ኣረጊት ቆርበትኩም ቀይርዎ-ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም

ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም (313-386 ዓ.ም.) ኣብ ራብዓይ ክ/ዘ ዝነበረ ሊቅ ናይ ቤተክርስቲያን ኮይኑ፣ ከምቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ፣ ካብ መንበሩ ብዙሕ ግዜ ዝተሰደን፣ ምእንቲ ወልድ ዋሕድ ትብል እምት ብዙሕ መኸራ መስቀል ዝቀመሰ፣ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ናብ እምነተ ክርስቲና ዝተቀበሉ ሰባት ድማ ቀጻሊ ይምህሮምን፣ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ድማ ኣብ ትንሳኤ መዓልቲ ኣጥሚቁ የቀብሎም ነበረ። ቅ.ቄርሎስ ዝፍለጠሉ ዝዓበየ ትሩፏቱ ድማ፣ ኣብ 350 ኣብ ምድረ ኢስራኤል ሓያል ድርቂ ምስ ጀመረ፣ ሃብቲ ቤተክርስቲያን እንዳሸጠ ንድኻታት የዐንግል ከምዝነበረ፣ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ይነግረና። እዚ ትምህርቲ ካብቲ ንሓደስቲ ኣመንቲ ካብ ዝመሃሮ ዝተወስደ ኮይኑ፣ ኣብ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሃንስ ኣመልኪቱ፣ ንህዝቢ ኢየሩሳሌም ዝሃቦ ትምህርቲ እዩ። ስንክሳር 22 መጋቢት ተመልከት።

“በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ። . . .ሽዑ የሩሳሌምን ኵላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ መጸት። ሓጢኣቶም እናተኣመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።” ማቴ 3፥1-6
 
እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ዮርዳኖስ የጥምቅ ነበረ፣ ሽዑ ኲላ ኢየሩሳሌም ብእኡ ክትጥመቅ ናብኡ ወጽአት። ኢየሩሳሌም ናይ ኲሉ ጽቡቕ ነገራት መናገሻ ዝነበረት ዓባይ ከተማ ኢያ፣ ነታ ከተማ ሓዲጎም ድማ ናብ በረኻ ወጽኡ። እስከ ነስተዉዕል ህዝቢ ኢየሩሳሌም፣ ከመይ ጌሮም ኢዮም ተጠሚቆም። 
ሓጢኣቶም እንተናተእመኑን እናተናዘዙን ናብኡ መጽኡ። እቶም ተጠማቆ ቅድም ዘለዎም ቁስሊ ኣርኣይዎ (ሓጢኣቶም ተናዘዙ)፣ ብድሕሪ’ዚ ድማ ዮሃንስ ነዚ ቁስሎም ፈወሰሎም፣ ከምዚ ብምግባሩ ድማ፣ ነቶም ዝኣመኑ ካብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ዝሞልቁሉ ድሕነት ኣዉረሶም። እምበኣር እዚ ሓሳብ`ዚ ማለት ናይ ዮሃንስ ጥምቀት ካብቲ ዝመጽእ ዝነበረ መዓት ዝሞልቁሉ መንገዲ ድሕነት ምዃኑ እንድሕሪ ተቀቢልካዮ፤ ንሱ ከመይ ኢሉ ከምዚ ዝተዛረቦም እምበኣር ንስምዓዮ። “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩም፧”። 
ደጊም ኣትማን ኣይትዂኑ፣ እቲ ቀደም ብናይ ተመን መንገዲ ዝተመላለስኩሞ ናይ ቀደም ሓጢኣት ዝመልኦ መንገዲኹም፣ ኣልግስዎ። ዂሉ ተመን ናብ ሓደ ጽቢብ ጉድጓድ ይኣቱ`ሞ ሽዑ ነቲ ኣረጊት ቆርበቱ ፋሕፊሑ ብምልጋስ፣ ሓድሽ ቆርበት ይኽደን። ንስኻትኩም ዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ናብታ ጸባብ መንገዲ እተዉ፣ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝመርሓኩም ዝነበረ ናይ ቀደም ሰብነትኩ ብጾም ኣቢልኩም ኣልግስዎ። “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።” /ኤፈ 4፥22/ ከምዝበለ እቲ ጸሓፋይ ኣይንረስዕ። እቲ ዘመራይ ዉን ከምዚ በለ “ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኽደኖ” /መሃ 5፥3/።

Coach: Gary Kirsten South Africa World Cup Squad: https://www.unica-web.com/watch/2010/maurice-maggi-floralanarchist-1.html cheapest viagra Graeme Smith (capt), Hashim Amla, Johan Botha, AB de Villiers (wk), JP Duminy, Faf du Plessis, Colin Ingram, Jacques Kallis, Morne Morkel, Wayne Parnell, Robin Peterson, Dale Steyn, Imran Tahir, Lonwabo Tsotsobe, Morne van Wyk (wk).

 
ገለ ካባኹም ግና፣ ሰብ ምሕጓስ ዝፎቱ ፈሪሳዊ ኣካይዳ ዘለዎ ግቡዝ ኣይሰአንን። ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ፣ ንሰብ ምሕጓስ ዝፎቱ፤ ኣምሰሉ ህይወት ዝዉንን፣ ንክርአ ጥራይ ኢሉ ሃይማኖታዊ ዝመስል እምበር ብልቡ ዘይኣማን፣ ከምቲ ነቲ ዉህብቶ ጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ክቅበል ደልዩ ዘይኰነስ ክስሊይ ኢሉ ዝቐረበ ግቡዝ ጠንቋላይ ስምኦን መሲሉ ዝመጽአ ሰብ፣ ኣብ መንጎኩም ይህሉ ይኸዉን፣ ዮሃንስ ብዛዕባዚኦም እንታይ ከምዝበለ ስምዕዎ። “ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ አሎ፡ እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።” /ማቴ 3፥10/። እቲ ፍርዲ ጽኑዕ ዘይምሕር እዩ፣ ስለዚ ግብዝናኻ ኣርሕቆ።
እንታይ እሞ ንግበር? ናይ ንስሓ ፍረ እንታይ እዩ? እንታይ እንድሕሪ ጌርና እዩ፣ ናይ ንስሓ ፍረ ነፍሪ፥? “ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎ”። እዚ መምህር እዚ ብሓኪ ክቡርን፣ ክብሪን ዝግብኦ እዩ። ነቲ ዝመሃሮ ዘበለ ኲሉ ኣቐዲሙ ንሱ ፈጺምዎ እዩ፣ ስለዚ ዉን ሕሊንኡ ከይወቀሶ እንታይ ክግበር ከም ዝግብኦ መሃረ። መህራን ዝምህርዎ ዝበለ ንርእሶም ዘይነብርዎ እንድሕሪ ኮይኖም፣ ሕሊንኦም ንልሳኖም ይእስሮ። እዚ መምህር ግና ከምኡ ኣይኰነን፣ ስለዚ ዉን “ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር።”።
 
ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክትቅበል እትደሊ፣ ኮይኑ ግና ቀለብ ዘይብሉ ድኻ ምስ ረኣኻ ትፈርዶ ዲኻ? ዝዓበየ ዉህብቶ ሃረር እትብል፣ የግዳስ ብዛዕባ ነኣሽቱ ዘይትግደስ ዲኻ?  ምናልባት ተጋዊ፣ ቀረጽ ተቐባላይ፣ ወይ ዉን ዘማዊ ርኢኻ ትኸዉን፣ ግን እዞም ሰባት ናይ ድሕነት ተስፋ ኣለዎም። ተገዉቲን ኣመንዝራታትን ቀዲሞምኻ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከምዝኣትዉ ድማ ፍለጥ።
ጳዉሎስ ዉን ብዛዕባ “ኣመንዚራታትን መምላኽቲ ጣኦትን መሰላቶምን” ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይእትዉን ብምባል ኣርጊጹ ነጊሩና ኣሎ። ንስኻትኩም ዉን ከምዚ ነበርኩም፣ ግና ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ኢኹም። ኣስትዉዕሉ እዚ ቅዱስ ሃዋርያ፣ ከምኣቶም ነበርኩም እዩ ዝበለ እምበር፣ ከምኦም ኢኹም ኣይብለን፣ ማለት ነቲ ሓጢኣት ከም ዝገደፍናዮ ከነረጋግጽ ከምዘለና እዩ፣ ዝነግረና ዘሎ። ብዘይፍላጥ ዝግበር ሓጢኣት ምሕረት ክንረኽበሉ ኢና፣ ብድፍረት ዝፍጸም ሓጢኣት ግና ፍርዲን ኩነኔን ኣለዎ።
 ምንጪ፣ ST. CYRIL OF JERUSALEM: CATECHETICAL LECTURES (Lecture 3)

3 Responses

  1. Anonymous says:

    May God gives you his power and strength. I always enjoy your readings.

  2. Anonymous says:

    TebareK qale hiwet yesmialna DEACON HAWNA

  3. Anonymous says:

    እግዚኣብሄር ይባርካ ጸግኡ ውን ኣብዚሑ ይሃብካ…. ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት ብብዝሒ ምንባብ ካብ ዝፈቱ ሓውኩም