መንገዲ ባሕታዉያን 15

ምዕራፍ 15. ጸሎት 1

ጸሎት፤ ቀዳማይን፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሒን እዩ። ኣብ ናይ መንፈሳዊ ገድሊ ወሳኒን ኣድላዪን ዉን እዩ። ከመይ ከም ዝጽለ ተማሃር፣ ጸሎት ኣዘዉትር፣ ሽዑ እቲ ዘሸግረኻ ጸላኢ ሰናያት ክትስዕሮ ትኽእል።

ጸሎትን እምነትን ከም መንገብገብ ኮይኖም ናብ ሰማያት ክብ ከብሉና ይኽእሉ። ከምቲ ብሓንቲ ክንፊ ክትነፍር ዘይከኣል፣ ጸሎት ብዘይ እምነት፣ ከምኡ ዉን፤ እምነት ብዘይ ጸሎት፣ ትርጉም ኣልቦ እዩ። እምነትኻ ድኹም እንድሕሪ ኰይኑ፣ ናብ ጐይታ ጸልይ፣ “ኦ ጐይታ እምነት ወስኸኒ” በሎ። ከምቲ ጐይታ ዝተናገሮ፣ ክንዲ ኣድሪ ትኣኽል እምነት ናብ ዓባይ ገረብ ክትዓቢ ትኽእል እያ`ሞ፣ እምነት ይሃልዉኻ።

ንፋስን ጸሓይን ዝደለየ ሰብ መስኮቱ ይኸፍት። ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ኮፍ ኢሉ፣ ጸሓይ የላን፣ ንፋስ የለን እንተበለ ግና፣ እዚ ዕሽነት ጥራይ`ዩ ዝቑጸር። ከብዚ ኣብነት ንሕና ዉን ትምህርቲ ንዉሰድ። ናይ እግዚአብሔር ሓይሊን ጸጋን፤ ኣብ ኲሉ ቦታን፣ ኲሉ ግዜን ክረከብ ይኽኣል፤ ኮይኑ ግና ብዘይ ድሌትን፣ ከምቲ ዝግብኣና ጌርና ከይጸለናን፣ ክንረኽቦ ኣይከኣልን።

ጸሎት ግብራዊ`ዩ፣ ኣዝዩ ዉጽኢታዊን ዉን። ዉጽኢት ብልምምድ ይመጽእ። ከምቲ ንሓደ ቋንቋ ብዝርርብ ትለምዶ፣ ብጸሎትዉን ንጸሎት ክንላመዶ ንኽእል።


ብዘይ ጸሎት ነቲ ንደልዮ ክንረኽብ ኣይንኽእልን። ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንምቕራብን፣ ምስኡ ሕብረትን፡ ሓድነትን ንምፍጣር ኣብ ንገብሮ ጉዕዞ፣ `ቲ ፈላሚን፣ ቀንዲን፤ ጸሎት እዩ። ብልጭታ ብርሃን ጐይታ እንስተማቕረሉ መንገዲ፣ እንታይ ከም ንደሊ ንነግረሉ ቋንቋ፣ መንፈሳዊ ድሌት ኣልዓዒሉ ድርኺት ዝዀነና ሓይሊ፣ ጸሎት እዩ።
Indian Medguru Consultants is a medical tourism company in India that helps international patients reach unica-web.com buy viagra the best healthcare centers in any part of India, at affordable rates. justify;”>
“መሰረት ዓለምና (ህይወትና) ጸሎት እዩ” ቅዱስ ዮሃንስ ክሊማኮስ። “ኣድማስ፣ ቤተክርስቲያን ክርስቶስ ዝዓረፈትሉ ሸሓኒ`ዩ፤ እዛ ቤተክርስቲያን ኸኣ ነንሕድሕዳ ብጸሎት ሓቢራ ኣላ” ሓደ ቅዱስ ኣቦ ዝተዛረብዎ። ጸሎት፤ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዝራኸበሉን ዝወሃሃደሉን መንገዲ እዩ። ጸሎት ካብቲ ፈተና ዝበዝሖ ስጋዊ ህይወት፣ ናብቲ ሓርነት ዘለዎ መንፈሳዊ ህይወት ንሰጋገረሉ፣ ድልድል እዩ። ካብ ፍላጻታት ንድሕነሉ ዕርዲ፣ ንጥርጥር ነዳኽመሉ መሳርሒ፣ መኸራ ዘርሕቅ፣ ቁጥዐ ዘዝሕል፤ ጸሎት እዩ። ጸሎት፣ ንነፍሲ መግቢ፡ ንኣእምሮ ብርሃን፡ ነቲ ዝመጽእ ሰማያዊ ሓጎስ ኣብዚ ሕጂ ህልው ኹነት እነስተማቕረሉ እዩ። ነቲ ብሓቂ ዝጽልይ ሰብ፣ ጸሎት ዂሉ`ዩ፤ ጉዳዩ ዘቕርበሉ መጋብኣያ፣ ዳኛ፣ ፍርዲ፤ ኲሉ ካብ ጸሎቱ ክረኽቦ እዩ። መልሱ ንኽረክብ ግድን ክጽበ የብሉን። ሽዑ ሽዑ መልሱ ክረኽብ እዩ።

ጸሎትን ንቕሓትን ሓደ እየን። ምኽንያቱ ብጸሎት ኣቢልካ፣ ናብ ልብኻ ክፋእ ከይቐርብ ትሕልዋ። ነቒሓ እትሕሉ ዓይኒ፣ ገለ ነገር ክንቀሳቐስ እንከሎ ቅልጡፍ ስጉምቲ ከም ትወስድ፣ `ታ ብጸሎት ዝነቕሐት ልቢ ዉን ከምኡ እያ።


ሳሬት ዉን ተመሳሳሊ ህይወት ኣለዋ። ኣብ ማእኸል `ቲ ዝኣለመቶ ዓለባ ኮፍ ኢላ፣ ብጥቓኣ ንዝመላለሱ ሓሳኹ ትጸናጸን`ሞ ቐቲላ ትምገቦም። ጸሎትዉን ኣብ ማእኸል ልብና ኰይኑ ይጸናጸን፤ ገለ ጎዳእቲ ነገራት ናብ ልብና ክሶልኩ ምስ ዝፍትኑ፣ ይቐትሎም።

ጸሎት ምቁራጽ ማለት ቦታኻ ምግዳፍ ማለት እዩ። ክትሕልዉ ጸኒሕካ፣ መሊስካ ድሌቶም ንኽገብሩ ሱቕ ምባል እዩ። ኣፍደገ ክፉት እንድሕሪ ኮይኑ፣ ሰረቕቲ ይኣትዉ`ሞ፣ ነቲ ንዘመናት ዝረሃጽካሉ ሃብቲኻ ይሰርቑኻ። ሰራቒ ንኽሰርቐኻ፣ ነዊሕ ግዜ ኣየድልዮን፣ ብዉሕድ ካልኢት ንዂሉ ንብረትኻ ይሰርቆ። ንኣብነት ሕርቃን፣ ኣብ ዉሽጢ ሒደት ካልኢት ከጥቅዓና ይኽእል።