መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 6

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 6ይ ክፋል . . .መቀጸልታ

ሜላ .4 ታርካዊ ትንታነ[1]

ምስ ምብዓለ ዘመንና፣ ስነፍልጠታዊ ሜላታት ዝይዳ በዚሖም። ምስዚ ተታሓሒዙ ዉን፣ ንመጽናዕቲን ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስን በዚ ኣካይዳ ከም ዝጽለው ኮይኑ። ፕሮቴስታንት ምስ ግዜ ክጥቀሙሉ ዝጀምሩ ሜላ ኣብ ስነፍልጠታዊ ትንታነ ዝተሞርከሰ ኮይኑ፣ ታርካዊ ትንታነ መጽሓፍ ቅዱስ ይበሃል። ንክፋል መጽሓፍ ቅዱስ መዓስን ንከመይ ዝበሉ ሰባት ተጻሒፉ፣ ብምባል ታሪካዊ ትንታነ ተጠቒምካ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓም ኮይኑ፣ ዝያዳ ስነፍልጠታዊ ኣካይዳን ስነመጎተን ይጥቀም። ኣብ ከባቢ 17ን 18ን ክፍለ ዘመን ዝጀመረ ዘመን ምንቅቃሕ (Age of enlightenment) ንህይወት ኣዉሮፓን ኣሜሪካን ጸልይዎ። እዚ ኣካይዳ ዝያዳ ንስነፍልጠታዊ (scientific approach) ርድኢትን ሓይሊን ቦታን ዝህብ ብምዃኑ፣ ኣብ ናይ ምዕራብ ቤተክርስቲያን (ካቶሊክን ፕሮቴስታንት) ጽልዋታት የሕዲሩ እዩ። ናይ ፕሮቴስታንት መማህራን፤ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ጥንታዊ ቅርሲ ጌሮም ብምዉሳድ፤ ንታሪክ፣ ጥንታዊ ጽሑፋትን፣ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቋንቋን ተንቲኖሞ ኣለዉ። ንነፍሲ ወከፍ ጭራም ጥንታዊ ጽሑፋት፣ ቅርሲ፣ ዓጽሚ. . . ኰታስ፣ ዂሉ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተተሓሓዘ ነገራት፣ ብፍሉይ መሳርሒታት መርሚሮሞ እዮም። ብርግጽ በዞም ተመራመርቲ ብዙሕ ጠቓሚ ነገራት ተረኺቡ እዩ፣ እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪዉን ኣዝዩ ዝነኣድን ዝምስገንን እዩ። ኮይኑ ግና፣ እዚ ሜላዉን ናይ ባዕሉ ድኸመታትን ሕጽረታትን ኣለዎ።   
ከምቲ ካልኦት ሜላታት፣ እዚ ዉን ንትዉፊት ቤተክርስቲያን ብምንጻግ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ይትርጉም። “ባዕሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይዛረብ” እዚኣ ጥቅሲ ኲሎም ዝደግምዋ መግለጺ እያ። ብርግጽ ነዚ መግለጺ ዝቃወም ማንም ክርስቲያን ኣይክህልዉን። ይኹን እምበር፣ እቶም ንገዛእ ርእሶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ልሳን ጌሮም ዝሓስቡ ሰባት፣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ትንታነ ክገብሩ እንከለዉ፣ ብፕሮቴስታንታዊ ርድኢት (ብናይ እምነቶም መረዳእታ) ጥራይ እዮም ዝገልጽዎ። ዕላምኦም ካልእ ምዃኑ እዃ እንተ ገለጹ፣ ግን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብናታቶም ዶግማን ትዉፊት ይትርጉምዎ ኣለዉ። ማእለያ ዘይብሉ መጽሓፍቲ ተዳልዩ ኣሎ፣ ይኹን እምበር ነቲ ናቶም ርድኢት ጥራይ እዮም ኣስፊሮም። 
ኲሎም ናይ ፕሮቴስታንት መማህራን (liberals and conservatives) ንቴኦሎጂን፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክርድኡ፣ ስነፍልጠታዊ ሜላ ይጥቀሙ፣ እዚ ዉን ጌጋ እዩ። ኣብ ምዕራብ ዓለም፣ ስጋዊን ነገራዊን ኣተሓሳስባ ዝዓብለሎ ህይወት ኣሎ፣ እዚ ህይወት ዉን ኣብ ኲሉ ተላቢዑ ንረኽቦ። ቀንዲ ዉጽኢት ናይዚ ስጋዊ ኣካይዳ ዉን፣ ንኩሉ ብጥርጥር ምምርማር ዝብል እዩ። እቲ መሰረታዊ ኣገላልጻ ከምዚ ይብል፣ ‘ኩሉ ፍልጠት ኣብ ተሞክሮ ዝተመስረት ስለዝዀነ፣ ብስነፍልጠታዊ ትዕዝብቲ ክረጋገጽ ዝኽእል ነገር ጥራይ’ዩ፣ ከም ርጉጽ ክዉሰድ ዝኸኣል፣ እንተዘየሎ ንኩሉ ብጥርጥር ምርኣይ’[2]። ናይ ሬነ ደስካርተስ (Rene Descartes) “እንትርፎ ህላወ ገዛእ ርእስኻ፣ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ነገራት ኹሉ ክትጠራጠሮ ይኸኣል” ዝብል ፍልስፍናዊ ኣገላልጻ ሓደ ኣብነት ናይዚ ስነ ሓሳብ እዩ። ኣበገስቲ ፕሮቴስታንት (ሓዳስያን reformers) ኣብቲ መጀመርታ ኣካይድኦም፣ ንኲሉ ሃይማኖታዊን ፍልስፍናዊን ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ ጌሮሞ ኔሮም። ምስ ምዕባለ ስነፍልጠታዊ ሓሳባትን ምርምርን ግና፣ ፕሮቴስታንት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከይተረፈ ምጥርጣር ከበገሱ ተራእዩ። ምክንያቱ ሰብ ዝያዳ ብፍልጠት እንዳምዕበለን፣ ስነፍልጠታዊ ርኽበታት ዉን ሓይሊ እንዳረኸቡ ስለዝመጽኡ፣ ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝያዳ እምነት ከንብሩ ጀመሩ። ከም ዉጽኢቱ፣ እቶም ሓርነታዉያን ፕሮቴስታንት (Liberal Protestant) ዝበሃሉ፣ ንእምነት ክርስትና ኣብ ክንዲ ብመጽሓፍ ቅዱስን፣ ሓዋርያዊ ትዉፊት ዝስርትዎ፣ ኣብቲ ናታቶም ፍልጠት ጥራይ ይሓጽርዎ ኣለዉ።
ዋላ እቶም ዓቃባዉያን (Conservative Protestants) ዝበሃሉ ጉጅለታት፣ ኣካይድኦም ንጹር ኣይኮነን። ንመጽሓፍ ቅዱስ እኳ ዓቢ ክብሪ እንተሃብዎ፣ ኮይኑ ግና በዚ ስነፍልጠታዊ ኣትሓሳስባ ከይተጸልዉ ኣይተረፉን። ኣበጋግስኡ ምስ ናይ ኣካዳሚካዊ ምዕባለ ተታሓሒዙ ዝመጽአ ሓደ ናይዚ ኣብነት ዝዀነና፣ ‘ክፍልፋላዊ መምርሒ’ (Dispensational Fundamentalists) እዩ። እዚ ስነሓሳብ፣ እግዚአብሔር በብዘመኑ ዝተፈላለየ ኣካይዳ ከምዘርኣየ ዘረድእ እዩ። ማለት ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዝተፈላለየ ኣካይዳ ከምዝተጠቐመን ይእምም። ነቲ ታሪክ ‘ኣዳማዊ መምርሒ’፣ ‘ሕጋዊ ወይ ሌዋዊ መምርሒ’፣ ‘ዳዊታዊ መምርሒ’፣ ወዘተ እንዳበሉ ይመቕልዎ። መቸም ኣብዚ ነገር ገለ ሓቂ ከም ዘሎ ዘይከሓድ እዩ። ኮይኑ ግና ነዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተጠቀሙሉ ‘ክፍልፋላዊ መምርሒ’ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዉን ይጥቀሙሉ። ካብዚ ዉን ተበጊሶም፣ እዞም ሕጂ ዘለና (ናይ 20 ክ/ዘ) ክርስቲያናት ኣብ ካልእ ፍሉይ መምርሒ ኢና ዘለና ይብሉ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ክርስቲያናዊ መምርሒ ነዞም ሕጂ ዘለና ኣይምልከትን ዉን ይብሉ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ፣ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ዘይብሉ ሃተውተው ጥራይ እዩ።
እቲ ስነ-ፍልጠታዊተባሂሉ ዝተሰምየ ኣቀራርባ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣብ ጥርጥር ተሰሪቱ ንረኽቦ። ንታሪክ፡ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ቴኦሎጂን ብጥርጣራዊ (ርጉጽ ብዝዀነ ርድኢት ዘይኰነስ ‘ይኸዉን’ ብዝብል ዝተመስረተ) መልክዕ ምስ መርመርዎ፣ መሊሶም ነቲ ዉጽኢት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀሙሉ። ስነፍልጠታዊ ትዕዝብቲ፣ ኣብ ግቡእ መዳይ ከተዉዕሎ እንኰለኻ፣ ረብሓ ዘለዎ ዉጽኢት ይርኸቦ እዩ። ኣብ ዘይኸዉን መዳይ ምዉዓል፣ ንኣብነት ኣብ ታሪክ ሓንሳብ ዝተፈጸመ ነገር፣ ደጊምካ ብስነፍልጠታዊ ፈተነን ምርምርን ክትዕዘቦ ስለዘይከኣል፣ መሊስካ ከተረጋግጾ ኣይከኣልን። ገለ መማህራን ፕሮቴስታንት ንህላወ ኣጋንንቲን ርኹስ መንፈስን ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዉዎ ጀሚሮም ዘለዉ፣ ስነፍልጠታዊ መረጋገጺ ስለዘይረኸቡ እዩ። እምበኣር እዚ ሜላ ምናልባት ኣብ ስጋዊ ወይ ነገራዊ መዳይ ጥራይ ክንጠቀመሉ ይኽኣል፣ ኣብ መንፈሳዊ ግን ኣይክሰርሕን። ዝሰርሕ እንተዝኸዉን፣ ከምቲ ቅድም ዝበልናዮ፣ ሓደ ዓይነት ዉጽኢት ምሃበ!
ብሓቂ ናይ ፕሮቴስታንት ትሩጓሜ መጽሓፍ ቅዱስ “ስነፍልጠታዊ” እንተዝከዉን፣ ግድን ሓደ ዓይነት ተመሳሳሊ ዉጽኢት (ርድኢት) ምፈጠረ። እቲ ዝጥቀሙሉ ሜላ፣ ኣድልዎ ዘይብሉ፣ ቅኑዕ ስነፍልጠታዊ መስርሕ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ማንም ሰብ ይጠቀምሉ፣ ሓደ ርድኢት ምሃበ። ኣብ ናይ ፕሮቴስታንት መማህራን መጽሓፍ ቅዱስ ፣ ብዙሕ ጸጋምት ተፈጢሩ ኣሎ[3]። ነዚ ኣብነት ዝዀነና መግለጺ ናይቲ ፍሉጥ ናይ ብሉይ ኪዳን ምሁር ገራድ ሃሰል (Gerhad Hasel) እዩ። ከመቲ ንሱ ዝገለጾ፣ ካብ 1970 (ፈረንጂ) ጀሚሩ 5 ፕሮቴስታንት ናይ ብሉይ ኪዳን ምሁራት ከም ዝነበሩን፣ “ግን ኣብ ሜላን ምርምርን መጽሓፍ፣ ሓደ ምስቲ ሓደ ፈጺሙ ከምዘይሰማምዑ”[4]እዩ [ Old Testament Theology: Issues in the Current Debate]። እቲ ኣዝዩ ዘገርም፣ ኣብ ናይ ፕሮቴስታንት ዓለም፣ ዝዀነ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዑ ኣብ ዝደለዮ  መደምደምታ ክበጽሕ ይኽእልን፣ ነዚዉን ዝድግፍ መምህር (good scholarship) ክረኽብ ይኽእል። ማለት ሓደ ሰብ ዝደለዮ ሓሳብ ኣበጊሱ ይምህር እሞ፣ ነዚ ዝድግፍ ወይ ዝጣበቅ፣ ሊቅ (a Ph.D.) ይረኽብ። እዚ ኣካይዳ ስነፍልጠታዊ ኣይኮነን። ኣብ ቁጽሪ ወይ ኬሚስትሪ፣ ሓደ ዓይነት ሓቂ ጥራይ ክርኸብ ይኸኣል። ኣብ መንፈሳዊ ነገር ግና ኣይከኣልን። ስለዚ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ሜላ፣ ኣማናዊ ፍልጠት ዘይኮነስ፣ ፍልስፍናን ባዕላዊ ቴኦሎጂካዊ ርድኢትን ሓዋዊስካ ዝተበጽሐ ግጉይ ኣካይዳ እዩ። ሳይንስ ንኣምላኽ እንምርምረሉ ሜላን መሳርሒን ክፈጥር ስለዘይክእል፣ ኣብ ሳይንስ (ስነፍልጠት) ምምርዃዝ ሓደገኛ እዩ። ስነፍልጠታዊ ሜላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትሩጓሜ ክትጥቀመሉ ኣይከኣልን፣ መንፈስ ምስ ስጋ እንታይ ኣራኺብዎ! ፕሮቴስታንታዊ ትርጓሜ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣብ ዉጽኢት ዉልቃዊ ርድኢትን ፍልስፍናዊ ኣቅዋምን’ዩ ተመስሪቱ።
ብሓጺሩ መማህራን ፕሮቴስታንት፣ ብዕላማ ነቲ ናቶም ትምህርቲ ዝሕግዝ ‘መርትዖን’ ‘ሓበሬታን’ ጥራይ መምዮም ይሕዝዎ’ሞ፣ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጓሜ ይጥቀሙሉ። ኲሎም ‘ሓርነታዉያንን’፡ ‘ዓቃባዉያንን’ ዕሉላት ሳይንቲስት (ተመራመርቲ) እዮም[5]፣ ከም ንርእዮ ዘለና ዉን፣ ዳርጋ ዝበዝሓ ዩኒቨርሲታት Ph.D. ክህባካ እንተኰይነን፣ ነቲ ሓቂ ቅሩብ ክትጽይቆ ይደልዩ፤ ምክንያቱ ዓለም ከምኡ እያ ትሰርሕ ዘላ። ስለዚዉን’ዩ መዓልቲ መዓልቲ ሓድሽ ሜላ ዘናድዩ ዘለዉ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ፣ ዓብ ጌጋ፣ ምንፍቅና፣ ገዛእ ርእስኻ ምትላል፣ ባዕላዊ ድርቕና ዘንቀጾ ትዕቢት እዩ።
. . . . .ይቅጽል።


[1]Historical-Critical Exegesis

Penis care essentials Good nutrition is as important for the penis to grow gradually, new and healthy cells must be created in the penile chambers. click my site now levitra generika

[2]Empiricism, strictly speaking, is the belief that all knowledge is based on experience, and that only things which can be established by means of scientific observation can be known with certainty.
[3]Gerhard Hasel, Old Testament Theology: Basic Issues in the Current Debate (Grand Rapids: Eerdmans Publishing Company, 1982), p. 9.
[4]Ibid., p. 7.
[5]For a more in-depth critique of the excesses of the Historical-Critical Method, see Thomas Oden, Agenda for Theology: After Modernity What? (Grand Rapids: Zondervan, 1990) pp 103-147.