ናይ ክርስቶስ ባህሪ ብብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ

ናይ ክርስቶስ ባህሪ 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን። ኣብ ሳዋ ኣብ 2004 ንታዓሊም ምስ ወረድና`ዩ ነዛ መጽሓፍ ቶርጊምናያ። ካብቲ ሽዑ ግዜዉን ኣብ ኮምፒዩተር ተጻሒፋ ተኣሪማ፣ ብመማሃራን ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ቤተክርስቲያን ተራእያ፣ ብዙሓት ኣድናቆቶም ዝገለጹላ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ ኣዝያ ኣገዳስቲን፣ መስረት እምነት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን እተረድእ፣ ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። ለነቀነ ነቲ ኣብ ኮምፑተረይ ሓደገዮ ዝወጻእኩ ጽሑፋት፣ ንኢሽተይ ሓፈትይ ብዲቪዲ ጌራ ምስ ሰደደትለይ፣ እየ መሊሰ ድሕሪ 9 ዓመት ክርእያ በቂዐ። ብወገነይ ዉን ነዛ ጽሕፍቲ ገለ ሰባት ኣንቢቦም ይረብሑላ ይዀኑ ብምባል ፖስት ይገብራ ኣለኹ።

መእተዊ 

ኣምር ናይ ክርስቶስ ባህሪ ኣብ መበል ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ 451 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ቤተክርስቲያናት ምፍልላይ ዝፈጠረ ኣምር እዩ። ቤተክርስቲያናት ሓድነት ክፈጥሩ ተባሂሉ ጻዕሪ ክግበር ምስ ጀመረ ነዚ ኣምር እዚ ክንዛተየሉ ኔሩና። ስለዚ ከኣ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ንዘተ ትምህርተ መለኮት ብዘጥዕም መንገዲ ነቲ ንሳ ትኣምነሉ ኣምር ብመጽሓፍ መልክዕ ክተዳሉ ኔርዋ። 
እዚ ኣምር (ናይ ክርስቶስ ባህሪ) ኣብ ቅዱስ ማርቆስ ኮሌጅ ትምህርተ መለኮት ብኣይ ዝተዋህበ ትምህርቲ እዩ። ከም ክፋል ትምህርቲ “ንጽጽር ትምህተ መለኮት” ኣብ ገዳም ቅዱስ ቢሾይ ኣብ 1984 ዓ.ፈ እዩ ተዋሂቡ። እቲ ዝቀረበ ትምህርቲ ንተማሃሮ ተባሂሉ ተሓቲሙ ኔሩ። ተመሳሳሊ ትምህርቲ ብእንግሊሽ ተቶርጊሙ ኣብ ካናዳ ኣብ 1980 ዓ.ፈ. ተዳልዩ ኔሩ። እዚ መጽሕፍ እዚ ንናይ ትምህርተ መለኮት ተመሃሮ ብዓረብ ክቀርብ ስለዝነበሮ ተሓቲሙ ቀሪቡ። 
ናይ መጀመርያ ዘተ ትምህርተ መለኮት (Theological dialogue) ኣብ 1971 ዓ.ፈ. ብPro-Oriented group ተወዲቡ ኣብ ቬይና ኦስትሪያ ተጌሩ። ኣብቲ ዘተ ብካቶሊካዉያንን ብቤተክርስቲያንናን ተቀባልነት ዘለዎ ቅኑዕ ፍልጠት ኣምር ናይ ክርስቶስ ባህሪ ክንሰማማዕ በቒዕና። እቲ ዘተ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ ኔሩ። ምክንያቱ ነቲ ገጽ ኩሉ ቤተክርስቲያናት ከዊሉ ዝነበረ ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ዝተፈጥረ ፍልልይ መዕለቢ ስለዝተገብረሉ። ሕጂ ግና ብከምዚ መንገዲ ንምርድዳእ ክፉት ኮይኑ ይርኸብ። 
ካብ 1988 ዓ.ፈ. ጀሚሩ ን17 ዓመት ምስ ካቶልካዉያን ፍልልይ ድሕሪ ምጽንሑ ሕጂ ክንሰማማዕ ክኢልና ኢና። እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ገጽ እዚ መጽሓፍ እዚ ይርኸብ። 
ኣብ ገዳም ቅዱስ ቢሾይ ብ1989 ዓ.ፈCauses may be a mixture of any of the sources of loss from cialis prices click to find out more the outer/middle ear and inner ear/auditory (hearing) nerve.. ምስ የሕዋትና ባይዛንታይን ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዓሙቕ ዘተ ተጌሩዉን እዩ። ብዒስራ ወከልቲ ናይ ትምህርተ መለኮት ሊቃዉንትን ብናይ ወከልቲ ቤተ ክህነት ኣብ 1990 ዓ.ፈ. ኣብ ጀኔቫዉን ኣኬባ ተጌሩ እዩ። 
ካብዚ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ተበጊስና እምበኣር ንኩሉ ክርስቲያን ህዝብና ብመርትዖታት ኣሰኒና ነቲ ቅኑዕ ኣምነትና ክንገልጸሉ ከም ዝግባኣና ፈሊጥና። ኣብ ጥቕምቲ 1991 ዓ.ም. ከኣ ብPro-Oriented group ዝተወደበ ዳግማይ ዘተ ስለዘለናን። ብጽሑፍዉን ክነቕርብ ስለዝተሓተትናን ነዚ መጽሓፍ ብምሕታም ነቕርበለኩም ኣለና። እዚ መጽሓፍ`ዚ ብእንግሊሽን ብዓረብን ቀሪቡልኩም ኣሎ ኣንቢብኩም መንፈሳዊ በረኸት ተቀበሉ። 
ኣምላኽ ይባርኽኩም! ፖፕ ሺኖዳ 3ይ

ብpdf ከተንብብዋን download ክትገብሩዋን ኣብዚ ታሕቲ ጠዉቑ