ዝሑል ክርስቲያን-ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ዝሑል ክርስቲያን-ብቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ብዛዕባ ድሕነት ካልኦት ዘይግደስ ሰብ፣ ዝሑል ክርስትያን ጥራይ እዩ!
ድኽነት ምክንያት ክኾነካ ኣይኽእልን፤ ንድኽነት ከም ምኽንያት እንድሕሪ ተጠቂምካሉ፣ እታ ክልተ ሳንቲም ኣብ ሳጹን ዘዉደቐት ሰበይቲ ከሳሲትኻ ከይትኸዉን (ሉቃ 21፥1)። ንጰጥሮስ ዉን ዘኽሮ “ወርቂ ኮነ ብሩር የብለይን” (ግብ 3፥6)። ጳዉሎስ ዉን እንተዀነ፣ ኣዝዩ ድኽነት ዝነበሮ፣ ናይ ዕለት መግቢ ዘይረኽብ፣ ዝበዝሐ ግዜ ብጥሙይ ከብዱ ዝዉዕል ኣገልጋሊ ነበረ።
ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ ክብረት ዘይወሃበኻ ንዑቕ ሰብ ምዃንካ ዉን ብርሃንካ ንኸይተርኢ ከም መዐንቀፊ ኣይትግበሮ። ንሳቶም ዉን ካብ ንዑቃት ስድራቤት ዝተወልዱ፣ ንዑቃት ሰባት`ዮም ኔሮም። ‘ትምህርቲ ዘይብለይዉን’ ኣይትበል፣ ንሳቶም ዉን “ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት” እዮም ኔሮም (ግብ 4፥13)። ምናልባት ዉን ኣብ ትሕቲ ባርነት ዘለኻ ወይ ዉን፣ ካብ ጐይታኻ ዝሃደምኻ ግዙእ ኹን፣ ግቡእኻ ካብ ምግባር ዝዕንቅጸካ ማንም የለን። ኦኔስሞስ ዉን ከምኡ እዩ ኔሩ፤ ቅዱስ ጳዉሎስ ግና ናብ ከመይ ዝበለ ክብሪ ከምዝሓረዮን፣ ባዕሉ ጳዉሎስ ዉን “ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ” (ፊሊሞ 1፥13) ብምባል ክሳዕ ዝምስክረሉ ኮነ።
ጥዕና ምስኣን ዉን ምኽንያት ኣይዀነን። ጢሞቴዎስ ሕማም ዝመላለሶ ብጥዕና ዝሽገር ኣገልጋሊ ነበረ ነዚ ዉን`ዩ፤ እቲ ሓዋርያ “ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ” ዝበሎ (1ይ ጢሞ 5፥23)።
ኲሉ ሰብ ዕጃሙ እንድሕሪ ፈጺሙ፣ ኲሉ ካብ ጎረቤቱን ብጻዩን ክረብሕ ይኽእል።
ነተን ፍረ ዘይብለን ኣእዋም እስከ ጥመቱ፣ ገዘፍቲ፣ ጽቡቓት፣ ነዋሕቲ፣ ልሙጻት እየን። ግን ሕርሻ እንተዝህልወና፣ ከምዚ ዓይነት ምሓዝና እንታይ ይጠቕመና? ንትርኢት ጥራይ እንተዘይኾይኑሲ፣ እንታይ ረብሓ ይህብ? ካብ ከምዚ ዓይነት ገዚፍ ኦም ግን ኸኣ ዋላ ሓንቲ ፍረ ዘይብሉ፣ ገረብ ዓዉሊዕን፣ ገረብ ሮማን ይበልጽ። እምበኣር ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝሓስቡ ሰባት፣ ልክዕ ከምቶም ፍረ ዘይብሎም ኣእዋም እዮም፣ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሎምን፣ ግዲኦም ዉን ኣብ ሓዊ ተደርብዮም ክቃጸሉ እዩ። ዎረ ካብ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት`ሲ እቶም ኣግራብ ይሕሹ፣ ገረብ`ሲ ብዉሕዱ ጻላል ይዀነካ፣ ገዛ ዉን ትሰርሓሉ።
እተን ደናግል ዉን ከምዚ ነበራ። ዋላዉን ንሳተን፡ ደናግል፡ ስነስርዓት ዘለወን፡ ምቕሉላትን ትሑታትን እንተነበራ፣ ንዋላ ሓደ ኣይጠቐማን፣ ስለዚ ዉን ኣብ ሓዊ ተደርበያ (ማቴ 25፥1)።
እቶም ንክርስቶስ ዘይመገቡ ዉን ከምኦም እዮም። ኣብዚ ሓደ ነገር ነስተዉዕል፣ ንሳተን ብዋላ ሓደ ሓጢኣት ኣይተፈርዳን፣ ብዝሙት ድዩ ዋላስ ብሓሶት ወይ ብካልእ ዉልቃዊ ሓጢኣት ኣይተከስሳን፣ ኮይኑ ግና ንካልኦት ረብሓ ዘይህባ ነበራ፣ ናታተን በደል ንካልኦት ዘይጠቕማ ምንባረን ጥራይ እዩ።
እቲ መኽሊቱ ዝሓብአ ዉን ከማታተን ተመሳሳሊ ዕጫ ረኺብዎ። ኩሉ ህይወቱ ዋላ ሓንቲ ኣበር ኣይነበሮን፣ ግና ንካልኦት ዝጠቅም ህይወት ኣይሓዘን (ማቴ 25፥25)።

It discount viagra navigate to this web-site is also common in young males in the absence of regular blood flow in penis.

ከመይ ኢሉ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክርስቲያን ክበሃል?
መባኲዕቲ ምስ ሕሩጭ ለዊስካ ምስ ሓወስካዮ፣ መሊሱ ነቲ ቢሑቚ ሓፍ እንድሕሪ ዘየብሊዎ፣ ነዚ ነገር መባኲዕቲ ክንብሎ ንኽእል`ዶ? ጨና`ኸ ኣብ ገዛ ጌርናዮ ነቲ ገዛ ብጥዑም ጨና እንድሕሪ ዘይመሊእዎ፣ ነዚ ነገር ጨና ክንብሎ ንኽእል`ዶ?
“ንካልኦት ናብ ክርስትና ክዕድም ፈጺሙ ከቢድ እዩ” ኣይትበል። ምክንያቱ ክርስቲያን እንድሕሪ ኮይንካ ንካልኦት ናብ ክርስትና ክትዕድም ባህሪያዊ እዩ። ከምቲ ሓደ ነገር ባህሪያዊ ጠባያቱ ከርኢ ልሙድ ዝዀነ፣ ንስኻ ዉን ክርስቲያን እንድሕሪ ኮይንኻ ባህሪያዊ ልማዳትኻ ከተንጸባርቕ ግድን እዩ።
ንእግዚአብሔር ኣይንጽረፎ!
ጸሓይ ብርሃን ክትህብ ኣይትኽእልንያ ምባል፣ ንኣምላኽ ምጽራፍ እዩ፤ ንክርስቲያን ዉን ሰናይ ነገር ክገብር ኣይኽእልን እዩ፣ ምባል ንዕዑ ነቲ ልዑል ሓሳዊ ምግባር እዩ። ካብ ሓደ ክርስቲያን ብርሃኑ ከብርህ ኣይኽእልን ምባል፣ ንጸሓይ ብርሃናን ሙቐትን ክትህብ ኣይትኽእልን`ያ ምባል ይቐልል። ካብ ከምዚ ምባል፣ ብርሓን ክጽልምት ይቐልል!
‘ፍጹም ክኸዉን ኣይኽእልን’ ኣይትበሉኒ፣ በንጻሩ ፍጹም ክኸዉን እዩ ደኣ በሉኒ። ንኣምላኽ ኣይነዋርዶ። ንሕና ነቲ ናትና ህይወት በቲ ቅኑዕ መንገዲ እንድሕሪ መሪሕናን፣ ህይወትና ኣብታ ቅንዕቲ መንገዲ ከም እትመላለስ እንድሕሪ ጌርና፣ ሽዑ ካልኦት ዉን ክስዕቡና እዮም፣ ምክንያቱ እዚ ባህሪያዊ ዉጽኢትን ኣድላይን እዩ።
ከምቲ ብርሃን ናይ ሓንቲ ሓንቲ ፋኑስ ክንክዉሎ ዘይከኣል፣ ብርሃን ናይ ሓደ ክርስቲያን ዉን ክትሓብኦ ፈጺሙ ኣይኸኣልን። ግዲ ኣልቦ ኣይንኹን!
ስነ ምግባር ዘለና ንጹሓት ክርስቲያናት እንድሕሪ ዀይንና፣ ንገዛእ ርእስናን ንካልኦትን ክንረብሕ ኢና። ብተመሳሳሊ ዉን፣ ምግባረ ክፋእ ዝመላእና እንድሕሪ ኰይንና፣ ዉጽኢቱ ድርብ እዩ፤ እቲ ሃስያ ቅድም ንገዛእ ርእስና፣ ቀጺሉ ዉን ነቲ ጉድኣት ዝወረዶም ሰባት።ካብ ካልእ ሰብ ብዙሕ ጉድኣትን መከራን ዝወረዶ ሰብ እንድሕሪሃልዩ፣ ንክፋእ ብክፋእ ዘይኰነሲ፣ ብሰናይ ይመልሶ። ምክንያቱ ልዕሊ`ዚ ዝዓቢ ትምርቲ የለን! ኣየናይ ቃላት ኣየናይ ስብከት`ዩ ነዚ ግብሪ ክመዓራረዮ ዝኽእል? ኣየናይ ብዝሒ መከራ እዩ፣ ነዚ ግብሪ ከጥፍኦ ዝኽእል? እምበኣር ንሕና ነዚ ነገር ነስተዉዕሎ`ሞ፣ ብስነ ምግባር ዝተሃነጽና ንኹን። ምክንያቱ ብዘይ ሰናይ ግብሪ ድሕነት የለን። ኣብዚ ህይወት`ዚ ብሰናይ ግብሪ ተመሪሕና ንነብር እንድሕሪ ኰይንና፣ ደሓር ኣብታ ትመጽእ ህይወት ድማ ሰናይ ዓስቢ ክንቅበል ኢና። ብጸጋን ምሕረትን ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ክብርን ምስጋናን ዉዳሴን ኣምልዀን ዂሉ ሳዕን ንዘለዓለም ንዓኻ ይኹን ኣሜን።

ምንጪ፣ ካብ ትሩጓሜ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ኣብ ግብረ ሃዋርያት ዝተወስደ።