ምእንቲ እቶም ዝጠፍኡ ነፍሳት

ምእንቲ እቶም ዝጠፍኡ ነፍሳት

ኢየሱሱ ስዱድ  ተስፋሆሙ ለስዱዳን፣ ኢየሱስ ግፉዕ ምስካየ ግፉዓን፣ እግዚአብሔር ማኅደር ዘአልቦ ከመ ነዳያን። ኢየሱስ ነግድ ወፈላሲ እንዘ ዉእቱ ሕፃን። ወልደ አብ ፍቁር ብኀበ ሰብእ ምኑን። መኀልየ ብካየ ኰነኒ ዘእሙ ኃዘን። ትርጉም፣ ኢየሱስ ስዱድ ተስፋ ናይ ስደታኛታት፣ ኢየሱስ ግፉዕ መዕረፊ ግፉዓን፣ እግዚአብሔር ከነስኻ መሕደሪ ኣይነበረካን ከም ነዳያን፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተሰደድካ ንስኻ ህጻን፣ ብሰብ ዝተነዓቕካ ወልደ እግዚአብሔር ምኑን፣ ናይ ኣዴካ ሓዘን ንዓይ ኣዉያተይ ኰነኒ።

ቅንያቱ ቅድስት ቤተክርስቲያን ንስደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ፍቕርቲ ኣዲኡ ድንግል ማርያምን ጻድቅ ዮሴፍን ሳሎሜን፣ ብፍሉይ መልክዕ እትዝክረሉ፣ ወርሓት ጽጌ ዝበሃል ቅንያት እንሸባሸበሉ ግዜ እዩ። እዚ ቅንያት፣ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ምእንቲ እቲ ርጉም ሄሮድስ ነቲ ህጻን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ከይቐትለላ ፈሪሓ ዝተሰደቶ ስደትን፣ ዝተቐበለቶ መከራን ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 6 እንዝክረሉ ኮይኑ፣  ወርሓ ጽጌድማ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዓቕሚን ጥዕናን ዘለዎ ሰብ፣ ብጾም ከሕልፎ ቤተክርስቲያን ትላበው። ኣዚ ጾም` ካብተን ናይኣዋጅ ኣጽዋማት ፍልይ ዝበለ ኮይኑ፣ ናይ ፍቓድ ጾም ዉን ይበሃል። እዚ ማለት ሰብ ባዕሉ መሪጹ፣ ሰብ ከይፈለጦ ብዉልቁ ይጸዉም። ወርትግ ሰንበት ዉን ማህለተ ጽጌ ኣሎ። ካብ ሰዓት 11:00 ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 4:00 ማህሌት ምስጋና ይቐርብ፣ ብድህሪ ድማ ኪዳንን ቅዳሴን ይስዕብ። ትሕዝቶ ናይዚ ማህሌት ንናይ ስደት ድንግል ማርያም ምስ ወዳን ዝዘንቱን፣ ንኹሉ ኩነታት ዘንጸባርቕን ኮይኑ፣ ምእንቲ ካብ ገነት ዝተሰደድናዮ ስደት ኣዳም ክክሕስ ዝተቀበሎ መከራ ብምዝካር፣ ንኣምላክ ምስጋን ዝቐርበሉ እዩ። ብዘይካ`ዚ ዉን ሰብ ጸጋ ንድኻታት ሃብቶም ዘካፍሉሉ ግዜ እዩ። ማንም ኦርቶዶክሳዊ ዉን ካብዘን ሰለስተ ኣማራጺታት ማለት ብጾም፣ ማህሌት ብምስታፍ፣ ወይ ንድኻታት ብምርዳእ፣ ብዉሕዱ ሓደ ዝሰማምዖ መንገዲ መሪጹ፣ ስደት ድንግል ማርያም ክዝክር ይግባእ።
ወርሓ ጽጌ ማለት ናይ ዕንባባ ወርሓት ማለት እዩ። እቲ ኣብ ክረምቲ ዝተዘርአ ኣእኻል ዝዕንብበሉ ወርሃት እዩ። ዕንባባ ፍሉይ ሕብሪን መኣዛን ይሃልወን እምበር፣ ምስኡ ዉን እሾክ ኣለዎን። እቲ ዕንባባታት ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ መጋቢነት ዘዘካከረና ክከዉን እንከሎ፣ እቲ እሾኽ ግና፣ ንመከራ ስደት ድንግል ማርያም ዘዘካኸረና እዩ። ኣብዚ ወርሓት፣ በረኻታት ብዕንባባ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዝዉቅባሉ ግዜ ኮይኑ፣ ኣዕዋፍ ይሕጎሳ፣ ኣናህብ ይወፍራ፣ ሓረስታይ ተስፋ ይገብር፣ ኣመንቲ ክርትና ግና፣ ነቲ ኣብዚ ቅንያት ዘጋጠመ፣ ስደት ጐይታ ንዝክር። 
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ፣ ሰብኣ ሰገል ካብ ምዕራብ ማለት ከባቢ ኢራን ተበጊሶም ኮኮብ ብምርኣይ፣ ናብ ኢየሩሳሌም በጽሑ፣ እቲ ዝረኣይዎ ኾኾብ ንጉስ ከምዝተወልደ ዘመልክት ስለዝዀነ፣ ንጉስ ዉን ኣብ ቤተመንግስቲ ስለዝዉለድ፣ ናብ ቤተመንግስቲ መጺኦም፣ “እቲ ዝተወለደ ህጻን ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፣” ኢሎም ሓተቱ። ኣብቲ ሽዑ ንጉስ ዝነበረ ሄሮድስ፣ በቲ ነገር ኣዝዩ እንዳተገረመ፣ ነቶም ናይ መጽሓፍቲ ፈላጣት ዝዀኑ ‘ጸሓፍት’ ጸዊዑ ሓተቶም፣ ንሳቶምዉን ኣብ ቤተልሄም ናይ ይሁዳ ከምዚ ዉለድ ነገርዎ፣ ንሱዉን፣ ነቶም ሰብኣ ሰገል ሓበሮም። ሰብኣ ሰገል በቲ ኾኾብ ተመሪሖም ናብቲ ጐይታ ዝተወልደሉ ቦታ በጽሑ፣ ጐይታ ዉን ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ፣ ብጓሶት ተኸቢቡ፣ ረኸብዎ። ኣትዮም ዉን ሰገዱሉ፣ ዕጣን-ኣምላኽ ስለዝዀነ፣ ወርቂ-ንጉስ ስለዝዀነ፣ ከርበ-ንዝቐበሎ መከራን ዝጥዕሞ መሪር ሞትን፣ ምልክት ክኸዉን ወፈዩሉ። መላኣኽ እግዚአብሔር ብሕልሚ ስለዝነገሮም ዉን ብካልእ መንገዲ ናብ ዓዶም ተመልሱ። /ማቴ 2/
“ሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮዶስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሔ። ሽዑ ሄሮዶስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ።” ማቴ 2፥13-16
ኣብዚ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ስደት ዝነበረ መከራ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ክትገልጾን ኣዝዩ ኸቢድን ነበረ። ነዚ ዉን’ዩ ኣብቲ ሰቆቃወ ድንግል ዝብል መጽሓፍ፣ ከምዚ ዝብል፣ “እፎ ቈቊዓ በሓዊረ ፍኖት መከየደ እግርኪ ወርኃ ዘይሴዓን፣ ለባሲተ ፀሓይ ማርያም ወለተ ብርሃን፣ ኣመ ኣጒየይኪ ወልደኪ በጒጒዓ እምገጸ ሄሮድስ ተመን፣ ዘብጽሓኪ ምንዳቤያተ ሶበ ይሰምዕ በዕዝን፣ ሰብእ ኣኮ እምበከየ ዕብን።

ትርጉሙ ብዝርዳእ መንገዲ ክንገልጾ እንከለና ከምዚ ማለት እዩ ማርያም ድንግል ንስኺ ጸሓይ እትለብሲ ጓል ብርሃን ከነስኺ፣ ስለምንታይ እተን ወርሒ ኣብ ሳእነን ዝወድያ ኣእጋርኺ ብንዉሓት መንገዲ ቈሰላን በስበሳን፣ ምእንቲ ዉላድኪ ካብ ገጽቲ ተመን ዝዀነ ሄሮድስ ከተህድምዮ እዚ ዂሉ መከራ ተቀበልኪ፣ ብሰንኪ’ዚ ስደት ዝበጽሓኪ መከራ ኣብ እዝኒ ምስ ዝስማዕ፣ ኣይኰነን ሰብሲ እምኒ ከማን ምበከየ ።

እዚ ዂሉስ ምእንቲ ድሕነትና ቅድሚ 2000 ዘመናት ተፈጸመ። ጐይታ እዚ ዂሉ መከራ ዝተቐበሎ ዉን ነቶም ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱን፣ ስደቶም ክባርኽን፣ ተስፋ ምእንቲ ክኾኖምን እዩ። ስደት ብዙሕ’ዩ ምኽንያቱ፣ ጌሌና ዝሓሸ እንጀራ ደሊና፣ ገሌና ኣብ ሃገርና ጽቡቕ ስለዘይረኸብና፣ ገለ ማእሰርቲን ሞትን ፈሪሑ፣ ገሊኡ ጥሜትን ኲናትን ጸሊኡ። ነዞም ብዝተፈላለየ ምክንያት ዝስደዱ ዉን ተስፋ ዝዀንዎም፣ ንሱ’ቲ ብህጻንነት ዘመኑ፣ ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ ኮይኑ ስደት ዝባረኸ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ከም ፍቓድ ኣምልኽ ዉን ገሌና ባሕሪ ዓለማት ሰጊርና ኣብቲ ይሓይሽ ዝበልናዮ ቦታ በጺሕና። ኮይኑ ግና ብዙሓት ኣብ ባሕሪ ተሪፎም።

Sinrex is an all natural alternative to other supplements including mouthsofthesouth.com viagra generika.

ኣብ 2011 ዓም ልዕሊ 300 ዝዀኑ መናእሰያት፣ ክሓልፈሎም እንዳበልና ኣብ ባህሪ ተሪፎም። ብናታቶም ሞት ዉን ገዛ ኲሉ ኢርትራዊ ብሓዘን ተኻሕኩሐት። ናቶም ከይኣክል ዉን፣ ቅድሚ ሶምን 13 ሰባት፣ ቅድሚ ሳልስቲ ዉን ልዕሊ 111 ሰባት ጥፊኦምና። ልብና ብሓዘን ተወግአ፣ ኲሉ ሰብ ኣብ በረኻታት ወጺኡ፣ ተጠሊኡ ከእዊ ይደሊ፣ የግዳስ ናተይ እባ ኣትዮም ይዀኑ፣ ናተይስ እባ ኣይተበገሱን ይዀኑ ብዝብል ሓሳብ ተደዓዒሱ ስቕ መሪጹ። ገለ ከምዚ ከማይ ሓጢኣት ዝመልኦ፣ ልቡ ብፍቕሪ ሓጢኣት በረድ ተቀዪሩ ዘሎ ግና፣ ልዕሊ ጸሎት ምስትምቃር ሓጢኣት ስለዝመረጸ፣ ንጸሎት ዉን ኢዱ ከልዕል ኣይመረጸን። ከንፈሩ ጥራይ ረምጢጡ ሱቕ ይብል።  ኣቱም የሕዋተይ፣ እድያት ናይ ነጸላይ ንድህሪት ገልቢጠ ክበኪ፣ ወይ ኣእዳወይ ንድሕሪት ጌሪ ምእንቲ ክሓዝን’ሲ፣ እቲ ዝሞተ ሰብ ብስጋን ክዛመደኒ ግድን ድዩ?! እዚ ድዩ ክርስትና?! ብዉሕዱ ከማና ዜጋና፣ ኣብ ባሕሪ ስለዝተረፈ፣ ኣእዳዉና ብንብዓት ኣጠልቂና ናብ እግዚአብሔር ኣንቃዕሪርና ክንጥምት`ዶ ኣይግባኣናን።
ወረ’ቲ ቀደምሲ ዕድሚኦም ልዕሊ 30ን ከባቢኡን ዝዀኑ ይስደዱ ነበሩ፣ ሕጂ ደኣ ዕድሚኦም ካብ 11-17 እዮም። ነዚኦም ኢና ኣብ ባሕሪ ሲኢናዮም ዘለና። እምበኣር ኣስከ ኩላትና ብጸሎት ንተንስእ። ክስቶ ክጽልይ እዩ፣ ክስቶ ክምህለልዩ እንዳበልና፣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይንጸባበይ፤ ከምኡ ክንብል፣ ኩልና ዓዲ ዉዒል ተሪፍና፣ እዚ መከራ`ዚ ዉን ኣጋጢሙ። ኩልና ንተንስእ፣ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወሪዱ ስጋ ሰብ ለቢሱ፣ ዝወረደ እኰ፣ ንብዓት ህዝቡ ሰሚዑ እዩ።
እስራኤል ኣብ ግብጺ ብባርነት እንከለዉ፣ ኣዝዩ ጽዑቅ ባርነት ነበሮም። ማንታ ኣብ ከብዳ ዝጾረት ራሄል ዉን ሓደ ካብቶም በቲ መከራ ዝሳቐዩ ነበረት። ዕለተ ሕርሳ ቀሪቡ ስለዝነበር፣ ካብቲ ኣድካሚ ጡብ ናይ ምቡዃዕ ስራሕ ከተዕርፍ እንተበለት፣ ወታሃደረኣት ግብጺ ኣብይዋ፣ ከማን ኣብኡ ክትወልዶም ነገርዋ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፣ ጡብ ክስራሕ ዝጠቁሙሉ ጭቃ ብእግሪ ይቦክዕ ነበረ። ራሔል ዉን ብእግራ እንዳኣቡከዐት እንከላ፣ ማናቱ ናጽላ ደቃ ኣብቲ ጭቃ ወደቑ፣ ከተልዕሎም ድንን እንተበለት ዉን ጨቃናት ፎርኦናዉያን ከልከልዋ፣ ካብኡ ሓሊፎምዉን ደም ንመንደቕ የትርሮ`ዩ`ሞ ርገጽዮም በልዋ። ዝወለደ ማህጸና እንዳረበሻ ዉን ደቃ ረገጸቶም፣ ደም ማናቱ ደቃ ዘየክኣላ፣ ራሄል ኣምሪራ ነብዐት። ነብዪ ኤርሚያስ “ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት” ኢሉ ዝተነበየ ዉን ነዚ ነከመልክት እዩ/ኤር 31፥15 ማቴ 2፥17-18/። ራሄል ግና ለባም ነበረት፣ ደበስ ዝዀና እግዚአብሔር ጥራይ ምዃኑ ፈሊጣ፣ “ኣምላኽ ኣቦታትና የለኻን ዲኻ?!” ብምባል ንብዓታ ናብ ሰማያት ነጽገት፣ ናብ እግዚአብሔር ዉን የእወየት። ሽዑ እግዚአብሔር ነቶም ህዝቢ መሪሑ ዘዉጽኦም ሙሴ ሰደደሎም። ተመሪሖም ዉን ጸባን መዓርን ዝፈሰላ ናይ ተስፋ ምድሪ ወረሱ።እምኣር ንሕና ዉን ንንባዕ። ንብዓት ምረት ሓዘንና ዉን ናብ ሰማያት ንንጸጎ፣ ሽዑ ኣምላኽ ብምሕረት ክምልስ እዩ። “ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን።” ንበሎ /መዝ 25፥6/ “ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።” /ሰቆ ኤርሚ 3፥22-23/። ሽዑ ኣምላኽ ክሰምዓናን ነዚ ዂሉ መከራናን ዉን መወዳእታ ክገብረሉ እዩ። “ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፣ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፣ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ፣ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፣ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ውን ተመለሱ።” /ኢዩ 2፥13/።

ኦ እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣብኡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ኣቦታትናን ኣሕዋትናን፣ ኣሓትናን ንልምነካ ኣሎና። ነፍሶም ኣብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ከተሕድሮምን፣ ኣብ ሑቕፊ ኣብራሃም ከተንብሮም ንልምነካ ኣለና። ኣባታ ዓይኒ ዘይረኣየቶ፣ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፣ ልቢ ሰብ ዉን ዘይሓለኖ፣ ቦታ ዕርፈቲ ተቐበሎም።

ኦ ምልዕተ ጸጋ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ጽላል ረድኤትኪ ዘርግሒ፣ ንህዝቢኹ ዉን ተከላኸሊ፣ ብኪዳንኪ ለምንልና። ምእንቲ ስደት ወድኺ፣ ምእንቲ ስቕለቱ ናይ ፍቑርኪ፣ ምእንቲ ሞቱ ናይቲ ሓደ ወድኺ፣ ኣብ ናትኺ ሓዘን ሳተፍ ኣለና`ሞ፣ ኣብቲ ናትኪ ሓጎስ ድማ ንስኺ ኣሳትፍና። ንዓይ ነገልጋሊኽን፣ ንኩላትና ህዝብኺን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።

4 Responses

  1. qal hiwet yesmealena newihe nay agelgelot edeme yeadilelena

  2. Anonymous says:

    Kale hiwet yesmealna. Ezgioo meharena kerstoss!!!

  3. kale hiwet yesmalna hawna agolguletka ybarkelka!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  4. Anonymous says:

    Kale hiwet yesmialna dingle mariyam tibarkika.