መንገዲ ባሕታዉያን 11

ምዕራፍ 11. ዉሽጥኻ ምጽራይ    

  
ግዳማዊ  (ዓለማዊ) ፍትወታትኻ ምርሓቅ ማለት፣ ዉሽጥኻ ዉን ምጽራይ እዩ። ንስጋኻ ካብ ዝኣስሩኻ ስጋዊ ሓልዮታት ሓራ ምዃን፣ ንልብኻ ካብ ዉሽጣዊ ቃንዛ ምፍዋስ`ዩ። ነዚ ነገር ምእንቲ ክትበጽሖ፣ ኣንጻር ገዛእ ርእስኻ ኲናት ክትእዉጅ ይግባእ። ቅዱሳን ኣቦታትና፣ ነዚ ኲናት`ዚ ናይ ነፍሲ ፈዉሲ (መድኃኒት) ይብልዎ። ዋላ እኳ ኣዝዩ ጽንኩር እንተዀነ፣ ንድሕነት ኣድላዪ እዩ። ሕማምን ቃንዛን ይሃልዎ፣ ንነፍሲ ግና ጥዕና ክህባ ይኽእል። ነፍስኻ ጥዕይቲ ክትከዉንን፣ ዉሽጥኻ ካብ ዂሉ ኣበሳ ክጸርን እንድሕሪ ደሊኻ፣ ኣንጻር ገዛእ ስጋኻ ዂናት ኣዉጅ።

ነዚ ነገር ብምግባርኻ፣ ከም ሓደ ዓቢ ጽድቒ ስራሕ ጌርካ ኣይትዉሰዶ። ገዛእ ርእስኻ ምቅጻዕን ምግዛእን ማለት፣ ተራን መሰረታዊን ነገር ስለዝዀነ፣ ከም ናይ ጽድቒ ግብሪ ጌርካ ክትርድኦ ኣየድልይን። ንነብስኻ ከም ሓደ ብሸለልትነት ዝመልኦ ኣካይድኡ፣ ኣብ ጉድጓድ ዝወደቐ`ሞ፣ ካብ ዝወደቖ ተንሲኡ ናብ ደገ ክወጽእ ዝጽዕር ዘሎ ሰብ ጌርካ ዉሰዳ። እስከ ሕሰቦ`ሞ፣ ሓደ ሰብ ከምዚ ነገር እንተዘጋጥሞ፣ በቲ ዝተዋህቦ መሳርሒ ጌሩ ገዛእ ርእሱ ካብ`ቲ ጸልማትን፡ ትንፋስ ሕጽረትን ዘለዎ ጉድጓድ ከዉጽኣ ምጽዓሩ፤ ባህሪያዊ`ዶ ኣይኰነን፧? ነዚ ባህሪያዊ ነገር እንድሕሪ ዘይተግቢሩ፣ `ቲ ሰብ`ቲ ከም ሓደ ጽሉል`ዶ ኣይምተቖጽረን፧?

ካብዚ ምስላ`ዚ ሓደ ጥበብ ተማሃር። ካብቲ ነፍስኻ ኣትያቶ ዘላ ታኼላ ክትወጽእ ዝሕግዘካ መሳርሒ፤ ትእዛዝ ወንጌል፡ ናይ ቤተክርስቲያን ሚስጢራትን፡ ኲሉ ንድሕነት ዘድልዩ ነገራትን እዮም። እዘን ኲለን ኣብ ግዜ ጥምቀትና ረኺብናየን ኣለና። ሕጂ ንጠቐመለን። እንድሕሪ ኣብ ግብሪ ዘየዉዕልናየን፣ ጥቕሚ የብለንን። በቲ ቅኑዕ ኣገባብ እንድሕሪ ተጠቂምናለን ግና፣ ናብ ብርሃንን ሓርነትን ከብጽሓና እየን።

“እስመ በብዙኅ ፃማ ወሕማም ሀለወነ ንባኣ ለመንግስተ እግዚአብሔር/ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ” /ግብ14፥22/። ንገዛእ ርእስና ከም ሓደ ብሞቁሕ ዝተኣስረ እሱር ጌርና ንዉሰዳ። እዚ ሰብ`ዚ ገዛእ ርእሱ ካብ ሞቁሕ ናጻ ክሳብ ዘይገበራ ኣይክድቅስን። ካልኦት ክድቅሱን ክዛናግዑን እንከለዉ፣ ንሱ ግና ንዓይኑ ሰላምታ እዃ ኣይፈቕደላን፣ ዕረፍቲን ምዝንጋዕን ኣይገብርን። ምክንያቱ ነብሱ ሓራ ምእንቲ ክገብራ። ንስኻ ዉን ከምኡ ግበር። ብሞቁሕ ሓጢኣት ተኣሲራ ዘላ ነብስኻ ሓራ ከተዉጽኣ ከየዕረፍካ ጸዓር። መሳርሒታትካ ዕጠቅ፣ መኩዓትኻ ኣልዕል፣ ካብ ማእሰርት ክትሃድም ዉን፣ መንገዲ ክፈት። ካብዚ   ዘላኻዮ ቤት ማሕቡስ ናጻ ዘዉጽኣኻ መሳርሒታት፣ ጾም፡ ጸሎት፡ ንቅሓትን፡ ጐይታ ንክሕልወን ዝኣዘዘና ነገራት እየን /ማቴ 28፥20/። እዚ ነገር ክብድ እንቴሉካ፣ ገዛእ ርእስኻ ገድድ። ናይ ፍቓድ ሓይልኻ ተጠቂምካ፣ ንስጋኻ ገድዳ። ሓራ ክሳብ ትኸዉን ዉን ኣይተዕርፋ።

እዚ ምግባርና እንታይ ዋጋ ንረኽብ፧? ሓደ እሱር እዚ ዝኣኽል ጻዕሪ ምግባሩ እንታይ ዋግኡ፧? ዝረኽቦ ረባሓ ኣሎ`ድዩ፧? መጀመርታ ባዕሉ እቲ ድኻም ረብሓ እዩ። ብተስፋን እምነትን ናይ ዝጥቀመሉ መስራርሒ፣ ንሓርነቱ ብዘለዎ ፍቅሪን፤ ባዕሉ`ቲ ድኻምን ጻዕሪን ረብሓ ይህቦ። ብዝገብሮ ትግሃትን ጻዕሪን፤ እምነት፡ ተስፋን፡ ፍቕሪን ይዓብዩን ይሕይሉን። ብዙሕ ክደኽም ምስ ጀምረ፣ ንገዛእ ርእሱ ዝህልዎ ሓልዮት ይጐድል፤ በዚ መጠን ዉን ዝቕበሎ በረኸት ይበዝሕ። ንገዛእ ርእሱ ዝያዳ እንዳፈለጣ ይመጽእ፣ ኣብ መንጎ እሱራት ዝርኸብ ‘እሱር’ ጌሩ ንነብሱ ይቖጽራ። ንነብሱ ‘ሓጥእን’ ሓደ ካብቶም ኣብ ዉሽጢ ዓለም ዘለዉ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ይዝኽር። ኮይኑ ግና፣ ንሳቶም ተስፋ ቆሪጾም ግዜኦም ብድቃስን ጻዉቲን ከሕልፍዎ ከለዉ፤ ንሱ ግና በንጻሩ ብትግሃት ይጽዕር። መዝገብ ረኺቡ ኣሎ፣ ወሲዱ ዉን ሓብኢዋ /ማቴ 13፥12/፤ መንግስተ ሰማያት ኣብ ዉሽጡ ጌርዋ ኣሎ። እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ ኣብ ዉሽጡ ሰፊረን። ኻብ ዉሽጡ ዝምንጩ ህይወት ስለዘለዎ ዉን፣ ናብ ካልኦት ዉን ክጸሉ ይኽእል። ብርግጽ ሕጂ ዋግዋጎ ኮይኑ ይርኣዮ`ሎ፣ ብተስፋ ግና ሓራ እዩ። ብተስፋ ኢና ድሒና፤ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን /ሮሜ 8፥24/። ሕጂ ኣብ ብዙሕRather, natural male enhancement supplements that are formulated with safe and effective aphrodisiacs levitra uk http://mouthsofthesouth.com/wp-content/uploads/2013/06/MOTS-Mathis-6-29-sale.pdf make up a viable erection for sexual movement. ጻዕሪ ስለዘሎ፣ ሓራ ምዃኑ ብዋግዋጎ ይርእዮ፣ እንድሕሪ በዚ ትግሃት ቀጺሉ ደሓር ማለት ብተስፋ ግና ሓርነቱ ርጉጽ እዩ። እዚ እሱር ኣብ መወዳእታ ናብዚ ዓወት ምስ በጽሐ፣ ሓርነቱ ብምልኣት ክረኽቦ እዩ፣ ሽዑ ዉን ገጽ ብገጽ (ብንጹር) ክርእይ እዩ። ሽዑ ኣብ መንጎ እሱራት ዘሎ እሱር ዘይኰነስ፣ ሓራ ዝወጽአ እዩ። ኣብ ሓርነት ምህላዉ ክርድኦ እዩ፤ ነቲ ኣዳም ዝተፈጥረሉ ቀዳማይ መልክዕን፡ ደሓር ዉን ብክርስቶስ ዝተሓደሰን ክብረት ዉን ከስተማቕር እዩ።

ከምቲ ብተስፋ ሓራ ዝወጽአ እሱር፣ ንሕና ዉን ብተስፋ ድሒንና ኢና። ድሕነትና ምልኣት ዝህልዎ ግና ኣብዚ ምድሪ ብህይወት እንከሎና ዘይኮነስ፣ ኣብ ሰማያት ኣብ ዘለዓለምዊ ህይወት`ዩ፣ ድሕነትና ርጉጽ ዝኸዉን፤ ሽዑ “ብሓቂ ድሒነ” ክንብል ንኽእል። ምክንያቱ፤ “ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” ዝብል ትእዛዝ ጐይታ /ማቴ5፥48/፣ ኣብዚ ምድሪ`ዚ ክንበጽሖ ኣይከኣልን። ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙና፧? ኣቦታት ከምዚ ይምልሱ፡ እዚ ትእዛዝ ዝተዋህበና ቀንዲ ምክንያት፣ ነቲ ናብ ፍጽምና ዘብጽሕ ጉዕዞ ኣብ ምድራ ብስጋ እንከለና ምእንቲ ክንጅምሮን፣ ደሓር ኣብ ሰማያት ክንፍጽሞን እዩ።

“ሓደ ሰብ ሓርነቱ ክረኽብ ዝክእል
፣ብናቱ ወይ ብናይ ካልኦት ሰባት ዘይኰነስ፤ ብኣምላኽ ጥራሕ እዩ” ቅ. ቴኦፋን።

ሓርነትና ንረኽበሉ እንኮ መንገዲ፡ ንስሓ እዩ! እቲ ጻዉዒት ዉን፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ”። እንታይ`ዩ `ቲ ጻዕሪ፧? ግዚያዊ፡ ስጋዊ፡ ምድራዊ ጻዕሪ። እቲ ‘ከቢድ ጾር’ ዝበሃል ዘሎ`ኸ፧? ብዓለማዊ ምድራዊ ሓልዮት እሱር ምዃን። ‘ግን’፤ ኢሉ ይዉስኽ ቅ. ቴኦፋን፤ ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ምክንያቱ ጐይታ ቀጺሉ ዝተዛረቦ ነስተዉዕለሉ፤ “ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም”። ካባይ ተማሃሩ በለ ጐይታ፣ ምክንያቱ ንሱ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ህይወት ብስጋ ኣብ ዝነበረሉ፣ ብግዚያዊ ነገራት፡ ምድራዊ ሓልዮትን፡ ስጋዊ ድሌታትን ኣይተኣስረን። ስለዚ ካብኡ ንመሃር። /ማቴ 11፥28…/

እቶም ንድሕነቶም ዝጽዕሩን፤ ነቲ ኣብ ህይወቶምን፡ ኣብ ህይወት ካልኦትን ዝመጽእ ዓለማዊ ፈተናታት ከም ጾር ዝተሰከሙን ሰባት ዕረፍቲ ክረክቡ እዮም። ኣርዑት (ጾር) ክርስቶስ ዝጾሩን፣ ከምቲ ንሱ ዝነበሮ ህይወት ዝነብሩን፣ ካብ መላእክቲ፡ ካብ ሰባት፡ ካብ መጽሓፍቲ ዘይኰነስ ካብ ባዕሉ ካብ ጐይታ፡ካብ ህይወቱ፡ ካብ ብርሃኑ፡ ካብ ግብርታቱ ዝተማህሩ ሰባት ዕረፍቲ ክርኽቡ እዮም። ከምቲ ንሱ ምንባር ማለት፣ ልክዕ ከምኡ ምምሳል እዩ። ንሱ ለዋህን ልቡ ዉን ትሑት፡ ገዛእ ርእሱ ከም ተራ ሰብ ጌሩ ዝረኣያ፡ ነብሱ ልዕሊ ካልኦት ጌሩ ክብ ዘየበላ፣ ንካልኦት ክፋእ ዘይሓሰበ፣ ብግብሩን ብዘረብኡን ጻድቅ። ብሓቂ ከምዚ እንድሕሪ ክንከዉን ጀሚርና፣ ዕረፍቲ ክንረኽብ ኢና፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ዕረፍቲ ክህበና እዩ። ካብ ፈተና፡ ጭንቀት፡ ዉርደት፡ ፍርሒ፡ ዓቕሊ ጽበት፡ ኰታስ ንልቢ ካብ ዝርብሽ ዘበለ ኲሉ ነገር ዕረፍቲ ክንረኽብን፣ ሓራ ክንወጽእን ኢና።

እዚ ቅዱስ ዮሃንስ ክልማኩስ ዝመሃሮን፣ ናባና ብትዉፊት ኣቢሉ ካብ ክርስቲያናት ናብ ክርስቲያናት እንዳተሰጋገረ ዝመጽአ ትምህርቲ`ዩ። ኣቦታትና ብዘሕለፍዎ ተሞክሮ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ነዚ እዩ። ነቶም ብልቢ ንእግዚአብሔር ዘፍቅርዎ ሰባት፣ ብሓቂ ኣርዑት ክርስቶስ ኣዝዩ ፎኪስ፣ ጾሩ ዉን ብርሃን እዩ።

“እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ” /ማቴ 10፥22/፤ እቲ ህኩይን፣ ኣብ ዝወደቆ ዝተርፍን ኣይክድሕንን። እቲ ዘለዓለማዊ ተስፋ ንከምዚኣቶም ኣይኮነን።

ስለዚ ኣይንተሓለል። ጽኑዓትን፣ ኣብ ስራሕ ጐይታ ጽሙዳትን፣ ዘይንናወጽን ንኹን። “ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።” /1 ቆሮ 15፥58/። ነዚ ጀሚርናዮ ዘለና ጉዕዞ፣ ናይ ንስሓ ፍረ ከየፍረና ኣብ መንጎ ከነቋርጾ ኣይግባእን። ኣስትዉዕሉ ምዕራፍ ማለት ጥሮታ ምዉጻእ እዩ።