ምልክዕቲ ክትመስሊ`ዶ ትደልዪ፧?! ቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ

 ምልክዕቲ ክትመስሊ`ዶ ትደልዪ፧?! ብቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ቅ.ዮሃንስ ኣፈወርቅ ንእብራዉያን መልእክቲ ኣብ ዝቶርገመሉ ዓንቀጽ መበል 28 ክፋል ዝትወስደ ኮይኑ “ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።” ዕብ 11፥37-38 ንዝብል ቃል ኣምላኽ መበገሲ ጌሩ ካብ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዝተወስደ እዩ። እዚ መልእክቲ`ዚ በጸሓሕፉ ነዋልድ ጥራይ ዝምልክት  እዩ ዝመስል፣ ኮይኑ ግና ብዘይ ኣፈላልይ ጾታ እንኮላይ ነወዳት እዩ።

—————————————————————————————————————————

ግደ ሓቂ ኣነ ዉን ምልኩዕ ክኸዉን ይደሊ እየ፣ ግን እቲ ኣምላኽ ዝብህጎ መልክዕ ክዉንን እየ ዝደሊ፣ መዝ 45፥11 “ንጉስ ዝብህጎ” መልክዕ ክዉንን ይደሊ። ኣፍቃሪ (ፍቅረኛ) ምረጹ እንተትበሃሉ ንመን ምመረጽኩም? ንእግዚአብሔር`ዶ ዋላስ ንሰብ፣ ንመኖም ምሓረኹም? `ቲ ትመርጽዎ ኣካል ዝብህጎ መልክዕ ክትዉንኑ የድሊ፣ እግዚአብሔር “ንጽባቐኺ ይብህጎ” እዩ`ሞ ንሱ ዝብህጎ መልክዕ ክንዉንን ኣለና። ልዕሊ`ቲ ኣምላኽ ዝብህጎ መልክዕ ካልእ ትርጉም የብሉን፣ ብኣምላኽ ዉን ፍንፉን እዩ። ኣምላኽ ዘይብህጎ ጽባቐ ስለዝሓዝኪ ክብረት ዝረኸብኪ ይመስለኪ፣ ግን ንኸምዚ ነገር ዝፎቱ ኣካል፣ `ቲ ስነስርዓት ዘይብሉ ሰብ ጥራይ`ዩ፣ ንሱ እዩ ኣፍቃሪኺ ዝከዉን። እዚዉን ናይ ጥዕና ኣይኰነን። ምክንያቱ ማንም ጥዑይ ሰብ ናብ ምርዕዉቲ ጓል ኣይቀርብን፣ ናብ ምርዕዉቲ ጓል ዝቐርብ ዉን፣ ዘይጥዑይ ጥራይ እዩ።
ብልቢ ኣነ ንዓኹም ዘለኒ ትምኒት ኣዝዩ ቅዱስን ጽቡቕን ጥራይ እዩ። ብዛዕባኹም ዉን ኣዝየ ይግደስ እየ፣ ብሓቂ ዉን ጽቡቓት፣ ምልኩዓትን፣ ኣማናዊ ቁንጅና ክህልወክን ዉን ይደሊ። ብስነስርዓት ዘይብሎም ብዕሉጋት ሰባት ዘይኰነሲ፣ በቲ ጐይታ ዂሉ ዝዀነ እግዚአብሔር ክትፍቀራ እየ ዝደሊ፣ ኣፍቃሪኽን ዉን ንሱ ክኽዉን`ዩ፣ ዕላማይ። እስከ ንናይ ዉሽጣዊ (ናይ ነፍሲ) ጽባቐን ናይ ግዳማዊ (ናይ ስጋ) ጽባቐን ነዛምድ። እግዚአብሔር ዝመርጾ ጽባቐ፣ ናይ ነፍሲ ጽባቐ እዩ። እታ ንኣምላኽ ከም ኣፍቃሪ ዝሓዘት ነፍሲ ኣዝያ ሕጉስቲ እያ። ኣብ መንጎቶም ኣብ ምስጋና ዝጽመዱ ሰራዊተ ሰማያት ዉን ቦታ ኣለዋ። ሕሰብዎ`ሞ እቲ ብንጉስ ዝፍተው ሰብ ኣዝዩ ሕጉስ እዩ፣ ኣብ ቅድሚ ሰባትዉን ግርማ ኣለዎ፣ እምበኣር እታ ብምድራዊ ንጉስ ትፈተው ሰብ ክንድዚ ካብ ከበረ፣ እታ ብሰማያዊ ንጉስ እትፍቶ ነፍሲ ደኣ ከንደይ ኣብዚሓ ዘይትሕጎስ። ሰብ ኲሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተጥፍአ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?! ኲሉ ዓለም ብሓደ ወገን ናይ ሚዛን ኮፍ ነብሎ`ሞ፣ ልዕሊ`ዚ ነፍሲ ትኸብር፣ ናይ ነፍሲ ጽባቐ ይኸብር። ነዚ ጽባቐ ዝመዓራረይ ዋላ ሓደ ነገር የለን።
እምበኣር እዚ ጽባቐ ብሩኽ እዩ እሞ፣ ነዚ ዝመስል ጽባቐ ነናድይ። ናብ ሰማያት ዘብጽሕ፣ ናብቲ መንፈሳዊ ኣዳራሽ ዘሳትፍ፣ ናብቲ ፍጹም ርኽሰት ዘይብሉ ሰማያዊ መርዓ ዘእትዉ መመላኽዒ ጌርና ገዛእ ርእስና ነጸባብቕ። ስጋዊ ጽባቐ ንዕንወት ዝተቃልዐ እዩ፣ ዋላ ንንዉሕ ዝበለ ግዜ ንወንኖ፣ መሊሱ ብሕማምን ድኻምን ክበላሸዉ ዉን ይኽእል፣ ልዕሊ ዒስራ ዓመት ዉን ኣይጸንሕን። በንጻሩ ናይ ነፍሲ ጽባቐ ግና፣ መመሊሱ ዝደምቕ፣ ኣዝዩ ብሉጽን ብሩኽን እዩ። ብእርጋን ዘይጭምደድ ቁንጅና እዩ። ሕማም ከበላሽዎ ኣይኽእልን፣ ድኻምዉን ኣየሰንፎን፣ ብፍርሒዉን ዝሰናበድ ኣይኰነን። ልዕሊ ዂሉ ብሉጽን፣ ዘለኣለማዊን እዩ። ምድራዊ ጽባቐ ንክትረኽቦ ሽግር፣ ምስ ረኸብካዮ ዉን ብዙሕ ኣድነቕቲ ኣይትረኽብን፣ ማለት ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጽባቐ ኣይግደስን። ምናልባት እቶም ስነስርዓት ዘይብሎም ዓዋሉ ጥራይ እዮም ኣብ ከምዚ ዓይነት ጽባቐ ዝግደሱ፣ ከድንቑ እንከለዉ ዉን ንናይ ገዛእ ርእሶም ድሌታት ምእንቲ ከማልኡ እዩ።
ስለዚ ነዚ ስጋዊን ምድራዊን ጽባቐ ገዲፍና፣ ነቲ ሰማያዊ መልክዕ ከነጥሪ ንጋደል። ምእንቲ ናብቲ ሰማያዊ መርዓ ብዘይሕፍረት ክንኣቱ፣ መንፈሳዊ ጽባቐ ነጥሪ። ሰማያዊ መርዓ ንደናግል ጥራይ ኣይኰነን፣ ነቶም ናይ ነፍሲ ድንግልና ዘለዎም ዉን ተስፋ ኣለዎም። ነቶም ደናግል ጥራይ እንተዝኸዉን ኔሩሲ፣ ነተን ሓሙሽተ ደናግል ማዕጾ ኣይመተሾገረለን። እምበኣር እዚ ምስላ ንዂሉ ዓለም ዝምልከት እዩ፣ ነፍሱ ካብ ዓለማዊ ህርፋንን ፍትወትን ዘንጽህ ሰብ ኲሉ፣ ኣብዚ ተስፋ ግደ ኣለዎ፣ ንነፍሲ ዘርኽሶ ዓለማዊ ፍትወት ምዃኑ ኣይንረስዕ። ካብ ርኽሰት እንድሕሪ ነጺህና፣ ካብዛ ዓለም ሓሊፍና ምስ ኸድና፣ ንሱ ክቕበለና እዩ። “ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።” ከምዝበለ ቅዱስ ጳዉሎስ/2 ቆሮ 11፥2/። ጳዉሎስ ነዚ ቃል ክነግር እንከሎ፣ ምስ ደናግል ኣተሓሒዙ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ብዛዕባ ኣብ ዂሉ ዓለም ዘላ ሰብነት ቤተክርስቲያን (ኲሎም ኣመንቲ) ክገልጽ እንከሎ እዩ። ምኽንይቱ ካብ ርኽሰት ዝረሓቐት ነፍሲ ድንግል እያ። ዋላ ዉን ሰብኣይ ይሃልዋ፣ ግን ድንግል እያ። ድንግልናኣ ዉን ሓቀኛ እዩ፣ ክሙገስ ዝግብኦ ኣማናዊ ድንግልና እዩ። ስጋዊ ድንግልና ናይቲ ሓቐና መንፈሳዊ ድንግልና ጽላሎትን መሳንይቲን እዩ። ዘይትና መሊእና፣ ሽግና ዉሊዕና፣ ነቲ መርዓዊ ምእንቲ ብሓጎስን ዕልልታን ክንቅበል ነዚ ዓይነት ጽባቐ ንድለይ። ዘይትና ክዉድእ እንድሕሪ ደልዩ፣ ዋላ ነቲ ስልማት ወርቕና ኣምኪኽና ተጣቢብና ዘይቲ ብምድላይ፣ ሽግና ብሩህ ንግበሮ። እዚ ዘይቲ ዝተባህለ፣ ፍቕሪ ዝሰረቱ ለዋህነት እዩ።

Urinary infection is caused due to bacteria that can have an adverse effect when taken along (cialis on line) Continue Shopping with Suhagra.

ኻብቲ ዘለና እንድሕሪ መቒልና፣ ከምዚ ዓይነት ዘይቲ ዉን እንድሕሪ ሒዝና (ለጋስ ምዃን)፣ ሽዑ ኲሉ ግዜ ዉሑስነት ክህለወና እዩ። ግዜ ምስ ኣኸለ ዉን ከይድና “ቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡“/ማቴ 25፥8/ ኢልና ኣይክንልምንን፣ ንካልኦት ኣብ ምልማን ኣይንበጽሕን፣ እቶም ሸየጥቲ ዉን ዱካዉንቶም ኣይክዓጽዉልናን፣ ኣብ ኣፍደገ ደዉ ኢልና ክንኩሕኩሕ ከሎና ዉን፣ “ኣይፈልጠክንን እየ” /ማቴ 25፥12/ ዝብል ዘፍርሕን ዘሰንብድን ፍርዲ ዉን ኣይክንሰምዕን። እኳደኣ ንሱ ጐይታ ክፈልጠና እዩ፣ ምስኡ ምስቲ መርዓዊና ዉን ናብ ሰማያዊ መርዓ ክንኣቱ ኢና። ኣብቲ ሰማያዊ መርዓ ዉን ብዙሕ ሰናይ ንገር ክህልወና፣ ሓጎስ ዉን ክመልኣና እዩ።
ኣብ ምድሪ ዝህሉ መርዓ`ሞ ንዘክሮ፣ እቲ ዳስ ኣዝይ ብሩህ፣ ንክትጥምቶ ኣዝዩ ዘብህግ፣ ስሉምን ድሙቕን እዩ። ምድራዊ መርዓ ክንድዚ ካብ ጸበቐ፣ ሰማያዊ ዳስ ልዕሊ`ዚ ብሩህን ድሙቕን ክኸዉን እዩ። ሰማይ ባዕሉ ዳስ እዩ፣ ናይቲ መርዓዊ ክፋል ግና ካብ ሰማያት ዝጸበቐ እዩ። እምበኣር ኣብኡ ኢና ክንኣቱ፣ ኣብቲ ሰማያዊ መርዓ። እቲ ሰማያዊ መርዓ ክንድዚ ካብ ጸበቐ ግዳ፣ እቲ መርዓዊ ባዕሉ ደኣ ክንደየናይ ኣብሊጹ ዘይጽብቕ፧?!
ስለምንታይ እየ ‘ኲሉ ወርቃዊ ስልማትና ኣዉጺእና ንድኻታት ንሃቦም’ ዝበልኹ? ምእንቲ ምስቲ መርዓዊ ክትነብር እኳደኣ ክትቕበልዮ፣ ጽባቐኡ ከተስተማቕርዮ፣ ገዛ ርእስኺ ክትሸጢ ድሉው ካብ ኰንኪ፣ ኣብ ክንዲ ሓራ ዝዀነት ጓል ባርያ ንክትዀኒ ድሉው ካብ ዀንኪ፣ ሓንጎልኪ ንዂሉ ድሉው ኮይኑ ክጸንሕ ኣይግብኦን`ዶ?! 
ኣብ ምድሪ ዘለዉ መራሕቲን ንጉሳትን ርኢና ነድንቖም ኢና፣ ነቲ እንኮላይ መርዓዊን ንጉስን ዝዀነ ምስ ንርእዮ ግና ዝያዳ ኣብሊጽና ተዳሊና ክንቅበሎ ይግባእ። እዚ ኣብ  ምድሪ ዘሎ ጽላሎት እዩ፣ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣማናዊ እዩ፣ ሰማያዊ ንጉስን መርዓዊን። ብቑዓት ኮይንና ክንቑጸርን፣ ኣብ ጥቕኡ ክንቀርብን፣ መብራህቲና ወሊዕና ብሓጎስን ክንቅበሎን፣ ምስኡ ንዘለዓለም ክንነብርን፣ እንታይ`ከ ክንገብር ዘይግባኣና፧? እንታይ`ከ ክተርፈና ይግባኦ? እንታይ`ከ ክንጻወር ዘይግባኣና? 
እምሕጸነኩም ኣለኹ፣ ነዚ በረኸት ክንቅበል ባህጊታት ይሃልወና። ነቲ መርዓዊ ሃረር ንበሎ፣ ብኣማናዊ ድንግልና ደናግል ንኹን። ጐይታ ብነፍሲ ደናግል ዝዀኑ ይደሊ። “ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዘይብሉ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን” /ኤፈ 5፥27/ ነፍሲ ሒዝና ናብ ሰማያት ንእቶ። እብኡ እቲ ተነቢሩልና ዘሎ ተስፋ ክንወርስ ኢና፣ ብምሕረትን ጸጋን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን፣ ክብሪን ሓይሊን፣ ዉዳሴን ኣምልኮን፣ ሕጂን ንዘለዓለምን። ኣሜን።

 

Reference: NPNF, Homilies on Hebrew, John Chrysostom.

1 Response

  1. life changing tmhrti, God Bless you and keep posting