መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 7

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 7ይ ክፋል. . .መወዳእታ ክፋል

ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ትሩጓሜ

ንእምነትን መንገዲ ኦርቶዶክስን ዝፈለጠ ሰብ፣ ንናይ ፕሮቴስታንት ግጉይ ኣካይዳ ፈጺሙ ክስዕብ ኣይደልይን። ኣነ ዉን ከምኦም፣ ብምሕረት ኣምላኽ ናብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ምስ ተመልስኩ፣ ዘለኒ መርገጺ እሱ`ዩ። ኮይኑ ግና እዚ ናይ ፕሮቴስታንት ሜላ፣ ንገለ ኦርቶዶክሳዉያን ከይጸለወ ኣይተረፈን። ነዚ ሜላ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣስሊኰም ከእትዉዎ ይጽዕሩ፣ ምክንያቱ ገለ ገለ መማህራን ቤተክርስቲያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ትሩጓሜ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ክገልጽዎ ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብ ቤተክርስቲያንና ግና፣ እዚ ሓድሽ ኣይኮነን፣ ምንፍቅና ኲሉ ግዜ ከምዚ`ዩ ዝገብር። ነቲ ሓቂ ብዘይንሓስቦ መንገዲ ጌሩ ክሽፍኖ ይፍትን። ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ቅዱስ ኢራኔዎስ፣ ኣብ ግዜኡ ምስ ዝነበሩ መናፍቃን ክምልሰሎም እንከሎ፣ ከምዚ በለ፡ 
“ሓቂ ብዝመሰልን፡ ከእምን ብዝኽእል ቃላት ጌሮም ነቶም ገርሂታት ኣታሊሎም ይስሕብዎም`ሞ ናብቲ ናቶም ኣካይዳ የእትዉዎም። ከምዚ ብምግባሮም ዉን ናብ ፍጹም ጌጋ የዉድቕዎም፣ ናብቲ ናታቶም ናይ ጸርፊ መንገዲ ዉን ይመርሕዎም. . . . ጌጋ ቀላዕ ኮይና ጥራያ ደው ኣይትብልን። ምክንያቱ ጌጋ ምኳና ብቀሊል ክትፍለጥ ስለዀነት። እንድሕሪ ጌጋ ተፈሊጣ ውን ትቃላዕ። ኮይኑ ግና በዝስሕብ ክዳን ተሸፊና፣ ብግዳማዊ ትርኢታ፣ ልዕሊ ሓቂ ጸብለል ኢላ ትቀዉም። ነቶም ተሞክሮ ዘይብሎም ገርህታት ዉን ኣማናዊ ሓቂ ኮይና ትረኣዮም።” [1]
ማንም ከይጋገ፣ ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ትርጓሜ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣብ ስነፍልጠታዊ መንገዲ ዝተሰረተን፤ ኣብ ኣርኬሎጂካዊ ርኽበታት ዝዉከልን ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርድኢትና፣ ኣብቲ ንመጽሓፍቲ ዝደረሰ ዋና ኣካል (እግዚአብሔር) ምፍላጥን፣ ምስዑ ዓሙቚ ዝምድና ኣብ ምፍጣርን ዝተስረተ እዩ። ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ስብነት (ኣካላት) ክርስቶስ እያ። ናይ ሓቂ ዓንዲን መሰረትን ንሳ እያ። እግዚአብሔር ንመጽሓፍ ቅዱስ ብእኣ ኣቢሉ (ብኣባላት ቤተክርስቲያን-ብሓዋርያት) ጸሓፎ፣ መሊሱ ዉን ብእኣ ኣቢሉ ከም ዝዕቀብ ገበሮ። ጸሓፊት መጽሓፍ ቅዱስን፣ ዓቃቢትን ንሳ (ቤተክርስቲያን) እያ። ቤተክርስቲያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኣት ክትርድኦ ዝበቅዐት፣ ወራሲ ናይቲ ካብ ቀዳማይ ኣዳም ጀሚሩ ዝተበገሰ ሓደ ህያዉ ትዉፊት ስለዝዀነት እዩ። እዚ ሓቂ ኣብ ቤት ፈተነ (ላብራቶሪ) ክረጋገጽ ኣይከኣልን። ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኽካን፣ ኣብ ቤተርክርስቲያን ኮይንካ ምስ ኣምላኽ ክትነብር ምስ ጀመርካ፣ እዚ ነገር ክርደኣና ይጅምር።
ፕሮቴስታንት ዝሓትዎ ሕቶ፣ ‘ትዉፊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ሓቀኛ ምዃኑ ብምንታይ ነረጋግጽ፧?’ ወይ ዉን ‘ኣማናዊ ትዉፊት ዝበሃል ኣሎ ድዩ፧?’ ዝብል`ዩ። 
እዚ ሕቶ ግና ኣዝዩ ቀሊል እዩ። ታሪክ ቤተክርስቲያን ብምፍታሽ መልሲ ይርኸብ። ፕሮቴስታንት ነቲ ኣብ 16 ክ/ዘ ዝጀመረ ታሪክ ዘይኰነስ፤ ነቲ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ኣብ 1ክ/ዘ ዝነበረ ታሪክ ክርስትና ከጽንዑ ይግባእ። ካብ 1ክ/ዘ ጀሚሩ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ጥራይ ነበረት። ካብ መጀመርያ ከምዚ ነበረ፣ ሓንቲ ቤተክርስቲያን። ብ318 ሊቃዉንት ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝተዳለወ ናይ ኃይማኖት ጸሎት ዉን ነዚ የነጽረልና “ወነአምን ብአሓቲ ቅድስት ቤተክስቲያን እንተ ላዕለ ጉባኤ ሓዋርያት/ ልዕሊ ኵሉ ብዝኾነት ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስትያን ነአምን ። ነዚ ጸሎት ዝበዝሑ ጨናፍር ፕሮቴስታንት ይቕበልዎ። ግን እዛ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ኣየነይቲ እያ፧? ሓደ ርጉጽ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ዉን፣ እዛ “ሓንቲ ቤተክርስቲያን” ዝተባህለት ነቶም በብዝደለይዎ ጫዴላ እንዳፈጠሩ፣ ኣብ ንጹር ትምህርተ ኃይማኖት ዘይሰማምዑ፣ ጉጅለታት ከምዘይተመልከት። እቲ ነዚ ጸሎት ( እንኮላይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥርነፋ ዝግብአን ጽሑፋት) ዘጽደቐ ጉባኤ፣ ነቶም ካብ ቤተክርስቲያን እምነት ዝወጽኡ ሰባት፣ ንኣርዮስ፣ ንሞናቲስት፣ ዶናቲስት ኣወጊዛ እያ። እቶም ናብ እምነት ዝተመልሱ ዉን፣ ንገሊኦም ኣጥሚቓን ቀቢኣን (ቅብኣ ሜሮን መንፈስ ቅዱስ)፣ ንገሊኦም ዉን ቀቢኣ ተቐቢላቶም። ነቶም ብእምነት ዝተፈልዩ፣ ኣጥሚቃን ቀቢኣን፣ ነቶም ናይ ስርዓታዊ ፍልልይ ክገብሩ ዝፈተኑ ኸኣ ቀቢኣ፣ መሊሳቶም (ክምለሱ ምስ ወሰኑ)። “ደሓን ኣብ ኩሉ ትምህርተ ኃይማኖት እንተዘይተሰማማዕና ጸገም የብሉን፣ ጥራይ ኣባል ናይ ቤተክርስቲያን ይኹኑ” ኣይበሉን። ኣባልነት ቤተክርስቲያን፣ ምስ ንጹር ሓድነት ትምህርተ ኃይማኖት። ኩሎም ኣብ ግጉይ እምነት ዝነበሩ፣ ክሳብ `ቲ ንጹር እምነት ዝቕበልዎ፣ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ተወጊዞም (ተኣልዮም)። ከም ትእዛዝ ሓዋርያት ምስቶም ብትምህርተ ሃይማኖት (doctrine) ዘይሰማምዑኻ፣ ሓቢርኻ ምጽላይ ክልኩል እዩ። ኣብ ቀዳሞት ክርስቲያናት፣ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ምፍላይ (ብምክንያት እምነት) ከም ዓቢ ሓጢኣት ይቁጸር ነበረ። ምናልባት ኣብ ፕሮቴስታንት፣ ካብቲ ሕብረት እምነት ዝፍለ ሰብ ከም ጅግና ይቑጸር`ዩ፣ ኣብ ዘመን ቀዳሞት ክርስቲያናት ግና ሓጢኣት እዩ። እቲ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ወደ መዝሙር ዝነበረ ናይ ኣንጾክያ ሊቃ ጳጳስ ቅ. ኣግናጥዮስ ምጥው ለኣንበሳ፣ ከምዚ ብምባል የጠንቅቐና “የሕዋተየ ኣይትጋገዩ፣ ነቶም ካብ ቤተክርስቲያን ዝተፈልዩ ዝስዕብ ዘበለ ዂሉ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስን፣ መንፍቅናዊ ትምህርቲ ዝቕበል ዘበለ፣ መከራ ክርስቶስ ዘይፈልጥ እዩ።” [2]
ፕሮቴስታንት ኣብ 16 ክ/ዘ ክፍንጨሉ ዝመረጽሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ነቲ ብናይ ሮም ፖፕ ዝግበር ዝነበረ ጌጋ ኣካይዳ ንምቅዋም እዩ። ኮይኑ ግና ቅድሚ ሮም ካብ ኦርቶዶክስ ምፍንጫላ፣ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ኣይነበረን። ነዚ ዉን`ዩ ኣብ ዘመንና፣ ብዙሓት ፕሮቴስታንት ነቲ ቅድም ዝነበረ ታሪክ ቤተክርስቲያን ዝምርምሩ ዘለዉ። “ናይ ምዕራብ ቤተክርስቲያን (ሮም ካቶሊክ፣ ፕሮቴስታንትን ዝመስልዎምን) ካብ ኦርቶዶክስ ምፍንጫላ እንታይ ከሲራ፧” ኢሎም መርሚሮም፣ ናብ ኦርቶዶክስ ዝተመልሱ ዉሑዳት ኣይኮኑን።[3]
ነቲ ቅድም ዝተላዕለ ሕቶ ክንምለሶ። እታ ሓዋርያት ዝመስረትዋ ቤተክርስቲያን ኣበይ ኣላ? ሓቀኛ ትዉፊት`ከ ኣበይ ንረኽቦ? ሓቀኛ ትዉፊት`ከ ኣሎ ድዩ? ነዚ ሕቶ ንምምላስ ሰለስተ ኣማራጺ ኣለና። ሓደ ካብዘን ምርጫታት ኸኣ ሓቂ እዩ።
1)ሓቀኛ ትዉፊት የለን፣ ነታ ጐይታ ብደም ዝመስረታ ቤተክርስቲያን ዉን ደጌታት ሲኦል ሓዪሎማ ኣለው፣ ኲሉ ኣብ ወንጌል ዘሎን፡ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝጸደቐን ጌጋ እዩ። 2)ሓቀኛ እምነት ኣብታ፣ ብፍጹም (infalible) ፖፕ እትምራሕን፣ በብግዚኡ ዝምዕብልን ዝቅየርን ዶግማ  ዘለዋ፣ ናይ ሮም ካቶሊክ ቤተክርስቲያን`ዩ ዝርኸብ። 3)ክርስቶስ ዝመስረታን፣ ሓዋርያት ዝዓቀብዋን፣ ሓንቲ ቤተክርስቲያን፣ ኦርቶዶክስ እያ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ፕሮቴስታንት ዘሎ ምርጫ፣ ተዛማዲ ትምህርቲ ሒዝካ ሰብ ዝደለዮ ክመርጽ፡ ወይ ካቶሊካዊነት፣ ወይ ዉን ኦርቶዶክሳዊነት። 
ናይ ፕሮቴስታንት መስረቶም ‘መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ’ ዝብል ስለዝዀነ፣ እዚ ዉን ኣብ ብዙሕ ክትዕ፡ ፍልልይ፡ ምፍንጫልን፡ ዘይምስምማዕን ስለዘስዓበ፤ ‘ብትምህርተ ኃይማኖት እትሰማማዕ ሓንቲ ቤተክርስያን’ ዝብል ሓሳብ ኣይቅበልዎን። ‘ሓንቲ እምነት’ ዝብል ነገር ከምዚ ፈጺሙ ክብጻሕ ዘይክእል ሓሳብ ጥራይ ጌሮም ይሓስብዎ። ብዛዕባ ‘ሓንቲ ቤተክርስቲያን’ ዘረጋግጽ መርትዖታት ክቐርበሎም ከሎ፣ ምስ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ዘይከይድ ሓሳብ`ዩ ኢሎም ይሙጉቱ። ሓቀኛ፡ ንጹርን፡ ሓድነትን ዘለዎ፣ ትምህርተ ኃይማኖት (doctrine) ከይሓዝካ፤ ከመይ ጌርካ ‘ክርስቲያናዊ ፍቅሪ’ ብዝብል ሓሳብ ትግዛእ። ኣብ ግዜና ሃይማኖታዊ ጥርናፈ (ecumenism) ዝበሃል ፍልስፍና ኣሎ። እዚ ጥርናፈ ሓቀኛ መሰረት ዘይብሉ ስለዝዀነ፣ ናይ ሓሶት ጥርናፈ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብዚ ጥርናፈ ዉን ሓቀኛ ስምምዕ ትምህርተ ሃይማኖት ዝበሃል የለን። ከማን፣ እንድሕሪ ሓደ ጉጅለ ብዛዕባ ‘ሓቂ’ ኣትሪሩ ተዛሪቡ፣ ካብቲ ጥርናፈ ይፈልይዎ። ሓንቲ ‘ሓቂ’ ኣላ ዝበሃል ነገር የለን። ኣብቲ ናቶም ርድኢት፣ ‘ሓቂ’ ተዛማዳዊ እዩ። ማለት፣ ንሓደ ሓቂ ‘ሓቂ’ ዝገብሮ ምስቲ፣ ነቲ ሓቂ ዝምርምሮ ዘሎ ሰብ ዝዛመድ እዩ። እቲ ዉሳነ ዉን ዉልቃዊ እዩ። እዚ ጥርናፈ ዉን ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይኣማናዊ (ናይ ሓሶት) መምርሒ ተሰሪቱ ንረኽቦ። እዚ ግና ‘ክርስቲያናዊ ፍቅሪ’ ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ፍቕሪ ኣብ ሓቀኛ መምርሒ ክስረት ይግባእ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ ግና ኣብታ ታሪካዊት ቤተክርስቲያን ኣይንረኽቦን፣ እኳ ደኣ ስምዒታዊነት ዝዓብለሎ ሰብኣዊ ሓሳብ እዩ። ፍቕሪ ቀንዲ ሕመረት ቤተክርስቲያን (እምነት) እዩ። ክርስቶስ ዉን ናብዚ ዓለም፣ ሓድሽ ‘ናይ ሓሳብ’ ቤትትምህርቲ ንምምስራት ኣይኰነን፤ እኳደኣ ኣፍደገታት ሲኦል ዘይሕይልዋ ቤተክርስቲያን ክምስርት`ዩ ዝመጽአ (ማቴ 16፥17)። እዛ ጐይታ ዝመስረታ ናይ ቤተክርስቲያን ማሕበር “ኣባላታ ብዉሽጢ ተፈላልዮም ክነሶም፣ ብግዳማዊ ስጋዊ ምግጥጣም ዝተጠርነፉ ኣይኮኑን። እኳደኣ ብዉሽጣዊ፡ መንፈሳዊን፡ ኣካላዊን ሓድነት ዘለዎም እዮም”[4]  እዚ ሓድነት ክህልው ዝኽእል፤ መንፈስ ቅዱስ ብዝህቦ ሓድሽ ህይወትን፡ ነቲ ቤተክርስቲያን ተመንጭዎ ሚስጢራት ተካፋሊ ብምዃን እዩ።
እምነት ክርስትና ፣ ንምእመናን ምስ ክርስቶስ ተወሃህዶም። ምእመናን ብኣካል ዝተፈላለዩ ሰባት ክነሶም፣ ናብ ሓንቲ ሰብነት (ቤተክርስቲያን) ብሓድነት ተወሃሂዶም ዝቈሙ እዮም። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ሰብነት ዝመስረታ ዉን፤ ምስ ነፍስ-ወከፍ ኣካላት ናይዛ ሰብነት (ምእመናን) ገዛእ ርእሱ ወፍዩ ብምርኻብን፣ ኣባታቶም ሓዲሩ ዝዓይን ናብ ህይወት ዝመርሕን ጸጋ መንፈስ ቅዱስን ብምዕዳልን እዩ። እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ሓዲሩ ዝዓዪ መንፈስ ቅዱስ ዉን ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ምእመናን ክቅይር ይኽእል። እዚ ዕዮ ክትግበር ዝኽእል፣ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ካብ ዉልቃዊነት  (ባዕላዊ) ኣካይዳ ኣግሊሱን፣ ፍትወት ገዛእ ስግኡ ምስ ዝቐትል እዩ[5]  
ቤተክርስቲያን ሰብነት ክርስቶስ ስለዝዀነት፣ ሓንቲ እያ። እዛ ሓንቲ ሰብነት ክትመቓቀል ዉን ፈጺሙ ኣይከዉንን። ምክንያቱ ሰብነት ክርስቶስ ክከፋፈል ስለዘይከኣል። ከምቲ ኣብን ወልድን ሓደ ዝዀኑ፣ ቤተክርስቲያን ዉን ሓንቲ እያ። እዚ ርድኢት ዓሙቕ`ዩ፣ ኣብ ግብሪ ከነስተማቕሮ ምስ ጀመርና፣ ሽዑ ክሳዕ ክንደይ ክዉን ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ቀንዲ መስረት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኮይኑ፣ እዚ ሕብረት ክዉን ክኸዉን፣ ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድን፡ ትሕትናን፡ ፍቕሪን ይሓትት[6]
ኣብ ሓድነት ቤተክርስቲያን ዘሎ እምነት፣ ክልተ ገጽ ኣለዎ፤ ታሪካዊን፡ ህሉውን ሓድነት። እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተመስረተ ሓድነት ክሳብ ሕጂ ዉን ህያው እዩ። እንታይ ማለትና`ዩ፤ ንኣብነት ቅዱሳን ሓዋርያት ብስጋ ካብዛ ዓለም ይፈለዩ እምበር፣ ሕጂ ዉን ኣብዚ ህሉው ግዜ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ኣይተፈለዩን። ከምቲ ብህይወት ኣብዛ ዓለም (ብስጋ) እንከለዉ ዝነበሮም ሕብረት፣ ሕጂዉን ኣብዚ ሓድነት ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዘለዋ ቤተክርስቲያን ኮይንና ስርዓት ቅዳሴ ቀዲስና መኣዲ ቅዱስ ቁርባን ክንሰርዕ እንከለና፣ በይንና ኣይኮናን። ብሓባር ኩላትና ኣብዚ መኣዲ ንሳተፍ ኢና፣ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለናን፣ ኣብ ሰማያት ዘለዉን ኣብዚ ኣምልኮ እግዚአብሔር ንሓብር። ከማን ዝያዳ`ቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፤ እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ቅዱሳን ምሳና ኣብ ቀረባ ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ቤተክርስቲያንና፣ ካብቶም እግዚአብሔር ዝመረጾም ብስጋ ዘለዉ መማህራን ጥራይ ኣይኮንናን ንመሃር፣ እንኮላይ እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መማህራንና እዮም። ኣብ ምድሪ ብስጋን፣ ኣብ ሰማያት ብመንፈስን ዘለዉ ክልቲኦም ይምህሩና። ንኣብነት ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ሕጂ ዉን መምህርና እዩ። ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያንና ዘልዉ ጳጳሳት ዝምህሩና፣ ናቱ ትምህርቲ ሕጂ ዉን ማዕረ ክብሪ ኣለዎ። ኣብ ትርጓሜ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀመሉ ሜላ ዉን፣ ንመጽሓፍ ብዉልቅና ዘይኰነስ ብደረጃ ቤተክርስቲያን (ብሕብረት ምእመናን) ኢና ነጽንዖን ንምርምሮን። ኣብ 4ይ ክ/ዘ ናይ ሌረንስ ጳጳስ ዝነበረ ቅ. ቪንሰት ዘሌሪንስ ዉን ብግልጺ ዝምህረና ነዚ`ዩ፡
“ገሊኦም ሰባት ‘ናይ ቀኖና መጽሓፍቲ (ቁጽሪ ናይተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠርነፋ መጽሓፍቲ) ኣየኖት ምዃነን ተፈሊጠንን፣ ንሳተን ከኣ ንዓና እኩላት እየን፤ ስለምንታይ ሕጂ ብደረጀ ቤተክርስቲያን ክቱርጎም ኣለዎ ኢልኩም ካልእ መዝነት ምዉሳኽ ኣድለየ?’ ዝብል ሕቶ የልዕሉ፡ እቲ መልሲ እዚ`ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ዓሙቕ ስለዝዀነ፣ ኣብ ኲሉ ዓለም ብሓደ ተመሳሳሊ ትርጉም ኣይትርጎምን። ሓደ ዓይነት ጥቅሲ ክነሱ፣ ብዝተፈላለየ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃቦ፤ ከም መጠን ብዝሒ ናይቶም ዝምርምርዎ ሰባት፣ ትርጉሙዉን ይበዝሕ. . . .   ብብዙሓት ሰባት ብዙሕ ዓበይቲ ጌጋታት ተኣታትዩ ኣሎ። ስለዚ እቲ ናይ ነብያትን ሓዋርያትን ጽሑፋት፣ ብሕጊ ናይታ ኣጽናፊያዊ ሓድነት ዘለዋ ቤተክርስቲያን ክትርጎም ይግባእ።
ኣብዛ ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን፣ እቲ ኣብ ኲሉ ቦታን፡ ኣብ ኩሉ ግዜን፡ ብኲሉ ሰብን ዝተኣምነ፣ ሃይማኖት ክጸንዕ ኣለዎ። ክትርጎም እንከሎ፣ ኣድማሲያዊነቱ፡ ጥንታዊነቱን፡ ሕብረቱን (ስምምዕ) ዝዓቀበ ክኸዉን ኣለዎ። እዚ`ዩ ሕጊ ናይዛ ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን። እታ ኣብ ኲሉ ዓለም ዘላ ቤተክርስቲያን እትኣምኖ ሓንቲ እምነት፣ እንድሕሪ መስኪርና፤ በዚ ኣጽናፋዊነት ይረጋገጽ። ጥንታዊነት ክረጋገጽ ድማ፣ ነቲ ካብ ጥንቲ ካብቶም ቅዱሳን ኣቦታት ዝተቐበልናዮ ኣስተምህሮታትን ትሩጓሜታትን  ጸኒዕካ ምሓዝ ይግባእ። ሕብረቱ ወይ ስምምዕ ከኣ፣ ኣስተምህሮ ናይ ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታት  ብዘይ ኣፈላላይ ኣሰማሚዕካ ምሓዝ”[7]
ብኸምዚ ኣገባብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ እንከለና፣ ብዉልቂ በይንካ ናይ ባዕልኻ ትርጉም ከተምጽእ ኣይትጽዕርን፣ እኳደኣ ነቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዓቂቡ ዘሎ ትዉፊት ኢና ክንርድኦ ንፍትን። ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ካብ ዘቆሙልና ደረት ክንሓልፍ ኣየድልይን። እንታይ ደኣ ነቲ ዝተቐበልናዮ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ምስግጋር እዩ። እዚ ንኽግበር ድማ፣ ብዙሕ ከነጽንዕ፣ ታሪክን ትምህርቲን ኣቦታትን ትሩጓሜታቶምን ከነጽንዕ ኣለና። እዚ ጥራይ ግና እኹል ኣይዀነን። ልዕሊ`ዚ ዂሉ ኣብ ህይወት ቤተክርስቲያንን ተካፈልቲ ሚስጢራታን ክንኸዉን ይግባእ። ህይወትን ዂሉ ኣብ ስርዓት ቤተክርስቲያን ጸጋ ወሃቢ ሚስጢራታን ዓሚቚ ሓድነት ክህልወና ይግባእ። ኣብታ ‘ክርስቲስያናዊ ዶግማ’ እትብል መጽሓፉ፣ ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ገሊጽዎ ዘሎ ዉን ነዚ`ዩ። ኣብታ ካብ 1-4 ክፋል ናይታ መጽሓፍ፣ ሓደ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ሰብ፣ ከመይ ዝበለ ምድላዋት ክገብር ኣለዎ፣ ኣንታይ ዓይነት መሰረታዊ ፍልጠት የድልዮ፣ እንታይ ዓይነት ህይወት ክህልዎ ይግባእ፣ ዘርዚርዎ ይርከብ. . [On Christian Doctrine, Books i-iv][8]
  1.  ካብ ትዕቢት ርሒቁ፣ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ብሙሉእ ልቡ ዘፍቅር
  2.  ብትዕቢትን ስሰዐን ዘይዀነሲ፣ እንታይ ደኣ ብእምነትን ምስጋናን ተለዓዒሉ ንፍልጠት ፍቓድ እግዚአብሔር ዘንዳይ
  3. ጹህ ኣእምሮ ዘለዎ፣ ልቡ ብትሕትና ዝተመልአ፣ ንዓለም ዝሞተ፣ ካብ ደቂ ሰባት ክብረት ዘይጽበይን፣ ንሰባት ዉን ዘይፈርሕን
  4. ብዘይካ ምስ ክርስቶስ ምንባር፣ ምስኡ ሓድነት ምፍጣርን፣ ፍልጠት ክርስቶስ ጥራይ ዘንዳይን እምበር ካልእ ዘይደሊ
     
  5. ንጽድቂ ዝጠምይን ዝጸምእን 
  6. ኣብ ግብሪ ምሕረትን ፍቕሪን ብቅንዕና ዝሳተፍ ክኽዉን ይግባእ።
እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ እዚ ዂሉ ነገራት የድልየና። ነዘን ነገራት ዘማልአ ሰብ ዉን፣ ብዝያዳ ኣብ ትምህርቲ ኣቦታት`ዩ ዝያዳ ዝዉከል። ምክንያቱ ቅዱሳን ኣቦታት ነዘን ኩለን መምዘኒ ኣማሊኦም እዮም። ፍቕሪ፣ ትሕትና፣ ምሕረት፣ ሰናይ ሓሳብ፣ እምነት ምስ ግብሪ ኲሉ ኣብ ህይወቶም ግሁድ ነበረ።
ካብ ናይ ፕሮቴስታንት መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት`ኸ እንታይ ንመሃር፧? ናታቶም መጽናዕቲ ብዙሕ ነገር ጠቒሙና እዩ። ብዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ክንርድኦ ዘይተኻእለ ታሪኻት ክበርሃልና ክኢሉ ኣሎ። ስለዚ ገለ ካብቲ ናታቶም ርኽበታት እንቕበሎ ነገራት ኣሎ፣ ክንጥቀመሉ ድማ ጽቡቕ እዩ።ግን ምስ ትዉፊትን ትምህርቲ ቤተርስቲያን ምስ ዝሰማማዕ ጥራይ እዩ!

They are taking orders from customers and supplying the medicine in 7 to 10 days across all over the world. bought here purchase generic cialis is of two types, one is the invented previous one named cialis and the other PDE-5 inhibitors can help men with erectile brokenness issue.

ከምቲ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ ዝገለጾ ማለትና እዩ። ንሱ ኣብ ኣጠቃቕማ ናይ ፓጋንስ መጽሓፍቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዛረቦ ከምዚ በለ “ካብቶም መርዛማት ለመምቲ እንስሳታት፣ ጠቐምቲ ቅመማት ኣዉጺእና ንመድሃኒት ከም ንጥቀመሉ፣ ካብ ዓለማዉያን መጽሓፍቲን ጽሑፋትን ዉን ነቲ ናታቶም ኣምልኾ ጣኦታት ነጺግና፣ ኣብ ኣመራምራ ነገራትን መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ዝሕግዙ ሜላታትን ግና ካባታቶም ንወስድ[9]። ስለዚ ካብ ዉልቃዉነት፣ ዘመናዉነት፣ ኣካዲያሚካዊ ጸብለልታነት. . ካብ ዝኣስመሰሉ ናይ ዘመንና ጣኦታት ተዓቂብና፣ ነቲ ካባታቶ ዝርኸብ ጥቕሚ ዘለዎ መረዳእታ ኣብ ረብሓና ከነዉዕሎ ጽብቕ እዩ። ብፍላይ ብታሪካዊን ሊንጉስቲካዊን ሜላታት ኣብ ርድኢት መጽሓፍ ቅዱስ ብርሃን ዝህቡ መጽናዕቲታት እንተተጠቀምናሎም፣ ብዝያዳ ነቲ ትዉፊት ቤተክርስቲያን ክንርዳእ ክሕግዘና እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ትምህርቲ ከእትዉ ምስ ዝፍትኑ፣ ወይ ካብተን ብቀኖና ዝጸደቓ መጽሓፍቲ ወጻኢ ካልእ መወከሲታት ከእትዉ ምስ ዝፍትኑ፣ ወይ ምስ ትዉፊት ቤተክርስቲያን ምስ ዝጻረሩ፣ ንኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ ሙሉእ ንሙሉእ ክንነጽጎ ይግባእ። ወትሩ ነታ “ኣብ ኲሉ ግዜን ብዂሉ ቦታን” ዘላ ኣጻናፋዊት ቤተክርስቲያንና ዉን ክንዝክራ ይግባእ።
ከምዚ ዓይነት መርገጺ ብምሓዝናን፣ ወይከምዚ ብምባልናን፣ ነዚ ናትና ኣካይዳ ከም ሓደ ድርቅናን ዱንቅርናን ጌሮም ዝርድእዎ ፕሮቴስታንት እንተሃልዮም፤ ቅድም ቀዳድም እቶም፣ ነቲ ክልተ ሽሕ ዘመናት ዘቑጸረ ትምህርቲ ክርስትና ክነጽጉ ወይ ከም ዘይነበረ ጌሮም ክጓስይዎ ዝፍትኑ መማህራኖም ዓገብ ይበሉ። ኻብ መዓስ`ዩ ናይ ዶክትሬት ማዕረግ ዘለዎ ሰብ ጥራይ`ዩ ሚስጢራት እግዚአብሔር ክርዳእ ዝኽእል ዝተባህለ?! ወይስ ካብ መዓስ`ዩ ናይ ፒ.ኤች.ዲ ደረጃ ትምህርቲ ምርምር ዝገበረ ሰብ ዘቕረቦ ሓሳብ፤ ልዕሊ እምነት`ቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ክርስቲናን፣ ልዕሊ`ቶም ንእግዚአብሔር ብሙሉእ ልቦም ዘገልገልዎ ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ልዕሊ`ቶም ምእንቲ ስም ጐይታ ክብሉ መከራ ዝተቐበሉ፡ ማእሰርቲ ዝተጻወሩ፡ ደሞም ዘፍሰሱን፡ ሓሰረ ጸርፊ ዝተቐበሉን ሰማእታትን፡ ተሰኸምቲ መስቀልን፣ ሚዛን ዝተዋህቦ?! ክርስትና ኣብ ጥጡሕን ምቾት ብዝመልኦ ናብራ እትምሃሮ ፍልጠት ድዩ፤ ዋላስ መስቀልካ ጾይርካ እትስቀለሉን ብሞት እትምስክረሉን ህይወት? እቲ ድርቅናን ዱንቅርናን እምበኣር፣ እቶም ነቲ ቅዱስ ትዉፊት ባዕሉ እንታይ ምዃኑ ከይፈለጡ፤ ልዕሊኡ ፈላጣት ኮይኖም ዝቐርቡን እዩ። እቶም ምጽእ ኢሎም ልዕሊ ሰቦም ፈላጣት ኮይኖም ዝቐርቡን፣ ልዕሊ ማንም ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኣት ተረዲእናዮ ኢና ዝብሉ፣ ንሳቶም እዮም ትዕበተኛታት።

መደምደምታ

ብሉጽ ዉጽኢት ናይ ቅዱስ ትዉፊት ቤተክርስቲያን እምበዓር፤ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ነዚ መጽሓፍ ጥልቐቱን ዕብየቱን ክንርድኦ ንኽእል ዉን ኣብ ከመይ ዝበለ በሪኽ ነገር ተሰሪቱ ከም ዘሎ ምስ ንርድኦ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ተሰሪቱሉ ዘሎ በሪኽ ጎቦ ኸኣ ትዉፊት እዩ። ካብዚ ተሰሪትዎ ዘሎ ቦታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ንኣልዮ ግና፣ ከዊሒ ምዃን ተሪፉ፣ ወናኒኡ ናብ ዝደለዮ ቅርጺ ክሰርሖ ናብ ዝኽእል ኣብ ኢድካ ከም ዘሎ ጭቃ ክቕየር እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዝደለኻዮ ትርጉም ከምዝጥዕመኻ ጌርካ ምቱርጓም ዉን ክብረት ዘይብሉ ዓቢ ጌጋ እዩ። ዋላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕልና ከነርእይ ይኹን፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ደስ ናብ ዝብለና ትርጉም ክንህቦ ኣይግባእን። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ ኣለና፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽና ቅዱስ ቃላት እዩ። መልእኽቱን ትርጉሙን ክንርዳእ ግና፣ ኣብ ኣእጋር ቅዱሳን ኣቦታት ኮፍ ኢልና ንመሃር፣ ምክንያቱ ንሳቶም “ሰማዕቲ ጥራይ ዘይዀኑሲ ገብርቲ ቃል ዝዀኑ” /ያዕ 1፥22/ ብዝነበሮም ህይወት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክርድኡ ዝበቕዑ መማህራን እዮም። ናብቶም ንሓዋርያት ዝፈለጥዎም ናብ በዓል ቅዱስ ኣግናጤዎስ ናብ በዓል ቅዱስ ፖሊካርፐስ ንኺድ፤ ብዛዕባ መልእክቲ ሓዋርያት ሕቶ ተሃልዩና፣ ንሕተቶም ጽሑፋቶም ነንብቦ። ብገዛእ ርእስኻ ተመሪሕካ ብትዕቢት ዝንበር ህይወት ሓዲግና፣ ንቤተክርስቲያን ንወከሳ።
ስብሓት ለእግዚአብሔር!
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!


[1]A Cleveland Coxe, trans., Ante-Nicene Fathers, vol. i, The Apostolic Fathers with Justin Martyr and Irenaeus (Grand Rapids: Eerdmans Publishing Company, 1989), p 315.
[2]መልዕክቲ ቅዱስ ኣግናጤዎስ ዘኣንጾክያ ናብ ፊላደልፊያ 53
[3]In fact a recent three volume systematic theology, by Thomas Oden, is based on the premise that the “ecumenical consensus” of the first millennium should be normative for theology [see, The Living God: Systematic Theology Volume One, (New York: Harper & Row, 1987), pp ix — xiv.]. If only Oden takes his own methodology all the way, he too will become Orthodox.
[4]The Holy New Martyr Archbishop Ilarion (Troitsky), Christianity or the Church?, (Jordanville: Holy Trinity Monastery, 1985), p. 11.
[5]Ibid., p. 16.
[6]Ibid., p. 40.
[7]St. Vincent of Lérins, trans. Rudolph Morris, The Fathers of the Church vol.7, (Washington D.C.: Catholic University of America Press, 1949), pp. 269-271.
[8]St. Augustine, “On Christian Doctrine,” A Selected Library of the Nicene and Post-Nicene Fathers, series 1, vol. ii, eds. Henry Wace and Philip Schaff, (New York: Christian, 1887-1900), pp. 534-537.
[9]St. Gregory Nazianzen, “Oration 43, Panegyric on Saint Basil,” A Selected Library of the Nicene and Post-Nicene Fathers of the Christian Church, series 2, vol. vii, eds. Henry Wace and Philip Schaff (New York: Christian, 18871900), p. 398f.

1 Response

  1. ኔቡላዊ says:

    ሰላም እግዚኣብሄር ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!ዝኸበርካ ኣቅራቢ ኣምላኽ ይባርኽካ ጸጋኡ የብዝሓልካ ካብኡ ንላዕሊ እንተተዛረብና ውዳሴከንቱ ከይኮነካ ብዝኾነ ግን ቀጽሎ ኣዚኻ በርትዕ ኢኻ ኣይትሕመቅ።