ታሪክ ናይ ሰብ ሓዳር!

ትማሊ መዓልቲ ፍቑራት ኔሩ፣ ፍቕሪ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዕለት ነቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብንጉስ ሮም ንዝወጽአ ኣዋጅ ከይፈርሐ፡ ንፍቑራት ቃል ኪዳን ዘእስር ዝነበረ፣ ቅዱስ ቫለንታይን መዝከርታ ኮይና ትጽዋዕ። ኣብ ህይወቱ ፍቕሪ ዘለዎ ሰብ ዕድለኛ እዩ። የግዳስ ነቲ ክሳብ ሞት ዘፍቐረና፣ ብዘይ ቅድመ ኲነት ዘፍቀረ፣ መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ ግና ናይ ኲሉ ግዜ ኣፍቃሪና እዩ።

” ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡16 “ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንሕና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም” ኤፈ 2፡4-5 ” ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።” ሮሜ 5፡8

“ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ።” 1ይ ዮሃ 4፡9-11

ንሎሚ ግና ነዞም ኣብ ፍቕሪ ዘለኹም ሰብ ሓዳርን፣ ናብ ሓዳር ገጽኹም ትኸዱ ዘለኹም መናእሰያትን እትከዉን ታሪክ ቀሪበልኩም ኣሎኹ፣ ብሩኽ ንባብ

460x276xdivorce460.jpg.pagespeed.ic.dAbgP-KhJa

ታሪክ ናይ ሰብ ሓዳር!

ምሸት ገዛ ምስ ተመለስኹ፡ ሰበይተይ ዉን ድራር እንዳቀረበት እንከላ፡ ኢዳ ሓዝክዋ እሞ፣ “ክነግረኪ ዝደልዮ ሓደ ነገር ኣሎ” በልክዋ። ንሳ ብስቕታ ኮፍ በለት እሞ ክትበልዕ ጀመረት። ኣብ ኣዕይንታ ናብ መጉዳእቲ ስምዒት የንብበላ ነበርኩ።

ኣፈይ ከመይ ጌረ ከም ዝኸፍቶ ዉን ሓርበተኒ። ግን ግድን እቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ነገር ክነግራ ኔሩኒ። ፍትሕ እየ ደልዬ። ብህድኣት ነቲ ጉዳይ ነገርክዋ። ንሳ ግና በቲ ዝነግርክዋ ሓሳብ ፈጺማ ኣይትረበሸትን፡ እኳ ደኣ ቀሰይ ኢላ፣ “ስለምንታይ?” ክትብል ሕቶ ኣቕረበትለይ።

ነቲ ሕቶኣ ጎስዬ ክሓልፎ ፈተንኩ። እዚ ነገር`ዚ ድማ ንዕዓ ኣቆጥዓ። ሒዛቶ ዝነበረት ኣቕሓ ብምስንዳዉ፣ “ሰብ ኣይኰንኻን ንስኻ!” ኢላ ኣትሪራ ተዛረበትኒ። እታ ምሸት ዋላ ሓንቲ ኣይተዘራረብናን። ትበኺ ነበረት። ሓዳርና እንታይ ስለዝዀነ እዩ፣ ከምዚ ኮይኑ ኢላዉን ትምርምርን መልሲ ትደሊን ከም ዘላ ተረድኣኒ። ግን ንዕዓ ዘዕግብ መልሲ ፍጹም ኣይነበረንን። ልበይ ንካልእ ጓል ፈትዩ። ደጊም ንሰበይተይ ዘፍቅር ልቢ ኣይነበረንን፣ ሕጂ ናብ ካልእ እዩ ከይዱ፣ ብጣዕሚ ዉን ኣደንጊጻትኒ!

ፍጹም ጣዕሳ እንዳተሰምዓኒ፡ ናይ ፍትሕና ዝርዝር ከድልዎ ጀምርኩ፣ ነቲ ገዛን መኪናን 30 % ናይ ትካለይዉን ንሳ ክትወርሶ፣ ዝብል እማመ ኣዳልዬ ሃብክዋ። ነቲ ወረቐት ድሕሪ ምንባባ፡ ቀዲዳ ደርበየቶ። እታ ዓሰርተ ዓመት ሙሉእ ህይወታ ምሳይ ዘሕለፈት ሰበይቲ፡ ተጋየሸትኒ።

ግዜኣ፡ ጉልበታን፡ ሓይላን ስለዘባኸንክዎ ሓዘንኹ፣ ግና ካብቲ ዝሓሰብክዎ ፈጺመ ክምለስ ኣይከኣልኩን፣ ምክንያቱ ሕጂ ንካልእ ኣፍቂረ እየ። ኣብ መወዳእታ ኣዝያ ኣምሪራ ኣብ ቅድመይ በኸየት፣ ትጽቢተይ ዉን እዚ እዩ ኔሩ። ከምዚ ኢላ ምብካያ ንዓይ ሩፍታ እዩ ተሰሚዑኒ እምበርከ እቲ ኣብ ዉሽጣ ዘሎ ነገር ዉን ክፎኽሰላ እዩ። እቲ ንብዙሓት ቅነታት ዘሳቕየኒ ዝነበረ ናይ ፍትሕ ሓሳብ ዉን ኣብ መወዳእታ እንዳሰመረን ብሩህ እንዳዀነን ኸደ።

ንጽባሒታ፣ ካብ ስራሕ ዶንግዬ ምስ መጻእኹ፣ በዓልትቤተይ ኣብ ጣዉላ ኮይና ገለ ክትጽሕፍ ረኸብክዋ። ምስታ ሓዳስ ኣፍቃሪየይ ኣዝዩ ደስ ዘብል ግዜ ስለዘሕለፍኩ፣ ድራር ከይተደረርኩዉን ናብ መደቀሲ ኣትዬ ደቀስኩ። ኣብ መንጎ ተንሲአ ዉን ተራእኽዋ ኣብ ጣዉላ ኮይና ሕጂ ዉን ክትጽሕፍ ረኸብክዋ፣ ብዙሕ ከይተገደስኩላ ዉን ግምጥል ኢለ ድቃሰይ ቀጸልክዎ።

ንግሆ ምስ ኰነ፣ ናይ ፍትሕ ቅድመ ኩነታ ኣቕረበትለይ፡ ካባይ ዋላ ሓንቲ ነገር ክትወስድ ኣይደለየትን፡ ኮይኑ ግና ቅድሚ እቲ ፍትሕ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ክወሃባ፣ ዝብል ነበረ። ኣብዚ ሓንቲ ወርሒ ድማ፣ ክልቲኦም ብኩሉ ዓቅሞም ኖርማል ህይወት ከሕልፉ ዝጠልብ ነበረ። እቲ ዘቕረበቶ ምክንያት ዉን ቅቡል ነበረ፣ ወድና ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ፈተና ስለዘለዎ፡ ብሰንኪ ጉዳይ ፍትሕ ምእንቲ ከይርበሽ ክሳብ ፈተንኡ ዝዉድእ ክንጸንሕ ዝብል እዩ።

በዚ ነገር ዉን ተሰማማዕኩ፣ ኮይኑ ግና ሓንቲ ተወሳኺ ጠለብ ዉን ኔርዋ። ኣብ መዓልቲ መርዓና ከመይ ጌረ ናብ መደቀሲና ጾይረ ከም ዝወሰድክዋ ብምዝኽካር፡ ነዛ ተሪፋ ዘላ ወርሒ መዓልታዊ ንግሆ ካብ መደቀሲ ናብ ኣፍደገ ገዛ ጾይረ ክወስዳ፣ ዝብል ነበረ። ናይ ጽላለ ሓሳብ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኮይኑ ግና ነዚ ናይ መወዳእታ መዓልታት ህይወትና ምእንቲ ክጻወር ክብል፡ ነቲ እማምኣ ተቐብልክዎ።

ነታ ሓዳስ ኣፍቃሪተይ ዉን ብዛዕባ ናይ ሰበይተይ እማም ነገርክዋ፣ ንሳ ዉን ብናይ ምሽክዕላል ደሃይ ጌራ “ዝደለየቶ እንተገበረት ፍትሕ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣጸቢቓ ክትኣምን ይግባኣ” በለትኒ።

ሰበይተይን ኣነን፡ ነዚ ናይ ፍትሕ ጉዳይ ካብ ዘልዕለላ ጀሚሩ ዋላ ሓንቲ ናይ ስጋዊ ቅርርብ ጌርና ኣይንፈልጥን። ስለዚ ዉን እዩ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ክስከማ እንከለኹ፡ ክልቴና ደርገፍገፍ በልና፡ ናይ ሕንከት ስምዒትዉን ተሰምዓኒ። ወድና ግና ነቲ ንሕና ዝገብርናዮ ምስ ረኣየ ኣዝዩ፣ “ባባ ንማማ ተሰኪምዋ” ብምባል ኣዝዩ ተሓጎሰ። ናይ ወደይ ዘረባ ኣዝዩ ከቢድ ወቀሳ ከም ዝስምዓኒ ገብረኒ። ንሰበይተይ ተሰኪመ፣ ካብ መደቀሲ ናብ ሳሎን፡ ደሓር ናብ ኣፍደገ ገዛ ኣብጻሕክዋ። ዳርጋ 10 ሜትሮ ዝኸዉን ከድኹ፣ ንሳ ሽዑ ኣዕይንታ ሰለም ብምባል ናብ እዝነይ ጽግዕ ኢላ፣ “ብዛዕባ ፍትሕና ኣይትንገሮ” በለትኒ። ርእሰይ ብምንቕናቕ ዉን ተሰማማዕኩ። ኣብ ኣፍደገ ገዛ ኣዉረደክዋ፣ ንሳ ባስ ክትጽበ ኸደት፡ ኣነ ድማ በይነይ ብማኪና ናብ ስራሕ ከድኹ።

ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ክልቴና ፍኹስ ኢልና ኔሩ። ኣብ ኣፍልበይ ጽግዕ ዉን በለት። ሽዑ ናይ ካምቻኣ ጨና ኣሽተትክዎ፣ ሓደ ነገር ተሰወጠኒ፣ ንሰበይተይ ኣቶኪረ ካብ ዘይጥምታ ነዊሕ እዋን ከም ዝሓለፈ ዉን ተረድኣኒ፣ ደጊም ንኢሽተይ ከም ዘየላ ዉን ፈለጥኩ። ጸጉራ ክስይቡን፡ ገጻ ዉን ዕጥርጥር ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ! ሓዳርና ንኲልንትናኣ እዩ ወሲድዎ፣ ክንዲ ምንታይ ሕማቕ ከም ዝገበርኩ ዉን ተረድኣኒ።These hormones circulate with blood and end try that buy levitra online up in downsizing of hair roots.

ኣብ ራብዓይ መዓልቲና ክስከማ እንከለኹ እቲ ናይ ቀደም ምቅርራብና ክምለስ ከሎ ኣስተዉዓልኩ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ 10 ዓመት ናይ ህይወታ ንዓይ ሂባትኒ። ኣብ ሓሙሻይን ሻዱሻይን መዓልቲ ድማ፣ እቲ ምቕርራብና ዝያዳ እንዳደልደለ ዓበየ። ብዛዕባ`ዚ ለዉጢ፣ ነታ ሓዳስ ኣፍቃሪተይ ኣይነገርክዋን። ወርሒ መመላእታ ዉን ኣዝዩ እንዳፎከሰኒ መጽአ፣ ምናልባት እዚ መዓልታዊ ዝሰርሖ ዘሎዂ ምንቅስቃስ ሓይሊ ሂቡኒ ከይከዉን።

ሓንቲ ንግሆ ንሓደ ክዳና ትፍትኖ፣ መሊሳ ከኣ ነቲ ሓደ ትፍትኖ፣ ኮይኑ ግና ዓቀና ክዳን ክትረኽብ ኣይከኣለትን። “ዂሉ ክዳነይ ዓብይኒ”  ‘ኡፍ’ ብምባል ኣስተንፈሰት። ሽዑ ኣዝያ ቀጢና ከም ዘላ ተረድኣኒ፣ ለካ ንኽሰከማ ዝፎኸሰትኒ ሚዛና ስለዝጎደለ እዩ።

ኣጋጣሚ ሽዑ ገለ ነገር ኣብ ልበይ ተፈለጠኒ. . .ኣብ ልባ ዝዓቆረቶ ብዙሕ ሕማምን ቃንዛን ከምዘለዋ። ከይተረድኣኒ ዉን ርእሳ ተንከፍክዋ።

ኣብታ ህሞት እቲኣ ወድና ጎይዩ ብምምጻእ፡ “ባባ ንማማ ትስከማ ሰዓት ኣኺሉ” በለኒ። ኣቡኡ ንኣዲኡ ተሰኪምዋ ምርኣዩ፣ ንዕዑ ነዚ ወደይ ኣብ ህይወቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል እዩ። ሰበይተይ ሽዑ ንወድና ናብኣ ብምስሓብ ሕቅፍ ኣቢላ ሰዓመቶ። ኣነ ግና ኣብ መወዳእታ ሰዓት ሓሳበይ ከይልዉጥ ስለዝፈራሕኩ፣ ገጸይ መለስኩ። ብድሕሪ`ዚ ኣብ ኣእዳወይ ተሰኪመ፣ ካብ መደቀሲ ናብ ሳሎን ቀጺለ ናብ ኮሮድዮ በጻሕኩ፣ ኣእዳዋ ኣብ ክሳደይ ዓሊቡ፣ ኣነ ድማ ኣፍኩስ ኣቢለ ሓቁፈያ ኔረ። ዳርጋ ከምታ ናይ መርዓ መዓልቲና ኮይኑ ዉን ተሰምዓኒ።

ኮይኑ ግን ኣዝያ ሚዛና ሙግዳሉ ሓዘንኩ። ኣብ መወዳእታ መዓልቲና ዉን ሓንቲ ሱጉምቲ ንቕድሚት ክኸይድ ዉን ኣይከኣልኹን። ወድና ናብ ትምህርቲ ከይዱ ኔሩ። ኣቕሪበ ብምሓዝ ዉን “ህይወትና ክንድዚ ዝኣኽል ምቕርራብ ዝመልኦ ፍትወት ጎዲልዎ ከም ዝነበረ ኣይፈለጥኩን” በልክዋ።

ናብ ስራሕ ከይደ ዉን፣ ቀልጢፈ ካብ ማኪናይ ብምዉራድ፣ ጎይየ ናብ ዉሽጢ ኣቶኹ። ሓሳበይ ከይቕይር ፈሪሐ ስለዝነበርኹ ድማ፣ ናብ ላዕለዋይ ደርቢ ቀልጢፈ ኣቶኹ፣ እታ ኣፍቃሪተይ ዉን ከፈተትኒ። ሽዑ “ይቕሬታ ግበርለይ፣ ፍትሕ ኣይደልይን፡ ንሰበይተይ ኣይክፈትሓን” በልክዋ።

ብምግራም እንዳጠመተት፣ ግንባረይ ብኢዳ ተንከፈትኒ። “ረስኒ ኣለካ ድዩ?” ብምባል ሓተትኒ። ኣእዳዋ ካብ ግንባረይ እንዳልገስኩ፣ “ኣይትሓዝለይ ኣነ ንሰበይተይ ክፈትሓ ኣይደልይን።” በልክዋ።

ሓዳረይ ኣዝዩ መሰላቸዊ ኮይኑ ዝጸንሐ፣ ንሰበይተይ ስለዝየፍቕርክዋ ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ንነፍሲ ወከፍ ዕምቆት ናይ ህይወትና ሚዛን ይህቦ ስለዘይነበርኩ እዩ። ሕጂ ግና ሓደ ነገር ጽቡቕ ጌሩ ተዘኻኪሩኒ ኣሎ። ሽዑ ኣብቲ መርዓና መዓልቲ ኣብ ኢደይ ሒዘያ ናብ ገዛ ክኣቱ እንከሎኹ፡ ሞት ክሳብ ዝፈላልየና ኢለ ዝመሓልክዎ ማሕላ ዉን ዘኸርኩ። እታ ኣፍቃሪተይ ዶንግዩ እዩ ተረዲእዋ፣ ብሕርቃን ዝተላዕለ ዉን ጸፊዓ ሓደገትኒ፣ ነቲ ኣፍደገ ማዕጾ ኣብ ገጸይ ድሕሪ ምዕጻዋ ዉን በይና በኸየት። ተቀላጢፈ ናብ ታሕቲ ደርቢ ብምዉራድ፣ ካብቲ እንዳ ዕንበባ፣ ንሰበይተይ ዝኸዉን ዕንባባ ኣዘዝኹ። እታ ዕንባባ ትሸይጥ ጓል ዉን፣ ኣብቲ ካርዲ ዝሰፍር ጽሑፍ ሓተተትኒ፣ ኣነ ዉን “ሞት ክሳብ ዝፈላልየና ንግሆ ንግሆ ክስከመኪ እየ” ኢልኪ ጸሓፊ በልክዋ።

ኣብታ መዓልቲ ምሸት ኣብ ኢደይ ዕንባባ ሒዘ ናብ ገዛ መጻእኹ፣ ገጸይ ፍሽኽታ ዓሲልዎ ዉን፣ ናብ ላዕሊ መደቀሲ ደየብኩ፣ ሽዑ ግና ሰበይተይ ንዘለኣለም ኣብ ዓራት ደቂሳ ጺንሓትኒ-ሞይታ! ሰበይተይ ንብዙሕ ኣዋርሕ ብካንሰር ትሳቐይ ነበረት። ኣነ ግና ግዜይ ምስታ ሓዳስ ኣፍቃሪተይ የሕልፎ ስለዝነበርኩ ከስተዉዕለላ ኣይከኣልኩን። ቀልጢፋ ካብዚ ዓለም ብሞት ከም ትፍለይ ስለዝረድአት ድማ፣ ምናልባት ብሰንኪ ጉዳይ ፍትሕ ዝተላዕለ ምስ ወደይ ጽልኢ ካብ ምትኻል ከተድሕነኒ ኢላ ክንድዚ ዝኣኽል ስቕያት ተዓገሰት። ከምዚ ብምግባራ ድማ፣ ብዉሑዱ ኣብ ቅድሚ ወደይ ፈቃር ኣቦ ኮይነ ክርአ ይኽእል።

ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝበሃላ፣ እተን ነኣሽቱ ነገራት እየን። ገዛ፡ መሬት፡ ማኪና፡ ንብረት፡ ኣብ ባንኪ ዘሎ ገንዘብ፣ እዚአን ኣይኰናን። እዚኣተን ምቹእ ኲነታት ክፈጥራልና ይኽእላ እየን፣ ግን ባዕለን ሓጎስን ፍስሃን ኣይህባናን።

ስለዚ ናይ መጻምድቲኻ ብሉጽ ዓርኪን መሓዛን ዂን፣ ምቕርራብን ፍትወትን ከዕብያ ዝኽእላ ነኣሽቱ ነገራት ግበር። ምናልባት ሕጂ ኣብ ከምኡ ዓይነት ዝምድና እንተ ዘየለኻ ዉን፣ ነዚ ሓሳብ`ዚ ኣብ ልብኻ ሓዞ እሞ፣ ኣብቲ ዳሕራይ ህይወትኻ ተግብሮ። ሕጂ ዉን ግዚኡ ኣይሓለፈን፣ ስለዚ ካብዚ ተማሃር።

ሰባት ናብ ዉድቀት ዘምርሑ፣ ንዓወት ክበጽህዋ ቀሪቦም እንከለዉ ተስፋ ስለዝቖርጹ እዩ!

ምንጪ፦ http://franthony.com/a-story-about-marriage