ስም ጐይታ ኢየሱስ-ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ካብ መበል ታሽዓይ ክፋል ትርጓሜ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝተወስደ ሓጺር ትምህርቲ!

ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።ቆላ 317
ስም ክርስቶስ ኣብ ዝተጸዉዓሉ ኣጋጣሚ፣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እንድሕሪ ጌርና፣ ናብ ርኽሰትን ሓጢኣትን ዘምርሕ ነገር ኣይክህሉን፣ ኲሉ ቅዱስን ንጹህን ይኸዉን። ዋላ እንተበላዕካ፣ ዋላ እንተሰተኻ፣ ኣብ ትገሸሉን፣ ኣብ ትምርዓወሉን፣ ኣምላኽ ንክሕግዘካ እንዳጸዋዕካ፣ ኲሉ ብስም እግዚአብሔር ግበሮ። ቅድሚ ዝዀነ ንገር ምስራሕካ፣ ጸሎት ግበር፣ ብድሕሪኡ ስራሕካ ኣሳልጥ። ቅድሚ ምዝራብካ፣ ነዚ ስም ዘክሮ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ ኲለን መልእክቲታትና ስም ጐይታ ነቐድም። ምክንያቱ ስም እግዚአብሔር ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ተስፋ ኣሎ። ስም ኣማሓዳሪ ዘለዎ ደብዳቤ ርዝነት ካብ ሃለዎ፣ ብዝያድ እዃ ስም ክርስቶስ ዝበለጸ ክብረትን ርዝነትን ኣለዎ። ትገብሮ ዘበሎ ቅድም ስም እግዚአብሔር ብምጽዋዕ ጀምር፣ መላእኽቲ ምጽዋዕ ኣየድልየካን። ክትበልዕ ዲኻ? ቅድሚን ድሕሪን መኣዲ፣ ንእግዚአብሔር ኣመስግን። ክትድቅስ ዲኻ? ቅድሚን ድሕሪን ምድቃስካ ንእግዚአብሔር ኣመስግን። ኣብዛ ዓለም ትግበሮ ዘበለ ኲሉ ስሙ ከይጸዋዕካ ዋላ ሓንቲ ኣይትዕየ። ስም ጐይታ ጸዊዕካ ስራሕ ምስ ትሰርሕ፣ ግብሪታትካ ኲሉ ይባረኽን ይስስንን። ስሙ ኣብዝተጸዉዓሉ ቦታ፣ ኣብኡ ብዙሕ በረኸት ኣሎ። ስም ጐይታ ንኣጋንንቲ ካብ ሰጎገ፣ ሕማማት ካብ ፈወሰ፣ ክንደየናይ ኣብዚሑ ስራሕካን ሽቐጥካን ዘይባርኸልካ።
ብቃል ኮነ ብግብሪ ምባሉ እንታይ ከመልክት ደልዩ እዩ? ዂሉ እትሓትዎ ወይ ዉን እትገብርዎ ማለቱ እዩ። ንኣብራሃም ዘኽሮ፣ ንባርይኡ ክልእኮ እንከሎ፣ ብስም እግዚአብሔር ልኢኽዎ። ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ንጎሊያድ ቀተሎ። ብሓቂ ስሙ ዓቢ እዩ። ያዕቆብ ንደቁ ክልእኾ እንከሎ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሀብኩም /ዘፍ 4314/ብምባል ኣፋነዎም። ስለዚ ዉን ድማ ኲሉ ነገር ኣስለጡ። ምክንያቱ ነቲ ዂሉ ዝኽእል ኣምላኽ ረዳኢና እንድሕሪ ጌርናዮ፣ ብዘይብኡ ዉን ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይንገብር እንድሕሪ ኮይንና፣ ኲሉ ነገር ክሰልጠና እዩ። ስሙ ብምጽዋዕ እንድሕሪ ኣክቢርናዮ፣ ንሱ ድማ ተመሊሱ ብታርኡ ስራሕና ብምብራክ የኽብረና። ስም እግዚአብሔር ወልድ ጸዉዕ፣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ድማ ኣመስግን። ምክንያቱ ወልድ ኣብ ዝተጸዉዓሉ፣ ኣቦ ዉን ይጽዋዕ፥ ኣቦ ኣብ ዝተመስገነሉ ኣብኡ ወልድ ዉን ይምስገን።[1]
ነዘን ነገራት ብቃል ጥራይ ዘይዀነ፣ እንኮላይ ብግብሪ ክንትግብረን ንጽዓር። ነዚ ስም ዝመዓራረ የለን፣ እዚ ስም` ኣብ ኲሉ ቦታ ኣዝዩ ግሩም እዩ። ስምካ በለ ዘማራይ ዝፈሰሰ ቕብኢ እዩ /መሃ 13/ ነዚ ስም ዝጸዉዕ ድማ፣ ብምኡዝ ጥዑም ሽቶ ይምላእ። ስለዚ ሓደ እኳ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይከኣሎዉን ተነጊሩና ኣሎ /1 ቆሮ 123/ እዚ ስም እዚ ኣዝዩ ግሩም ግብሪታት ገበረ፣ ስለዚ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኢልኻ ብእምነት እንድሕሪ ጸሊኻ፣ ንዂሉ ነገር ፈጺምካ ኣሳሊጥካ ኣለኻ። ኣዝዩ ዓቢይ ነገር ከም ዝፈጸመልካ ድማ ክትርኢ ኢኻ። 

 

እዚ ስም`ዚ ንሰብ ፈጠረ፣ ነቶም ዝተረፉ ድም ብጥምቀት ወለዶም (ሰርሖም)[2]። ስለዚ ድማ እዩ፣ ነዚ ስም`ዚ ተጠቂምኻ ንሕማም ክትግስጾ እንከለኻ፣ ሕማም ይስንብድ። 
ዲያብሎስ በዚ ስም` ኣዝዩ ቀናእ እዩ፣ ስለዚ ዉን ንሕና ኣብቲ ናቱ ቅንኢ ምእንቲ ክንሳተፍ፣ ስም መላእኽቲ ኣተኣታተወ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጻዉዒት ናይ ኣጋንንቲ ጥራይ እዩ (ኣጋንንቲ ጥራይ እዮም ስም ኣምላኽ ሓዲጎም ስም መላእኽቲ ዝጽዉዑ) ስለዚ ንስኻ ካብዚ ስም ወጻኢ ካልእ ስም ኣይትጸዉዕ፣ ናይ መላእኽቲ ይኹን፣ ናይ ሊቃነመላእኽቲ፣ ዋላ ናይ ኪሩቤል ይኹን ኣይትጸዉዕ። ከምዚ ኢልኻ ክትጽዉዕ እንዀለኻ ድማ ንሳቶም ዉን ኣይቅበሉኻን። ከምዚ ዓይነት ክብሪ ኣይደልዩን። ንጐይትኦም እንድሕሪ ዘይኽቢሮሞ፣ ንሱ ካብ ክብረቶም ክኣልዮም እዩ።ኣኽቢረኻ እየ እሞ፣ ንዓይ ጸዉዓኒብምባል ኣዚዙና ኣሎ፣ ከምዚ ኢሉ ድሕሪ ምእዛዙ` ንሕና ከነዋርዶ ኢና

[ኣብዚ ጽሑፍ`ዚ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፣ ስም መላእኽቲ ማዕረ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጽዉዖም ከምዘይግባኣና እዩ ዝነግረና ዘሎ፣ ብርግጽ ቅዱሳን መላእኽቲ ክብሪ እዃ እንተለዎም፣ ክብሮም ግና ማዕረ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ኣብ ቦታ ኣምላኽ ዉን ከነእትዎም ኮነ፣ ማዕረ ስም መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ክንጽዉዖም ከምዘይግባእ የረድኣና። ቅዱሳን መላእኽቲ ግና ክብሪ ከም ዝግብኦም ንጹር እዩ፣ ዋላ ኣብ ናይ ማቴ 10፡40 ትርጓሜኡ፣ ነዚ ነገር የብርሆ። እዚ ዝብል ዘለኹ ምናልባት ገለ ሰባት ነዛ ጽሕፍቲ ኣንቢብኩም ‘ቅዱሳን መላእኽቲ ክብሪ ኣይግብኦምን’ ንኸይትብሉ እዩ።)

ነዚ ጽውዒት እዚ ብእምነት ግበሮ፣ ከምኡ እንድሕሪ ጌርካ ኣጋንንቲ ሕማማትን ክእዘዙልካ እዮም፣ ኣዚዝካዉን ከተርሕቆም ኢኻ። ምናልባት ዉን ስም ኣምላኽ ብእምነት ጸዊዕካ ከተብቅዕ፣ እቲ ሕማም እንድሕሪ ዘየልገሰ፣ እቲ ስም ኣምላኽ ሓይሊ ስለዘይብሉ ዘይኰነስ፣ እንታይ ደኣ እቲ ሕማም ጥቕሚ ስለዘለዎ እዩ[3] ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ/መዝ 4810/ በዚ ስም` ዓለም ተፈወሰት፣ ባርነት ኣልገሰ፣ ዲያብሎስ ተሳዕረ፣ ሰማያት ዉን ተኸፍተ። ብስሙ ተሓዲስና ኢና። ብሓቂ ብስሙ እንድሕሪ ተሓዲስና፣ ጩራ ብርሃን ከነንጸባርቕ ኢና፣ ኣብ ሰማእታትን ጸወርቲ መስቀልን ነዚና ተመልኪትና። ንሳቶም ስለዘፍቀርዎ፣ ነቲ ተስፋ ዝትዋህቦም ሰናይ ነገራት ንኽረኽቡ፣ ብምሕረትን ጸጋን ብቁዓት ኮይኖም ተረኺቦም፣ ንሕና ድማ ነዚ ነገር እዚ ሰለዝተረዳእና፣ ጸኒዕና ክንነብር ተስፋ ረኺብና፣ ነቲ ዓቢ ክብሪ ምእንቲ
ክንረኽብ፣
ንእግዚአብሔር ምእንቲ ከነሐጉሶ ንነብር ኣለና።

Taking it without therapeutic direction can https://www.unica-web.com/documents/statut/satzung.pdf commander viagra be a danger.

ምንጪ፣ NPNF, John Chrysostom Homilies on the Epistle of Collossians, Homily 9.


[1]Invoke the Son, give thanks to the Father. For when the Son is invoked, the Father is invoked, and when He is thanked, the Son has been thanked.
[2] ነቲ መጀመርታ ኣዳም ምስ ፈጠረ፣ ካልኦት ካብኡ ኢዮም ተወሊዶም፣ ስለዚ ንዘርኢ ሰብ ምስ ኣድሓኖ፣ ብጥምቀት ዳግማይ ወልለደና፣ ማለት ናቱ ገበረና።
[3] እቲ ሕማም ንረብሓኻ ስለዝዀነ።

4 Responses

  1. ghrmalem tesfay t says:

    ghrmalem tesfay t

  2. Anonymous says:

    ሰላም ዲያቆን ቃለ ሕይወት የስምኣልና፡ ኢግዚኣብሔ ኣምላኽ ጸጉኡ የብዝሓልካ፤ኣሜን! ነዚ ናይ ኣቦታት፡ መንፈስ ቅዱስ ንዘሕደረሎም ጥበብን ፍልጠትን ከተካፍለና ዘነቓቕሃካ እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን። እዛ ኣርእስቲ ኣዚያ መሃሪት አያ፡ ግን ዝተቖርጸት ኮይና ተሰሚኣትኒ። ምኽንያቱ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክጽሕፍ ከሎ ምኽንያት ነሩዎ እዩ። ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈወርቅ ውን ብዛእባ እቲ ምኽንያት ገሊጽዎ ክኸውን ከምዝኽእል ተስፋ ኣለኒ። ስለዚ እቲ መልእኽቲ መእተዊ እንተዝግበረሉ ጽቡቕ ምኾነ፡ ምኽንያቱ እቶም መላእኽቲ፡ ሓይላት፡ ስልጣናት… ወዘተ ተባሂሎም ተጠቒሶም ዘለዉ መን ምኻኖም እንተዘይተገሊጹ እቲ መልእኽቲ ንኽትርድኦ ጸገም ስለ ዝፈጥር። ከምዚ ናብምባል ውን ከብጽሓና ስለዝኽእል “መላእኽቲ ማለት ከም ቅዱስ ሚካኤል፡ ቅዱስ ገብሪኤል…. ዝጠቕምዎ የብሎምን” ናብ ዝብል ከይወስደና ስለ ዝተሰከፍኩ አየ። ሕጂ ውን ማይ ኣይሓለፎን አሞ ፍቓድካ እንተኾይኑ፡ መእተዊ ብዛእባ እታ መጽሕፍን (መ.ጳ. ናብ ቆሎሴ) ከምኡ ውን እቶም መላእኽቲን ሓይላትና ስልጣናትን ተባሂሎም ዘለዉ መን ምኻኖም ዝብል ወሲኽካ ዳግማይ እንተተውጽኣ ዝበለጸት ምኾነት ዝብል ሪኢቶ ኣለኒ። ካብ ጽቡቕ ድልየት ተበጊሰ እየ ሪኢቶይ ኣስፊረ እሞ ብእወንታ መንገዲ ክትጥምቶ ተስፋ ይገብር። ሃይማኖትና እግዚኣብሔር ይባርኸልና፡ ኣሜን! ካብ ናይ ወትሩ ኣንባቢ እዛ ብሎግ

  3. ክቡር ኣንባቢ
    ብሓቂ እቲ ዝጸሓፍካዮ ርእይቶ ኣዝዩ ኣገዳሲን፣ ኣብ ርእሰይ ዉን ዝጸንሐ እዩ፣ ይገርመካ ነዛ ጽሕፍቲ ፖስት ቅድሚ ምግባረይ ዳርጋ ሶሙን ዝኸዉን፣ “እዛ ጽሕፍቲ እንታይ ተስምዕ ትኸዉን” ብምባል ይሓስብ ኔረ። ኲሉ ናይ ቆሌሰ መልእኽቲ ደጊመ ኣንቢበዮ፣ ማለት ነቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቅ ትሩጓሜ፣ ግን እቲ መልእኽቱ ከምኡ እዩ። እቲ ጽሑፍ ከማን ከምዚ እዩ ዝብል፣
    “Therefore the devil introduced those of the Angels, envying us the honor. Such incantations are for the demons. Even if it be Angel, even if it be Archangel, even if it be Cherubim, allow it not; for neither will these Powers accept such addresses, but will even toss them away from them, when they have beheld their Master dishonored.”
    ኣብዚ ጽሑፍ ዋላ ሓንቲ ከጉድል፣ ዀነ ክምልእ ፍጹም ኣይኽእልን። ግን ከምቲ ዝበልካዮ፣ ኣብቲ መጀመርያን መወዳእታን፣ መእተዊ ክገብረላ እየ። እዚ ዝብለኻ ዘለኹ ዝያዳ ክበርሃልካ፣ ባዕልኻ ነቲ ትሩጓሜ ኣንብቦ፣ email ተሂብካኒ ዲይረክት ክሰደልካ። እቲ ዝበለጸ ግን፣ ባዕልካ ኣብዚ ሳይት ኣቲኻ ኣንብቦ።
    http://ecmarsh.com/fathers/npnf1/NPNF1-13/index.htm

  4. (ስም “መልኣኽ፣ ይኹን ሊቀ መላእክት፣ ዋላ ዉን ኪሩቤል” ኣይትጸዉዕ`ዩ ዝብል) ቃል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፣ እዚ ማለት ድማ ብቀጥታ ነቶም ቅዱሳን መላእኽቲ እዩ ዘመልክት፣ ኣበሃህልኡ ግን፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ክብሪ ኣይግብኦምን፣ ንምባል ዘይኰነስ፣ ማዕረ ስም ኣምላኽ ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ቦታ ስም ኣምላኽ፣ ስም መላእኽቲ ክጽዋዕ ኣይግብኦን፣ ንምባል እዩ። ንሕና ዉን ክንትስእ ክንድቅስ፣ ዝዀነ ስራህ ክንሰርሕ እንከሎና፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እምበር፣ ብስም መላእኽቲ ኣይነማዕትብን። ኮይኑ ግና ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ሃቡ ስለዝዀነ፣ ቅዱሳን መላእኽቲን ነብያትን፣ ሃዋርያትን ነኽብሮምን፣ ብስሞም ንልምንን፣ ብስሞም ዝሑል ማይ ከይተረፈ ኣስቲና ኣስቢ ከምንረኽብ ንኣምን። እዚ መልእኽቲ ዉን ኣብቲ ናቱ ትሩጓሜ ኣብ ማቴ 10፡40 ንረኽቦ ኢና።

    ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ካብ ናይ ኣንጾኪያ ትሩጓሜ ቤት እዩ፣ ካብዚ ትሩጓሜ ዝወጽኡ ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታት ድማ፣ ኣተሮጓጉማ ሜልኦም፣ ቀጥታቂ እዩ። ማለት ነቲ መልእኽቲ ካብ ታሪካዊ ኣንጻር፣ ብቀጥታ ምትርጓም እዩ። ነዚ ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት መጽሓፍ ቅዱስ ተደጋጊሙ ንረኽቦ። ካልእ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝያዳ ኣብ ስነምግባራዊ ትምህርቲ እዩ ዝግደስ፣ ስለዚ ዉን ዝበዝሐ ጽሑፋቱ፣ ተግሳጽ ማለት ንህይወት ዝምርምር እዩ። ነዚ መልእኽቲ ድማ ኣብ 12 ክፋል መቂሉ ምሂርዎ ንረኽቦ።

    “ስለዚ እቲ መልእኽቲ መእተዊ እንተዝግበረሉ ጽቡቕ ምኾነ፡ ምኽንያቱ እቶም መላእኽቲ፡ ሓይላት፡ ስልጣናት… ወዘተ ተባሂሎም ተጠቒሶም ዘለዉ መን ምኻኖም እንተዘይተገሊጹ እቲ መልእኽቲ ንኽትርድኦ ጸገም ስለ ዝፈጥር።” ብምባል ዝገለጽካዮ ስክፍታ ድማ፣ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ገሊጽዎ ንረኽቦ።
    http://www.ecmarsh.com/fathers/npnf1/NPNF1-13/npnf1-13-52.htm#P2003_1313232

    ተስፋ ይገብር ብመጠኒ ነቲ ስክፍታ ኣቃሊለ ክከዉን፣ በረኸቶም ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ኣይፈለየና፣ ሎቱ ስብሓት!