መንገዲ ባሕታዉያን 9

ምዕራፍ 9. ንዓለም ምስዓር

ቅዱስባስልዮስዓቢሓቀኛ ፍልጠት ብርቡሽ ልቢ ክንቀርቦ ኣይንኽእልን በለ። ስለዚ ንልብና ካብ ዚርብሽን ዘይርግኣት ዘለዓዕልን ዝኾነ ነገር ካብ ምግባር፣ ምርሳዕ ዘስዕብ ነገር፣ ውዕውዕ ስምዒት  ወይ ድማ ፍትወት፣ ክንቍጠብ ይግባእ። ክሳዕ ዚከኣለና ንነብስና ካብ እንጽርጽሮት ተርባጽ ሸቐልቐል፣ ከንቱ ዝኾነ ነገር ካብ ምስራሕ፤ ሓራ ክንገብራ ኣለና እወ፣ ንጐይታ ከነገልግል ከሎና ብዛዕባ ካልእ ብዙሕ ነገራት ክንጭነቕ ኣይግባእን፣ ግና ሓደ ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ዘክር ምኽንያቱ ሓደ ነገር እዩ ዘድሊ ሉቃ 1041

ሰብነትካ ክትሕጸብ እንተኾንካ ቀዲምካ ክዳንካ ተውጽእ ኣብ ልቢ ዉን ተመሳሳሊ`ዩ ምእንቲ እቲ መንጽሂ መጺእ ንኸጽርያ፣ ልቢ ካብ ዓለማዊ መልክዕ (ስጋዊ ፍትወት) ሓራ ክትኸዉን ኣለዋ ጥዕና ዚህብ ጩራ ጸሓይ ኣብ ቈርበትና ኪበጽሕ እንተኾይኑ ቀዲምና ክንከፍቶን ዕርቃንና ክንቀውምን ` ዘሎና። እቲ ህይወት ዝህብን ዝፍዉስን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዉን ከምኡ እዩ።  

ስለዚ፣ ክዳንካ ኣውጽእ። ካልኦት ሰባት ከየፍለጥካ ብሕቡእ ንርእስኻ ክሓድ። ኵሉ ንዕግበትን ሓጐስን፣ ምቾትን ምዝንጋዕን፣ ኵሉ ዘስሕቕን ንዓይኒ ንእዝኒ ንትንሓግ  ንካልእ ሕዋሳት ፍትወት ዘለዓዕል ኲሉ ሓሳብ ኣርሕቅ እቲ ዘይሃንጽ  የፍርስ፤ ምሳይ < /b>ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡” /ማቴ 1230/ ከምዚበለ ጐይታ፣ ኣንጻር ኣምላካዊ ሓሳባት ዝቀዉም ዘበለ ኲሉ ነገር ከነፍርሶ ይግባእ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድሌታትካን ባዕበራዊ ልማዳትካን ቅረፎ። ነዚ ድማ ብህድአት  ብዘይ ሃንደበታዊ ምቅይያር  ግና ብዝተማለአ መንገዲ ፈጽሞ ነቲ ምስ ደጋዊ ዓለም ዚኣስረካ ገመዳት በቢቅሩብ ብተኮ። እዞ ገመዳት ዝተባህሉ፣ ዕድመታት፡ ለይታዊ ትልሂት፡ ፍትወት ገንዘብ፡ ስጋዊ ዕግበት፡ ዝሙት፡ ትዕቢት እየን። እዚአን ነገራት፣ ኣንጻር ነፍሲ ኲናት ዝእዉጃ፣ ናብ ዓለማዊ ፍትወት ኣሲረን ዝሕዛን፣ ባሪያ ሓጢኣት ዝገብራን እየን። ነዚኣተን ምፍቃር ማለት ንኣቦ ምጽላእ እዩ /1 ዮሃ 2፥16/

እምበኣር፣ ዓለም ዝተባህለት መን እያ፧ ዓለም ክበሃል እንከሎ፣ ከምዚ ኪድ ኢልካ ክትጭብጣ ትኽእል ሓጢኣት ጌርካ ኣይትዉሰዳ። “ዓለም”፣ ከምቲ ቅዱስ ማቃርስ ግብጻዊ ዝገለጾ፣ “ንልቢ ብጸላም ከቢቡ፣ ካብ ኦም ህይወት ዘርሕቅ ፍትወት” ኣዩ። ዓለም፣ ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዘይብሉ፣ ዉሽጥና ብምምላእን ብምርዋይን፣ ብዝርአን ዝድህሰስን ስምዒታዊ ብዝዀኑ ነገራት ከዕግበና ዝፍትን እዩ /ዮሐ 1725/። ዓለም ንሓሳብናን፣ ድሌታትናን ትቆጻጸረና። ቅዱስ ይስሓቅ ሶርያዊ ከምዚ ብምባል ንፍትወት ዓለም ይገልጻ፡ “ሃብቲ፡ ጥሪት፡ ንብረት፡ ገንዘብ ንምዉናን፤ ስጋዊ ዕግበታትና ከነርዉይ ምጽዓር፤ ስልጣን ክንረኽብ ላዕሊን ታሕቲን ምባል (እዚ ሱር ቅንኢ እዩ)፤ ንኹሉ ሰብ ምስዓርን፡ ዉሳኔ ንምሃብ ምህዋኽን፤ ብዘለኻ ሓይሊ ተመኺሕካ ትዕቢት ምርኣይ፤ ገዛእ ርእስኻ ሓፍ ሓፍ ምባልን፡ ብዂሉ ሰብ ክትፍተው ምድላይን፤ ምስጋናን ሞገስን ምጽባይ፤ ስጋዊ ድልዳለን፡ ጽባቐን ምብሃግ፤ እዚ ዂሉ ዓለማዊን፣ ካብ ዓለምን እዩ። ብዘይንፈልጦ መንገዲ ኣታሊሎም ዉን ኣርዑት ጾር የሰክሙና።”

እንድሕሪ ገዛእ ርእስኻ ካብዚ ዓይነት ፍትወት ሓራ ከተውጽኣ ደሊካ፣ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተገልጻ ዝርዝር ረኣየን`ሞ፣ ገዛእ ርእስካ መርምር። ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክትቐርብ፣ እንታይ ዓይነት ገድሊ ተጋዲልካ፧ ንነብስካ ሕተታ። ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑ እዩ፣ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። ናብ በረኽቲ ቦታታት ክንድይብ ንኽእል፣ ነቲ ጸበብቲ ሩባታትን ማሕንቆታትን ምስ ንሰግር እዩ። ነቲ ኣብ ጸበብቲ ሩባታት ዘሎ ፍትወታትን ድሌታትን ምስ ንስዕሮ፣ ናብ በሪኽ ቦታ ክንበጽሕ ይኸኣል። ማንም ንኽልተ ጐይተት ክግዛእ ዝኽእል ከምዘየልቦ ኣስተዉዕል /ማቴ 624/ ኣብ በሪክ ቦታን፣ ኣብ ጸቢብ ሩባን ኣብ ሓደ ግዜ ክንኸዉን ኣይንኽእልን። 

ጾር ምእንቲ ክቐለልካን፣ ናብ በሪኽ ጐቦ ንምድያቡ ዉን ንኽፎክሰልካ፣ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት፣ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ። ንኣብነት፡ ናብ እንዳ ሲነማ ወይ ቲያትር ንክትኸይድ ብጾትካ ምስ ዝዕድሙኻ፤ ንገዛእ ርእስካ ከምዚ ኢልካ ሕተታ፡ምእንቲ ገዛእ ርእሰይ ድዩ ወይስ ምእንቲ ዕግበት ካልኦት`ዝኸይድ ዘለኹ፧ ኣብዚunica-web.com cialis prescription It is caused due to several physiological and psychological problems.
tyle=”font-family: ‘Times New Roman’, serif; font-size: 13.5pt; line-height: 115%;”> ፓርቲ`ገዝእ ስጋይ ክሽንክራ ይኽእል`ዶ፧ ኣብዚ መገሻ ገዛእ ርእሰይ ብምዝንጋዕ እንታይ ይረብሕ፧ ነዚ መጽሓፍ ኣንቢበ እንታይ ይጥቀም፧ ደቂሰ ብምንባበይ፣ ስጋይ ይገዝኣን ይቀጽዓን ኣሎኹ`/1 ቆሮ 9፥27/፧ እዚአን ሕቶታት ከም ናትኻ ልምዲን ድኹም ጎኒን፣ ክበዝሃን ክቕየራን ይኽእላ። ምክንያቱ ኲሉ ሰብ ዝተፈላለየ ድኽመትን ልምዲን ኣለዎ። ወንጌል ዉን ነዚ`ዩ ዘረጋግጸልና። ኣብዚአን ነገራት ኣዚና እሙናት ንኹን። ምክንያቱ ኣብ ዉሑድ ዝተኣምነ፣ ኣብ ብዙሕ ዉን እሙን ክኸዉን እዩ /ሉቃ 16፥10/። ሕማም ኣይትፍራሕ። ምክንያቱ እዚ ሕማም`ዚ ካብቲ ፍትወት ስጋ ዝዓብለሎ መጻብቦ ከዉጽኣኻ ይኽእል።


ንነብስኻ ምሕረት ከይገበርካ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዚጠቐስናዮ ሕቶታት ብቀጻሊብምድግጋምን ንነብስኻ ሕተታ። እዞም ሕቶታት ግና ንነብስኻ ጥራይ ደኣ ኢኻ እትሓታ እምበር ንካልእ ሰብ ኣይኮነን። ንማንም ሰብ ከምዚ ኢልካ ክትሓቶ፣ ኣረ ምሕታትስ ይትረፍ ኣብ ኣእምሮኻ እኳ ክትሓስቦ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ንውሽጥኻ ናብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት እንተደኣ ክትሓትት ጀሚርካ፣ ንገዛእ ርእስኻ&nb
sp;
ኣብ ናይ ፍርዲ መንበር ኮፍ ኣቢልካ ንርእስኻ ከም ዝፈረድካያ ኣስተውዕል። ነቲ ብኽንደይ ገድሊ ዝረኸብካዮ ርእሰእዳበ ከኣ በዚ ነገር እዚ ሰበርካዮ፣ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ዓሠርተ ስጉሚ ግና ንድኅሪት ከድካ፣ ከምኡ እንተደኣ ኬንካ ድማ ብስድነትካ ክትነብዕ፣ ብፍሽለትካን ትዕቢትካን ክትበኪ ጥራይ እዩ ዘሎካ።