መንገዲ ባሕታዉያን 10

ምዕራፍ 10. ሓጢኣትኻን ሓጢኣት ካልኦትን

እምበኣር ሓጥእ፣ ዘይትጠቅምን፣ ድርቡይን ምዃንካን ካብ ተገንዘብካ፤ ከምቲ ኣፍ ልቡ ዝወቅዐ ተጋዊ /ሉቃ 18፥13/፣ ንስኻ ዉን ምሕረት እግዚአብሔር ለምን። “ኦ እግዚአብሔር ንዓይ ንሓጥ መሓረኒ!” በል። “ካብቲ ተጋዊ ዝገደድኹ ሓጥእ እየ። ከምቲ ፈሪሳዊ ልበይ ዕቡይ፣ ዓይነይ ዉን ብንዕቀት ዝተመልአት እያ፣ ‘ከምዚ ተጋዊ ስለየገብርካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ’ ዝብል ደፋር እየ።” በል።

ቅዱሳን መማህራንና ከምዚ ይብሉ፡ “ኣብ ልብኻ ዘሎ ጸልማትን፣ ኣብ ስጋኻ ዘሎ ግብሪ ሓጢኣትን እንድሕሪ ተገንዚብኻ፤ ንብጻይካን ጎረቤትካን (ንካልኦት ሰባት) ክትፈርድ ኣይክትመርጽን”። ኣባኻ ዘሎ ጸልማት እንድሕሪ ኣስትዉዕሊካዮ፣ ዕብየት ነቲ ኣብ ኩሉ ዘብርህ ሰማያዊ (ኣምላኻዊ) ብርሃን ክትርድኦ ኢካ፤ ሓጢኣትካ ዓቢ ምዃኑ ዉን ትፈልጥ፣ ሽዑ ንናይ ካልኦት ሓጢኣት ክትምርምር ኣይክትፍትንን። ናብ ፍጽምና ክትበጽሓ ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ፣ እቲ ቀዳማይ እትርድኦ ነገር ‘ፍጹም ዘይምዃንካ’ እዩ። ፍጹም ዘይምዃንካ (ሓጥእ ምዃንካ) ምስ ተርዳእኻ ጥራሕ`ዩ፣ ናብ ፍጽምና ክትበጽሕ ትኽእል። ስለዚ ፍጽምና፣ ካብ ድኽመትካ ምፍላጥ ከም ዝብገስ ተርዳእ።

“ጸላኢኻ መጠን ክንዲ`ቲ ዝተቃወምካዮ እዩ ዝርሕቀካ” ይብል ቅ. ይስሓቅ ሶሪያዊ። 

መን`ዩ ጸላኢና፧? እዚ ቅዱስ ኣቦ ጸላኢ ኢልዎ ዘሎ፤ እቲ ሓደ እዋን ምስሊ ተመን ብምውሳድ ንቀዳሞት ወለድና Patients usually feel abdominal distension and pain, these drinks can (viagra prescription) appalachianmagazine.com make urination more difficult. mso-fareast-language: EN-US;”>ዘስሓተ፣ ካብቲ እዋን እቲ ኣትኂዙ ድማ ኣባና (ኣብ ደቂ-ሰባት)፤ ፍትወት፡ ዓቅሊ ምጽባብ፡ ሕርቃን፡ ፍርሒ፡ ጽልኢ፡ ስንባደ፡ ቅሬታ፣ ዘይምዕጋብ፡ ታህዋክ፡ ስንፍና፡ ጥርጥር፡ ተርባጽ፡ ጓሂ፡ ትህኪት፡ ኣተኣታትዩ፤ ንገዛእ ርእስና ጥራሕ ከነፍቅር ዝገብረና፥ ንሱ ዲያብሎስ ሰይጣን እዩ። ምክንያቱ ንሱ፣ ካብ ቅድም ንጐይትኡ ክእዘዝ ዘይደለየ ስለዝዀነ፣ ካልኦት ዉን ክእዘዙ ኣይደልይን።

እቲ ብምጥዓስ መንፈስ፣ ንጐይትኡ ከመዘይተኣዘዘ ዝተረድአ ሰብ፣ ካልኦት ሰባት ክእዘዝዎ ኣይጽበይን። ስለምንታይ ኢኻ፣ ነገራት ከምቲ ዝተመነካዮ ኮይኑ ምስ ዘይሰምረልካ፣ ትጉህይ፡ ትርበጽን ትዕግስትካ ተጥፍእን፧?  ኣበምኔት ኣባ ዶርቴዎስ “እቲ ዋላ ሓደ ነገር ዘይትምነይ ሰብ፣ ኲሉ ትምኒቱ ክሰምረሉ እዩ” በሉ። ምክንያቱ እዚ ሰብ`ዚ በተጋድሎ፣ ዋላ ሓደ ትምኒት ከየሕድር ጽዒሩ`ዩ። ኲሉ ድሌታቱ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ሓድነት ስለዘለዎ፣ ዝለመኖ ዘበለ ይሰልጦ /ማር 11፥24/።

እቲ ንገዛእ ርእሱ ብሓቂ ዝፈልጥ፣ ክሳዕ ክንደይ ዝኣኽል ድኽመት ከም ዘለዎ፣ ዘስተዉዓለ ሰብ፣ ንገዛእ ነብሱ ልዕል ልዕል ኣየብላን። ኣብ ካልኦት ዉን ቅንኢ ኣየሕድርን። እኳ ደኣ በንጻሩ፣ ካልኦት ሰባት ካብኡ ዝሓሹን ዝኸበሩን ምዃኖም የስተብህል። ታሪክ ናይቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሽፍታ እስከ ንዘክር፣ ኲሉ ሰብ ኣብ መወዳእታ ከከም ግብሩ ከም ዝፍደ፣ /ሉቃ 23፥41/ ኢና ንመሃር። ነዚ ታሪክ ዘኪሩ ነብሱ ዝምርምር ሰብ፣ ጓሂን ጭንቀትን ኣይክቀርቦን። ምክንያቱ ሰብ ከም ተግባሩ ስለዝፍደይ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ፣ ትህኪት ኣይቀርቦን`ዩ፣ ምክንያቱ መዓልታዊ ገዛእ ርእሱ ስለዘንጽህ። ጓሂ ኣብ ልቡ ኣይክዓስልን፣ ምክንያቱ ጓሂ ዘስዕብ ነገር ስለዘይምነይ። ኲሉ ጽልኢ ናብ ገዛእ ርእሱ ጥራይ የቅንዖ፣ ጽልኣቱ ነቲ ኣብ ህይወቱ ዘሎ ክፍኣትን ሓጢኣትን ጥራይ ይኸዉን /ሉቃ 23፥41/። “ህይወቱ ዘይጸልዕ ንዓይ ኣይበቅዕን” ከም ዝበለ ጐይታ። ጥርጥር ዝበሃል የለን፣ ምክንያቱ እቲ ዝዉከሎ ኣምላኽ፣ እግዚአብሔር ሰናይ ምዃኑ ጥዒሙን ርእዩን እዩ /መዝ 34፥8/፣ እግዚአብሔር እዩ ካብ ኲሉ ነገር ዘናግፎ። በዚ መልክዕ ዉን፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝህልዎ ፍቕሪን እምነትን እንዳሓየለ ይዉስኽ። 
“እቲ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝተዓርቀ (ዕርቂ ዝገበረ)፣ ሰማይን ምድሪን ዉን ምስኡ ክዕረቃ እየን” ከምዝበለ ሶሪያዊ ቅ.ይስሓቅ፤ ፍረ ትሕትንኡ ክበልዕ እዩ። እዚ ኲሉ ግና፣ ኣብታ ዉሕዳት ጥራይ ዝመላለስዋ፣ ኣብታ ጸባብ መንገዲ ጥራይ እዩ ዝርኸብ /ማቴ 7፥14/።