መልእክቲ ልደት-ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ዓብን ዘድንቅ ሚስጢርን ኣስትዉዕሉ!PC230111

ኣብ እዝነይ ናይ ጓሶት መዝሙር ይመላለሰኒ ኣሎ። ጥዑም ዝደሃዩ ሻምቡቆ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ዝማሬ ሰማያት ደኣ እምበሪ። መላኣኽቲ ዘመሩ። ሊቃነ መላእክቲ ዉን ብሕብረት ድምጾም ኣወሃሃዱ። ኪሩቤል ጥዑም ምስጋንኦም ዘመሩ። ሱራፍኤል ዉን ክብሩ ኣወጁ። ኲላቶም ነዛ ቅድስት በዓል እዚኣ ከብዕሉ ሓበሩ፣ ምክንያቱ እቲ መለኮታዊ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ፣ እቲ ሰብ ድማ ኣብ ሰማይ እዩ። እቲ ካብ ላዕሊ ዝኰነ፣ ምእንቲ ድሕነትና ክብል ሕጂ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ሓደረ፣ እቲ ተዋሪዱ ዝነበረ ትሑት ሰብ ድማ ብምሕረት ኣምላኽ ልዕል በለ።

ቤተልሄም፣ ሎሚ ንሰማያት መሲላ ኣላ። በቲ ድምጺ ከዋክብቲ ይስማዕ፡ መዝሙር ናይ መላእክቲ ዉን ይዝመር ኣሎ፣ ኣብቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ቦታ ድማ፣ እቲ ናይ ጽድቂ ጸሓይ (ሚል 4፡12)  ተወልደ። ከመይ ኢሉ ኣምላኽ ሰብ ይኸዉን ኣይትበሉ፣ ኣምላኽ ክፈቅድ እንከሎ፡ ተፈጥሮ ዉን ይእዘዝ እዩ። ንሱ ክፈቅድ እንከሎ፣ ንሱ ሓይሊ ኣለዎ፣ ናብ ታሕቲ ወረደ፣ ኣድሓነና፣ ኲሉ ነገር ዉን ንእግዚአብሔር ተኣዘዘ። ሎሚ እቲ “እቲ ዘሎኹ እየ” (ኢሉ ንሙሴ ስሙ ዝነገሮ ዘጸ 3፡14)፣ ተወሊዱ፣ እቲ ዘሎን ዝነብርን፡ ሎሚ ቅድሚ ሕጂ ዘይኰኖ ኰነ። ኣምላኽ ክነሱ ሰብ ኰነ፣ ኮይኑ ግና ካብቲ ንሱ ብባህሪኡ ዝኰኖ ካብ መለኮቱ ፈጺሙ ኣይተፈልየን። ካብ መለኮታዊ ባህሪኡ እንዳጎደለ ኣይኰነን ሰብ ዝዀነ፣ ወይ ከኣ ሰብ ኔሩስ እንዳዓበየ ኣምላኽ ዝተቀየረ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ እዩ፣ ቃል ክነሱ ስጋ ኰነ፣ ባህሪኡ ድማ ድማ ፍጹም ዘይቅየርን ዘይልወጥን እዩ።

እቲ ሰማያዊ ንጉስ ኣብ ምድሪ መጽአ፣ ነገስታት ዉን ንዕኡ ክሪኡ መጽኡ። ንሱ እዚ ሰማያዊ ንጉስ፣ ምስኡ መላኣኽቲ፡ ሊቃነ መላኣኽቲ፡ ስልጣናት፡ መናብራት፡ መኳንንትን ሓይላትን ሒዙ ኣይመጽአን፣ እንታይ ደኣ ናይ ጽምዋ መንገዲ ብምምራጽ፣ ቀሰይ ኢሉ ካብታ ኣበር ዘይብላ ማህጸን ተወልደ።

እዚ ሰማያዊ ልደት ክግለጽ ዘይከኣል ስለዝዀነ፣ በዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መንጎና ምዉላዱ መርሚርና ክንበጽሖ ኣይኰነልናን እዩ። ዋላዃ ኣብዚ ዕለት እዚ ድንግል ከም ዝወለደቶ እንተፈለጥኩ፣ ኮይኑ ግና ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ከም ዝተወልደ ይኣምን። ሎሚ ግና ካብዚ ልደት ሓደ ነገር ተማሂረ ኣለኹ፣ ብስቕታ ንከመስግን፣ እዚ ነገራት እዚ ብብዝሒ ዘረባ ተመራሚርካ ከም ዘይብጻሕ ተቀቢለ ኣለኹ።

ብዛዕባ እግዚአብሔር ክንሓስብ ከለና፣ ስርዓት ተፈጥሮ ክንሓስብ ኣየድልየናን፣ እንታይ ደኣ ኣብቲ ንዂሉ ክገብር ሓይሊ ዘለዎ ኣብኡ እምነት ኣሎና።

እንታይ ደኣ ክብል፣ እንታይ ከ ክነግረኩም? ንሓንቲ ዉላድ ዝወለደት ኣደ ሒዘ ኣሎኹ፣ ብልደት ኣቢሉ ናብ ብርሃን ዓለም ዝመጽአ ህጻን  ዉን ይርኢ ኣሎኹ። ናይ ልደቱ ነገር ግን ፈጺመ ክርድኦ ኣይከኣልኩን።

ፍቓድ ኣምላኽ እንዳሰርሐ ክነሱ፡ ተፈጥሮ ግና የዕሪፉ ኣሎ። ኦ መግለጺ ዘይብልካ ጸጋ! ሓደ ወዱ ንኣቦ፣ ቅድሚ ኲሉ ዘመናት ዝነበረ፣ ክድህሰስን ክትቀርቦን ዘይከኣል፣ ስጋ ዘይብሉ፣ ሎሚ እቲ ዝርአን፡ ንምምሽማሽ ድማ ቅሉዕ ዝዀነ ነቲ ናተይ ሰብነት ለበሶ። ስለምንታይ? ምእንቲ ኣብ መንጎና ተገሊጹ ክምህረና። እንዳመሃረና፡ ናብቲ ሰብ ክሪኦ ዘይክእል ብኢዱ ሒዙ ምእንቲ ክመርሓና፣ ሰብ ኰነ። ምኽንያቱ ሰባት ነቲ ንርእዮ ኢና እንኣምን፣ ካብቲ ዝሰማዕናዮ ዝያዳ ነቲ ዝረኣናዮ ኢና፣ እንኣምን። ሰባት ነቲ ዘይረኣይዎ ይጠራጠርዎ እዮም። ስለዚ ድማ ምእንቲ ኲሉ ጥርጥር ከርሕቅ፣ ብዝርአ ስጋ ኣብ ማእኸልና ክግለጽ መደበ።cialis 40 mg here The penis arteries get thin as a result of sexual arousal or stimulation, as signals are transmitted from the affected area to the brain where they are treated as pain.

ክርስቶስ ካብ ድንግል፣ ቅዱስ ስጋን ነፍሲን ስለዝረኸበ፣ ካብኡ ንዑ ዝዀኖ ህያዉ መቕደስ ሃነጸ፣ ከምቲ ቃል ዝኣተዎ፣ ካብ ድንግል ሰብ ሰርሐ፣ ነቲ ዝሰርሖ ሰብ ዉን ለበሶ (ተወሃሃዶ)፣ ኣብዛ መዓልቲ`ዚኣ ድማ ተወልደ። በቲ ትሑት ባህሪና ድማ ኣይሓፈረን።

ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ እዩ ነዚ ስጋ ፈጢርዎ፣ ስለዚ ነቲ ንሱ ባዕሉ ዝፈጠሮ እንተለበሶ፣ ዉርደት ኣይኰነን። እምበኣር እዚ ንፈጣሪኡ ካባ ዝዀኖ ግብሪ ኣእዳው እግዚአብሔር ዝዀነ ንዘለኣለም ይኽበር። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ግብሪ ተፈጥሮ፣ ጭቃ ኣብ ኢዱ እቲ ክቡር  ዝኰነ ምስ ኣተወ፡ ሰብ ዝተፈጥረ (ጭቃ ኣብ ኢዱ ኣምላክ እዩ ሰብ ኰይኑ)። ከምኡ ድማ እዚ ሙሽሙሽ ስጋና፣ ክዳን ናይ ፈጣሪኡ ምስ ኰነ እዩ፣ ብድሕሪኡ ናብ ክብሪ ዝበቕዐ።

እንታይ እሞ ክብል? ነዚ ልደት`ከ ከመይ ጌረ ክገልጸልኩም? እዚ ሚስጢር እዚ ከም ዝግረም እዩ ጌሩኒ። እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ (ዳን 7፡13) ሎሚ ህጻን ኰነ። እቲ ኣብ ኣዝዩ ክቡርን ትርኢቱ ዘደንቕን ዙፋን ዝቕመጥ (ራእ 4) ሎሚ ኣብ መብልዒ ማል ተወልደ። እቲ ማንም ክትንክፎ ዘይክእል፣ ስጋ ዘይብሉ መለኮታዊ ኣካል፡ ክጭበጥ ኰነ ማንም ክቀርቦ ዘይክእል ዝነበረ፣ ሎሚ ግና ኣብ ትሕቲ ኢድ ሰባት ተገዝአ። እቲ መእሰር ሓጢኣት ዝበትኽ፣ ሎሚ ግና ብናይ ልደት ነገር ተኣስረ። ኮይኑ ግና፣ እቲ ዝተዋረደ ኣካል ክኸብር እዩ፣ ትሕትና ድማ ብልዕልና ክፍጸም እዩ፣ ፍጹም ዉርደት ድማ ናብ መጠን ምሕረቱ ክኸብር እዩ።

እምበኣር፣ ምእንቲ እቲ ናቱ ቃል ኣብ ስጋይ ክሓድር፣ ንሱ  ነቲ ናተይ ስጋ ለበሶ። መንፈሱ ዉን ሂቡኒ፣ ንሱ ዓዲሉኒ ኣነ ዉን ተቐበልኩ። ናይ ህይወት ሃብቲ ንዓይ ኣዳለወለይ። ምእንቲ ንሱ ከንጽሃኒ ንስጋይ ወሰዶ፣ ምእንቲ ከድሕነኒ ድማ መንፈሱ ሃበኒ።

እምበኣር ነዚ በዓል`ዚ ከነኽብር ንተኣከብ። ብሓቂ ታሪክ ልደቱ ኣዝዩ ዘደንቅ እዩ። በዚ ዕለት እዚ እቲ ናይ ጥንቲ ባርነት ኣኽቲሙ፡ ዲያብሎስ ተሳዒሩ፡ ኣጋንንቲ ፈሪሖም ኣልገሱ፡ ሓይሊ ሞት ተዋሒጡ፡ ገነት ተኸፊታ፡ እቲ መርገም ኣልጊሱ፡ ሓጢኣት ዉን ካባና ርሒቁ፡ ጌጋ ኣልጊሱ፡ ሓቂ ተመሊሱ፡ ናይ ብስራት ዜና ተሰቢኹን ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑን፣ ሰማያዊ ህይወት ዉን ኣብዚ ምድሪ ተሰሪዑ፡ መላእኽቲ ምስ ደቂ ሰባት ብዘይ ፍርሒ ይራኸቡ፣ ሰባት ዉን ምስ መላእኽቲ ይዘራረቡ።

ስለምንታይ? ምክንያቱ ሎሚ፣ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ፡ ሰብ ድማ ኣብ ሰማይ፣ ኲሉ ነገር ድማ ተሓዋዊሱ እዩ። ንሱ ኣምላኽ እዩ ኔሩ ስለዚ፣ ንሱ ናብ ኣምላኽ ኣይተቀየረን፣ እንታይ ደኣ ንሱስ ሰብ እዩ ኰይኑ። ሰብ ምስ ዀነ ድማ፣ ንሱ እቲ ሰማያት ክጾርዎ ዘየከኣሉ፣ ኣብ መብልዒ ማል ተወልደ። ምእንቲ ንሱ፣ እቲ ንዂሉ ፍጡር ብኢዱ ዝምግብ፣ ካብ ድንግል ወላዲቱ ናይ ህጻናት መግቢ ምእንቲ ክምገብ ኣብ መብልዒ ማል ደቀሰ። ንሱ እቲ ናይ ኲሉ ዘመናት ኣቦ ዝዀነ፣ ኣብ ኣእዳው ድንግል ደቂሱ፡ ካብ ኣጥባታ ተዓንገለ፡ በዚ ድማ ሰብኣ ሰገል ረኣይዎ።  ሰብኣ ሰገል ነቲ እግዚአብሔር ብኮኮብ ኣቢሉ ዝገለጾ ብምርኣይ፡ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዞም ብምምጻእ፡ ኣብዚ ዕለት እዚ ንሰማይ ክብሪ ሂቦም እዮም። እምበኣር ንዕኡነቲ ካብ ሕልክልክ ዝበለ ነገራት ቅኑዕ መንገዲ ዝፈጠረ ንክርስቶስስ፣ ንኣቦን፣ ንመንፈስ ቅዱስን፣ ንዘለኣለም ኣለም ምስጋና ነብጽሕ። ኣሜን።