መንገዲ ባሕታዉያን 17

 ምዕራፍ 17. ጸሎት-3ይ ክፋል


ሓደ ንግሆ ንግሆ ስፖርት ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ፣ ድልዱል  ነብሲ ስለዘለዎ ወይ ዉን ልዕሊ ሰቡ ሓያል ስለዝዀነ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ነቲ ዘይብሉ ክረክብ፣ ማለት ጭዋዳታቱ ነከደልድል እዩ። ብፍላይ ነዚ ነገር`ዚ ብሙሉእ ድሌት እንድሕሪ ፈጺምዎ፣ ደሓር ዉን ክዕቅቦ ይኽእል።
ስለዚ፣ ጸሎት ክትለማመድ ከሎኻ፣ ገለ መለሳ ንገዛእ ርእስኻ ከይደለኻ ቀዲምካ ክትጽሊ` ዚግባእ። እንተደኣ ዕድለኛ ኴንካ` ኣብ ናይ በይንኻ ክፍሊ ትድቅስ ኮይንካ፣ ነዚ ዚስዕብ ካብ መጽሓፍ ጸሎት ዚተወስደ ልምምድ ደረጃ ብደረጃ ቃል ብቃሉ ከተተግብሮ ትኽእል፣

  • ካብ ምድቃስካ ምስ ተበራበርካ፣ ነዛ መዓልቲ ቅድሚ ምጅማርካ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ዚርኢ እግዚአብሔር ኣምላኽ  ብትሕትና ደው ኢልካ፣ ንገጽካ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብካ ከምዚ በል  ብስም አብ፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን
  • ንቅዱስሥላሴብምጽዋዕ፣ምእንቲ ሓሳባትካንስምዒታትካንካብዓለማዊጉዳያትነጻክትገብሮም፣ንገለእዋንስቕበል።ሽዑንሕሊናኻናብላዕሊምስሰቐልካከምዚኢልካብህድአትብዘይታህዋኽብምሉእልብኻጸልይ።
  •   ኣምላኸይንዓይንኃጥእመሓረኒድኅሪኡእቲካልእልሙድጸሎታትኣከታቲልካጸልይማለትቀዲምካብስምአብወልድንመንፈስቅዱስንአሐዱኣምላክበቅድስትሥላሴእአምንንእምሕጸንንዚብልጸሎት፣መጀመርታ፣ድህሪኡኦ ጐይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና፣ ኦ ጐይታ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና (ነኣኩተከ)ድኅሪኡኣብሰማያትእትነብርኣቦና(ኣቡነዘበሰማያት)ድኅሪኡጸሎተሃይማኖት. . .ኣብክንዲብታህዋኽነዘንጸሎታትምድጋመን፣እቲዚሓይሽንገሊኤንካብመጽሓፍጸሎትምንባበንይምረጽ።እዘንጸሎታትኣብቲውህሉልተሞክሮቤተክርስቲያንዝተመርኮሳስለዝኾና፣ብአአንኣቢልካናብቲዓብዪኅብረትዚጽልዩሰባትትጽንበር።ንስኻበይኻኣይኮንካንዘሎኻ፣ኣብቲኣካልጐይታዝኾነትቤተክርስቲያን፣ንስኻሓንቲዋህዮኢኻ።ብመገዲዘንጸሎታትኣቢልካንአካልንንልቢንኣእምሮንዚኸውንትዕግሥቲምህናጽእምነትካንትመሃር።
v
እታ ምልእቲን ቅንዕትን ጸሎት፣ `ታ`ክንጽልያ ከሎና ንቃላታ ብሓሳብናን ስምዒታትናን እናኣስተንተንና እንጽልያጸሎትእያ።እምበኣርኣብእዋንጸሎትትግሃትኣዝዩኣድላዪእዩ።ኣብ ግዜጸሎትሓሳባትካኪዛውኑነጻኣይትልቀቖም፣ደጊምካንደጋጊምካንንሓሳባትካእሰሮምመቝሖም፣ከምብሓድሽድማኣብታምጽላይዘቋረጽካላመስመርኣትኂዝካደጊምካመሊስካጀምር።መጽሓፍጸሎትእንተዘይብልካ፡ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መዝሙር ዳዊት ክትጥቀም ትኽእል። ከምዚ ብምግባር ትዕግሥቲን ንቕሓትን ትመሃር።
ኣብ ኣንፊ መስኮት ደው ዚበለ ሰብ ነቲ ካብ ደገ ዚመጽእ ድምጺ ይሰምዕ፣ ከይሰምዐ ኪተርፍ ዉን ኣይኮነሉን። እንተኾነ ነቶም ድምጺታት ከከም ድሌቱ፣ ኣቓልቦኡ ኪህቦም ወይ ኪነፍጎም ይኽእል። እቲ ዚጽልይ ሰብ ዉን እናጸለየ ከሎ፣ ብቀጻሊ ዘይግቡእ ሓሳባት፡ ስምዒታትን፡ ኣእምሮኣዊ ተምሳጥን ጦብላሕታን፡ ናብ ኣእምሮኡ እናመጹ የሸግርዎ። ነዚ ኣድካሚ ኣሰልካዪ ዋሕዚ ደው ንምባል፣ ብፍጹም ኣይከኣልን`ዩ፣ ዳርጋ ከምቲንአየርኣብሓደክፍሊካብምንፋስምኽልካሉ ዘይከኣል።እንተኾነኣቓልቦናክንህቦምንክንነፍጎምንይከኣለና።ስለዚኣብእዋንጸሎትነቶምጣልቃዚኣትዉነገራትኣቓልቦብምኽላእኣብጸሎትጥራይብምጽማድብኸምዚምጽላይክንለማመድ ንኽእል።ጸሎትብልምምድጥራይዚክአልግብሪእዩ”Almost 10% people check their phone during intimate time. cute-n-tiny.com order generic levitra
font-family: "Euphemia","sans-serif"; mso-bidi-font-family: "GS GeezMahtemUnicode";”>
ይብሉቅዱሳን።
 
ክትጽሊ ከሎኻ ንስኻ ባዕልኻ ስቕ በል። ክትጽሊ ከሎኻስ ኣብዚ ምድሪ ንእትደልዮም ሥጋዊ ድሌታት ኪማልኡልካ ዘይኮነሲ፣ እንታይ ደኣ ይኩን ፈቃድከ/ፍቓድካይኹንኢልካክትጽሊእዩ።ንእግዚአብሄርኣምላኽከምናትካባርያ ወይተለኣኣኺጌርካብምሕሳብንድሌታትካከማልአልካምሕታትኣይግባእን።ንስኻንባዕልኻጸጥ በል፣እቲጸሎትንባዕሉይዛረብ።
“ጸሎትካ አርባዕተ ክፋላት ዘማልእ ኪኸውን ይግባእ” ይብል ቅዱስ ባስልዮስ፣ኣምልኾ፣ ምስጋና፣ ሓጢኣትካ ምንዛዝን፣ ጥርዓን ብዛዕባ ድሕነት ነፍስኻን”።ብዛዕባውልቃዊጉዳይኣይትገደስ፣ወይኣይትጸሊግና “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም” /ማቴ 6፥33/።
እቲ ብጸሎቱ ኣቢሉ፣ ንድሌቱወይትምኒቱምስፍቓድኣምላኽዘየጋጥሞ (ዘየሳንዮ)ሰብኣብዚሠርሖነገራትዕንቅፋትየጋጥሞ፣ብቀጻሊድማ ኣብመጻወድያጸላኢይወድቕ።እዚሰብ`ቅሬታቁጥዐ፡ጓሂ፡ስምባድ፡ርባጸ፣ጭንቀትየጋጥሞ።ኣብከምዚዚኣመሰለኵነተኣእምሮኮይኑ ድማ ማንምሰብኪጽሊኣይኽእልን።
ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ናይ ወቀሳ ስምዒት የሕዲርካ ዝግበር ጸሎት፣ ዘይጽርዩ ጸሎት እዩ። ኣብ ጸሎትካ ንብጻይካ ክትወቅስ፣ ወይ ዉን ቂም ሒዝካ ክትጽልዪ ኣይግባእን፣ እዚ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ እዩ። ኣብ ጸሎትካ፣ ክትገንሕ እንድሕሪ ኮይንካ፣ እታ ሓንቲ እትግናሕ ኣካል፣ ገዛእ ነብስኻ ጥራይ እያ። ርእሰ መግናሕቲ ሕመረት ጸሎትካ ግበሮ። ብርእሰ መግናሕቲ ኲሉ ጸሎትካ ኣቕርቦ፣ ንካልኦት ሰባት ክትወቅስ ኣይትፈትን፣ ንገዛእ ነብስካ ጥራይ ዉቀሳ። ‘ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ክንመሃሮ፧’ ትብል ትኸዉን፤ እቲ መልሲ ዉን፣ “ብጸሎት ነዚ ክትመሃሮ ኢኻ”።
ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ነቕጺ ወይ ድርቂኣይትፍርሃዮ።እቲሕይወትዚህብነጠብጣብዝናብካብላዕሊእምበር፤ካብቲኣብ ዉሽጥኻ ዘሎእሾኽንተዀርባንዘፍሪ(ዘፍ. 318) ተሪርሓመድኣይኮነን። ፍሉይ ስምዒት፣ ወይ ተኣምራታዊ ተምሳጥ፣ ዘስዕብ ኩነታት ኣይትጸበ። ጸሎት ንዕግበት ኢልካ ዝፍጸም ኣይኰነን። “ተሽገሩን ጕሀዩን ብኽዩን” /ያዕ 4፥9/፣ መዋቲ ምዃንካ እንዳዘኸርካ፣ ምሕረት ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕተት። እቲ ዝተረፈ ግብሪ ኣምላኽ እዩ ክኸዉን!

3 Responses

  1. rtuee says:

    My favorite part on prayer.

  2. Anonymous says:

    Kale hywet!