ጸሎት፡ ጾምን ምሕረትን- ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለወርቅ

ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለወርቅ (ክሪሶሎገስ) ካብ 380-450 ዓ.ም. ናይ ራቬና ትበሃል ዓዲ ጳጳስ ዝነበረ፣ ሓደ ካብቶም ሊቃዉንት ቤተክርስቲያን እዩ። እዚ ብመሪሕነት ራእይ ካብ እግዚአብሔር፣ ጳጳስ ኮይኑ ዝተሾመ ኣቦ፣ ብዙሕ ትሩጓሜ፣ መልእኽቲታትን፣ ዝተፈላለዩ ትምህርተ ሃይማኖታዊ ጽሑፋትን፣ ኣንጻር ኣርዮስን ኣዉጣኺን ዝኣመሰሉ መናፍቓን ብዙሕ ጽሑፍ ዝጸሓፈ እዩ። እዛ ጽሕፍቲ ድማ ምስ`ዚ ሒዝናዮ ዘለና ቕነ ስለትኸይድ፣ ፖስት ይገብራ ኣለኹ።
የሕዋተየ፣ ንሰናይ ግብሪ ዘጽንዓ፣ ንተወፋይነትና ዘራጉዳ፣ ንእምነትና ዉን ዘትርራ ሰለስተ ነገራት ኣለዋ። እዚኣተን ድማ፣ ጸሎት፡ ጾምን፡ ምሕረትን እየን። ብጸሎት ኣፍደገ ትኹሕኩሕ፣ ብጾም ትህብ፣ ብምሕረት ድማ ትቕበል። ጸሎት፡ ጾምን፡ ምሕረትን፣ እዘን ሰለስተ ሓደ እየን፣ ንኹልና ዉን ህይወት ይህባና።
ጾም ናይ ጸሎት ነፍሲ (እስትንፋስ) እዩ፣ ምሕረት ድማ ናይ ጾም ደም እዩ። ማንም ሰብ ነዘን ሰለስተ ክፈላልየን ኣይግባእን፣ ዝፈላለያ ዉን ኣይዀናን። ንሓንቲ ካብዚአን ጥራይ ሒዝካ፣ ግን ድማ ነተን ካልኦት እንድሕሪ ሓድግኻየን፣ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብልኻን። እምበኣር ካብ ጸለኻ፣ ምስኡ ድማ ጾም ጹም፣ ትጸዉም እንድሕሪ ኮይንኻ ድማ፣ ምሕረት ግበር። ጸሎት ልማኖኻ ክስማዓልካ እንተደሊኻ ንስኻዉን ናይ ካልኦት ልማኖ ስማዕ። እዝንኻ ንካልኦት ዘይትዓጹ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ኣምላኽ ጸሎትኻ ክሰምዕ እዝኑ ትኸፍት ኣለኻ ማለት እዩ።
ክትጸዉም እንከለኻ፣ ናይ ካልኦት ጾም ድማ ተመልከት። እግዚአብሔር ጾምኻን ጥሜትኻን ክፈልጠልካ እንተደሊኻ፣ ንስኻ ዉን ናይ ካልኦት ጥሜት ተረዳእ። ምሕረት ክትረኽብ ተስፋ ተገብር እንድሕሪ ኮይንኻ፣ ንስኻ ዉን ምሕረት ግበር። ርህራሀ ክትርኢ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ንካልኦት ራህርህ። ሃብ ምእንቲ ክትቕበል። ካልኦት ንዓካ ሓቲቶምኻ ንስኻ ግና ከልኪልካዮም ከተብቅዕ፣ መሊስካ ግና ነቲ ንስኻ ዝከልካዮም፣ ካብ ካልኦት ትሓትት እንድሕሪ ኮይንካ፣ ልማኖኻ ዳርጋ ጸርፊ እዩ።
ኩላትና ክንስዕቦ ዝግባእ ሓባራዊ ሕግና እዚ ይኹን፣ “ከምቲ ካልኦት ንዓኻ ምሕረት ክገብሩልካ ትደልዮ፣ ንስኻ ዉን፡ ብሓደ ዓይነት መንገዲ፡ ብሓደThis medication is available in many flavors loved this online cialis like mint, chocolate, banana, orange, mango, strawberry, pine apple, and many more. ዓይነት ብፍጥነት፡ ብሓደ ዓይነት ለዋህነት፣ ንካልኦት ምሕረት ግበር።” 

ስለዚ፣ ጾም፡ ጸሎትን፡ ምሕረትን ብሓድነት ቀሪበን ካብ እግዚአብሔር ምእንቲ ኲሉ ይለምና፣ ምእንቲ ኲሉ ሓደ ጥርዓን ይኹን። ከምዚ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ስሉስ ሓይሊ ዘለዎ፣ በረኸት ዘዉህብ ጸሎት ክኾነልና እዩ።
ንካልኦት ሰባት ብምንዓቕ ዘዉረድናዮ መኸራ ንምክሓስ፣ ጾም ንጹም። ብጾም ኣቢልና ንገዛእ ስጋና መስዋእቲ ጌርና ናብ ኣምላኽ ነቕርባ። “መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር ልቢ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።” ብምባል እቲ ዘማራይ ከም ዝነገረና፣ ካብዚ ዝዓቢ ካልእ ኣምላኽ ዝሕጎሰሉ መስዋእቲ የለን።
 ነፍሲኻ ናብ ኣምላኽ መስዋእቲ ጌርካ ወፍያ፣ ማለት ብጾምካ ኣቢልካ ንነፍሲኻ መስዋእቲ ጌርካ ወፍያ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ነፍስኻ ምሳኻን ናትኻን ክነሳ፣ ብፍቃድኻ ናብ እግዚአብሔር ትዉፍያ ኣለኻ ማለት እዩ፣ በዚ ዉን መስዋእትኻ፣ ቅዱስ መስዋእቲ፡ ንጹህ ቁርባን፡ ህያዉ መስዋእቲ ይኸዉን። ገዛእ ርእሱ ንኣማላኽ ዘየወፍይ ዘበለ ኲሉ ምሕረት ኣይግበረሉን። ምኽንያቱ ገዛእ ርእስኻ ክትዉፍየሉ ዘኽእለካ ብዙሕ መንገዲ ኣሎ። ስለዚ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከተቕርብ ኣይከኣልን።
እዚ ዂሉ መስዋእቲኻ ተቀባልነት ክረኽብ፣ ምሕረት ወስከሉ። ናይ ማይ ምሕረት እንድሕሪ ዘይሰትያ፣ ጾምካ ፍረ ኣይክትህብን። ምሕረት እንድሕሪ ነቒጹ፣ ጾም ዉን ይነቅጽ። ከምቲ ዝናብ ንምድሪ ዝኸዉን፣ ምሕረት ድማ ንጾም እዩ። ዋላ ግራት ልብኻ ኮስኩሶ፡ መሬት ጠባይኻ ዉን ጸሃዮ፡ ዂሉ ክፍኣትኻ  ሞንቁሶ፡ ሰናይ ግብሪ ዉን ዝርኣሉ፤ እንድሕሪ ናይ ምሕረት ፈልፋሊ ማይ ዘይኸፊትካሉ፣ ጾምካ ፍረ ኣይከቡቅልን።
ክትጸዉም እንከለኻ፣ ንስኻ ተርእዮ ምሕረት ዉሑድ እንድሕሪ ኮይኑ፣ እቶትኻ ዉን ዉሑድ ይኸዉን። ኣብ ጾምኻ፣ ብምሕረት ኣቢልካ ዘፍሰስካዮ ዘበለ ኲሉ፣ ናብ ቆፎኻ እዩ ተመሊሱ ዝኣቱ። ስለዚ ክትቁጥብ እንዳበልኻ ኣይተጥፍእ፣ የግዳስ ገንዘብኻ ዝረዎ እሞ፡ ዝያዳ ክትረኽብ። ንድኻታት ሃብ፣ ንገዛእ ርእስኻ ዉን ክትቕበል ኢኻ። ንካልኦት ምሃብ ዝኣበኻዮ ዘበለ ዂሉ፣ ንርእስኻ ዉን ኣይክትዕቅቦን ኢኻ።

4 Responses

  1. Anonymous says:

    “እዚ ዂሉ መስዋእቲኻ ተቀባልነት ክረኽብ፣ ምሕረት ወስከሉ። ናይ ማይ ምሕረት እንድሕሪ ዘይሰትያ፣ ጾምካ ፍረ ኣይክትህብን። ምሕረት እንድሕሪ ነቒጹ፣ ጾም ዉን ይነቅጽ። ከምቲ ዝናብ ንምድሪ ዝኸዉን፣ ምሕረት ድማ ንጾም እዩ። ዋላ ግራት ልብኻ ኮስኩሶ፡ መሬት ጠባይኻ ዉን ጸሃዮ፡ ዂሉ ክፍኣትኻ ሞንቁሶ፡ ሰናይ ግብሪ ዉን ዝርኣሉ፤ እንድሕሪ ናይ ምሕረት ፈልፋሊ ማይ ዘይኸፊትካሉ፣ ጾምካ ፍረ ኣይከቡቅልን” my be loved brother God bless you

  2. Anonymous says:

    Selam niaka

    Egziabher Amlak Xegieu yebzihalka…Hanti hasab gina…If you can also convert the files into PDF so we can access it on our cellphones…That would be great…

  3. Thanks for posting and God Bless You !!

  4. Amlak Tsegau yebzhalka Deacon hawey bhaki!!! Meharit blog eya emo ajoka !!