ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ

ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ

 

22 ጥሪ ቤተክርስቲያንና ንኣበ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ እትዝኽረሉ ዕለት እዩ። ክንዲ ርእሰ መነኮሳት ቅ.እንጦንስ ጌሩ ንዓለም ዝጸለወ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ የለን። ኣብ ዂሉ ዓለም ብስሙ ዝተዶኸና ብዙሓት ገዳማት ኣለዋ። ንሎሚ እንበኣር ምስ ቅዱስ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት ዝተግበረ ዕላል ሒዘ ቐሪበልኩም ኣለኹ።


ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ክቡራት ኣንበብቲ እዛ ብሎግ፣ ንሎሚ ዕላል ምስ ሓደ ዓቢ ቅዱስ ኣቦ ሒዘልኩም ቀሪብ ኣለኹ፣ ነዚ መደብ ከካዉን ነዊሕ ዘመናት ፈቲነ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ተራኺብና። እዚ ኣቦ`ዚ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣቦታት ቤተክርስቲያንን፣ ንዓለም ካብ ዝጸለዉ ተጠቐስቲ መራሒን ኮይኑ፣ ምንጪ ብዙሓት ትምህርቲ እዩ። ደረጃ ትምህርቱ ትሑት ዲግሪ ዘይብሉ ክነሱ፣ ምንጪ መቦቆላዊ ሓሳብ እዩ፤ ክህነት ዘይብሉ ክነሱ፣ ንምዕራብን ምብራቕን ክርስቲያናት ብህይወቱ ዝጸለወ እዩ፤ ብዛዕባ ፖለቲካ ዘይግደስ ክነሱ፣ ብብዙሓት ኣቦታትን ነገስታትን ዝፍተዉ እዩ፤ ምስ እግዚአብሔር ምእንቲ በይኑ ክነብር ዓለም ሓዲጉ ዝመነነ ክነሱ፣ ልቢ`ቶም ኣብ ኲሉ ዘመናት ዘለዉ ክርስቲያናት ዝማረኸ እዩ። 
ከም ሰብ ኣነ ጸሓፋይ እየ፣ መንፈሳዊነት ዘይብለይ ድርቡይ እየ፣ ምስዚ ክቡር ኣቦይ ኮፍ ኢለ ከዕልል ምብቀዐይ፣ ንዓይ ዓቢ በረኸት እዩ።
ቅዱስ እንጦንስ የቐንየለይ. . . ኣነ ዉን ብመልክዕ ኣምላኽ ምስ ዝተፈጥረ ሰብ ኮፍ ክብል ምብቐዐይ ዓቢ ዕድል እዩ። 
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ብሓቂ ሕያዋይ ኢኻ! እምበኣር ሕጂ ናብ ቃለ መሕትትና ክኣቱ፣ በየን ክንጅምር ኣባ?
ቅዱስ እንጦንስ ብሓጢኣተይ እንተጀምርና`ኸ?
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- እዋእ ገና ዕላልና ጅምር ክነብልሲ፣ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ክትዛረብ! ቅድሚ ሕጂ ምስ ብዙሓት ቃለ መሕትት ጌረ እየ`ሞ፣ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ብምዝራብ ክጅምር ዝደሊ ኣየጋጠመንን። ዓለም ኲሉ ብቅዱስ እንጦንስ እያ ትፈልጠካ።  
ቅዱስ እንጦንስ እወ፣ ግን እዚ ጌጋ እዩ፣ ዓለም ተጋግያ ኣላ፣ ከምዚ ኢላ ክትፈልጠኒ ኣይግባኣን።
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ተጋግያ? ከመይ ማለት እዩ? ብሓቂ ትሕትናኻ ትገለጽ ኣለኻ።
ቅዱስ እንጦንስ እዚ ትሕትና ኣይኰነን፣ ገዛእ ርእስካ ብግቡእ ምፍላጥ እዩ። ንስኻ ከም ትሕትና ጌርካ ትሓስቦ፣ ኣነ ግና ገዛእ ርእስኻ ብቅኑዕ መንገዲ ምፍላጥ ምዃኑ እዩ ዝርድኣኒ። ቅዱስ ጳዉሎስ`ዶ “ቀዳማይ ሓጢኣተኛ” እየ ኣይበለን።
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ብዛዕባ ህይወትካ እስከ ነዕልል፣ ወዲ`በይ ሃገር ኢኻ ?
ቅዱስ እንጦንስ ክብጣዊ እየ፣ ኣብ ተቤይድ ዝበሃል ቦታ ኣብ ከባቢ 250 ዓ.ም. ተወሊደ። ወለደይ ዝጽኑዓት ክርስቲያናት ኔሮም።
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- “ክብጣዊ” እንታይ ማለት እዩ? ተቤይድ`ኸ ኣበይ ትርኸብ?
ቅዱስ እንጦንስ “ክብጢ” ብግሪክ፣ ዓረብን ላቲንን፣ ኮይኑ “ግብጻዊ” ማለት`ዩ፣ ብፍሉይ ንግብጻዉያን ክርስቲያናት ዝተዋህበ ስም እዩ። ተቤይድ ድማ ኣብ ላዕላይ ግብጺ እትርከብ ንኢሽተይ ዓዲ ኮይና፣ ብሕርሻ ዝናበሩ ሕያዎት ህዝቢ ዝሓዘት እያ።
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ናብ ዳሕራይ ህይወትካ ክወስደካ፣ ኣብ ህይወት ነጥቦ መቐይሮ ዝኾነካ ኣጋጣሚ ኣሎ`ዶ?
ቅዱስ እንጦንስ እወ ብርግጽ ኣሎ። ሓንቲ ጥቅሲ እያ ንህይወተይ ዝቐየረቶ። “ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዓበኒ፡” (ማቴ 19፥21)።
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡–  ኣዝዩ ይገርም! በዛ ሓንቲ መስመር ጥራይ ንህይወትካ ቀዪርካ?
ቅዱስ እንጦንስ እወ ብሓቂ በዛ ሓንቲ መስመር ጥራይ እየ ንህይወተይ ቀዪረ፣ ግን እዛ ሓንቲ መስመር ብጐይታ ዝተንግረት ቃል እያ።
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡ ድፍረት ከይኑ ከይሰምዓካ እምበር፣ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ። ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ዓለም ካብ ዝርኸብ ጸቕጢ ዝበዝሖ ሓቀኛ ህይወት ሓዲግኻ፣ ናብቲ ቀሊል ህይወት ገዳም ዝኣተኻ? ኣብኡ ፈተና የለን፣ ስራሕን ጭንቂን ዉን የለን፣ ኲሉ ሰላም እዩ?
ቅዱስ እንጦንስ፦ ጥዑምን ቀሊልን ህይወት`ዶ ኢልካዮ! እስኸ ክሓተካ? ኣብ ኣፍደገ ገዛኻ ሃንደበት ዝጥሕሩ ድምጺ ኣራዊት እንተትሰምዕ`ሞ፣ ክጥሕሩኻ ኢሎም ድማ ብዂሉ ወገን እንተዝዕምሩ፣ ጥዑም ህይወት`ዶ ምበልካዮ?!
ፍ.ኣ፦ እዋእ?!
ቅ.እ.፦ ሃንደበት ንስኻ ኣብዘይተጸበኻዮ ግዜ፣ ኣጋንንቲ መጺኦም ትንፋስኻ ክሳብ ትሓልፍ እንተዝቕጥቅጡኻ፣ ኣብቲ ዘልኻዮ ቦታ ድማ፣ ኣይ ምዉት ኣይ ጥዑይ ጌሮም እንተዝሓድጉኻ፣ ቀሊል ህይወት`ዶ ምበልካዮ?
ፍ.ኣ፦ እንታይ ትብል ኣለኻ?
ቅ.እ.፦ ኣጋንንቲ ብቐጻሊ ኣብ መንገድኻ ወርቂ እንተዝሓድጉልካ፣ ወይ ድማ ብምስሊ ዘማዊት ሰበይቲ ተገሊጾም እንተዝፍትኑኻ፣ ወይ ድማ ብዘፍርሕ ምስሊ ተጋሂዶም ክቐትሉኻን ክጥሕሩኻን እንተዝፍትኑ፤ ነዚ ኹሉ ኣጋጣሚታት ፈተናታት`ዶ ኣይምበልካዮን?
ፍ.ኣ፦ ፍጹም ከምዚ ኣይተጸበኽዎን!
ቅ.እ.እወ ሓቕካ ዘይትጽበዮ እዩ። እዚ እቲ ዘሕዝን ናይ ገዳም ህይወት እዩ። ብዙሕ ገድሊን መኸራን ኣለዎ።
ፍ.ኣ፦ እሞ ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ህይወት፣ ከመይ ጌሩ ሰብ ክጻወሮ  ይኽእል?
ቅ.እ.፦ ንሕና ብስጋ ጥራይ ኢና ንጋደል፣ ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ልዕሊ ዂሉ እኹል እዩ፣ በቲ ናቱ ሓይሊ ድማ ኲሉ ይኸኣል።
ፍ.ኣ፦ ከመይ ማለት እዩ? እስከ ኣረድኣኒ?
ቅ.እ.፦ መግበይ ኲሉ ግዜ ህብስቲ ምስ ማይን ጫዉን እዩ። ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ይበልዕ፣ ኣብ ባይታ ይድቅስ፣ ካብ ጸጉሪ ዝተሰርሒ ክዳንን፣ ቆርበት ከብቲን ይኽደን፣ ቅናት ይቕነት. . . ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ይገብር። ሓሳበይን ኲሉ ድሌታተይን ንክርስቶስ ሂበዮ፣ በቲ ናቱ መጋቢነትን ሓይሊን ኸኣ ንዂሉ ክሰግሮ ክኢለ። ኲሉ ግዜ ንዓይ ከድሕን ይመጽእ።
ፍ.ኣ፦ ከምዚ ነገር ከም ዘሎ ፍጹም ይፈልጥ ኣይነበርኩን። እስከ ንቀጽል ኣባ! ኣብ ሳልሳይ ክ/ዘ ኢኻ ዝነብርካ፣ ኣብቲ ግዜ ድማ ብዙሕ ስነፍልጠታዊ ምርምር ኣይነበረን፣ ኣብ ከምዚ ዘመን ምንባርኻ ቅሩብ ሕርኽርኽ`ዶ ይብለኻ? ማለት ኣብ ስነፍልጠታዊ ምዕባለ ዘይነበረሉ ዘመን ብምንባርኻ ይስማዓኻ`ዶ?

When you are under stress, you run the risk of any side-effect order levitra online purchasing that for the very simple reason that the medicine takes effect so quickly.

ቅ.እ.፦ ምናልባት! ግን ሓደ ነገር ምዝኻር ጽቡቕ እዩ። ዓለም ሕጂ ብዙሕ ስነፍልጠታዊ ምዕባለታት ኣለዋ፣ ኮይኑ ግና ኣብ ስነምግባርዊ ድንቁሩና ከኣ ትርኸብ። ብዙሕ ምርምርን ፍልጠትን ኣሎ፣ የግዳስ ማዕረ ምስኡ ድማ ካብ ባህሪያዊ ነገራት ወጻኢ ይግበር፣ ካብ ልሙዳዊ ኣካይዳ ዝረሓቀ ህይወት፣ ካብ ሕሊና ዝረሓቀ ኣካይዳ ኸኣ ኣሎ።
ፍ.ኣ፦ ብርግጽ ሓቕካ ኣለኻ፣ ኣነ ዉን ብዛዕባ`ዚ ከዛርበኻ ደልዬ ኣለኹ። ወደ መዝሙርካ ዝነበረ ዝመዝገቦ ብሂል ናትኻ ኣሎ። ብሓቂ እዛ ብሂል ንዓይ ኣዝያ ስለዝመሰጠትኒን፣ ምስዚ ሕጂ ዝበልካዮዉን ስለትኸይድ፣ ብዛዕባኣ ክሓትት።
ሰባት ኲሎም ጸለለል ዝብሉሉ ግዜ ክመጽእ እዩ። ሽዑ ሓደ ከምኦም ዘይተጸለለ ሰብ ምስ ዝርእዩ፣ ኣርኪቦም ይሕዝዎ እሞ ‘ካባና ዝተፈለኻ ስለዝዀንካ፣ ጽሉል ኢኻ’ እንዳበሉ ይቕጥቅጥዎ፣
ብሓቂ ንስኻ ከምዚ ኢልካ ተዛሪብካ ዲኻ?
ቅ.እ.፦ እወ ከምዚ ኢለ ተዛሪበ እየ። ኣብ ደቂ ሰባት ሓባራዊ ጽላለ ዝበሃል ኣኻይዳ ኣሎ። ንሓደ ሓድሽ ነገር ምናልባት ሓደ ሰብ በይኑ እንድሕሪ ጌርዎ፣ ጽላለ ኮይኑ ይዉሰድ ይከዉን፣ ኮይኑ ግና ኲሉ ሰብ ብሓባር እንድሕሪ ነቲ ነገር ፈጺምዎ፣ ከም ጽላለ ኣይዉሰድን።
ፍ.ኣ፦ ንኣብነት?
ቅ.እ.፦ ንኣብነት ንዓይ፣ ጠበንጃ ሒዝካ ናብ ሓደ ገዛ እንዳቶከስካ ምኻድ ጽላለ ኮይኑ ይስመዓኒ፣ ኮይኑ ግና ንካልኦት ሰባት ኣእሚነ፣ ከማይ ጠበንጃ ሒዞም ሰባት ከሳጉጉ እንተዝጅምሩ፣ ማንም ሰብ ጽሉላት ኣይብሎምን። በዚ ምክንያት ድማ ኣብ ዓለም ድሌትኻ እትፍጽመሉ መስርሕ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ዘይልሙድን ስግንጢር ነገራትን ብሕብረት ይገብሩ ኣለዉ፣ ምኽንያቱ ዝበዝሐ ህዝቢ ነዚ ንሳቶም ዝገብርዎ ዘለዉ ነገራት “ባህሪያዊ” ጌሩ ስለዝሓስቦ እዩ። ዳርጋ ዂሉ ሰብ ኣብ ግዜና ተጸሊሉ ስለዘሎ፣ እቶም ነቲ ሓቂ ርእዮም ዝፈርዱ ሰባት፣ በዞም ብሕብረት ዝተጸለሉ ጉጅለ  “ድንዙዛት ፍቕሪ ዘይብሎም ናይ ቀደም ሰባት” ተባሂሎም ይጽረፉ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ።
ፍ.ኣ፦ እዚስ ብሓቂ ኣብዚ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ እዩ። ካልእ ብሂል ዉን ኣለኒ፣

 

“ተኣዛዝነትን ምሕራምን ንሓደ ሰብ፣ ኣብ ልዕሊ ኣራዊት ንኽስልጥን ይገብሮ” 
እንታይ ማለት እዩ? ብሓቂ ሰብ እንድሕሪ እዙዝን፣ ካብ ብዙሕ ነገራት ዝሕረም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ኣራዊት ክስልጥን ይኽእል ድዩ? ንተመንን ዕንቅርቢትን ክገዝአን ይኽእል?
ቅ.እ.፦ ሓሳበይ ኣይተረዳእኻዮን፣ “ኣራዊት” ተባሂሎም ዘለዉ፣ ነቶም ናይ ግዳም እንስሳታት ማለተይ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ነቶም ኣብ ስጋና ዝነግሱ`ሞ ኣራዊታዊ ባህሪ ከነርኢ ዝገብሩና ጠባያት፣ ማለት ትዕቢት፡ ፍትወት፡ ቅንኢ፡ ፍርሒ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው፣ እዚኦምን መሰላቶምን እየ፣ ኣራዊት ዝበልክዎም። ሓደ ሰብ ነዞም ኣብ ህይወቱ ዝገዝእዎ “እንስሳታት” ክስዕሮም እንድሕሪ ደልዩ፣ እዙዝን፣ ተሓራሚን ክኸዉን ይግባእ። ንመንፈሳዊ ኣብኡ፣ ንካልኦትን ክእዘዝ ኣለዎ። ካብ ዓቐኑ ዝሓለፈ ምቾትን፣ ብልዒን ድማ፣ ተሓሪሙ ክጸዉም ኣለዎ። ከምዚ እንድሕሪ ጌሩ ኣብ ልዕሊ`ዘን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን ባህሪያት ክስልጥንን፣ ክገዝአንን ይኽእል። እቲ ዝገርም ናይ 21 ክፍለ ዘመን መናእሰያት፣ ንተኣዛዝነትን፣ ምሕራምን ኣይድግፍዎን፣ ኣዝዩ ይገርም እዩ።
ፍ.ኣ፦ ሓንቲ ዝሰማዕክዋ ዛንታ ኣላ። 

 

ሓደ ግዜ ኣሕዋት ንሓደ መነኮስ ኣብ ቅድሚ ኣባ እንጦንስ፣ ብዙሕ ወደስዎ። እቶም ኣሕዋት ናብኡ ምስ መጽኡ፣ ኣባ እንጦንስ፣ እቲ መነኮስ ነቲ ዉዳሴ ከምዝተቐበለ፣ ንጸርፊ ድማ ይቕበሎ`ዶ ይኸዉን ብምባል ከረጋግጽ ፈተኖ። እቲ መነኮስ ግና ንጸርፊን ንዕቐትን ክቕበል ኣይከኣለን። ሽዑ ኣባ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፣ “ንስኻ ብግዳማ ኣዝያ ዝወቐበት፣ ብዉሽጣ ግና ብጎሓሉትን ሰረቕቲን ዝዓነወት፣ ንኢሽተይ ዓዲ ኢኻ።”
እንታይ እዩ እቲ መልእኽቲ?
ቅ.እ.፦ ዝዀነ ሰብ ክሙገስ እንከሎ፣ ብሓጎስ ይቕበሎ እዩ። በዚ ግና ናይ ሓደ ሰብ ትሪ ክትፈልጦ ኣይከኣልን። እዃ ደኣ ጸርፊ ብጸጋ ዝቕበል እንድሕሪ ኮይኑ እዩ፣ ናይቲ ሰብ ብርትዐን ትሪን ዝረጋገጽ። ንዓሰርት ሰባት ወሲድካ፣ ብዙሕ እንተ ኣድኒቕካዮምን ንኢድካዮምን፣ ኣብ ገጾም ብዙሕ ፍልልይ ኣይትርእይን። በንጻሩ እንድሕሪ ጸሪፍካዮም ግና፣ ኣብ ገጽ ነፈሲ ወከፎም ብዙሕ ነገር ከተንብብ ትኽእል። ሓደ ሰብ ንጸርፊን ንዕቐትን ብጸጋን ብሰላምን ክቕበሎ እንድሕሪ ዘይክኢሉ፣ ካብቲ ሓቀኛ ስነምግባርን ትሩፋትን ፍጹም ርሑቅ እዩ።
ፍ.ኣ፦ እዚ ዝበልካዮ ቅድሚ ሕጂ፣ ኣብ ርእሰይ ፈጺመ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን።
ቅ.እ.፦ እዚ ነገር ኣዝዩ ክብጻሕ ዘይኽእል ይመስል ይከዉን፣ ግን ኣምላኽ እዩ ሓይሊ ዝህብን፣ ሞቶር ኮይኑ ዘንቀሳቕሰካን። ሰብ ኣእጋሩ ኣብ መንገዲ ድሕነት እንድሕሪ ኣንቢሩ፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ይመርሖ፣ ጸግኡ ዉን ድርኺት ኮይኑ ይሕግዘና።
ፍ.ኣ፦ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ወደ መዝሙርካ ዝነበረ ኣትናቴዎስ ክሓተካ። ንሱ ብዛዕባ ታሪክ ህይወትካ ዘዘንቱ ገድልኻ ዝጸሓፍ እዩ። ኣብታ “ህይወት ቅዱስ እንጦንስ” ትብል መጽሓፍ፣ ከምዚ ብምባል ጽሒፉ።

 

“ኣብ ሕሉፍ ህይወቱ ኣይነብርን፣ ኣብ ጸጽባሕ ከም ጀምሪ ኮይኑ ይብገሰ፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ብምሕሳብ ግዜ ኣየሕልፍን. . . ብቀጻሊ ይጋደልን ይተግህን ነበረ። ከምቲ ጳዉሎስ ናይ ድህሪተይ ገዲፈ ናብ ቅድሚት ይመጣጠር ኣለኹ ዝበሎ፣ ንሱ ዉን ናይ ድሕሪት እንዳገፈ፣ ናብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ነገር ክበጽሕ ይጽዕር ነበረ።”
እዚ እንታይ ማለት እዩ? ብመንፈሳዊ ህይወትካ እንድሕሪ ትዓቢ ሃሊኻ፣ ስለምንታይ መዓልታዊ ከም ሓድሽ ጀማሪ ምዃን ኣድለየ? ሓንቲ መዓልቲ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ኣይትሓይሽን ድያ? ስለምንታይ መዓልቲ ከም ሓድሽ ጀማሪ ትጅምር?
ቅ.እ.፦ ብህይወተይ ሕጉስ ኣይነበርኹን። ዋላ ሽሕ ግዜ ንኣምላኽ ከሐጉስ ይጽዓር፣ መዓልታዊ ሓጢኣተይ ይዝኽር ነበርኹ። ስለዚዀነ ድማ ንመዓልቲ ከም ሓድሽ ጀማሪ ጌረ ክቕበላ ወሰንኩ፣ ከምኡ ድማ ገብርኹ። ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ ህይወቱ ይዓቢ ከምዘሎ ከረጋግጽን ክፈልጥን ጽቡቕ እዩ፣ ምስኡ ማዕረ ማዕረ ድማ፣ መዓልታዊ ክሕደስ ኣለዎ። ነቲ ናይ ትማሊ ሓጢኣት ብንስሓ ደምሲስካ ብምሕዳስን፣ ነዛ ሓዳስ መዓልቲ`ዚኣ ንእግዚአብሔር ዘሐጉሰሉ ንዑ ተመስግነሉን ሓድሽ ኣጋጣሚ ምዃኑ ምዝኻር የድሊ። ኣብ ሙሉእ ዘመነይ ዝተጠቀምኩሉ መምርሒ ናይ ህይወተይ እዚ እዩ። 
ፍ.ኣ፦ ብሓቂ እዚ ዝተገብረ ዕላል መሃሪን ሃናጺን እዩ፣ ኣማኢት ሰባት ስለምንታይ ዓለም መኒኖም ኣሰርካ ብምስዓብ ናብ ገዳም ከምዝኣተዉ  ሕጂ ፈለጥኩ። ህይወትካ ክሰዓብ ዝግብኦ ኣርኣያዊ ገድሊ እዩ፣ ክሰዓብ ዉን ይግባእ! 
ቅ.እ.፦ ምሽ. . . ይገርም እዩ፣ እቶም ንዓይ ዝሰዓቡ ተጋግዮም ኣለዉ።
ፍ.ኣ፦ እንታይ ማለትኻ እዩ?
ቅ.እ.፦ ንሳቶም ንዓይ ይስዕቡኒ ነበሩ፣ ኣነ ግና ንኣምላኽ ይስዕብ ነበርኩ። ንሳቶም ንዓይ ከም ቁጽሪ ሓደ ይሰርዑኒ ነበሩ፣ የግዳስ ኣነ ቁጽሪ ክልተ እየ፣ እግዚአብሔር እዩ ቁጽሪ ሓደ ክኸዉን ዝግብኦ። ንሱ እቲ መራሒ ኣብ ዝመርሖም ድማ፣ ኲሉ ግዜ ክስዕብዎ ይግባእ።
 
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፦ ብሓቂ ኣባ በረከትኩምን ጸሎትኹምን ኣይፈለየና። የቐንየልና!
ስለቲ ዘይንገር ዉህብትኡ፣ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹን!
በረኸት ቅዱስ እንጦንስ ኣበ መነኮሳት ምስ ኩልና ይኹን!
ምንጪ፣ http://suscopts.org/resources/literature/248/getting-to-know-the-fathers..