ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ወንጌል

ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ወንጌል-ኒኮላይ ቨሊሚሮቪች

ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፣ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም። ዮሃ 2፥5

ንኹሎም ኣመንቲ ዝኸዉን ናይ ፍስሃ ቃል እምበኣር እዚ እዩ። ንሳ እዛ ኣብ ምድሪ ኣንከሎ ምስኡ ፍጹም ሓድነት ዝነበራ፣ ሕጂ ዉን ኣብ ሰማያት ምስ መድሓኒና ክርስቶስ ኣላ። ፍጹም ቀረባ ስለዝዀነት ዉን፣ ንኣመንቲ እንዳተገልጸት ተጸናንዖም፣ ትረድኦም፣ ትምዕዶም፣ “ንሱ እዚ ወደይ፣ ኣምላኸይ ዝዀነ፣ ዝብለኹም ዘበለ ዂሉ ግበሩ” ዉን ትብል።
ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ከምዚ ብምባል እያ መኺራቶም። እቶም ኣገልገልቲ ነቲ ናታ ምኽሪ ሰሚዖም ኣብ ግብሪ ኣዉዓሉ፣ ተኣምራት ድማ ተገብረ። ናይዛ መርዓት እግዚአብሔር ኣብ ዝዀነት ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ዉሑዳት ቃላት ኣብ ወንጌል ተጻሒፈን ንረኽበን፣ ዉሑዳት ይኹና እምበሪ፣ ኣዝየን ዝበለጻ ትእዛዛት እየን። ኣብ ምድራዊ ህይወታ ካብ ዝሃበቶ ትእዛዛት፣ እታ ዝበለጸትን፣ ኣገዳሲትን ትእዛዝ እዚኣ እያ። “ንሱ ዝብለኹም ኲሉ ግበሩ”።
“ንሱ ንዂሉ ይፈልጥ፣ ንሱ ንዂሉ ክገብር ይኽእል፣ ንሱ ንዂሉና የፍቅር፣ ስለዚ ናብ ካልእ ኣይትጠምቱ፣ ንዕዑ ጥራይ ስምዑ፣ ንዕዑ ጥራይ ተኣዘዙ።” ትብለና ኣላ ድንግል።
ኣብዚ ምድሪ እንኰላ ሓደ ዓቢ ሓላፊነት ተቐበለት፣ መላእ ህይወታ ንጐይታ ወፈየቶ፣ ምእንትኡ ክትብል ዉን ተነብር ነበረት፣ ንካልኦት ዉን ናብኡ ናብቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ጐይታ ትመርሕ ነበረት። ኣብ ሰማያት ኮይና ዉን ነዚ ሓላፊነት ትፍጽሞ ኣላ፣ ንዂሉ ኣማኒ ናብ ድሕነት ትመርሕ ኣላ።
ኣብ ሙሉእ ታሪኽ ቤተክርስቲያን፣ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ንምእመናን ንሱ `ቲ ኣምላኽ ዝብሎ ዘበለ ዂሉ ንኽንገብር ሚሂራትና። ሕጂ ዉን፣ ኣብቲ ሰማያዊ ክብሪ ኮይና፣ ኣብ ማእኸል ምእመናን እንዳተገልጸት፣ ንሱ ዝብሎ ንክፍጽሙ ትምዕድ ኣላ።
The leading company has come up with levitra 10 mg click that the details of latest hits that you can choose according to your requirement.

 እዚ`ዩ ናታ ወንጌል፣ ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ወንጌል። ኣርባዕተ ወንጌል ኣይጸሓፈትን፣ ግና ኣርባዕተ ቃላት ተዛሪባ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ”።
ኦ ኣሕዋተየ፣ ንሳ ትብሎ ንስማዕ፣ ንዕዓ ዉን ንተኣዘዛ። ልዕሊ ስጋዊ ኣዴና፣ ነዛ ሰማያዊት ኣደ ንተኣዘዛ፤ ምክንያቱ ንሳ ናትና ሰናይ ነገር እትደሊ ኣደ እያ። ንሳሲ ንሕና ኣብቲ ሰማያዊ ዘለኣለማዊ ንግስነት ወዳ ብሓባር ክንነብር ኣዩ ሓሳባ።
ኦ ንጽሕቲን ቅድስትን ድንግል፣ ነዚ ቃል ጐይታ ክንገብሮ ርድእና። ንዓክን ንወድኽን ክብሪን ምስጋና ይኹን፣ ንዘለኣለም ኣለም፣ ኣሜን!

ምንጪ: www.monachos.net