ኦርቶዶክስ እንታይ ማለት እዩ፧?!

ኦርቶዶክስ እንታይ ማለት እዩ፧!

ነዚ ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፣ ካልእ ሕቶ ክንሓትት። እዚ ሕቶ`ዚ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓተቶ ቀንዲን ኣገዳሲን ሕቶ እዩ። “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” /ማቴ 22፥43/ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧” /ማቴ 16፥13/። ኦርቶዶክስ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ፣ ነዚ ሕቶ ኣቐዲምና ክንምልስ ይግባእ። ንሱ ዉን እዩ፣ መልሱ። ክርስቶስ መን ምዃኑ ምፍላጥ፣ ኦርቶዶክሳዊነት እዩ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓቂ “ኣንተ ዉእቱ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ሕያው/ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።” /ማቴ 16፥16/። ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ብዛዕባ ምስክርነት ጴጥሮስ፣ ብስጋን ደምን ማለት ብሰባት ሓሳብ ዝትገልጸ ዘይኰነስ፣ ሰማያዊ ኣቦና ባዕሉ እግዚአብሔር ነዚ ነገር ከመዝገለጸሉ ነገረና።
ክርስቶስ ኣምላኽና ኣብዚ ምድሪ ብስጋ ዝነበሮ ህይወትን፣ ዝመሃሮ ትምህርቲን፣ ነዚ ሕቶ መልሲ ኰይኑ። ንኲሉ ህዝቢን፣ ንዘለዓለምን፣ እዚ መልሲ ባዕሉ ክርስቶስ ሂቡና እዩ። ብትምህርቱን ህይወቱን፣ መን ምዃኑ ኒጊሩና። መን`ዩ ክርስቶስ፡ ተልእኹኡ እንታይ ነበረ፡ ነዚ ኲሉ ሓቂ ንደቀ-መዛሙርቱ ገለጸሎም። ደቀ-መዛሙርቱ ድማ፣ ነዚ ሓቂ ብምልኣት ተቀቢሎም ዓቀብዎ። ኣይወሰኹሉ፡ ኣይጉደሉሉ፡ ነቲ ሓደ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ`ቲ ካልእ ጸብለል ከየበሉ፣ ናብቲ ዝቀጸለ ወለዶ ቤተክርስቲያን ኣወፈይዎ፣ ኣሰጋገርዎ። ቤተክርስቲያን ዉን ነዚ ሓቂ ብምልኣት ዓቂባ፡ ክሳብ ሕጂ ግዜን ዘመንን፡ ንዝትወፈየቶ ከየጉደለትን፡ ከየመልአትን ዓቂባቶ ኣላ። ነዚ ዂሉ ዘመናት ዉን ብምልኣት ኣብ ምዕቃብ ተጋዲላ።
ቤተክርስቲያን ገና ካብ ጥንቲ፣ ንክሕደትን ምንፍቅናን (ግጉይ ትምህርቲ) ብምልኣት ዝተቀወመትሉን ዝተቃለሰትሉን ቀንዲ ምክንያት፣ ነዚ ትምህርተ ክርስቶስ (ነገረ ክርስቶስ) ናብ ኲሉ ወለዶ ብቅንዕናን ምልኣትን ንምስግጋር እዩ። ኦርቶዶክስ ማለት ልዕሊ ካልእ ትርጉም፣ ‘ቅኑዕ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ’ ማለት እዩ። እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ድሕነት ዓለምን ደቂ ሰባትን ኣብዚ ትምህርቲ`ዩ ዝዉሰን። ብዛዕባ ክርስቶስ ቅኑዕ ትምርህቲ ምሓዝ፣ ንድሕነት ወሳኒ ግደ ኣለዎ።
ሓሳብ፤ ቅዱሳን ሓዋርይትን፡ ኣብ ጉብኤ ቤተክርስቲያን ዝተሳተፉ ቅዱሳን ኣቦታትን፣ ዉን እዚ`ዩ ኔሩ። ብዛዕባ ክርስቶስ ቅኑዕ ትምህርቲ ንምሃብ። እዚ ትምርህቲ (ነገረ ክርስቶስ/doctrine of Christ) ብፍጹም ከይዝረግ ብዙሕ መስዋእትነት ከፊሎም። በዚ ምክንያት`ዚ ዉን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ፡ ናይ ኃይማኖትና ጸሎት ተዳልዩ፡ ትርጉም ተነጊሩ፡ መአረምታታትን ጽሑፋትን ተደሪሱ። ቤተክርስቲያን ዉን “እምነት ኦርቶዶክስ” ክትገልጽ እንከላ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጉባኤታት፡ ንጸሎተ ሃይማኖት፡ ወይ ንትርጉማት ትጥቀም። ምክንያቱ “እምነት ኦርቶዶክስ” ኣብኡ ስለዘሎ።
ጽማቚ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ኣብ ጉባኤKamagra is a standard cure of the condition. Read Full Article cialis prescription ቤተክርስቲያንን ዝተዋህበ ትምህርተ ክርስቶስ ዉን ኲሉ ግዜ ኣብ ቅዳሴና ደጋጊምና ንዝምሮ። እዚ መዝሙር ኦርቶዶክስ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቃላት ናይዚ መዝሙር፣ ኣገደስቲን፣ ሕመረት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያንን እዩ።

 “ሓደ ወዲ ንኣቦን ቃለ እግዚአብሔርን ዝዀንካ፣ ዘይትመዉት፣ ምእንቲ ድሕነትና፣ ካብ ወላዲተ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ድንግል ዝዀነት ቅድስት ማርያም ብዘይ ለዉጢ ሰብ ዝዀንካ። ንስኻ ምእንታና ተሰቐልካ። ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ብሞትካ ንሞት ዝሰዓርካ፣ ሓደ ኣካል ካብ ሥላሴ፣ ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስ እትምስገን። ኣድሕነና!!”

ከምቲ ታሪኽን ተሞክሮን ዝምህረና፣ ካብዚ ምልኣት ሓቂ ገለ ንገር ምጉዳል፣ ናብ ጥርጥርን፣ ፍልልይን የስዕብ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ኣብ ዓለም ብስም ክርስትና ዝፍለጡ እምነታት ልዕሊ 20,000 በጺሖም ኣለዉ። ሕጂ ዉን ወሲኹ ይኸዉን፣ መን ይፈልጥ። ዳርጋ ዝበዝሑ ዉን፣ መሰረት እምነቶም ጌሮም ዝገልጽዎ፣ ንጐይታ እዩ። ሓደ ጐይታ ብዙሕ ዝተፈላለየን ኣንጻራዊን ትምህርቲ ክህሉ ግና ፍጹም ዘይክአል እዩ።
ካብ ትምህርቲ ሓዋርያትን፡ ቅዱሳን ኣቦታትን ተበጊስና ብዙሕ ክንብል ምኸኣልና፣ የግዳስ ሓንቲ ነገር ንፍለጥ። ኣብ ቤተክርስቲያን ዘሎ ኩሉ ነገር ምስዚ ትምህርቲ ዝተሓሓዘ እዩ። ክርስቶስ ስጋ ምልባስ፣ እምነ ኩርናዕ ቤተክርስቲያንና ስለዝዀነ፣ ዳርጋ ኩሉ ትምህርቲ፡ ስርዓትን፡ ሕጊታትን ቤተክርስቲያን ምስዚ ዝተሓሓዘ እዩ። ኲሉ ኣብ ቤተክርስቲያንና ዘሎ፡ ንወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያምን ንቅዱሳንን ምኽባርና፡ ቅዱሳን ኣሳዕል ምጥቃምናን፡ ቅዳሴ ምሓዝና. . . ኲሉ ምስ ነገረ ክርስቶስ ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚ ሓደ ካብዚ ትምህርቲ ምንዓቅ ወይ ምንጻግ ማለት፣ ብተዘዋዋሪ ንነገረ ክርስቶስ ምንጻግ እዩ።
ቀንዲ ዕላማ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፣ ነቲ ስጋ ለቢሱ ዝተሰገወ ኣምላኽ፣ ኣብ ምድሪ ብምልኣት ምክባር እዩ። ናይ ኲሉ ትምህርቲ ዕላማ ዉን፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምላኽን፣ ምስጋድን፣ ምምስጋንን እዩ። ንቅ
ዱሳን ምኽባርና፣ ንክርስቶስ ምኽባር እዩ። ስግኡን ደሙን ምቅባልና፣ ንክርስቶስ ኣብ ሰብነትና ንክሓድር እዩ። ስዕለ ቅዱሳን ኣብ ጸሎትናን ምጥቃምና፣ ነቲ ዝተሰገወ ቃል ምምስካርና እዩ። ነቲ ሰማያዊ ስርዓት ዝዀነ ቅዳሴ ካብ ስርዓተ ኣምላኮ ጌርና ምሓዝና፣ ኣብ ሰማያት ንክርስቶስ ከነኽብሮ ምልምማድና እዩ።
ኦርቶዶክስ ክርስትና፣ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝገለጾ ምስጢር፣ ብምልኣት ምቕባልን፤ በዚ ህይወት ምንባርን፤ በዚ ስርዓት ምግልጋልን እዩ። ኦርቶዶክሳዊነት ግና ህይወት እምበር ፍልጠት ጥራይ ዘይምዃኑ ነስተብህል`ሞ ነቲ ህይወት ንንበሮ።
ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጢሩ ይግለጸልና!
ወላዲተ ኣምላኽ ብኣምላድነታ ኣይትፈለየና!
ኣሜን