መግቢን ጾምን

 

ኣስተዉዒልኩም`ዶ ትፈልጡ፣ መብዛሕትኡ ግዜ መግቢ ኣካታዒ ኣርእስቲ ኮይኑ ንረኽቦ። ዉድቐትና ኣይትብልዑ ንዝብል ሕጊ ብምጥሓስና እዩ። ኣብ ቆሮንጦስ ንጣኦት ዝተሰዉአ ምብላዕ ይግባእ`ዶ ኣይግባእን ዝብል ክትዕ ነበረ። ኣህዛብን ህዝቢን፣ መምለኽቲ ጣኦት ምስ ኣመንቲ ብሓባር ኮይኖም ክበልዑ ይኽእሉ`ዶ ወይስ ኣይኽእሉን? ኮታስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ እንከለና፣ ብተደጋጋሚ ግዜ መግቢ ማእከል መካትኢ ኣርእስቲ ኮይኑ ንረኽቦ። ሕሰብዎ ኣብ ኣፍና እነእትዎ ዘበለ ብቀሊሉ መካትዒ ነጥቢ ክኸዉን ይኽእል። 
ትሕዝቶ ብልዒናን፡ ኣመጋግባናን ሞራላዊን መንፈሳዊን ኣገዳስነት ኣለዎ። ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽን፡ ኣብ ነንሕድሕድናን ንዝህሉ ፍቕሪናን ዝምድናን ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ኮይኑ ግና ኣብ ብዙሓት ክርስቲያናት ሓደ ልሙድ ነገር ይርአ ኣሎ፣ ንሱ ዉን በብዓይነቱ መግቢ ኣብ ጣዉላ ቀሪብካ፣ ልዕሊ ዓቀን ናይ ምብላዕ ልምዲን እዩ። እዚ ኣካይዳ ዘስዕቦ ጽልዋ ዉን ኣይነስተውዕሎን። ብፍላይ እቶም ኣብ ምዕራብ ሃገራት እንነብር ዘለና፣ ሕሱር፡ ብዙሕ፡ ኣብ ትካላት ዝተመስርሐ ዓይነት ብልዒ (fast food)፡ ትህኪት ዝሰረቱ ዉልቃዊነት ዘንግስ መግቢ፣ ክፋል ናይ መዓልታዊ መኣዲና ኮይኑን፤ ካብ ብዝሒ ልምዲ ዝተበገሰ ዉን ኣብ ሃርጎምጎምን ህርፋን ግዙኣት ኮይንና ዉን ኣለና። ነዚ ልምዲ ዉን ከም ፈተና ርኢናዮ ኣይንፈልጥን።
ብርግጽ ብዝሒ ብልዒ ብርእሱ ሓደጋ ኣየእትወናን፣ ንመንፈሳዊነትና ግና ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል። ኣብ ዓዲ ዓረብ፡ ኣሜሪካን ኣዉሮፓን ዝነብሩ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ሮገድቲ-ኣዝዮም ሮገድቲ እዮም። ብዙሕ ትሕዝቶ ዘይብሎም ብልዒ፣ ብቅልጡፍ ዝተመስረሐ ብልዒ፡ ዓቀኑ ዝሓለፈ ብልዒ፣ ኮታስ ንሰብነትና ረብሓ ዘይህብ፣ በንጻሩ ዝሃሲ ብልዒ ዝበዝሖ ዘመን ኢና ዘለና፣ ንሕና ዉን ኣካል ናይዚ ሕብረተሰብ ስለዝዀንና ተሳተፍቲ ኮይንና ንርኸብ። ካብቲ ቅድሜና ዝነበረ ወለዶ ፍልይ ብዘበለ፣ ብዙሕ ምንቅስቃስ ናይ ኣካላት ዘይብልና ኢና። ዘመናዊ ናይ መጓዓዝያ መሳርሒታትን ዝተፈላለየ መሳለጥያታትን ብዙሕ ንከይንቀሳቐስ ጌሮምና ኣለዉ። ዋላዃ ኣብቲ ንነብረሉ ከባቢ ስፖርት ክንሰርሓሉ ዘኽእለና ጂም እናሃለወና፣ ዳርጋ ዘይንጥቀመሉ ንበዝሕ። ምክሳዕ (ምክራሽ-ዓቀኑ ዝሓለፈ ሩግዲ) ፍሉይ ሕማም ኮይኑ፣ እንዳገደደ ዉን ይመጽእ ኣሎ። እዚ ድማ ንስጋናን ነፍሲናን፣ ንስድራቤትናን ማሕበራዊ ናብራናን ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።
ምናልባት ዝበዛሕና ረሲዕናዮ ኮይንና እምበሪ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝምህረና፡ መጀመርታ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ ናብ ብልዒ ብዝተገብረ ዘይተቀደሰ ኣቀራርባ (ኣረኣእያ) እዩ። ኣዳምን ሔዋንን ሸዉሃቶም ክቆጻጸሩ ስለዘይከኣሉ፣ ኩሉ ነገር ተቐየረ። ሕጊ እግዚአብሔር ብምጥሓስ ካብታ ፍረ እጸ በለሰ በልዑ፣ እቲ ዝገርም ድማ ክሳብ ሕጂ ንሕና ናቶም ኣብነት ንስዕብ ምህላዉና እዩ። ብርግጽ መግቢ ጽቡቕ እዩ፣ ብባህሪኡ ዉን ርኽሰት የብሉን። መግቢ ዉህብቶ ኣምላኽ እዩ፣ በቲ ንሱ ክንጥቀመሉ ዝሃበና ኣገባብ፣ ንምስጋንኡ ሓሲብና እንድሕሪ ዘየዉዒልናዪ ግና፣ መግቢ ባዕሉ ካብ ኣምላኽ ክፈልየና ይኽእል። ኲልና ብመልክዕን ምስሊን ኢና ተፈጢርና፣ እቲ መልክዕ ስላሴ ኣባና ኣሎ፣ ናብ ምስሉ ድማ ብመንፈሳዊ ዕብየት ክንዓቢ ይኸኣል፤ ኮይኑ ግና ኣበላልዓናን ኣሰታትያናን ኣዝዩ ዝሩግ ስለዝዀነን፣ ናብ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ክንዓቢ ኣይከኣልናን፣ ኣመጋግባና ዉን መዐንቀፊ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ድማ እዩ፣ መብዛሕቱና ነቲ ዝተዘርገ ፍተወት ብልዒ ኣብ ምርዋይ ተቆሪንናን ተጸሚድናን ንርከብ። ኣኺሊና በቃ “ኲሉ ብላዕ” ዝብል ሕጊ መምርሒ ህይወትና ኮይኑ፣ እቲ መጠነኛ ተባሂሉ ንሓደ ሰብ ዝቕረብ መግቢ፣ ኣዝዩ ግዙፍ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ንሓንቲ ንኡስ ስድራቤት ዘጽግብ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሐዝንን ዘገርምን ነገር ድማ ኣብ ድኻታት ሃገራት ብሰንኪ ጥሜትን ምስ መግቢ ብዝተኣሳሰር ሕማምን ብዙሕ ህይወት ይሃልቅ ምህላዉ እዩ።
ማንም ክኽሕዶ ዘይኽእል ሓቂ ኣሎ፣ ኣመጋግባናን ኣሰታትያናን፣ ነቲ ምስ እግዚአብሔር፡ ምስ ብጾትና፡ ጎረባብትናን፡ ምስ ገዛእ ርእስናን ዝህልወና ርኽብ፣ ይጸልዎን፡ የንጸባርቖን እዩ። ኣብ ክንዲ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህሪ ንኸዉን፣ ንናይ ገዛእ ርእስና ሰብነት ጥራይ ኣብ ምርዋይ ተጸሚድና ስለዝዀንና፣ መምለኽቲ ጣኦት ተቐዪርና ኣለና። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሰብነቱ ጥራይ ዝጭነቕ፡ ንናቱ ስጋዊ ፍትወት ኣብ ምርዋይ ጥራይ ዝቑረን ሰብ፣ መምለኺ ጣኦት እዩ። ኣብ ዝኸድካዮ ኩርናዓት፣ ሕሱርን ምስሩሕን መግቢ (ፋስት ፉድ-fast food) ስለንረኽብ፣ በይንና ኮይንና፡ ህዉኽ ኢልና፡ ንበልዕ ከምዘለና ዉን ከይተዘከረና፣ ብዘይ ምስጋና ንበልዕ ኣለና። ነዚ ነገር ዉን ብተደጋጋሚ ስለነዘዉትሮ፣ ዳርጋ መብዛሕቱና ኣይነስተዉዕሎን። እቲ ንህይወትና ኣብ ማኣዲ ፍቕሪ ኣመጺኡ፣ ሕብረት ብምፍጣር፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ዉህደት ክህበና ዝተዋህበ መግቢ፤ በንጻሩ ንስጋና፡ ነፍሲናን ስድራናን ዝሃሲ፣ በይኒኻ እተዘዉትሮ ዉልቃዊ ፍትወትካ እተማልኣሉ መርወዪ ስጋና ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ። 

They frequently resort to rash ad reckless driving, jumping red lights, drunken driving, and flouting order cialis icks.org traffic rules, making others on the road to recovery.

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ዘመነ ስጋዌ ህይወቱ ክምህር እንከሎ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዉራይ ዝተገብረሉ መርዓ፣ ጌሩ ጌልጽዎ ንረኽቦ። ብዘይኻዚ ነቲ ኣብ ብሉይ ዝነበረ ድራር ፋሲጋ፣ ናብ ስርዓት ቁርባን ቀዪርዎ። በዚ ዉን ኣብ ሰማያዊ መኣዲ ሱታፌ ከም ዝህልወና ገበረ። ካብ ፍረታትን ኣዝርእቲን ዝተሰርሐ፣ ህብስቲን ወይኒን ወሲዱ ድማ፣ ናብ ስግኡን ደሙን ቀየሮ። ብኸምዚ ድማ ንኹሉ ፍረታት ናብ ናይ ቀደም ክብሪ ኣብጽሖም። ስለዚ ድማ ንሕና እቶም ቅዱስ ቁርባን ንቕበል (ስግኡ ንበልዕ ደሙ ንሰትይ) ዘበልና ዂልና፣ ኣመጋግባናን ኣሰታትያናን ብሓድሽ መልክዕ ክንርእዮ ይግባእ። ኣብ ክንዲ ኣብ ባዕላዊን ‘ኣነ ጥራይ’ ዝብል ዉልቃዊነት ዝነገሶ ገዛእ ስጋኻ ናይ ምዕጋብ መስርሕ ሓዲግና፣ ናብ ቁርባናዊ መኣዲ፣ ናብቲ ኲልና ብፍቕሪ ካብ ሓንቲ መኣዲን ንበልዓሉ፣ ካብ ሓንቲ ጽዋእን ንሰትየሉ ሓባራዊ ሓድነት ንመለስ። ንሱ፣ እዚ መዓዲ ወልደ እግዚአብሔር፣ ናይ ድሕነትና ኣርማ እዩ። ፍርያት ምድሪ ከም ህያብ እንቕርበሉ፣ ፍቕሪናን፣ ገዛእ ሰብነትናን ናብ እግዚአብሔር እንዉፍየሉ መንገዲ እዩ።
ክንበልዕን ክንሰትዪን እንከለና፣ ናብ ሕብረት ስላሴ ብምልኣት ዘብጽሓና ኣመጋግባን ኣሰታትያን ክኸዉን ይግባእ። ናብ ፍቕሪ ብጾትና፣ ጎረባብትናን፡ ስድራቤትናን ዘብጽሕ መኣዲ ይኹን። ብዝሒ ሽኮርን፣ ቅብኣትን ዘለዎ መግቢ ጥዕና ኣይህብን፣ ምስቶም ነፍቆርም ሰባትዉን ንነዊሕ ዘመን ክንነብር ኣይሕግዘናን። ብስሰዐ ንበይንኻ ተፈሊኻ ምብላዕ ዉን ፍቕሪን ሕብረትን ኣይህብን።
“ህርፋን (ሃርጎምጎም) ናይ ዝሙት ኣዲኣ እያ” ስለዚ ንሕና ገዛ ስጋና ክንቀጽዕን ክንእድብን ይግባእ። ነቲ ምስ ብልዒን መስተን ዘለና ሕሙም ዝምድና ንምፍዋስ፣ ገዛእ ርእስና ስነስርዓት እነትሕዘሉ መስርሕ ከድልየና እዩ። ካብቲ ዓቀኑ ዝሓለፈ፣ ገዛእ ስጋኻ ንምዕጋብ ተባሂሉ ካብ ዝተሰርሐ ብልዒ ርሒቕና፣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዘለና ትሕትና ነርእይ። ጥዕና ዘለና ድማ፣ ንዝተወሰነ ሰዓት ካብ መግቢን መስተን ርሒቅና፣ ገዛእ ስጋና ብምእሳር፣ ምስ ጸሎት፡ ስግደት፡ ምሕረትን፡ ምጽዋትን፤ ጾም ንጹም።
ህይወት ማለት ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ምሕሳብ ኣይዀነን። ንዓና ንደቂ ሰባት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ፣ ማሕበራዊ ድሌታት ዉን ኣለና። ስለዚ ንህይወትና ጥራይ ማእኸል ኣድማስ ጌርካ ምሕሳብን ብእኡ ምንባርን፣ ካብቲ ተፈጥሮኣዊ ባህሪያትና ምዝንባል እዩ። ንገዛእ ስጋና ጥራይ ኣብ ምዕጋብ ዝተመርኮሰ ልምዲ ከነጥሪ እነከለና፣ ንሸዉሃትና ዉን ክንቆጻጸር ይኸብደና። ኣብዚ ምሰሩሕ መግቢ (ፋስት ፉድ)፡ ምክሳዕን ዝበዝሓሉን፡ ተኣኪብካ መኣዲ ምብላዕ ኣብ ዝወሓደሉ ዓለም፤ ማዕረ ማዕረ ድማ፣ ዝሙት፡ ኣመንዝርነት፡ ፍቕሪ ስልጣንን ገንዘብን፡ ዝሩግ ሓዳርን ስድራቤትን ምብዝሑ፣ ክገርመና የብሉን። ቅጽበታዊ ርዉየት፡ ዓቕሊ ጽበት፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ምብዝሑን፣ ፍቕሪ ኣሕዋት ምዝሓሉን፣ እሞ ድማ እዚ ኩነት`ዚ ኣብ ኲሉ ቦታ ተላቢዑ ምህላዉ ክደንቀና የብሉን። ካብ ኲሉ ዘደንጽዉ ግና፣ መብዝሕቱና፣ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ዝጽይቕ ልምዲታት ብምሓዝናን፣ ኣብ ኸምዚ ተግባራት ብምስታፍናን፣ ሕጉሳት ኢና። 
እምበኣር ነዚ ልምዲታት ንፈዉሶ። ንዂሉ ኣብላት ስድራና (ብጾትና፡ ጎረባብትና) ዘሳትፍ፣ ብምስጋና ዝተባረኸ ማኣዲ ነዘዉትር። ኣብ ክንዲ ዝተመስረሐ፣ ንስጋን ነፍሲን ጥዕና ዘህብ መግቢ፣ ግዜ ወሲድና ብምኽሻን፣ መግቢና ነዳሉ፣ ፍቅሪ ብዝህብ ሕብረት ድማ ንመገብ። ክሽነናን፡ ንበልዓሉ ጣዉላን፣ ምስሊ ናይቲ ሰማያዊ መኣዲ ይሃልዎ። ኣብ ቤትና ዝህሉ ናይ መኣዲና ጣዉላ፣ መመላእታን መቐጸልታ መኣዲ ቁርባንን ይኹን። ንዓና፡ ንስድራናን ብጾትናን ድሕነት ብዝህብ ኣገባብ ክንምገብን ክንሰቲን ይግባእ። መግቢና ድማ ምንጪ በረኸት ደኣምበሪ፣ ናይ መርገም መኣዲ ኣይንግበሮ።

3 Responses

  1. berhane says:

    Besmab Weweld Wemenfeskudus Ahadu Amlak Amen. zkeberka diacon hawna kalehiwet yesmealna. egziabher mistrun tbebub ygletselka. ane abza tshfti ezia ab rabay(4y) mulue hasabat “kulu blae” zbl hgi memrhi hiwetna koynu tbl tshfti slezeyteredatni mebrhi ktgebrel bsm lul Amlak ylabeweka. mkniatu ane dkum slezkonku kemzi kemay ewen bzuhat dkumat khlwu slezkielu entay yblae entay ayblaen mebrhi ktgebrelun ktdgfenan ylabo. wesbhat le,egziabher welewrladitu dingl welemeskelu kubur amen.

  2. Zkeberke Berhane, sleti hanatsi reeytoka btaemi yemesgn. “kulu blae” zbl mulue hasabat balutawi mengedi eye gelitseyo zeleku (in a negative sense). Bhafesha nayzi melekti elama, entay knbelee entay aynblae zbl hasab khb delyie zeykonku; entay dea eti nbeleo bmsgana amlak ztebareke meenti kkewun nmzkkar eyu. Megbi kenedalu enkelena kab thkit rhiqna, megbi knbelee enkelena dma ms beynka kab meqrebtka rhiqka bssee keykewun, ms bxotka hbret bzhbn negziabhier amlak dma msgan bzhb agebab barikna, knbelee eyu. Bzaeba entay yblae entay ayblaen nzbl hto gna kemeu aynet melsi khb kemzeykeel bthtna yhbr.

  3. Bsm ab weld menfes qdus hade amlak ..Qal hiwet yesmie diyakon hawuna .. Mstirun tbebun yglexelka luul egziabiher amlakna… Amen