ዕላማ ናይዚ ብሎግ!

“ንሕና ንሓቂ እምበር፣ ንሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ክንገብር ኣይከኣለናን” 2ይ ቆሮ 13፥8
ሠላመ አግዚአብሔር ምስ ኩሉኹም ኣንበብቲ ናይዛ ብሎግ ይኹን፣ ርሑስ በዓል ቅንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ንኹልና!

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ገለገለ ኣንበብቲ፣ እዛ ብሎግ ከም ናይ ተሓድሶ ጌሮም ብምሕሳብ፣ ሓደ ሓደ ርእይቶታት ክህቡኒ ቀንዮም። ገለ ኣብ ኮመንት፣ ገለ ዉን ብኢሜይል። ሰጋእ መጋእ ከይበሉ ዘለዎም ስክፍታ ስleዝገለጹለይ ብልቢ ትሓጒሰ፣ ኮይኑ ግና ዕላማ ናይዛ ብሎግ ብዘይ ምርድኦም ግን በቲ ሓደ ወገን፣ ተሰኪፈ። ስክፍታታት ንምቅላልዉን ዕላማ ናይዚ ብሎግ ምዝክኻር ግድን ኮይኑ!

ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ፖስት ዝተግበራ ጽሑፋት ዝተገልጸ፣ ዕላማ ናይዚ ብሎግ ካብ ጽሑፋት ቅዱሳን ሊቃዉንቲ፣ ከምኡ ዉን በቲ ናታቶም ትምህርቲ ምርኩስ ኮይኑ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት፣ ብቋንቋ ትግሪኛ ንምቕራብ ጥራይ እዩ። እዞም ቅዱሳን ሊቃዉንቲ እንብሎም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ፣ ብቅድስና ህይወቶምን፣ ብቅንዕና ትምህርቶምን ዝተመስከረሎም መማህራን ቤተክርስቲያን እዮም። ብዓቢኡ ጐይታ ዝሰረቶ፣ ሓዋርያትዉን ዝነደቕዎ፣ ሰዓብቲ ሓዋርያት በዓል ፖሊካርፐስ፣ ኢግናጥዮስ፣ ሄራንዮስ፣ ቀለሜንጦስ፣ ኢራንዮስ፣ ኣትናቴዎስ፣ ኣፈወርቅ፣ ቄርሎስ፣ ባሲልዮስ፣ ጎርጎርዮስ. . . ወዘተ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ንኲሉ ክርስቲያን ብዝርድኦ ቋንቋን ንምቕራብ ጥራይ እዩ።

ብዘይካዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ካልእ ዋላ ሓንቲ ዕላማ የብለይን። ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት ምቕራብ ዉን ንዘለኣለም ክሰዓብ ዝግብኦ ዕላማ ምዃኑ ይኣምን። ገለ ሰባት ግና፣ ስክፍትኦም ካበይ ከም ዝተበገሰ ኣይፈለጥኹን፣ “እዚ ብሎግ ናይ ተሓድሶ እዩ፣ ናይ ተሓድሶ ዕላማኻ ግደፎ. . ” ካልእን ዝብል ርእይቶ ይመጽእ ኣሎ።About 50% of men in the life of a certain formula. levitra sale

እዚ ርእይቶ ሓቂ ይሓይሽ ደንጽዩኒ! ምክንያቱ መበገሲ ናይ ከምዚ ርእይቶ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣብታ ‘About me’ ትብል “…ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ሲኖዶስ መንፈሳዊ ሓይሉ ተሓዲሱ ኣብ ደገን ኣብ ዉሽጢን ንዘለና ምእመናን ብቅኑዕ መንገዲ ክጓስዩና፣ ትምኒት” ኣለኒ ስለዝበልኩ፣ መበገሲ ኮይኑኩም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ደጊምኩም ኣንብብዎ “ሓይሊ ምሕዳስ” እምበር፣ ሃይማኖት ምሕዳስ ኣይብልኩን። ነብዪ ኢሳይያስ “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።”{40፥31} በለ። ብንስሓ፣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፣ ብቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ዉን ምሕዳስ ከምዘድሊ፣ ማንም  ከምዚ ከማይ ተራ ክርስቲያን ዝፈልጦ እዩ። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክትሕደስ፣ ወይ ዉን ናይ ተሓድሶ ኣካይዳ፣ ወይ ዉን ንዑ ዝመስል ዕላማ የብለይን።

ቅዱሳን ኣቦታትና ትምህርቶምን ህይወቶምን፣ ኣማናዊ ምዃኑ ይኣምን። ናቶም ጽሑፋት ዉን ኣዝዩ ኣገዳሲን፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዉን ኣድላዪ እዩ። ብፍላይ ኣብ ዘመንና፣ ካብ ትምህርቲ ቅዱሳን ወጻኢ ብናታቶም ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝቱርጉሙ በዚሖም ኣለዉ። እዚ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጽሑፋት ፖስት ብምግባረይ፣ ተሓድሶ ጌርኩም ትሓስብዎ ተሃሊኹም፣ ንርእስኹም ኢኹም ኣብ ጌጋ ዘለኹም።

ስለዚ ክቡራት ኣንበብቲ፣ ኣብዚ ብሎግ ስክፍታ ከበጋግስ ዝኽእል ጽሑፍ ተንቢብኩም፣ ስለቲ ሓቂ ክትብሉ፣ ክትንገሩኒ ይምሕጸን። ርእይቶኹምዉን ኣብ ክንዲ ብ Anonymous ትጽሕፍዎ፣ በቲ ናትኩም ኣካዉንት እንተትገብርዎ ድማ ዘበለጸ ምዀነ። ልዕሊ ኲሉ ግና ኣብ ጸሎት ምዝካር ከይትሓምቁ ይላበው።

ኣብዛ ጽሑፍ ርእይቶኩም ክትህቡ ብትሕትና ይዕድም!!!

4 Responses

  1. Anonymous says:

    Amlak tseguu yebzihalka

  2. Anonymous says:

    እግዚኣብሔር ጸግ ኡ የብዝሓልካ እዚ ናይ ማንም ከርስትያን ግዴታ ነንሕድሕዱ ንክበላልሕ ኣብ እምነቱ መታን ክጸንዕ ክገብሮ ዝግበኦ እዩ ኔይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ ክንዲ ምሕጋዝን ምእራምን፤ ብዙሕ ዘየዲ ዘራባታት ክጸሓፍ ክትርኢ ከለካ ትሓዝ። ኮይኑ ግና እዚ መስርሕ ናይ ሒይወት ክስብ ዝኾነ፤ ብከምዚ ክድዳድሞ ይመርጽ { እቲ ከልቢ ይነብሕ፤ እቲ ገመል ድማ ጉዕዙኡ ይቅጽል}
    thank may God bless you! I wish you all the best.

  3. Ybrah Mesfun says:

    ቃል ሂወት የስማዓልና ብሓቂ
    ካብ መዓር ዝጥዕም

  4. Ybrah Mesfun says:

    እዚኦም ሲ ሓንጎሎም ናይ እምነት ዘይጽግዕበትን ጸግዕበትን ዝመለኦ
    ኣብ እምነት እምበር ብእምነት ዘየለዉ መዐንቀፍቲ እዮም
    ንስኻ ቀጽል ኣብ ሓቂ ምንባር ንእግዚኣቢሄር እሙን ኩን
    እግዚኣቢሄር ሓይሊ ይሃብካን ይባርኽካን