ድንግል ማርያም ኣብ ድርሳን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ 2

ድንግል ማርያም ኣብ ድርሳን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ 2

መበል 26 ክፋል፥35

35. ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ብስራተ ገብርኤል ኣመልኪቱ ኣብ ዝደረሶ ድርሳን ከምዚ በለ። መልኣክ ንቅድስት ድንግል ማርያም ከምዚ ኢሉ ኣበሰራ፣ “ተፈሥሒ ኦ ማርያም እቲ ካባኺ ዝተሰገወ ናይ እግዚአብሔር ቃል ከምቲ መርዓዊ ካብ ዉሻጠ ገዝኡ ዝወጽእ፣ ከምኡ ዉን ንሱ ካባኺ ወጽአ።” መዝ 19፥5
36.   “ተፈሥሒ ኦ ማርያም፣ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ በጊዕ (ኣዳም) ክደሊ ዝመጽአ፣ ምስ ረኸቦ ዉን ኣብ መንኮቡ ዝተሰከሞ፣ ኣማናዊ ጓሳ ካባኺ ተወልደ። ተፈሥሒ ኦ ማርያም፣ ብኣኺ ምክንያት፣ እቲ ብሰንኪ ሔዋን ናብ ሲኦል ክንድርበ ዝተፈርደና ማእሰርቲ ተበቲኹ”  ማቴ 18፥12-14 ዮሓ 1፥11 ዘፍ 3፥16

Today, lots of people are suffering from many physical problems such as backache, order cialis online http://deeprootsmag.org/2013/02/27/what-a-hero-als-claims-guitarist-dangerous-dan-toler-64/ neck pain and many more.

37. “ተፈሥሒ ኦ ማርያም ንስኺ እግዚአብሔር፣ ኣብ ብሩህ ደበና ተጻዒኑ ናባኺ ዝኣተወላ ቅድስቲ ምድሪ ኢኪ። ተፈሥሒ ኦ ማርያም  ኣብ ቅዱሳን ሓዲሩ ዝነብር እግዚአብሔር ካባኺ ተወልደ። ተፈሥሒ ኦ ማርያም እቲ ቅድሚ ፍጥረት ዓለም ዝነበረ፣ ምስ ኣብን፡ መንፈስ ቅዱስን ሓቢርና ንሰግደሉ፣ እግዚአብሔር ወልድ ካባኺ ክዉለድ ፈተወ።” ዘጸ 3፥2-5 ኢሳ 19፥1 መዝ 118፥27  132፥13
 38. “ተፈሥሒ ኦ ማርያም፣ ነቲ ኣነ ሓዋሪኡ ዝዀንኩ ወላዲቱ ኢኺ። ተፈሥሒ ኦ ማርያም፣  ካባኺ ምስ ተወለደ ማሕተም ናይ ድንግልናኺ  ከምዘይቅየር ዝገበረ ንኣማኑኤል ወሊድኽልና። ሕዝ 44፥1-3
39. ናይ ማህጸንኪ መሰረት ከየተነቓነቐ፣ ንኣምላኽ ዝወልድኪ፣ ኦ ማርያም ሰላም ይብለኪ። ማሕተም ናይ ድንግልናኺ  ከየተወቅየረ ንንጉስ ክርስቶስ ዝወለድክልና፣ ኦ ማርያ ሰላም ይብለኪ፤ ንቅዱስ መድሓኒና ብምዉላድኪ ኣደን ኣገልጋሊትን ኮይንኪ ኢኺ። ሞገስ ናይ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፣ ኦ ማርያም ሰላም ይብለኪ። ሉቃ 1፥28-39