መንገዲ ባሕታዉያን 24

ምዕራፍ 24. ካብ ዘኬዎስ ንረኽቦ ትምህርቲ


እምበኣር ሕጂ፣ ንስኻ ልክዕ ከም ዘኬዎስ ንጐይት ክትርኢ ኣብ ገረብ ሓዂርካ (ደዪብካ) ኣሎኻ/ሉቃ 19/። ነታ ገረብ ዝሓዀርካያ ብሓሳባት በይኑ፣ ወይ ብስምዒት ኣብ ኣእምሮ ጥራይ ኣይኰነን። ንስኻ ሰብ ኢኻ ኣካል ድማ ኣሎኻ፣ ስለዚ ከም ዘኬዎስ ሕሊናኻን ጉልበትካን ኣወሃሂድካ ንሓይሊ መሓዉርካን ምድራዊ ነገራትን ተጠቂምካ ካብ ባይታ ናብ ገረብ ደየብካ። እምበኣር ብፍርሕን ዕሽነትን፡ ናብ ድሕሪት ብምጥማት ዘይኰነስ፣ እንታይ ደኣ ብርድኢትን ዕላማን፤ ኲሉ ነገር ኣብ ግምት የእቲኻን ኣስተዉዒልካን፣ ድኹምን ሓያልን ጎንኻ ገምጊምካን፣ ናብዛ ገረብ ካብ ሓዀርካ፤ ብሓቂ ንስኻ ነቶም ንጐይታ ከቢቦሞ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ማለት ምድራዊ ሓሳባት ሓዲግካ ንጐይታ ክትርኢ ዝበቃዕኻ ኢካ፣ እዚ ዉን ዓቢ ዕድል እዩ።

ኣብዚ ናይ ምሕዃር መስርሕ፣ ሓደ ነገር ንፋልማይ ክትዕዘብ ኢኻ፤ ንሱ ድማ እቲ ኣባኻ ዘሎ ጸላም ጐኒ ማለት ድኹም ጐኒ ክትርእዮን ክትፈልጦስ ትጅምር። ድሕሪ ደጊም ከምቲ ቀደም ናብ ምዝንጋዕ፣ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ዉን ቅልጥፍ ኢልኻ ምዃድ ከተቋርጽ ኢኻ።  ብሓቂ ሰብ ማለት እንታይ ምዃኑ ዉን ቅሩብ ክርድኣኻ ይጅምር። ቀደም ህይወትኻ ከም መዓልቦኣ ዘይንጹር ወይ ዉን መራሒ ከም ዘይብላ ጃልባ ነበረት፤ ሕጂ ግና መዓልቦኣ ፈሊጣን፣ ትርጉምን ዕላማን ህይወትን ተረዲኣን ኣላ። ናብቲ ዕላማ ክትበጽሕ ዉን ድሮ ብሓጎስ ተበጊስካ ኣለኻ። ኮይኑ ግና ንስኻ፣ ኣብቲ ዓቢ ዉቅያኖስ፣ ንኢሽተይ ጃልባ ኢኻ። ነዚ መገሻ ብቅኑዕ መንገዲ እንድሕሪ ጀሚርካዮ፣ ንመጀምርታ ግዜ ጃልባኻ ኣዝያ ንኢሽተይ ምዃናን፣ ንስኻ ዉን ኣዚኻ ድኹም ምዃንካ ከተስተዉዕል ኢኻ።

“ሓሳብና ሰናይ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣምላኽ ባዕሉ መራሒና ክኸዉን እዩ” በለ ቴዮፊላክት ዝተባህለ ኣቡን ካብ ቡልጋሪያ። ጐይታ ነዘኬዎስ “ሎሚ ኣብ ቤትካ ክዉዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ ቀልጢፍካ ዉረድ” በሎ፣ ነብስኻ ኣትሕት ማለቱ እዩ /ሉቃ 19፥5/። ኣብ “ቤትካ” ኪብሎ ከሎ ኣብ ልብኻ ይብሎ ከም ዘሎ ክንርድኦ ይከኣል። ጐይታ በለ፣ ብሓቂ ንዓይ ምእንቲ ክትርኢ፣ ብልብኻ ክሓልፍ ከለኹ ምልኣት መንነተይ ምእንቲ ክትርዳእ፣ ንኹሉ ምድራዊ ፍትወታት ስዒርኻ ኣብ ገረብ ደየብካ። ሕጂ ግና ቀልጢፍካ ካብቲ ገረብ ዉረድ፣ ምኽንያቱ ኣብኡ ኣብ ላዕሊ ነዊሕ ሰዓት እንድሕሪ ጸኒሕካ፣ ልዕሊ ሰባት ዝዀንካ ከይመስለኻ፣ ትዕቢት ከይሓድረካ፣ ስለዚ ዉረድ ናብ ታሕቲ፣ ልብኻ ኣትሕት። ኣነ ኣብ ልቢ ትሑታት እየ ዝሓድር። ሽዑ ዘኬዎስ “ቀልጢፉ ወረደ፣ ተሓጉሱዉን ተቐበሎ” /ፍቕዲ 6/።

ሓለቓ ተገዉቲ ዘኬዎስ ንጐይታ ምስ ተቐበሎ፣ ቀዳምነት ዝገብሮ ነገር፣ ነቲ ዂሉ ሃብቱ ንካልኦት ምሃብ ነበረ። ፍርቂ ሃብቱ ብቀጥታ ንድኻታት ሃበ፣ ነቲ ዝተረፈ ድማ፣ ነቶም ዝያዳ ብምዉሳድ ዝዓመጾም ሰባት ኣኣርባዕተ ዕጽፊ እናገበረ ነቲ ዚወሰደሎም መለሰሎም። “ዘኬዎስ ወዲ ኣብራሃ እዩ”/ፍቕዲ 9/፣ ንቃል ጐይትኡ ሰሚዑ ካብቲ ነፍሰ ፍትወትን፣ ትምኒትን ዝነገሶ ሃገሩን ቤት ኣቡኡን ተፈልዩ ወጽአ /ዘፍ 12፥1/።

ዘኬዎስ ሓደ ዓቢ ነገር ተማሂሩ ኣሎ። እታ ንክርስቶስ እተቐበለት ልቢ ካብ ዂሉ ነገር ናጻ ክትኸዉ ኣለዋ። ካብቲ ብዓመጽ ዝኻዕበተ ንብረትን ሃብቲን፣ ካብ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንቲን ንብረት ትዕቢትን /1ይ ዮሃ 2፥16/ ሓራ ክትኸዉን ከምዚግባኣ ዘኬዎስ ተረዲኡ። ንሱ፣ ኣብዚ ምድሪ ሃብታም ምዃን፣ ኣብ ሰማያት ድኻ ምዃኑ ተረዲኡ። “ብስጋ ሃብታም ምዃን ብመንፈስ ድኻ ምዃን እዩ” ከም ዝበለ ቅ. ዮሃንስ ኣፈወርቅ። ሃብታምሲ፣ ድኽነት እንተዘይህልዎ፣ ክንድዚ ዝኣኽል ሃብቲ ኣይመጥረየን?

ከምቲ ሕማም ምስ ጥዕና ርክብ ዘይብሉ፣ ፍቕሪ ምስ ሃብቲ ዉን ክሓብራ ኣይክእላን። ቅ.ይስሓቅ ሶሪያዊ ከምዚ በለ “እቲ ንደቂ ሰባት ዘፍቅር(ንብጻዩ ዘፍቅር)፣ ኲሉ ዘለዎ ሃብቱ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንድኻታት ይዕድል”። ባህርያት ፍቕሪ ከምዚ እዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ፍቕሪ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታዉ ኣይከኣልን። ዘኬዎስ ዉን ነዙ ሓቂ`ዚ ኣስተዉዓለ።

ዉሕድ ምስ ትዉንን፣ ዓይነት ህይወትካ ዉን ኣዝዩ ቀሊልን ጽሩይን ይኸዉን። ኲሉ ተረፍ ነገር ካብ ህይወትኻ ምስ ተኣልየ፣ ልቢ ናብ መስመራ ትኣትዉ። ቀስ ብቀስ ናብ ቀንዲ መስመራ ትሕዝ። ኣብኡ ድማ ናብ ሰማያት ዘብጽሕ መሳልል ኣሎ።

ሽዑ ምጽላይ ጸሎት ዉን ዝቐለለ ይኸዉን፣ ብሙሉእ ልቢ፡ ብተመስጦን፡ ብሙሉእ ሓይሊን ክጽለ ይጅምር። እቲ ጸሎት ዉን ዕምቈት ኣለዎ። ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ጸሎት ድማ፣ ናይ ምሕረት ጸሎት ምቕራብ ይኸዉን።

ምኽንያቱ እቲ ሓጥእ አረ `ቲ ሓለቓ ሓጥኣን (1ይ ጢሞ 1፥15)፣ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኡ ምሕረት ከዉርደሉ ካብ ምጽላይ ሓሊፉ ካልእ እንታይ ድሌት ኪህልዎ ይኽእል? ገለ ኪዉፍዮ ዚኽእል ነገር ኣለዎ ድዩ? እዚ ሓለቓ ሓጥኣን እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ፣ ወይስ ፍቓድ ወይ ርግኣት ኣለዎ? ብርእሱ ገለ ነገር ኬስልጥ ይኽእል`ዶ? ዝዀነ ኣፍልጦ`ዶኸ ኣለዎ? እዚ ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይዉንን ሰብ ገለ ነገር`ዶ ኸ ይርድኦ? ዘቕልበሉን ዘስተዉዕሎን ዚግንዘቦ ናተይ ዚብሎ ነገርሲ ኣሎዶ?

ዋላ ሓንቲ ነገር ዝዉንኖ የብሉን፣ ምኽንያቱ ሓጢኣት ባዶነት እዩ፣ ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይምዉናን እዩ። ሓጢኣት ህላወ ስለዘይብሉ፣ ባዶነት እዩ። ሓጢኣት ባዶነት፣ ኣልቦነት፣ ጸላም፣ ክሕደት፣ እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሓጥእ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ባዶነት የዕርፍ።

እምበኣር ሓጥእ ንነብሱ ብኸምዚ ኣገባብ እዩ ዝጥምታ። ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ፣ ባዶ ሰብ ጌሩ ንነብሱ ይጥምታ። ዝያዳ ዉሑድ ዝዉንን፣ ዝያዳ ሃብታም እዩ። ዋላ ሓንቲ ዝዉንኖ ስለዘይብሉ፣ ገዝኡ ባዶ እያ። ባዶ ማለት፣ እታ ገዛ ብሓላፊ ጠፋኢ ንብረት ዘይተመልአት ጽርይቲ ክፍሊ እያ። እዛ ባዶ ክፍሊ ግና በንጻሩ፣ ብምልኣት ዘለኣለማዊ ህይወት፣ ብብርሃን፣ ብፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረትን ተመሊኣ ኣላ። ኣብዛ ገዛ ጐይታ ከም ጋሻ ሓዲሩ ኣሎ።

ግና ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ሓጥእ ንጐይታ ኪቕበል ዚበቅዕ? ከመይ ጌሩ ኣብ ጸልማት ህይወት እንከሎ፣ ኣምላኽ ናብኡ ቁሊሕ ኢሉ ክጥምቶ ትጽቢት ዝግበር? እዚ ሰብ`ዚ ዋላ ብዙሕ ጻዕሪ ይጽዓር፣ ነፍሱ ከጽሪያ ይትጋህ፣ ብዙሕ ገድሊ ይጋደል፣ ብዙሕ ሰናይ ተግባር የዘዉትር፣ ክንዲ`ቲ ዝኸኣሎ ቃል ወንጌል ክፍጽም ይጽዓር፣ ይንቃሕ፣ ይጹም፣ ገዛእ ርእሱ ክሒዱ ንጐይታ ይስዓብ፣ ኰታስ ብሓጺሩ ብዙሕ ጽድቒ ይግበር፤ ኲሉ ግዜ ናብ ድሕሪ ምዉዳቕ፣ ናብ ጸያፍ ዋዛ፣ ናብ ባእሲ፣ ክትዕ፣ ትህኪት፣ ዘይዕጉስ፣ ምምራርን፣ ወዘተን ምዉዳቑ ኣይተርፎን። ስለዚ ከመይ ጌሩ ደኣ`ዩ ጐይታ ናብ ከምዚ ዝበለ ክፍሊ መጺኡ ክሓድር ትጽቢት ዝገብር?

እምበኣር ይጸሊ፣ “ኦ እግዚአብሔር መሓረኒ። ንዓይ ንሓጥእ መሓረኒ። ብሓቂ ንዓኻ ከገልግል ዚከኣለኒ ይገብር ኣለኹ፤ ነቲ ክከናኸኖ ዝሃብካኒ ግራት ልበይ ሓረስክዎ፣ ነተን ማለይ ዉን ኣብላዕክወን /ሉቃ 17፥7-10/። እንተዀነ ኣነ ሓደ ተራ ዘይረብሕ ባርያኻ እየ፣ ብዘይብኣኻ ዉን ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይኽእልን። ስለዚ መሓረኒ፣ ብጸጋኻ ምልኣኒ” ይበል።

በዕዮ እምነቱ የሐይል፣ ብጸሎት ድማ ዕዮ ዝዓየሉ ሓይሊ ይረኽብ።

ስለዚ ዕዮን ጸሎትን ክልቲኦም ተወሃሂዶም ሓደ ክሳዕ ዝዀኑ፣ ብሓባር ይስጉሙ። ስርሑ ምጽላይ እዩ፣ ጸሎት ድማ ስርሑ እዩ። እምበኣር ቅዱሳን፣ ‘መንፈሳዊ ተግባር ወይ ዉን ናይ ልቢ ጸሎት’ ዝብልዎ ነዚ እዩ። ናይ ልቢ ጸሎት ዝበሃል፣ ጸሎተ ኢየሱስ (እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ) እዩ።