ካላንደር ዓመተ 2006 ግእዝ

ግእዝ ካላንደር ዓመተ 2006 ዓ.ም.

ንኩለን በዓላትን ኣጽዋማትን ዝሓዘለ፣ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ብፒዲኤፍ ፋይል ክትዕቅብዎን፣ ወይ ዉን ኣብ ወረቐት ፕሪንት ጌርኩም ክትጥቅሙሉ ትኽእሉ። ነቲ ስጋዊ ንጥፈታትና ካላንደር ከም ዘድልየና፣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ዉን፣ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት መዳለዊ ካላንደር የድልየና። ቤተክርስቲያን ዉን ካብ ጥንቲ እትጥቀመሉ ካልንደር ኣለዋ። 
እዚ ካላንደር ብልምዲ ናይ ግእዝ ኢልና እንጽዉዖ ኮይኑ፣ መበቆሉ ካብ ዘመን ፎርኦን ኣብ ግብጺ እዩ። መበል 12 ሊቀ-ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ዴሜጥሮስ ድማ፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኣጠቃቅማ ስርዓተ ካላንደር፣ ምስ መንፈሳዊ መደባት ከምዝኸይድ ጌሩ ከምዝሰርዖን፣ በዚ ካላንደር መሰረት ዉን በዓላት ትንሳኤ ይዉሰን ከምዝነበረ ታሪክ ይሕብረና። ነዚ ካላንደር ከነዳልወሉ እንጥቀመሉ ናይ ሕሳብ ስራሕ `ባሕረ ሓሳብ` ይበሃል። 
በዚ ካላንደራዊ ስርዓት ብዘይካ ናይ ፊንላንድ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፣ ኩለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ይጥቀማሉ። ዋላ እተን ናይ ምብራቅ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዝበሃላ በዓል ሩስያ፣ ግሪክ ቆጵሮስ ካልኦትን ነዚ ስርዓት ይጥቀማሉ። ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዉን ነዚ ትጥቀመሉ እያ፣ ኮይኑ ግና ናቶም ዓመተ ምሕረት ካብ ዘመነ ሰማእታት ስለዝጅምራ፣ “ናይ ሰማዕታት ካላንደር” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስለዚዉን ካባና ብ284 ዓመት ድሒሩ ይርከብ።
ኣብ ምድሪ ሓበሻ እንጥቀመሉ ካላንደር ካብቲ ናይ ጎርጎሮሳዉያን ኣዎጻጽራ ካላንደር (ናይ ፈረንጂ ካላንደር) ብ7/8 ዓመት ድሕር ይብል፣ እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምክንያት ኣብ ናይ ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍልልይ ስለዘለና እዩ። ታሪክን ወንጌልን ከምዝሕብረና፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክዉለድ እንከሎ ዝነበረ ኣቆጻጽራ ዘመን፣ ካልእ ዓይነትን፣ ዘይምዕቡልን እዩ ኔሩ። ኩነት ፍጻሜ ዉን ብልክዕ ይምዝገብ ኣይነበረን። ስለዚ ዉን ጐይታ ኣብ ዘመን ሄሮድስ ተወሊዱ ዝብለና ወንጌል። ንኣብነት ኣብ ሃገርና እኝተመጺእና፣ ዕለተ ልደት ዝምዝግቡ ዉሑዳትን ሙሁራትን ጥራይ እዮም ኔሮም። ኦለት ክንድዚ ወርሒ ክንድዚ ኣብ ከምዚ ዓመተ ምሕረት ተወሊደ፣ ዝበሃል ዘረባ ኣብ ሃገርና ኣብቲ  ናይ ቀደም ግዜ ልሙድ ኣይነበረን። እኳ ደኣ ክስቶ ምስ ተመርዓወ፣ ኣብ ክልተ ወርሑ ሓሪሰዮ፣ እንዳተባህለ፣ ብናይ ሓደ ነገር ፍጻሜ መወከሲ ጌርካ ይንገር ነበረ። ኣብ ዘመን ልደት ጐይታ ዉን ከምኡ ነበረ። ጐይታ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳን ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ከምዝተወልደ ይነገረና፣ ስለዚ ሄሮድስ ዝነገሰሉ ዘመን ተመልኪቶም እዮም ሊቃዉንቲ፣ ክርስቶስ ኣብ ከመዚ ዘመንNowadays people are coming up with an extremely large number of disorders or diseases in their loved that levitra uk life. ተወሊዱ ክኸዉን ይኽእል ዝብል ግምት ሓዙ። እዚ ግምት ካብቲ ቤተክርስቲያንና እትቕበሎ፣ ኣብ ምዕራብ ሃገር ናይ 7/8 ዓመት ፍልልይ ጌሩ። ብዙሓት ተመራመርቲ  ስነ ታሪክ፣ 7/8 ዓመት ምዉሳኹ፣ ኣይቅበልዎን እዮም። ብሓጺሩ ጐይታ ዝተወልደሉ ዘመን ኣብ ምዉሳን ዘጋጠመ ፍልልይ እዩ እምበሪ ካልእ ኣይዀነን። 
ቀንዲ መሰረት ናይ ቤተክርስቲያን ካላንደር፣ በዓለ ትንሳኤ እዩ። ኩሉ ግዜ ትንሳኤ ጐይታ፣ ድሕሪ ናይ ኣይሁድ ትንሳኤ ክትዉዕል ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ ሊቃዉንቲ ኣቦታት ወሲኖም እዮም። ዓመት ዓመት ዉን፣ በዓል ትንሳኤ መዓስ ዕለት ክምትዉዕል ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን ንኩሉ ዓለም ዝነበሩ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ብደብዳቤ ተፍልጥ ነበረት። ደሓር ግና ኩለን ቤተክርስቲያናት ኣጠቃቕማ ናይዚ ካላንደር ምስ ኣትኣታተዉዎ፣ ባዕለን ዕለት ትንሳኤ ክፈልጣ ጀመራ።
ወርሒ መስከረም ናይ ዓመት መቀየሪና ኮይኑ፣ ኣብዙ ወርሒ`ዚ ሓድሽ ዘርኢ ዝፈርየሉ፣ ስለዝዀነ ከም መቀየሪ ዘመን ቤተክርስቲያን ትጥቀመለኡ። ብዘይኻዚ ዉን ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት፣ ከም ነቢዪ ዝተነበየ፣ ከም ሓዋርያ ዉን ዝሰበከ፣ መሰጋገሪ ነቢዪን ሓዋርያን እዩ። ካብ ብሉይ ናብ ሓድሽ በቲ ናቱ ናይ መንገዲ ምጽራግ ስብከት ተሰጋጊርና። እዚ ልዕሊ ዂሉ ኣወዳት ዝኸበረ መጥምቀ መለኮት ቅ.ዮሓንስ ኣብ መስከረም 2 ርእሱ ተሰዪፉ ዓሪፉ። ቤተክርስቲያን ዉን፣ ከምቲ በቲ ናቱ ስብከት ካብ ዘመነ ብሉይ ኣርጊት ሕጊ፣ ናብ ዘመነ ሓድሽ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ሓርነት እነስተማቕረሉ ዝመን ስለዝተሰጋገርና፣ ሓድሽ ዓመት መስከረም ኮይኑ።
ኣብዚ ኣቆጻጽራ ዕለትን ወርሒን ብሓፈሻ ዉን ንስርዓት ካላንደር ክንምርምሮ እንከለና፣ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ምፍላስ ዘምጽእ ዘይኰነስ፣ ዝጥዕመካ ስርዓት ኣቆጻጽራ ምጥቃም እዩ። ካልኦት ናይ ባዕሎም ካላንደር እንተተጠቕሙ ዉን ከም ጌጋ ጌርና ክንወስዶ ኣይግባእን።
ኣብ መጨረሽታ ዝዓቕመይ፣ ናይ ግእዝ ካላንደር ምስ ናይ ፈረንጂ ዕለት ዘለዎ፣ በዓላትን ኣጽዋማ ዝሓዘለ ኣብዚ ታሕቲ ጠዊቕኩም ዳዉንሎድ ክትገብርዎን፣ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ክትሕዝዎን ትኽእሉ። ብሩኽ ዝመን ይግበረልና።