መንገዲ ባሕታዉያን 18

 ምዕራፍ 18. ጸሎት-4ይ ክፋል

ናይ ንግሆ ጸሎት ምስ ገበርካ፣ ጸሎት በዚ ዘብቀዐ ኣይምሰልኻ። ጸሎት ጌርካ ምስ ወዳእኻ፣ ነዚ ናይ ጸሎት ሃዋሁ ወይ መንፈስ ክትዕቅቦ ይግባእ፣ ዋላ እብታ መዓልቲ ብዙሕ ደስ ዘይብል ነገራት ይግጠመካ፣ ናይ ጸሎት ሓሳባት ዓቅቦ። 
ነዚ ክንገብር ዝሕግዙና ብዙሕ ሜላታት ኣለዋ፣ ንኣብነት ጳጳስ ቅ.ቴኦፋን ባሕታዊ ከምዚ ኢሉ ይምዕደና። “ናይ ዳዊት መዝሙራት ብዙሕ ሓጸርቲ ጸሎታት ኣለዎ፣ ስለዚ ካብ መዝሙረ ዳዊት ደስ ዝብላን ሓጸርቲ ናይ ጸሎት ሓረግ ምረጽ፣ ንኣብነት፤ ‘ኦ እግዚአብሔር ንሓገዘይ ቀለጥፍ’፣ ‘ንጹህ ልቢ ፍጠረለይ’፣ ‘ኦ ጐይታ ንስኻ ብሩኽ ኣምላኽ ኢኻ’፣. . ዝኣመሰሉ ጸሎታት መሪጽና፣ ኣብቲ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታት ክንደግመን ንኽእል”። 
ክንጽልየን እንኰለና፣ ኣብ ጥቓና ሰባት እንተሃልዮም፣ ትሕት ብዝበለ ድምጺ፣ ወይ ብስቕታ ኣብ ኣእምሮና ብምድጋም ንጸልየን፤ በይንና እንድሕሪ ኰይና ድማ ዓዉ ኢልና፣ ነታ ዘሎ ከባቢ ብዘርብሽ መልክዕ ክንጽልየን ንኽኣል። ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ንጠቀመሉ፣ ኣብ ባስ ንሃልዉ፣ ኣብ ሊፍት፣ ኣብ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ፣ ኣብ ናይ ሻሂ ሰዓት፣ ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ፣ ሕሊናና ብምእካብ፣ ነተን ቃላት ብምዝካር፣ ኣድህቦና ዉን ኣብተን ንደግመን ሓረግ ጸሎት ጌርና፣ ንጸልይ። ኸምዚ ብምግባር ዉን፣ ክሳብቲ ኣብ ገዛና ኣቲና፣ ቅድሚ ሰዓታት ድቃስ እነቕርቦ ጸሎት፣ ሕሊናና ብናይ ጸሎት መንፈስ ተዓቂቡ ይጸንሕ። መዓልቲዉን ንኣምላኽ ክብሪ ብምሃብ ተወሲና ትሓልፍ። ኣብ ናይ ምሸት ጸሎትናዉን፣ መጽሓፍና ሒዝና ብምጽላይ፣ ዝበለጸ ጸሎት ክነቕርብ ንኽእል። 
እዚ ልማድ`ዚ፣ ብፍላይ ነቶም ብሕትዉ ዝበለ ግዜ ብቐሊሉ ክረኽቡ ዘይኽእሉ፣ ሰዓታት ስርሖም ወይ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ብብዝሒ ሰባት ዝተሓዝኣ ሰባት ሓጋዚ እዩ። ምክንያቱ እዚ ሜላ`ዚ፣ ቦታን ግዜ ብዘየገድስ፣ ኣብ ዝዀነ ቦታን፣ ኣብ ዝዀነ ግዜን፣ ክንጥቀመሉ ንኽእል። ከባቢያዊ ጽጥታ እዃ እንተዘየተረኽበ፣ ነዚ ሜላ ኣብ ግብሪ ብምዉዓል ግን፣ ዉሽጣዊ ሰላም ክርከብ ይኽኣል። 
ነዚ ጸሎት ብዘይምቑራጽ ደጋጊምካ ምጻላይ የድሊ። ነዚ ምስንገብር፣ እቲ ጸሎት ሓይሊ ይህልዎ፣ ሓሳብና ዉን ኲሉ ግዜ ብናይ ጸሎት መንፈስ ተገዚኡ ይዉዕል። ዓሳታት ባሕሪን ኣዕዋፍን ንመልከተን፤ ኣዕዋፍ ክነፍራ እንከለዋ፣ መንገብገበን ከየዕረፋ ደጋጊመን ብምንቕስቃስ ይነፍራ፣ ዓሳ ዉን ኣክናፉ ደጋግጊሙ ብምሕንባስ ይንቀስቃስ። ኣዕዋፍ ኣብ መንጎ መንገብገበን ካብ ምንቅስቃስ ደው እንተቢለነኦ፣ ናብ መሬት ይወድቃ፣ ዓሳ ዉን ምሕንባስ እንተቋሪጽዎ፣ ናብ ድቅድቕ ጸልማት ትሕቲ ማይ ይኣትዉ። ኣብ ናይ ጸሎት ጉዕዞ ዉን ከምኡ እዩ። ጸሎትና ደጋጊምና እንድሕሪ ዘየብጺሕናዮ፣ ሓደጋ ክጋጥመና ይኽእል። 

ስለዚ ከይሰልኸካ፣ ኣብ ሰዓት ሰዓት፣ ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ጸሎት ግበር። ዝሕቱል ኣይትኹን፣ ብዛዕባ ጽባሕ ዉን ኣይትጨነቕ (ማቴ 6፥34)፣ ጥርጥር ዉን ኣይሃልዉኻ፣ እንታይ ደኣ ጥራይ ሱቕ ኢልካ ጸልይ። ኣብ ግዚኡ ንኩሉ መልሲ ክትረኽበሉ ኢኻ፣ ካብ ጸሎት ግና ኣይተቛርጽ።
እስከ ንኣብራሃም ጠምቶ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ህዝብኻ ተፈለይ ኣነ ናብ ዘርእየካ ቦታ ኪድ ምስበሎ፣ ብዙሕ ኣይተመራመረን። እታ እግዚአብሔር ዝህበኒ ሃገር ከመይ ትመስል፧ ኣብኡ እንታይ ኣሎ፧ ለምለም ድያ፣ ማይ ኣለዋ ድዩ፧ ወዘተ ኣይበለን። ጐይትኡ እግዚአብሔር ምስ ኣዘዞ፣ ብቀጥታ ናብቲ ዝተባህሎ ቦታ ኸደ። ከም ኣብራሃም ግበር፣ ናቱ ኣሰር ሰዓብ። ኣብራሃም ኩሉ እቲ ናቱ ዘበለ ምስኡ ተማሊእዎ፣ ንስኻ ዉን ከምኡ ግበር፣ ኩሉንትናኻ ምሳኻ ተማልኣዮ፣ ገለ ኣብ ድሕሪት ኣይትግደፍ፣ ምክንያቱ ኣብ ድሕሪት ዝገደፍካዮ ዘበለ ኩሉ፣ ናብታ ጣኦት ዝምለከላ ድሕሪት ዝገደፍካያ ቦታ ክመልሰካ እዩ።
ንኖህ ዉን ዘኽሮ፣ ንሱ ነታ መድሓኒት ዝዀነቶ መርከብ ክሃንጽ 120 ዓመት ወሲዱሉ። ንነፍሲ ወከፍ ጣዉላ፣ በብመስርዑ ተጠንቂቁ እንዳላገበ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፣ መርከቡ ሃነጸ። ንስኻ ዉን ከምኡ ክትገብር ይግባእ፣ ንዕብየትካ ነፍስኻ ዘገልግለካ ነፍሲ ወከፍ ጣዉላ ኣክብ፣ ብትዕግስቲን ስቕታን ዉን ምህናጽ ገዛእ ርእስኻ ጀምር፣ መዓልታዊ ኣብ ምሃንጽ ድሕነትካ ተሳተፍ። ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ነገራት ኣይትገደስ። 

ዘክሮ`ሞ ኣብ ገጽ ምድሪ`ኮ ብዘይካ ኖህ፣ ካልኦት ኩሎም ዓልዮም ኔሮም፣ ኖህ ጥራይ በይኑ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ (ዘፍ 6፥9)። መርከቡ ምስ ሃነጸ ዉን፣ ኣብታ
ዉጽኢት ጻዕሩ ዝዀነት መርከብ ብዙሕ መዓልታት ገበረ። ኣብዚ ነዊሕ ግዜ፣ ንዝነበረ ጯቕጫቕ፣ ጸልማትን፣ ማዕበላትን፣ ክጻወር ኔርዎ፣ ናብ ጥዑም ኣየር ክሳብ ዝወጽእ ዉን ተጻዊሩ ሓለፎ። ናብቲ ንፋሱ ጥዑም ዝዀነ ቦታ ምስ ወጽአ ዉን፣ ንኣምላኽ መሰዉኢ ሃነጸሉ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ነቲ ኖህ ዝተዓገሶ ኲሉ እንድሕሪ ተዓጊስካን፣ በታ ጸባብ ኣፍደገ ዉን እንድሕሪ ተመላሊስካን፣ እቲ ጥዑም ንፋስን፣ መሰዉኢን ኣብ ዉሽጥካ ክትረኽቦ ኢኻ”።

ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘካ ንዅሉ ነገር ከምኡ ግበር (ዘፍ 6፥22)። ካብቲ ዘለኻዮ ናይ ስጋዊ ፍትወት ዓለም ኣዉጺኡ፣ ናብ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ህይወት ዘሰጋግረካ ቢንቶ፣ ብጸሎት እናተጸመምካ ህነጾ (ኤፈ 6፥17)። “እቲ ሓደ ንሱ በይኑ ጐይታ ዝዀነ፣ ኣብ ልብኻ እንድሕሪ ሰፊሩ፣ ኩሉቲ ፍትወታት ክጠፍእ እዩ” ቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ። ንሱ ንዂሉ ዓለም ብኢዱ ስለዝሓዘ፣ ነቲ ናትኻ ህይወትን ዓለምን ዉን ዉሕስ ክገብረልካ እዩ፣ ንሱ ባዕሉ ክሕልወካ እዩ።