መንገዲ ባሕታዉያን 26

 ምዕራፍ 26. ክቡር ዝዋግኣ ጽብቕቲ ዕንቊ /ማቴ 13፥45/

 
እምበኣር ንስኻ ዘይትረብሕ ኢኻ፣ ፍልጥት ዝረሓቀካ፣ ሰናይ ሓሳብን ግብሪን ዘይብልኻ፣ ናይ ሕሉፍ ተዘኽሮታት ይኹን ናይ መጻኢ መደብ ዘይብልኻ፣ ዘይትጠቅም ድርቡይ፣ ፍጹም ዘይትሰምዕ ኣብ መንገዲ ከም ዘሎ እምኒ፣ ዉሽጡ ብሓሰኻ ዝነቐዘ ምሽሙሽ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ ዝተደርበየ ዝሞተ ዓሳ፣ ኢኻ። ከምዚ ምዃንካ ካብ ፈለጥካ፣ ብንብዓት እንዳልቀስካ፣ ከምቲ ጥፉእ ወዲዝ ዝገበሮ፣ ኣብ ቅድሚ ፈራዲኻ፣ ፈጣሪኻን፣ ኣቦኻን መድሓኒኻን፣ ጐይታኻን ሓላዊካን፣ ኣብ ቅድሚ መንፈስ ሓቂን ወሃቢ ህይወትን፣ እግዚአብሔር ክትቀዉም ይግባእ። ኣፍልብኻ እንዳወቃዕካ ድማ፣ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ/ሉቃ 1521/ በል። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ንዓይ ንሓጥእ መሓረኒ።
ክሳዕ ክንደይድኹም ምምዃንካ ባዕልካ ኣርጊጽካ ትፈልጥ ኢኻ፣ ስለዚ ኣብ ቅድሚ` ዂሉ ዝኽእል እግዚአብሔር፣ ከም ሓሰኻ ምድሪ ኮይንኻ ቅረብ። ሰብ ክሳእ ክንደይ ድኹም ምዃኑ እንድሕሪ ፈሊጡ፣ ሽዑ ንካልኦት ሰባት ዉን ከፍቅር ይጅምር። ድኻሙ ዘየስተዉዕል ሰብ ግና፣ ንካልኦት ክሓሊን ከፍቕርን ኣይኽእልን። ኲሉ ሰብ ብኣምላኽ ዝተፍጥረ እዩ፣ ኣብ ዉሽጡ ድማ ምስሊ ኣምላኽ ኣለዎ። ኣምላኽ ድማ በቲ ዘይምርመር ባህሪኡ፣ ንዘለኣለም የፍቕሮም፣ ስለዚ ንስኻ ድማ ከተፍቕሮም ይግብኣኻ።
እቲ ልሙዳዊተግባራትካ ኣይተግዱል፣ ማለት ስራሕ ምዉፋር፣ ደቕካ ብክርስቲያናዊ መንገዲ ምዕባይ፣ ዕዳጋ ምኻድ፣ መግቢ ምድላዉ፣ ኣኼባ ምስታፍ፣ ግብሪ ምኽፋል፣ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ምስታፍ፣ እጃምካ ምብርካት፣ ኩሉ` ክትነብር ዘድለየካ ግዳማዊ ንጥፈታት ቀጻሊ ብግቡእ ግበር። ምኽንያቱ ብዘይብኡ ክትነብር ኣይትኽእልን። ነዚ እንዳገብርካ ግና፣ ማዕረ ማዕረ እዚ ግዳማዊ ተግባራትካ፣ ንልብኻ ምንጻህ ትኽእል ኢኻ። ልብኻ ዝያዳ እንዳነጽሀትን እንዳበርትዐትን ክትመጽእ እንከላ ድማ፣ ናብ ሰማያትን ናብ መንፈሳዊ ህይወትን እንዳቐረብካ ትዓቢ። ምክንያቱ ሓደ ነገር ክትረኽብ ኢልካ ካልእ ነገር መስዋእቲ ከፊልካ ኢኻ። ስለዚ ብመንፈስ ክትዓቢ ኢኻ።
ቅዱስ ዮሃንስክሊማኮስ ንዓኻ እንድሕሪ ሒዘ፣ ካብ ዓለም እንታይ ይጎድለኒ?” ኢሉ ይሓትት`  ዋላ ሓንቲ ብምባል ምስ መለሰ፣ ቀጺሉ ከምዚ ይብል ብቀጻሊ ብምጽላይን፣ ቀሰይ ኢለ ድማ ምሳኻ ምጥባቕን እዩ። ገሊኦም ብሃብቲ ይግዝኡ፣ ገሊኦም ብስልጣን፣ ገሊኦም ዉን ብሃብቲ፣ እንተ ኣነ ግና፣ ምሳኻ ምንባር እንድሕሪ ዘይኰይኑስ ካልእ ድሌት የብለይን
ገዛእ ርእስኻብምክሓድ፣ ንጸሎት ሒዝካ ኣለኻ፣ በዚ ዉን ህይወትካ ክኸዉን መዲብካ። ዳርጋ ንክትጽሊ ክትብል ጥራይ ምንባርካ ትናፍቅ። ካብ ሕጂ ሓንቲ ዕላማ ጥራይ ሒዝካ ኣለኻ፣ ንሱ ድማ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ እዩ /ዘፍ 69/ ካልእ ዕላማ የብልካን። ኣብዚ ዕላማ ድማ፣ ኩሉ ምድራዊን ሰማያዊን ተጠቓሊሉ ኣሎ። እቲ ስም ክርስቶስ ዝጸዉር ዘበለ፣ ሕማም ይኹን መከራ፣ ሞት ይኹን ስቓይ፣ ኣይረኽቦን። ድሮ ኣብ ዘለዓለማዊ ህይወት ክነብር ጀሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ንኹሉ ነገር ዝሓቁፍ ሰማያዊ ህይወት ክንበር ሶጊሙ እዩ።
ከመይ ምዃኑኣይተፈልጥን፣ ግን ሰማያዊ ሓሳባትን ድሌታትን ለይቲን መዓልቲ ኣብ ልብኻ ይዝራእን ይዓቢን ኣሎ። ባዕላ እታ ምድሪ ተቡቑል፣ ምድሪ እወ ልብኻ፣ ቅድም ትቦቅል፣ ደሓር ቆጽሊ ተዉጽእ፣ መሊሳ እዝኒን ጉንዲ ትኸዉን፣ ደሓር ትዕንብብን ፍረ ትሕዝን።እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጠ፡ ይበቍል ይዓቢውን። እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ።” /ማር 427-28/

These conditions should be verified properly deeprootsmag.org viagra online in order to detect the very reason of lack of sexual desire.

ቅዱሳንዘይጠፍእ ብርሃንኢሎም ዝጽዉዕዎ ህይወት ኣሎ። ኣዚ ብርሃን ናይ ዓይኒ ዘይዀነስ ናይ ልቢ ብርሃን እዩ። ብንጽህናን ቅድስናን ክመላለስ ዝደሊ ብርሃን። ንጸልማት ኣብ ድሕሪት ሓዲጉ፣ ናብ መዓልቲ ክበጽሕ ዝመጣጠር። ናይ ቀጻሊ ስርሑ ድማ፣ ብዘይምቁራጽ ምንጻህን ምጽራህን እዩ። እዚ ብርሃን`ዚ፣ ፍጹም ዘይጠፍእ ናይ ዘለዓለም ብርሃን እዩ። ግዜን ነገራትን ከይዓገቶ መመሊሱ ዝደምቕ ብርሃን። ቅዱሳን ግና ነዚ ብርሃን ተዋሂቡና ኢሎም ኣይዛረቡን፣ እንታይ ደኣ፣ ኣብቶም ፍቕሪ እግዚአብሔር ስዒርዎም፣ ምእንቲኡ ክብሉ፣ ልቦም ዘንጽሁን፣ ብምርጭኦም ነታ ቀጣን መንገዲ መሪጾም፣ ብኣ ዝመላለሱ ሰባት፣ እዚ ብርሃን ክወሃቦም እዩ ይብሉ።
እዛ ቀጣንመንገዲ መወዳእታ የብላን፣ ብልጫኣ ዘለኣለማዊት ምዃና እያ። ኣብዛ ቀጣን መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ህሞት፣ ናይ ፈለማ ህሞት እዩ። እዚ ህሞት`ዚ ነቲ ናይ መጻኢ ግዜ ማለት መዓልቲ ፍርዲ ዉን ዝሓዘ እዩ። እዚ ህሞት`ዚ ነቲ ሕሉፍ ግዜ ማለት ግዜ ምፍጣር ዓለም ዉን ዝሓዘ እዩ። ምክንያቱ ክርስቶስ፣ ግዜ ዘይሓጽሮ ዘለዓለማዊ እዩ፣ ኣብ ኲሉ ይርከብ፣ ኣብ ሰማያት ይኹን ኣብ ትሕቲ ምድሪ፣ ንዂሉ ዝሓዘ ንሱ እዩ። ንሱ እቲ ሓደ ጐይታ ክገሃድ እንከሎ፣ ምፍልላይ ይጠፍእ። ሕጂን ኣብዚን ኣብ ኲሉ ቦታን ንሱ ይነግስ፣ ኣብ ዑምቆት ልብኻ ዉን ይስልጥን። ኣብኡ ድማ ነቲ ሃረር ትብሎ ዝነበርኻ ነገር ትረኽብ። ንሱ ድማ መስቀል እዩ። ዕሙቆት፣ ንዉሓትን፣ ስፍሓትን መስቀል ክርድኣኻን፣ ክትቅበሎን ኢኻ፣ ድሕነትን መድሓኒን ክትረኽብ ኢኻ።
እምበኣር ነፍሲኻ ኣድሒንካ ዘለኣለማዊ ህይወት ክትወርስ ትደሊ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ዘዉትር ኣብ ጸጽባሕን ተበገስ፣ ተንስእ። ብትእምርተ መስቀል እንዳማዕተብካ ከምዚ ብምባል ንገዛእ ርእስኻ ባርኽ። “ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሰናይ ምጅማር ይግበረለይ፣ ኦ ኣምላኽ ጉዕዞይ ክጅምር ፍቐደለይ፣ ኣሜን።
ተፈጸመ!
ኣላዒሉ ዘጀመረ፣ ኣጀሚሩ ዘፈጸመ ልዑል ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ!
ኣሜን