ቅድስት ባርባራ

ቅድስት ባርባራ

“ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እጽልይ አሎኹ።” ፊሊ 1፥9-10

ነዚኣ ስዕሊ ዝረኣየ ዘበለ ኹሉ፣ “እዚኣ ደኣ ኣርሴማ ቅድስት እንድያ!” ኢሉ ዝደናገር ብዙሕ እዩ። ወረ ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚ ከማን፣ ቅድስት ኣርሴማ ተባሂላ፣ እዚ ስእሊ ንጥቀመሉ ኢና። የግዳስ እዚኣ፣ ቅድስት ባርባራ ትበሃል። ኣብቲ ስእሊ ምስ ንርእዮ፣ ሓደ ስም ክንረክብ ኢና። ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ግሪክ ፊደላት “Η ΑΓΙΑ ΒΑΡΒΑΡΑ” ብትግሪኛ Η ΑΓΙΑ ማለት ቅድስት፣ ΒΑΡΒΑΡΑ ባርባራ እዩ። ምስ ቅድስት ኣርሴማ ዝመሳሰል ታሪኽ ዘለዋ እዛ ቅድስት ሰማዕት፣ ባራባራ ትበሃል። ንሎሚ ምስኣ ከላልየኹም።
እዛ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዕለት ሸሞንተ ታሕሳስ እትዝከር ባርባራ፣ ብሰማዕትነት ዝዓረፈት፣ ሓንቲ ካብቶም ብዙሕ ተፍላጥነት ዘለዎም ቅዱሳን ኣንስት እያ።  በዚ ምክንያት ዉን “ቅድስት ባርባራ ዓባይ ሰማዕት” ተባሂላ ትጽዋዕ።
ካብ ሰብ ምብራቕ ዝሞበቀሉ፣ ኣቦ ባርባራ ዲዮስቅቆሮስ ዝበሃል ኮይኑ፣ ፍሉይ ቦታ ኒክሮሜድያ ኣብ ዝበሃል ቦታ ይነብር ነበረ። እዛ ቦታ ጎዶቦ ናይታ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ሄልዮፖሊስ እትበሃል ኣብ ግብጺ እትርከብ ዓባይ ከተማ እያ። ኣቦ ባርባራ ኣብዛ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ሃብታም በዓል ጸጋ ነበረ። ንጓሉ ባራባራ ኸኣ ኣዝዩ ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮ። ንሳ ኣዝያ ዉቕብቲን መስታውዓሊት ዉን ነበረት። `ቲ ዘመን፣ ጨካን ኣራዊት ማክሲማኖስ ሮማዊ ንግብጺ የማሓድረሉ ዝነበረ ግዜ እዩ።
ኣቦ ባራባራ፣ ንጓሉ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮ ሰብኣይ ስለዝነበረ፣ ድሌታ ዘበለ ዂሉ የማልኣላ ነበረ። ንሳ በይና እትነብረሉ ዓቢ ገዛ ሃነጸላ። ንሳ ዉን ኣብቲ ኣቡኣ ዝሃነጸላ ገዛ ኮይና፣ ናብ ሰማያት ብምጥማት ፍጥረታት ተድንቕ ነበረት። ካብ ብዝሒ ልማድ ዉን፣ ብዛዕባ ጸሓይ፣ ወርሒ፣ ከዋኽብቲን ትመራመርን፣ ንዘለወን ስርዓት ዉን ትከታተል ነበረት። በዚ ተመሪሓ ዉብ፣ ሓደ ዓቢ ርድኢት ሓዘት። “ነዚ ዂሉ ዝፈጠረ፣ ካልእ ፈጣሪ” ከመዘሎ፣ ብልባ ደምደመት። እቲ ኣቡኣን፣ ነበርቲ`ታ ከተማን ዘምልኽዎ ጣኦት፣ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምዘይዀነን፣ ካልእ ንዂሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ዘሎ ልባ ስለዝነገራ፣ ነዚ ከተናድይ ሃሰው በለት። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፣ ኣብ ግብጺ መምህር ክርስቲያናት ዝነበረን፣ ንብዙሓት መማህራን ቤተክርስቲያን ዘፍረየ፣ ኦሪገን ኣብታ ኸተማ ነበረ። ብዛዕባ ባራባራ ዉን ስለዝሰምዐ፣ ንሱ ብዛዕባ ሓቀኛ ኣምላኽ እግዚአብሔርን፣ እምነት ክርስትናን መሃራ።
ንሳዉን በቲ ዝተዋህባ ምህሮ ኣዝያ፣ ስለዝተረድአት፣ ንጣኦት ምምላኽ ሓዲጋ፣ ናብ እምነተ ክርስትና ተጸንበረት። ኣቡኣ ኣብ ዝሓነጸላ ገዛ፣ ነብሳ ትሕጸበላ ናይ በይና ክፍሊ ነበራ፣ እዛ ክፍሊዉን ክልተ መሳኹቲ ነብርኣ። ክርስቲያን ኮይና፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከተምልኽ ምስ ጀመረት ድማ፣ ኣብታ መሕጸቢት ክፍላ፣ ሳልሰይቲ መስኮት፣ ኣብ ልዕሊ`ቲ ነብሳ ትሕጸበሉ ጋብላ ዉን መስቀል ከምዝከዉን ገበረት። ኣብኣ ክርእያ ኢሉ ምስ መጽአ ዉን፣ ብዛዕባ`ዚ ነገራት ሓተታ።
“ኣቦ ኣይትፈልጥን ዲኻ፣ ኣብ ሥሉስ ቅዱስ ኲሉ ነገር ሙሉእን ፍጹምን እዩ። እዘን ሰለስተ መሳኹቲ ንሰለስትነት ሥላሴ ተመልክት፣ እዚ መስቀል ድማ፣ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምልክት እዩ፣ በዚ መስቀል`ዚ ከኣ ድሕነት ረኺብና። ኣቦይ መዓረይ ነዚ ዝብለካ ዘለኹ ምሕጽንታ ስምዓኒ፣ እቲ ንስኻ እተምልኾ ዘለኻ ጣኦት፣ ናይ ሓሶት ኣምላኽ እዩ፣ ፍጡር እዩ፣ ካብዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ጌጋ ኣምልኾ፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተመለስ፣ ንሱ በይኑ እዩ ፈጣሪ” ብምባል መለሰትሉ።

All these medications are available in different flavors cialis prescription check out over here such as vanilla, banana, orange, mint, pineapple and others.

በቲ ዝሰምዖ ነገር ዝተገረመ ኣቡኣ፣ ኣዝዩ ሰዝሓረቐ፣ ሴይፉ መዚዙ ክቐትላ ተበገሰ፣ ንሳ ዉን ሃደመት። ካብ ኣቡኣ ዝሃደመት፣ ባርባራ ቅድስት፣ መእተዊ ምስ ሰኣነት፣ ኣዒናታ ናብ ሰማያት ኣቢላ፣ ምሕረት ካብ ኣምላኽ ሓተተት። ብኡንብኡ ዉን እቲ ኣብ ቅድሚኣ ዝነበረ ከዉሒ፣ ንኽልተ ተገሚዑ ኣፍደገ ከፈተላ። ንሳዉን ተቐላጢፋ ናብኡ ኣተወት፣ እቲ ከዊሑ ዉን፣ ናብ ናይ ቀደሙ ቅርጹ ተመሊሱ ተዓጽወ።
ነዚ ዝረኣዩ ክልተ ጓሶት፣ በቲ ነገር ኣዝዮም እንዳተገረሙ እንከለዉ፣ ኣብኡ ኣርኪቡ ከፋጥጦም ጀመረ። እቲ ቀዳማይ እኳ ሱቕ እንተበለ፣ እቲ ካልኣዩ ግና፣ ሴይፊ ፈሪሑ ዝተሓብኣትሉ ቦታ ኣመልከቶም። ብኡንቡኡ ዉን ኣተን ናቱ ማል ናብ ኣንበጣ ተቐየራ። ኣቡኣ ዉን ብድሕሪ እቲ እምኒ ብምኹላል፣ ኣብቲ ዝተሓብኣቶ ቦታ ከይዱ ረኸባ። ወሲዱ ዉን፣ ናብቲ ንብዙሓት ክርስቲያናት ኣሳቕዩ ብምቕታል ዝፍለጥ ማክሲማኖስ ኣረከባ።
ማክሲማኖስ ኣብ መጀምርታ ብሉስሉስ መንገዲ ጌሩ፣ ብዙሕ ተስፋታትን ዘታልሉ ነገራትን ብምዝራብ፣ ሓሳባ ንኽትቕይር ብዙሕ ፈታነታት ገበረ። ምስላጥ ምስ ኣበዮ ዉን፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣቢሉ፣ ከሳቕያ ጀመረ። ብዙሕ ፈተነታት እዃ እንተገበረ፣ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ግና ክፈልያ ዝኽእል ኣይነበረን።
ንጽንዓትን ትዕግስቲን ባርባራ ትኽታተል ዝነበረት፣ ዩሊያና ዝተባህለት ሓንቲ ጎርዞ ዉን፣ በቲ ነገር ኣዝያ ስልዝደንጸዋ፣ ምእንቲ ባርባራ ክትነብዕ ጀመረት። ኣብቲ ሽዑ ኣጋጣሚ ዉን፣ ጐይታና ካብ ሰማያት ወሪዱ ንቅድስት ባራባራ ከጸናንዓን ክርደኣን እንከሎ ረኣየት፣ በዚ ምኽንያት ዉን፣ ዩልያና ብጐይታ ኣሚና ክርስቲያን ተቀየረት። ጨካን ንጉስ ማክሲማኖስ በቲ ነገር ኣዝዩ ስለዝሓረቐ፣ ንክልቴአን ኣዋልድ፣ ርእሰን ክስየፋ ኣዘዘ። ዩልያናን ባራባራን ዉን ኣብ እምነተ ክርስትንአን ጸኒዐን፣ ሰማእትነት ተቐበላ።
ኣቦ ቅድስት ባራባራን፣ ጨካን ኣማሓዳሪ ማክሲማኖስን፣ ኣይጸንሑን ኣምላኽ ብመዓቱ ኣጥፍኦም። እቲ ንሳ ነብሳ ትሕጸበሉ ዝነበረት መስቀል ዝነበሮ ማይ ድማ፣ ንብዙሓት ሕሙማት ፈዉሲ ኮኖም። ዓጽሚ ናይዘን ክልተ ቅዱሳን ኣንስቲ ካብ ከተማ ገላትያ ወጻኢ ኣብ ዝነበረ ቦታ ኣንበርዎ። ድሕሪ  ብዙሕ ዓመታት ዉን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ብሽማ ኣብ ዝተቀደሰ ቤተክርስቲያን ዓጽማ ዓረፈ።
ነዚ ስእሊ`ዚ ክንዕዘቦ ኣንከለና ቅድስት ባርባራ መስቀል፣ ስየን፣ ጽዋእን ሒዛ ንርእያ። ጽዋእ፣ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ክትብል ዝተቀበለቶ ናይ ሰማዕትነት ምልክት እዩ። መስቀል መግለጺ እምነታን ናታ ተጋድሎን የመልክት። እቲ ስየ ድማ፣ ከም ንፈልጦ ኣብ ቤተክርስቲያን ‘ስየ’ ምልክት ንጽህ እምነት እዩ። “ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ፣ ከም ጽህዲ ሊባኖስ ዉን ይዓብዩ” /መዝ 92፥12/ ኢሉ ዳዊት ዝዘመሮ ዉን፣ ጻድቃን ብእምነት ከምዝዓብዩ መረጋገጺ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዉን ስየ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጠቒሱ ንረኽቦ /2 ነገ 6፥29, ራእ 7፥9/። ስለዚ ካብዚ ቅዱስ ስእሊ እንመሃሮ፣ ነገር ሰማዕት ቅድስት ባርባራ፣ ምእንቲ መስቀለ ክርስቶስ ክትብል፣ ብንጹህ እምነት፣ ሰማእትነት ከም ዝተቐበለትን፣ ናይዚ ዓስባ ዉን ኣክሊል ህይወት ምዃኑ እዩኣባ ጊዮርጊስ ዘግስጫ ዉን፣ ኣብ ምስጋና ኣርጋኖን ዝተባህለ መጽሕፉ ዘሰንበት፣ ተቒስዋ ይርከብ።
እምበኣር ክቡራት ምእመናን፣ ንሕና ክርስቲያናት ንሰማዕታት ብዙሕ ክብሪን ፍቕሪን ኣለና፣ ብቃል ኪዳኖም ዉን ንምሕጸን ኢና። ኣብዚ ከይተሓጸርና ግና ንሕና ዉን ኣሰር ሰማዕታት ክንስዕብ ይግባእ። ፍቑራት ኣሕዋተየ ዋላዃ ንሕና ምእንቲ ስም ክርስቶስ መድሓኒና ኢልና እንቕበሎ መከራን ስደትን፣ እንእሰሮ ማእሰርቲን፣ ኣብ ኢድ ደቂ ሰባት ወዲቕና ኣንቕበሎ መግረፍቲን ሞትን እንተዘየለ፣ ሰማእትነት ግና በዚ ዝተሓጽረ ጥራይ ኣይኰነን። ስየ ሰማእትነት ኣንጾረሉን፣ ጽዋእ መድሓኒናን እንጥዕመሉ ብዙሕ ናይ ሰማዕትነት መንገዲታት ኣሎ። ገዛ ስጋና ብንጽህና እንድሕሪ ዓቂብናን፣ ስጋና ንነፍስና እንድህሪ ኣግዚእና፣ ብዂሉ ልማኖን ጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ቀሪብና ብትሕቱ መንፈስ ምስ ንልምኖን፣ ብዂሉ  ሰናይ ግብሪ እንድሕሪ ተጊህና፣ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘበለ ኲሉ ብትዕግስቲ ምስ ነጥሪ፣ ሰማእታት ኢና። ጸሎትን በረኸትን ቅድስት ኣዴና ባራባራ ምስ ዂልና ይኹን!ኣሜን።

2 Responses

  1. Anonymous says:

    Amen kale hiwet yesmealna.zemn agelgloteka yebarkelna.tebarek tebarke

  2. Anonymous says:

    amien Kale hiwet Yesmialana nay agelglot zemenka yenwuhalka