መንገዲ ባሕታዉያን 22

ምዕራፍ 22. ስጋዊ ነገራት ተጠቐም

ሰባት ብዉህደት ስጋን ነፍሲን ዝቘምና ኢና፣ ክልቲኤን ክፈላለያ ኣይኽእላን። “እንበለ ስጋ እትቀዉም ነፍስ” ስለዝዀነ ነፍሲ ብዘይ ስጋ ንበይና ኣይትቀዉምን። ብህይወት ክንቕጽል ዕማምና ክንዓምም እንተድኣ ኰንና ክልቲኤን ብሓባር ክህልዋን፡ ክዓያን ኣለወን። ስለዚ ስጋዊ ነገራት ኣብ መንፈሳዊ ልምምድና ክንጥቀም ጽቡቕ እዩ። ክርስቶስ ንድኻምና ይፈልጦ`ዩ፣ ስለዙ ዉን`ዩ ምእንታና ክብል፤ ቃላትን ምልክታትን፡ ምራቕን ሓመድን፡ ካልእ ስጋዊ ነገርን ከም መሳርሒ ዝተጠቕመ። ምእንታና ኪብል ካብ ጫፍ ክዳኑ ሓይሊ ንክወጽእ ፈቐደ /ማቴ 9፥20፡ 14፥36/፣ ካብ መኣረምያ ጳዉሎስ /ግብ 19፥12/፣ እወ ካብ ጻላሎት ሓዋርያ ጴጥሮስ ከይተረፈ /ግብ 5፥15/፣ ሓይሉ ከም ዝዉሕዝ ገበረ። ጐይታ ምእንታና ኪብል ብቁሳዊ ነገራት ሓይሊ ኣርኣየ፣ ኣብ ምድሓንናዉን ተጠቕመሉ።
ስለዚ ነቲ ኣብ ጉዕዞ`ዛ ጸባብ ጎደና ዝረኽበካ መከራ መዘኸርታ ምእንቲ ክኸዉን፣ ንዂሉ ምድራዊን ቁሳዊን ነገራት ተጠቐመሉ። ምጽዕዳው በረድ፣ ሰማያዊ ሕብሪ ሰማያት፣ ኣንጸባራቒ ዓይኒ ኣዕዋፍ፣ ሓይሊ ባርዕ፣ ወዘተ ምስ ህዋሳትኻ ዝራከቡ ዘበሉ ነገራት፣ እትርእዮን እትድህስሶን፣ ንፈጣሪ መዘካኸሪ ግበሮ። ልዕሊ ዂሉ ግና ነቲ ቤተክርስቲያን ብጽድቒ ኣቢላ ናብ ቅድስና ክትምርሓካ ኢላ፤ እትቕርቦ ነገራት ተጠቐመሉ /ሮሜ 6፥19/። ናይዚ ቀንዲ ኣብነት ድማ፣ ናይ ጐይታ ስግኡን ደሙን (ቁርባን)፣ ካልኦት ሚስጢራት ዉን፣ ከም ሜሮን ቀንዴል. . .፣ ከምኡ ዉን መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉ። ቤተክርስቲያን ዉን እትቐርበልካ ካልእ ነገር ዉን ኣሎ፣ ስእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቑር ወዳ፡ ቅድሳን መላእኽቲ፡ ቅዱሳን፡ ጧፍ፡ ዕጣን፡ ጸበል፡ ማይ ድጋም፡ መዝሙራት፡ ዜማታት። ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናየን ነገራት፣ ኩሉParents should make sure that buy cheap cialis deeprootsmag.org children and pets and also away from heat, light, and moisture. ተጠቐመሉ፤ ንዕብየትካ፡ ምዕባለኻን፣ ምምሕያሽን ክዀነካ ኣብ ረብሓካ ኣዉዕሎ።
ነቲ ንናይ ፍቕሪ ጐይታ፣ ዘለኻ ክብሪ ብፍቅሪኻ ግለጸሉ፤ ንመስቀልን ቅዱሳን ኣሳእልን ሰዓሞ፣ ብዕምባባታት ሰልሞ። ንኽፍኣት ብስቕታ ስዒርካ፣ ነቲ ሰናይኻ ከምዝዉሕዝ ግበሮ። ብፍቕሪ ዝገብርካዮ ዘበለ ዓስቢ ኣለዎ፣ ፍቕርካ ዝያዳ ምስ ትገልጸሉ ድማ፣ ዝያዳ በረኸት ይበዝሓልካ፣ ናይ መንፈሳዊ ግብሪ ዕላማ ድማ እዚ`ዩ። ዓቢ ዉሕጅ፣ ዓቢ ሩባ ይፈጥር`ዩ እሞ፣ ብዙሕ ፍቕሪ ዉን ብዙሕ ባርኻት የዉህብ።
 
እምበኣር  ንስጋዊ ኣካልካ ኣብ መንፈሳዊ ቅልስኻ መታዓይይቲ ግበሮ። ስጋኻ ቅጽዓያ፣ ካብ ፍትወት ዓለም ዉን ሓራ ግበራ። ኣብ መከራኻ ከም ትሓብር ግበራ። ትሕትና ዲኻ ክትመሃር ትደሊይ፣ ስለዚ ንስጋኻ ዉን ከም ትሰግድ ግበራ። ንበይንኻ መዓልታዊ ስገድ፣ ግንባርካ ኣብ ባይታ ኣተንክፎ፣ መሊስካ ዉን ክርስቶስ ከም ዝመሓረካ መዘካኸሪ ክዀነካ፣ ቅንዕ ኢልካ ተንስእ።
ብተደጋጋሚ ትእምርተ መስቀል ጌርካ ገጽኻ ኣማዕትብ፣ እዚ ቃላት ዘይብሉ ሓያል ጸሎት እዩ። ትእምርተ መስቀል ማለት ብሓጺሩ ቃላት ከየናዋሕካ፣ ኣብ ህይወት ክርስቶስን ስቕለቱን ምሕባር እዩ። እዚ ሕብረት ምጉርምራም ዝረሓቆ፣ ብፍቓደኝነት ዝግበር ኣምልኾ እዩ፣ በዚዉን በረኸት ካብ ስሉስ ቅዱስ ትቕበል። ትእምርተ መስቀል ንጸላኢ ሰናያት ዘሳጉግ መሳርሒ እዩ፣ ስለዚ ነዚ መሳርሒ ብቐጻሊን ብርድኢት ተጠቐመሉ።
ኣዕኑድ ናይ ሓደ ገዛ እንድሕሪ ዘይቆይሙ፣ ተሃኒጹ ኢልና ክንድምድም ኣይከኣልን። እቲ ሓያል ሰብ ጥራይ እዩ፣ ግዳማዊ ሓገዝ ዘየድልዮ። ንስኻ ግና፣ ሓያል ዲኻ? ልዕሊ’ቶም ድኹሟት ድኹም`ዶ ኣይኰንካን? ገና ህጻን`ዶ ኣይኰንካን