መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 5

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 5ይ ክፋል . . .መቀጸልታ

ሜላ ቁ.2፦ መንፈስ ቅዱስ ቅኑዕ ርድኢት ይህብ

ኣብ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማምዑ፣ ፕሮቴስታንትናዊ ሕዳሴ ብዝብል ምንቅስቓስ ቡዙሓት ጉጅለታት ክፍጠሩ ምስ ጀመሩ፣ እቲ ካልኣይ ፍታሕ ኮይኑ ዝቐርብ፣ መንፈስ ቅዱስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቅኑዕ ኣብ ምቱርጓም ይሕግዘና፣ ዝብል እዩ። ርግጸኛ ክንሙገተሉ ንኽእል ነገር እንተሃልዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ነንሕድሕዱ ዝጋጨው ቱርጉም ወይ ርድኢት ኣይህብን። እኳ ደኣ ቅኑዕ፣ ሓድነት ዘለዎ፣ ሓቐኛን ዘይቅየርን ትርጉም’ዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ዝህብ። ስለዚ ነንሕድሕዶም ዘይሰማምዑ ጉጅለታት፣ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዎም ክበሃል ኣይከኣልን። ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ፕሮቴስታንት፣ ነቲ ምስኣቶም ብትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ክርስቲያን ከምዘይኮነ ይቖጽርዎ። እዚ ሜላ`ዚ ብቑዕ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣብ ታሪክ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዝተረድኡ ሓደ ጉጅለ ፕሮቴስታንት ጥራይ ምረኸብና ኔርና። ካብዞም በሽሓት ዝቑጸሩ ጉጅለታት፣ ኣየኖት እዮም እቶም ሓቀኛ ጉጅለ፧ ናይዚ ሕቶ መልሲ፣ ኣብቲ ትሓቶ ሰብ እዩ ዝሙርኮስ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እታ ናቱ ጉጅለ ቅንዕቲ ምዃና እዩ ዝምስክር።  

ኣብ ግዜና ብዝተወሰነ ደረጃ ንሓቂ ኣዛሚዶም (relativized the Truth) ዝዛረቡ ሰባት ብዙሓት እዮም። ብዙሓት ፕሮቴስታንት ተዛማዲ ሓቂ ዝምስክሩ ኣለዉ። ብዙሓት ከኣ ንሕና ጥራይ ኢና ንሓቂ ዝተረዳእና ዝብሉ ኣለዉ። ኣብ ባይታ፣ ንሓቂ ኣዛሚዶም ዝዛረቡ ካብቶም ንሕና ጥራይ ኢና ሓቀኛ ኢሎም ዝዛረቡ ይበዝሑ። ግጅለ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እንዳተወሰኸን እንደተፈንጨለን ምስ በዝሐ፣ ንሕና ጥራይ ኢና ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝተረዳእናዮ፣ ምባል ዘሕፈሮም ኣይተሳእኑን። ነቲ ኣብ መንጎ ጉጅለታት ዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ዉን “ፍቅሪ” ብዝብል ምስምስ ክሽፍንዎ ይርአ። ብዙሓት ፕሮቴስታንት ኣብ ሞንጎኦም ንዘሎ ፍልልይ “ጸገም ኣይኮነን” ይብሉ። ነፍሲ ወከፍ ግጅለ “ገለ ክፋል ሓቂ” ኣለዎ፣ ምልኣት ሓቂ ዝሓዘ ግን የሎን ይብሉ። ብከምዚ`ዩ እምበኣር ኢኩመኒዝም ዝበሓል ምብግጋስ ዝተጀመረ። ኢኩመኒዝም (Ecumenism) ንኩለን ቤተክርስቲያናት ሓደ ንምግባር ዝተበገሰ ምንቅስቃስ እዩ። ናይዚ ዉጽኢት ዉን እንተርኢና፣ ዳርጋ ብዙሓት ክርስቲያናትነቶም ካልኦት ክርስቲያናት ገለ ክፋል ሓቂ ኣለዎም ብምባል ሕብረት ክፈጥሩ ጀሚሮም እዮም። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቶም ካልኦት እምነታት ዉን፣ ገለ ክፋል ሓቂ ኣለዎም ብምባል ክቅበልዎም ክሓብርዎም ይረኣዩ ኣለዉ። ናይ ዘመንና ፕሮቴስታንት በጺሖም ዘለዉ ፍሉጥ መደምደምታ ኸኣ፣ ነቲ ዘሎ ፍልልይ ገዲፍካ ካብ ኩለን ሃይማኖታት ገለ ክፋል ሓቂ  ወሲድካ ኣብ ሓደ ዕትሮ የእቲካ ትሓዋዉሶ እሞ፣ ሽዑ ድምር ናይዚ ኩሉ ምልኣት ሓቂ ክርከብ እዩ፣ ይብል።

ሜላ ቁ.3፦ እቲ ንጹር ክፋል ጽሑፍ ነቲ ንጹር ዘይኮነ የብርሃዮ
እዚ ሜላዚ ዝሓሸን ዝጸበቀን ይመስል። ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ክትርድኦን፣ እቲ ንጹር ነቲ ዘይንጹር መቶርጎሚ ኮይኑ ክንጥቀመሉ፣ ቀሊል ይመስል። እዚ ከመይ እዩ ዝብል ሕቶ እንተልዒልና፣ ንኣብነት ኣብ ገለ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዘይንጹር (ዘይብሩህ ወይ ዘይርዱእ) ጽሑፍ ንረኽቦ፣ ኣብ ካልእ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተመሳሳሊ ሓሳብ ዝያዳ በሪሁን ነጺሩን ንረኽቦ። ብሓጺሩ ነቲ ዘይብሩህ ክፋል በቲ ንጹር ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ምቱርጓም። ሉተራዊ መምህር ቱቢንገን ንፓትሪያሪክ ኤርሚያስ 2ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳቤ ዉን ተመሳሳሊ ሓሳብ ንረኽብ፡

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብባዕሉ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ምትርጓም እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ፣ ስለዚ ካብዚ ዝሓሸ ካልእ መንገዲ የለን። ምክንያቱ ኩሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብመርሒነት ሓደ መንፈስ ማለት ብምልዕዓል መንፈስ ቅዱስ እዩ ተጻሒፉ። መንፈስ ቅዱስ ኸኣ ፍቓዱ ፍሉጥ እዩ፣ ነቱ ንሱ ከመሓላልፎ ዝደለየ ሓሳብ ከኣ ባዕሉ ይገልጾ እዩ።

እዚ መንገዲ እዝዩ ንጹር ይመስል፣ ንፕሮቴስታንት ግን ካብ ምፍንጭጫል ኣየድሓኖምን። ኣብዚ ሜላ ዘሎ ዓቢ ጉድለት እቲ ንጹርን ዘይንጹርን ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ምዃኑ ምፍላዩ ስለዘጸግም እዩ። ኣየናይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዩ “ንጹር” ኣየናይ እዩ “ዘይንጹር”፧?

እቶም ‘ሓደ ክርስቲያን ሓንሳብ እንድሕሪ ድሒኑ ንዘልኣለም ድሒኑ ኣሎ’ ኢሎም ዝኣምኑ ባብቲስት፡ ነዚ ትምህርቲ ዝሕግዞም
ብዙሕ “ንጹር” ጥቅስታት ኣለዎም። ንኣብነት “ከመይ ኣግዚአብሔር ዉህበት ምስ ሃበን ምስ ጸዉዐን ኣይጠዓስን እዩ” /ሮሜ 11፥19/፣ “እተን ኣባጊዐይን ድምጸይ ይሰምዓ እየን፥ ኣነ ከኣ ኣለልየን፣ ንሳተንዉን ይሰብዓኒ እየን። ኣነ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ህይወት እህበን፣ ንዘለዓለም ድማ ኣየጥፍአን እየን፣ ካብ ኢደይዉን ዚምንዝዐን ሓደ እኳ የልቦን።” /ዮሃ 10፥27-28/። እዚአን ጥቅስታት ንባብቲስት ‘ንጹር” እየን፣ ስለዚዉን ኣብ ትምህርቶም ‘ሓንሳብ እንድሕሪ ኣሚንካ ንዘለዓለም ድሒንካ Eternal security’ ዝብል ዶግማ ኣለዎም። ኮይኑ ግና ነዚ ትምህርቲ ዝጻረር ካልእ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽቡ እንከለዉ ‘ዘይንጹር’ ብምባል በቲ ‘ንጹር’ ኢሎም ንትምህርቶም ዝሰማማዕ ጥቅሲ መረዳእታ ይገብርሉ። ንኣብነት ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝገለጽናዮ ትምህርቶም ዝጻረር ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፣ “ጻድቕ ዝነበረ ሰብ ሓጢኣት ኪገብር እንተጀመረ፣ እቲ ቕድም ዝነበሮ ጽድቂ ኣይኬድሕኖን እዩ” /ሕዝ 33፥12/። እዚ ትምህርቲ ባብቲስት፣ ኣብ እምነት ሜቶዲስት ቦታ የብሉን። ሜቶዲስት በንጻሩ፣ ሓደ ክርስቲያን ኣሚኑ ከብቅዕ፣ ናብ ናይ ሓጢኣት መንገዲ እንድሕሪ ተመሊሱ፣ ከምዘይድሕን ይኣምኑ። ስለዚ እዘን ኣብ ላዕሊ ብባብቲስት ንጹርን ዘይንጹርን ተባሂለን ዘለዋ ጥቅስታት፣ ንሜቶዲስት በንጻሩ እየን። ማለት፣ እተን ንዘለዓለም ከም ትድሕን ዝምህራ ጥቅሲታት፣ ንሜቶዲስት ‘ዘይንጹር’ እየን (ንባብቲስት ግና ‘ንጹር’)፣ ክርስቲያን ካብ መንገዲ ኣምላኽ እንድሕሪ ርሒቁ ከምዘይድሕን ዝምህራ ጥቅሲታት ከኣ ንሜቶዲስት ‘ንጹር’ እየን (ንባብቲስት ዘይንጹር)። ካብዞም ክልተ ጉጅለታት ብዛዕባዚ ሓሳብ ክዘራረብ እንተንሰምዖም፣ ተመሳሳሊ ጥቅሲ በብተራ እንዳጥቀሱ፣ ግን ከኣ ከምዘይሰማምዑ መስተዉዓልና። ስለምንታይ፣ ምክንያቱ ነቲ ሓደ ‘ንጹር’ ዝኾነ ነቲ ካልእ ‘ዘይንጹር’ እዩ።
ይቕጽል. As a result of increased blood flow into the penis, it get react with it to create cyclic GMP an accurate enzyme, which roles to inflate the walls of your arteries and do not allow plaque to be collected near the walls to cause distraction in the blood flow. order generic viagra look at more info. . .