ትርጉም ክርስትና-ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን

ትርጉም ክርስትና-ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኒሱን

ሓደ ግዜ ኣብ ከተማ እስክንድርያ ንሰባት ብምዝንጋዕ ዝፍለጥ ሓደ ሰብ ነበረ ይበሃል። እዚ ሰብ`ዚ ንሓንቲ ህበይ ከም ትስዕስዕ ጌሩ ኣሰልጠና፣ እታ ህበይ ዉን ከምቲ ዋንኣ ዘላመዳ ጌራ፣ ነቲ ዝድርፈላ ሙዚቃ ኣሰማሚዓ ትስዕስዕ ነበረት። ኣብ ቅድሚ ሰባት ቀሪባ ክትስዕስዕ እንኮላ ግና፣ ህበይ ዘይኮነስ ሰብ መሲላ ኔራ ትቐርብ። እቲ ሰብኣይ ነታ ህበይ ክዳን ደቂ ሰባት ከዲኑ፣ ማስኬራ ኣብ ገጻ ሸፊኑ የሳዕስዓ ነበረ። ኣብ ቅድሚ እኩብ ህዝቢ ኣቕሪቡ ናይ ምዝንጋዕ መደባት ክገብር እንከሎ ዉን፣ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጌሩ ሰብ ኣምሲሉ የቕርባ እሞ፣ ሙዚቀኛታት ሙዚቃን ደርፊን ክገብሩ ምስ ጀመሩ፣ እታ ሰብ ተመሲላ ዝቐረበት ህበይ ዉን ግሩም ዝዀነ ሳዕስዒት ተቕርብ ነበረት። ነበርቲ `ታ ከተማ ዉን በቲ ነገር ኣዝዮም ይድነቑን፣ ይዘናግዑን ነበሩ። ካብዞም እኩባት ሓደ ግና፣ ኣዝዩ በሊሕ ሰብ ነበረ፣ እታ ትስዕስዕ ዘላ ዉን፣ ህበይ ምዃና ከስተዉዕል ከኣለ። መንነት ናይታ ትስዕስዕ ዉን ኣብ ቅድሚ እኩባት ህዝቢ ክገልጾ ደለየ። ከምቲ ልሙድ ህዝቢ ተኣኪቦም፣ ሙዚቃ ምስ ጀመረ፣ ሰብ መሰል ህበይ ከምቲ ሙዚቃ ድምጺ ረምታ ከበሮን ኣሳንያ ክትስዕስዕ ጀመረት፣ ህዝቢ ዉን ከጣቁዑ፣ ክሽልሙን፣ ‘ወካዕካዕ’ ኢሎም ክስሕቁን ጀመሩ። ሽዑ እቲ በሊሕ ሰብ፣ ህበይ እቲፎትዎ ዓይነት ፍረ ሉዝ ሒዙ ብምምጻእ፣ ኣብ ባይታ `ቲ ትስዕስዓሉ ዝነበረት ቦታ ፋሕ ኣበሎ። ወዮ ትስዕስዕ ዝነበረት ህበይ፣ ሳዕሲዕታ ገዲፋ፣ ናብቲ ኣዝያ እትፎቶ ፍረ ሉዝ ኣብ ምእራይ ተጸምደት። እንዳነጠርት ብምእራይ ዉን ናብ ምብላዕ ተጓየት፣ `ቲ ገጻ ክሽፍን ተባሂሉ ዝተገብረላ ማስኬራ ኣፍ ስለዝኸልከላ ዉን፣ ከየተዶናገየት ብጽፍራ ጌራ ነቲ ማስኬራ ኣለየቶ። ብኡንብኡ ዉን መልክዓ ተፈልጠ። ብሳዕስዒታ ክድነቑን ክዘናግዑን ዝጸንሑ ህዝቢ፣ ሓቐኛ መልክዕ ህበይ ምስ ረኣዩ፣ ልዕሊ`ቲ ሳዕስዒታ፣ `ቲ ክፉእ መልክዓ ከምዘስሓቆም ይንገር።
ሰብ ባህሪኡ ዘይዀነ ምስሊ ሒዙ ኣብ ቅድሚ እኩባት ሰባት ስለዝተመላለሰ ጥራይ እኹል ኣይኰነን፣ ምክንያቱ ከምቲ ፍረ ሉዝ ሓቀኛ መንነት ናይታ ህበይ ዘጋለጸት፣ እቲ ሰብ ዉን ክጋለጽ እዩ። ሰብ ብግዳማዊ ትርኢቱ ጥራይ ንካልእ ነገር እንተመሰለ፣ ሓደጋ ኣለዎ። እቶም ብሓቀኛ እምነት ጌሮም ንገዛእ ርእሶም ዘይሃንጹ ሰባት ዉን፣ ብናይ ዲያብሎስ ግዳማዊ ሽፋን ተሸፊኖም፣ ዘይኮንዎ መሲሎም ይነብሩ። ከምቲ ህበይ ንሉዝ፣ በለስን ካልኦት ፍሩታታት እተፍቕር፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዉን፣ ከንቱ ዉዳሴ፣ ጽምኢ ስልጣን፣ ፍቕሪ ገንዘብ፣ ስጋዊ ፍትወትን፣ ሓጢኣትን የፍቅሩ። ከምቲ ናይታ ህበይ ሓቀኛ መንነት በቲ ንሳ እትፎትዎ ነገር ዝተጋህደ፣ ናይዞም ህበይ-መሰል-ነፍሲ (ape like souls) ዝሓዙ ሰባት በቲ ንሳቶም ዝፎትዎ ዲያብሎስ ዘላመዶም ሓጢኣት ኣቢሉ መንነቶም ክገሃድ እዩ። ከምዚኦም ዓይነት ብዙሓት ሰባት ክርስቲያናት ተመሲሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝመላለሱ ኣለዉ። ንክመሳሰሉ ጥራይ፣ ትሑታት፣ ህድእ ዝበሉ፣ ለዋሃት ይመስሉ፣ ኮይኑ ግና ስጋዊ ፈተና ከጋጥም እንከሎ፣ ሓቀኛ መንነቶም ይፍለጥ።
እምበኣር ክርስቲያን ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጦ። እምበር`ከ፣ ስሙ ዘይሕብሮ ካልእ ምስሊ ሒዝና እንተጸኒሕና እቲ ሓደጋ ንዓና እዩ። ትርጉም ፈልጥና እንድሕሪ ጸኒሕና፣ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ኮይንና ክንነብር ንኽእል። ብዙሓት ነቲ ስም ጥራይ ተቐቢልና እንነብር፣ ስማዊ ክርስቲያናት ኣለና።
ሓደ ንስም ክርስቶስ ዝሓዘ ሰብ ከምቲ `ቲ ስሙ ዝሕብሮ ኮይኑ  እንድሕሪ ዘይጸኒሑ፣ እዚ ሰብ`ዚ ንስም ክርስትና ዘነዓዕቅ፣ ህይወት ኣልቦ ማስክ ዝተኸድነ እዩ፤ ምክንያቱ ንሱ ክህልዎ ዝግባእ ህይወት ስለዘይሓዘ። ሕሰብዎ`ሞ፣ ክርስቶስ`ዶ ካብ ፍትሒን፣ ሓቂን ርሒቁ፣ ክፋእ ክገብር ይኽእል?! ፍጹም ኣይኽእልን! ነዘን ስነ ምግባራት ዘይሓዘ ሰብ ዉን ክርስቲያን ክበሃል ኣይከኣልን። ነዘን ሰናይ ነገራት ኣብ ህይወቱ ዘይሓዘ ሰብ፣ ክርስቲያን ኣይኰነን።

ሓደ ሰብ ‘ትርጉም ክርስትና’ እንታይ`ዩ ኢሉ እንድሕሪ ሓቲቱ፣ መልሰይ ዉን እዚ’ዩ፣ “ክርስትና ማለት መለኮታዊ ባህሪ ምምሳል እዩ”። 

A polluted, malnourished stomach and intestinal tract is the perfect environment for parasites and worms. viagra ordination daveywavey.tv

ሕጂ ጌሌኩም ከምዚ ብምባለይ ሕርኽርኽ ክብለኩም እዩ፣ ከምዚ ንገዛእ ርእስና ልዕሊ`ቲ ዝተነግረና ክብ ዘበልኩ ክመስለኩም እዩ። የግዳስ ሓንሳብ ህድእ ኢልና፣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ንመርምሮ እሞ፣ እዚ ዝበልክዎ ቅኑዕን ግቡእ ምዃኑ ክንርዳእ ኢና። እቲ ብመጀምርያ ዝተፈጥረ ሰብ፣ ብመልክዕን ምስሊን ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ። ሙሴ ዉን ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብ ክዛረብ እንከሎ፣ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ” በለ /ዘፍ 1፥27/። ብመሰረቱ ሰብ ክፍጠር እንከሎ፣ ንኣምላኽ ክመስል እዩ። ‘ክርስትና’ ድማ ናብዚ ናይ ቀደም ክብርና ምምላስ እዩ።
እምበኣር ሰብ ክፍጠር እንከሎ፣ ብመልክዕ ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ ካብ በልና፣ “ክርስትና ማለት ንመለኮታዊ ባህሪ ምምሳል እዩ” ምባልና ካብቲ ግቡእ ኣይወጻእናን። ናይዚ ስም ተስፋ ብሓቂ ዓቢ እዩ። ነዚ ክንጥቀመሉ እንኰለና ድማ፣ ሓደ ነገር ከነረጋግጽ ይግባእ፣ “ነቲ ስም ዝበቅዕ ህይወት ኣለና ድዩ?” ነዛ ነጥቢ ብኣብነት ጌረ ከብርሃ።

ንበል፣ ሓደ ንጉስ ምእንቲ እቶም ኣብ ርሑቕ ዓዲ ዘለዉ ገጹ ርእዮም ዘይፈልጡ ሰባት ምስሉ ክፈልጥዎ፣ ንሓደ ሰኣላይ ጸዊዑ ነቲ ናቱ መልክዕ ክስእል ይነግሮ። እቲ ሰኣላይ ዉን ንበል፣ ነቲ ናይ ንጉስ ምስሊ፣ ከም ሓደ ዓሻን ክፉእ ጌሩ ስኢሉ፣ ‘እዚ እቲ ንህዝብና ዝገዝእ ሞገስ ዘለዎ ንጉስና እዩ’ ኢሉ እንተዝእዉጅ፣ እንታይ መጋጠመ ትብሉ?! ርግጸኛ እየ፣ እዚ ምድራዊ ሓይሊ ዘለዎ ንጉስ፣ ኣዝዩ ምተቖጥዐ፤ ምኽንያቱ እቲ ግርማ ዘለዎ ጽባቐ መልክዑ ብካልእ ክፉእ ኣገባብ ተጌሩ ስለዝተሳእለ። እቶም ገጹ ርእዮም ዘይፈልጡ ህዝቡ ዉን፣ በቲ ህማቕ ስእሊ ኣዝዮም መላገጹ፤ ምክንያቱ ነቶም ህዝቢ፣ ናይቲ ንጉስ መልክዕ ዝዉኽል ስእሊ ንሱ (እቲ ብሕማቕ ዝተሳእለ) ምዃኑ ጌሮም እዮም ዝርድእዎ። ስለዚዉን ነቲ ንጉስ ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ስእሊ ዝርእይዎ፣ ዓሻን ክፉእ ጌሮም ይሓስብዎ።

እምበኣር ትርጉም ክርስትና፣ ንእግዚአብሔር ምምሳል እዩ ካብ በልና፣ ንሕና እቶም ክርስቲያናት ዝተባሃልና ንገብሮ ዘበለ ኲሉ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ብፍላይ እቶም ፍልጠት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት፣ ብዛዕባ መንነት እግዚአብሔር ዘይተማህሩ ሰባት፣ ኲሉ እቲ ንሕና ንገብሮ፣ ነቲ ንሕና እነምልኾ ኣምላኽ መረዳእታ ጌሮም እዮም ዝወስድዎ። እንድሕሪ እቶም ኣመንቲ ሰናይ ዝገብሩ እንድሕሪ ኮይኖም፣ እቶም ህዝቢ ኣምላኽና ሰናይ ምዃኑ ይርድኡ። በንጻሩ እንስሳዊ ጠባያት እነርኢ፣ ምስ ዂሉ ሰብ ንበኣስ፣ ስምዒታዉያን፣ ጨኻንን ብፍትወት ዝተገዛእናን እንድሕሪ ኮይንና፣ ንስምና ዝዉኽል ነገራት ንገብር የለናን ማለት እዩ።

ሓደ ሰብ ‘ኣነ ክርስቲያን እየ’ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ዝገልጻ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ናይ ስሙ ትርጉም፣ “ንእግዚአብሔር ክመስል ዝጽዕር ሰብ” ማለት እዩ። እዚ ማለት ዉን፣ ንመለኮታዊ ባህሪ ዘጥሪ ሰብ ማለት እዩ፣ ናይዚ ባህሪ ህላወ ዉን፣ ኣብ ዉልቃዊ ህይወትና እዩ ዝገሃድ። ሰናይ እንድሕሪ ኮይኑ ተካፈልቲ መለኮታዊ ባህሪ ንኸዉን /2ይ ጴጥ 1፥4/፣ ሓጢኣት እንገብር እንድሕሪ ኮይንና ግና ንዘይኣምነቲ፣ ምኽንያት ጸርፊን፣ ንክወቅሱና ድማ ዕድል ንኸፍት ኣለና ማለት እዩ።ንኸምዚ ዝገብር ሰብ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የጠንቅቐና፣ “እቲ ብሰሩ ስም ኣምላኽ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከምዝጽረፍ ዝገብር ወይልኡ” (ሮሜ 2፥24)።

ጐይታ “እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” ዝበለና ነዚ ከረድኣና እዩ። ንሱ ነዚ ስም ኣቡኡ ጸዊዑ፣ ብዛዕባ ፍጽምና ዝተዛረበና፣ ንሕና ነዚ እሙን ዝዀነ ስም ሰማያዊ ኣቦና ሒዝና፣ ብናቱ ልደት ተወሊድና፣ ብዛዕባ ኣቦ እንዳሓሰብና፣ ብፍጹም ሓድነት ምእንቲ ክንነብር እዩ።

ምስጋና ንኣቦን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን፣ ኣሜን!

ምንኣስ ሓዉ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ ዝነበረ፣ ኣብ ኮቦዶቅያ እትርከብ ኒሱን እትበሃል ንኢሽቶ ከተማ ጳጳስ ዝነበረ፣ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ ጽሑፍ። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን ሓደ ካብቶም ናይ ኮቦዶቅያ ኣቦታት ተባሂሎም ዝፍለጡ ሊቅ ናይ ቤተክርስቲያን እዩ። 
Reference: Fathers of the Church Series, Volume 58, Gregory of Nyssa, Ascetical works.

 

3 Responses

  1. Anonymous says:

    Amlak yebrehalka kubur haw. Eten megbi rekiben ziteangela nebsat kea abta zeythalf mengsti amlak meskiren neti bnexa zihabkayen whbet temegiben hatiren yerakbkum. Eti semay zusergha midri zebrehe medhane alem kirstos abzihu yebrehalka.

  2. Anonymous says:

    Tebarek tebarek:kebur hawey ajoka bertee tewahdo orthodox hakena mengedi.

  3. Anonymous says:

    Bihwet Nisha kinmalales Egziabiher yidegifena. Qale Hiwet yesmaalna.