክቲ ኣሎ። መልክእኽቱ እንታይ እዩ? ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና እንታይ እዩ? ኣብ ትንሳኤ ህይወትና እንታይ ተራ ኣለዎ?
 

For instance, check out my pharmacy store now levitra properien if we talk about the tablets, it starts working on the base factor of relaxing the penile arteries and enhancing the flow of blood to the male reproductive organ cause erectile dysfunction.

ትንሳኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓወት ኲሉ ዓለም እዩ። ዂሉ ዓለም፣ ካብ ኣዳም ክሳብ መወዳእታ ዘመን ዝመጽእ ሰብ፣ ድኻ ይኹን፣ ሃብታም፣ ንጉስ ይኹን ባርያ፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ብሕብረት እንሑገሰሉ፣ ዓወት ክርስቶስ፣ ዓወትና እዩ። ዲያብሎስ ብሞት ኣቢሉ ንኲሉ ሰብ ይገዝእ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኲሉ ሰብ ዉን ሓጢኣት ብሞት ኣቢሉ ይገዝኣና ነበረ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ ዉን ነቲ ዝገዝኣና ሞት ስዒሩ፣ ሓራ ኣዉጽኣና። እዚ ሓርነት ብዂሎም ሰባት ዝበዓል፣ መዓልቲ ናጽነትና እዩ። 
 
እዚ ዓወት፣ ናይ ሓባር እዩ። ምናልባት ሰብ ዓወት ክረኽብ እንከሎ፣ ናይ ዉሑዳት እዩ። ሓደ ንጉስ ክዕወት እንከሎ፣ እቶም ናቱ ወገን ዝዀኑ ይሕጎሱ፣ እቶም ጸላእቱ (ኣንጻሩ) ግና ይጉህዩ። ኣብ ናይ ጐይታናን ኢየሱስ ዓወት ግና ኲሉ ሰብ ተሓጒሱ። ምክንያቱ እዚ ዓወት ናይ ኲሉ ሰብ ድሕነት ዝተኣወጀሉ፣ ስለዝዀነ። ናቱ ዓወት ንዂሉ ፍጡር ባህታ ዝፈጥር እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸልማት ንዘለዉ፣ ብርሃን ዝኩልዕ። ንነፍሲ ዂሉ ኣዳም ዉን ብባህታ ዝመልእ እዩ።
 
ብሓቂ ስዉር ዓወት ክነሱ፣ ናብ ኲሉ ፍጡር፣ ምዉት ይኹን ህያው፣ ዝተጋህደ እዩ። ትንሳኤኡ ናይ ፈድፋድ እዩ። ሓንቲ ኣደ ንደቃ ብተደጋጋሚ ግዜ ማለት ሓንሳብ፣ ዳግማይ፣ ሳልሳይ. . . ግዜ ከብ ተመን ከተድሕኖም እንከላ፣ ብሓቂ ለጋስ ሕያወይቲ ትበሃል። ግን ሓንሳብ ንሓዋሩን፣ ንዘለኣለም ምእንቲ ከተድሕኖም፣ ናብ ጉድጓድ ተመን ከይዳ፣ ነቲ ቤቱ ከተንድዶ እንከላ፣ ዝያዳ ለጋስነታ ይግለጽ። ጐይታ ዉን ከምዚ እዩ ጌሩ። ነቲዂሉ ግዜ ብሞት ኣቢሉ ናብ ሓጢኣት ዝመርሓና ዝነበረ ንዲያብሎስ ስዒሩ ዝተሳዕረት ዓለም ሂቡና።

እዚ ዓወት እዚ ብሓቂ ፈዉሲ እዩ። እዚ ፈዉሲ ዘለኣለማዊ እዩ። ንኣህዛብ ዓለም፣ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስ ሓራ ኣዉጺኡ፣ ዘለዓለማዊን፣ ንጹሓትን ዝገበረ እዩ። ሓጢኣት ዘለዎ ዘለዓለማዊነት ትርጉም የብሉን። ዘለዓለማዊነት ምስ ንጽህና ግና እቲ ዝበለጸን፣ ፍስሓን ሓጎስን ዝህብ እዩ። እዚ ዓይነት ናይ ድሕነት ስራሕ ከኣ እዩ፣ ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእክቲ ዝሕጎሱሉ።
በዚ ዓወት’ዚ መን’ከ ዘይሑገስ፧? ምእንታና ክብል እምበር፣ ምእንቲ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን፣ ነዚ ናይ ትንሳኤ ዓወት ዝሃበና። ትንሳኤኡ፣ ንዓና’ዩ ዝያዳ ክብሪን ፍስሃን፣ ፈጢሩ ድሕነት ዝዀነልና እምበር፣ ንዕዑ (ንጐይታ) ዋላ ሓንቲ ለዉጢ ኣይገበረሉን። ስለዚ በዚ ድሕነት ኣዚና ንተሓጎስ!!!

 

“እዚኣ መዓልቲ፣ መዓልቲ ትንሳኤ እያ። እምበኣር ናብ ኣምላኽ መስዋእቲ ነቕርበሉ። ንሱዉን ሰብነትና እዩ። ናቱ ስለዝኰንና፣ ነቲ ዝተፈጠርናሉ ምስሊ ዓቂብና፣ ንዕዑ ንወፍዮ። ክሳዕ ክንደይ ክቡራት ምኳንና ንረዳእ። ህላወ 
ፈጣሪና ፣ ነግህድ። ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሚስጢር ዉን ንረዳእ።” ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ (ነባቤ መለኮት)

ስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር! ኣሜን።