ድንግል ማርያም- ብቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ቅድስት ድንግል ማርያም- ብ ቃል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ናይ ቁስጥቲንያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ዮሃንስ፣ ብዙሕ ድርሳናት ዝደረሰ፣ ናይ ጥበብ ሰብ ነበረ። ቤተክርስቲያን ስለቲ ንሱ ዝገብሮ ወንጌል ናይ ምስባኽ ጻምኡን፣ ጥዑም ትምህርቱን “ኣፈ-ወርቅ” ማለት ወርቂ-ዝኣፉ፡ ጥዑማት ልሳኑ፡ ክቡር ዘረብኡ ብምባል ብናይ ክብሪ ሽም ጌራ ትጽዉዖ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዝደረሶ ጽሑፋት፣ ካብ ሃይማኖተ ኣበው ዝተወስደ ከምዚ ይመስል።

መበል 11 ክፋል-ገጽ 241፥3

3. ጐይታ ከመይ ጌር ካብ ድንግል ከም ዝተወልደ፣ ኣብ ዝነግር ድርሳኑ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል፣ ከምዚ በለ። ጐይታ ካብ ድንግል ክዉለድ እንከሎ፣ ድንግልናኣ ዓቂቡ፣ ብዘይ ሙስና ተወልደ። እታ ቀዳመይቲ ሔዋን ድንግል ነበረት፣ ዲያብሎስ ዉን ኣስሓታ፤ ንድንግል ማርያም ግና ገብርኤል ኣብሰራ። /ዘፍ 3፥1-7 ሉቃ 1፥26-38/
4. ንሔዋን ዲያብሎስ ኣስሓታ፣ ነቲ ምኽንያት ሞት ዝዀነ ንቃየል ዉን ወለደት። ማርያም ግና፣ መልኣኽ ምስ ኣበሰራ ንቃል ብሥጋ ወለደቶ፣ ንሱ ንኹልና ናብ ዘለዓለም ህይወት ዝመርሕ እዩ። ዮሃ 1፥1-14 1ይ ጢሞ2፥14
5. ናይ ሔዋን ቃል፣ ዕጸ-በለስ ኣምጽአት (ሔዋን ክትበልዕ ዝገበረቶ ድሌት ናብ ዕጸበለስ መሪሕዋ)፣ በዛ ፍረ ዕጸ-በለስ ዉን ኣዳም ካብታ ሓጎስ ዝመልኣ ገነት ተሶግገ። እቲ ካብ ድንግል ዝተወልደ ቃል (ጐይታ) ግና መስቀል መድሓኒ ምዃኑ ኣግሓደ፣ በዛ ዕንጨይቲ መስቀል ዉን ብየማን ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን) ምስ ኣቡኡ ኣዳምን ካልኦት ቀዳሞት ኣቦታትን ናብ ተድላ ገነት ኣተወ። ዘፍ 3፥24 ሉቃ 23፥41-44 1ይ ቆሮ  1፥18

Basically, the ginseng rootscan be chewed or http://icks.org/n/bbs/content.php?co_id=SPRING_SUMMER_2013&mcode=40&smcode=40d0 generic viagra brewed as tea to be consumed as a health supplement.

6. ጣኦት ዘምልኹን ዘይኣመንቲን፣ ኣይሁድ ምስ ካህናቶምን፣ ወልድ ብዘይ ኣደ ካብ ኣብ ከምዝተወልደ ኣይኣምኑን ነበሩ`ሞ፤ ነዚ ምእንቲ ከረጋግጸሎም ናይ እግዚአብሔር ቃል (ወልድ) ሕማም ብዝሰማምዖ ሥጋ ካብ ድንግል ተወልደ። ድንግልናኣ ከየተለወጠ፣ ንዝተወልዶ ልደቱ ምእንቲ ከግህድ ዉን፣ ሕማም ዝሰማምዖ ስጋ ብዘይ ምልዋጥ ከምዝጸንዕ ገበሮ።  ማቴ1፥18-25
7. ከምቲ ድንግልናኣ ከየተለወጠ ዝተወልደ፣ ከምኡ ዉን መለኮት ቅዱስ ካብ መለኮታዊነቱ ከየተለወጠ፣ ኣምላኽ ንሠለስትነቱ ብዝስማማዕ ኣገባብ ተወልደ። ሉቃ 1፥35-38
8. ደቂ ሰባት ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ሓዲጎም፣ ንመልክዕ ሰብ ጣዖት ሰሪሖም፣ ንጣኦት ብምስጋድ ንፈጣሪኦም ንእግዚአብሔር ኣቅንእዎ። ብሰንኪ እዚ ምክንያት ዉን ቃለ እግዚአብሔር (ወልድ)፣ ነዚ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ጣኦት ንኸጥፍእ፣ ብመልክዕ ሰብ ተገልጸ፣ ኣምልኮ ዉን ንዕዑ ጥራይ ከምዝግባእ ኣረድኣና። ክብሪን ምስጋናን፣ ስልጣንን ንዕዑ ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ ኣሜን። ሮሜ 1፥20-25 ዘዳ 7፥4 32፥15-22 ማቴ 4፥10