ጾም- ቅዱስ ኣግናጥዮስ ናይ ብራይንኮኒኖቭ

last ned

ኣብዚ ምድሪ ክትነብር እንኮለኻ፣ በቲ ኣብ ሰማያት ዘይርከቡ ነገራት ማለት ብብልዒን ፍትወት ሃብትን፤ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ኣብ ምዕጋብ እንድሕሪ የሕሊፍካዮ ደኣ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ሰማያት ገዛእ ርእስኻ ክትምግባ፧? ንጣዕሚ ሰማያዊ ህይወት እንድሕሪ ዘየስተማቒካዮ ደኣ፣ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ (ዘለኣለማዊ ህይወት ምስ ወረስካ) እንታይ ክትምገብ ኢኻ፧? ኣብ ምድሪ ክትነብር እንኰለኻ ንሰማያዊ ህይወት፣ ከተስተማቕሮ ድሌታትን ህንጡይነትን እንድሕሪ ዘይብልካ ደኣ፤ ከመይ ጌርካ ብሰማያዊ መግቢ ክትሕጎስ፧?

ርእሲ መንፈሳዊ ህይወት ጸሎት እያ፣ መሰረታ ኸኣ ጾም

ጾም ማለት ንኣጠቃቅማ ብልዒና ብጥንቃቐ እንዳመርመርና ኣመጋግባና ሚዛናዊ ምግባር እዩ።

ኣታ ዕቡይ ሰብ! ሙሉዕ መዓልቲ ኣብ ከብድኻ ጥራይ እንዳተመርኮስካ’ሲ፣ ንገዛእ ርእስኻ ድማ ከም ሓደ ዓቢ ሰብ ጌርካ ትሓስባ።

ሕጊ ጾም፣ ዋላዃ ብግዳማዊ ትሕዝትኡ ንከብዲ ጥራይ ዝምልከት እንተመሰለ፣ ብመሰረቱ ግና ናይ ኣእምሮ ሕጊ እዩ።

ኣእምሮና፣ ንኩሉትናና ዝቆጻጸር ኣካል እዩ። ሙሉእ ሓይሊ ሃልዪዎ፣ ብነጻነትን ብሙሉእ ፍቓድ ክመርሓና እንድሕሪ ደሊና ድማ፣ ንሕጊ ጾም ከነግዝኦ ይግባእ። ሽዑ ኲሉ ግዜ ንቑሕን ጥንቁቅን ኮይኑ፣ ንድሌታት ልብናን ስጋናን ክቆጻጸር ይኽእል። ኣእምሮና ድማ ኲሉ ግዜ ንቁሕን፡ ጥንቁቕን እንድሕሪ ኮይኑ ንሕጊ ወንጌል ተማሂሩ ክስዕቦ ይጅምር። ስለዚ ናይ መንፈሳዊ ህይወት መሰረቱ ጾም እዩ።

እቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝተፈጥረ ሰብ፣ ኣብ ገነት ክነብር እንከሎ፣ ሓንቲ ሕጊ ጥራይ ተዋሂባቶ፣ ናይ ጾም ሕጊ ጥራይ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሰብ እዛ ሓንቲ ሕጊ ጥራይ እኽልቲ ነበረት፣ ምኽንያቱ ናይዚ ሰብ ንጽህና ብዛ ሓንቲ ሕጊ ጥራይ ክትዕቀብ ትኽእል ነበረት።

እቲ ሕጊ ናይ ብልዒ ዓቀን ጥራይ ዘይኰነሲ፣ ናይ ዓቀንን ናይ ዓይነት ዉን እዩ። ኣብ ግዜ ጾም ዓቀን ንምገቦ ብልዒ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዓይነቱ ዉን ክንቆጻጸሮ ይግባእ። እቶም፣ ኣብ ግዜ ጾም ዓይነት ዝምገብዎ ከይፈለዩ ኣብ ዓቀን ጥራይ ዝግደሱ፣ ንጾም ብዛዕባ ዓቀን መግቢ ጥራይ ጌሮም ዝሓስብ ሰባት ሱቕ ክብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ እዞም ሰባት እዚኦም ንኲሉ ግብራዊን መሰረታዊን ሕጊታት ጾም ጽቡቕ ጌሮም እንድሕሪ መርሚሮሞ፣ ነዚ ሓቂ’ዚ ክረኽብዎ እዮም።

እቲ ብእግዚአብሔር ኣብ ገነት ዝተኣወጀ ጾም፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝነበረ፣ ነቲ ሕጊ ክእዉጆ እንከሎ፣ እንኮላይ እቲ ሕጊ ምስ ዝጥሕስ ዝስዕብ መቅጻዕቲ ዉን እዩ ነጊሩና። ሓደ ካብቲ መቅጻዕቲ ዘለኣለማዊ ሞት እዩ።

ሕጂ ዉን ኣብ ዘመንና፣ ነቶም ቅዱስ ዝዀነ ሕጊ ጾም ዝስዕሩ ሰባት ናይ ሓጢኣት ሞት ይገዝኦም ኣሎ። እቲ ኣብ ኣመጋግብኡ ጥንቁቅ ዘይኰነ፣ ንብልዒ ዉን ብሚዛናዊ ኣካይዳ ዘይቀርቦ ሰብ፣ ንጽህንኡን ድንግልንኡን ኣይሕልውን፣ ሕርቃኑ ዉን ኣይቆጻጸርን፣ ጓሂ፡ ስንፍናን ተስፋ ሙቕራጽን ዝኣመሰሉ ስምዒት የጥቅዕዎ። ጣዕሚ ወይ ምቾት ብምፍታዉን፡ ብዝሒ ብልዒ ብምዝዉታርን፣ ፍትወት ዝዓብለሎ ስጋዊ ሰብ ይኸዉን። ብሰንኪ እዚ ፍትወት’ዚ ድማ፣ ልቢ ናይ ከምዚ ዝበለ ሰብ፣ ናይ ከንቱ ዉዳሴን ትዕቢትን ማህደር ትኸዉን።

ሓደ ክንፈልጦ ዝግባእ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ድማ፣ ሕጊ ጾም ዳግማይ ብወንጌል ተሓዲሱን ጸኒዑን እዩ።

ጐይታ “ስስዔን (ብዝሒ ብልዒ) ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።” ይብለና /ሉቃ 21፡34/።
Clinical diagnosis shows that chronic seminal vesiculitis usually occurs with chronic proatatitis, and can cause the phenomena of neuromuscular system you can try here levitra no prescription to lift your feet but aren’t able to understand that similarly complex phenomena applies in case of lifting the penis.
ብዝሒ ብልዒን ስኽራንን ኣብ ኣካላትና ምክሳዕ (ምዝፍጣጥ ከብዲ) ጥራይ ዘይኰነ ዘስዕበልና፣ እንኮላይ ንኣእምሮናን ንልብናን ዉን ይጸልዎ እዩ። እዚ ማለት ብስጋን ብነፍስን ናብ ብፍትወት ዝተወርሰ ስጋዊ ሰብ ይገብሩና።

በንጻሩ ጾም፣ ንሓደ ክርስቲያን ናብ መንፈሳዊ ህይወት ይመርሖ። እቲ ብጾም ነፍሱ ዘንጽህ ሰብ፣ ብመንፈሱ ትሑት፡ ቅዱስ፡ ልዙብ፡ ስቕ በሃላይን፡ እዱብን እዩ። ሰብነቱ ዝፎኽሰሉ፡ ልቡን ነፍሱን ድማ ዝተጻረያ ስለዝዀና፣ ንመንፈሳዊ ዕዮን መንፈሳዊ ኣስተንትኖን (contemplation) ድሉው እዩ፣ በዚ ዉን መለኮታዊ ጸጋ ይበዝሓሉ።

እቲ ስጋዊ ሰብ ኣብ ፍትወት ሓጢኣት ፍጹም ዝጠሓለ እዩ። ብስግኡ፡ ብልቡን ብኣእምርኡን ስጋዊ እዩ። መንፈሳዊ ሓጎስ ከስተማቕርን፣ መለኮታዊ ጸጋ ክቕበልን ኣይኽእልን፣ ንመንፈሳዊ ዕዮ ዉን ኣይግደስን። ኣብ ምድራዊ ነገር ጥራይ ዝተሰመረን፣ ኣብ ንብረት እዛ ዓለም ጥራይ ዝተኣስረን ስለዝዀነ፣ ዋላ’ዃ ብስጋ ህይወት ይሃልዎ ብመንፈሱ ግና ምዉት እዩ።

“ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም” ሉቃ 6፡25

እምበኣር ነቶም ቅዱስ ዝዀነ ሕጊ ጾም ዝስዕሩ ሰባት፣ ካብ ኣምላኽ ነመሓላልፈሎም መልእኽቲ እዚ እዩ። ኣብዚ ምድሪ ክትነብር እንኮለኻ፣ በቲ ኣብ ሰማያት ዘይርከቡ ነገራት ማለት ብብልዒን ፍትወት ሃብትን፤ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ኣብ ምዕጋብ እንድሕሪ የሕሊፍካዮ ደኣ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ሰማያት ገዛእ ርእስኻ ክትምግባ፧? ንጣዕሚ ሰማያዊ ህይወት እንድሕሪ ዘየስተማቒካዮ ደኣ፣ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ (ዘለኣለማዊ ህይወት ምስ ወረስካ) እንታይ ክትምገብ ኢኻ፧? ኣብ ምድሪ ክትነብር እንኰለኻ ንሰማያዊ ህይወት፣ ከተስተማቕሮ ድሌታትን ህንጡይነትን እንድሕሪ ዘይብልካ ደኣ፤ ከመይ ጌርካ ብሰማያዊ መግቢ ክትሕጎስ፧?

ናይ ሓደ ክርስቲያና ናይ ዕለታዊ መግቡ፣ ክርስቶስ እዩ። በዚ ህብስቲ’ዚ ነፍስና ከነጽግባን ክንምግባን ይግባእ፣ ኲልና ክርስቲያናት በዚ ነገር ክንመልእ ዉን እዩ፡ ተዓዲምና ዘለና። ስለዚ ብቃል ኣምላኽ ነፍስና ንምልኣያ፣ ሕጊ ክርስቶስ ብምትግባር ነፍስና ንምልኣያ።  “ኣብ ቅድሚ ጸላእትና” ተሰሪዑልና ብዘሎ መኣዲን፣ “መሊኡ” ብዘሎ ጽዋእና፣ ነፍስና ነጽግባ /መዝ 23፡5/።

ቅድስ መቃርዮስ ዓቢ ከምዚ ይብል፣ “ንሕና እቶም ንልብና ኣናዲናዮ ዘይንፈልጥ፡ ኣበይ ኢና ክንጅምር? እምበኣር ከምቲ ጐይታ ዝኣዘዘና፣ “ኳሕኩሑ ክኽፈተልኩም እዩ” እሞ ዝብል፣ ንሕና ዉን ኣብ ደገ ደዉ ኢልና ብጸሎትን ብጾምን ንኳሕኹሕ።”/ማቴ 7፡7/

እዚ ክንዛረቦ ዝጸናሕና ነፍስኻ ናይ ምንጻህ መስርሕ፣ ብዓበይቲ መማህራን መነኮሳት ዝተነግረና እኳ እንተዀነ፣ ብመሰረቱ ግና ካብ ሓዋርያት ዝተበገሰ እዩ። ንሳቶም እዞም ሓዋርያት ገና ክጾሙ እንከለዉ፣ ቃል መንፈስ ቅዱስ ክሰምዑ ዝበቅዑ እዮም።

«እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ» ይብል ጸሓፊ ናይ ግብረ ሓዋርያት ቅዱስ ሉቃስ «መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ በሎም። ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።» ግብረ 13፡2

ኣብዚ ኣስተዉዒልና ነንብቦ፣ ጾም ምስ ጸሎት ኣወሃሂዶም ክተግሁ እንከለዉ፣ ንኣህዛብ ናብ ክርስትና ዝጽዉዕ ዕማም፣ ብመንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ትእዛዝ ተዋህበ።

ሓይሊ ጾምን ጸሎትን ረኣይዎ። ፍጹም ደስ ዘብል ዉህደት ጾምን ፍቕሪን! መሰረት ናይ ጸሎት ጾም እንድሕሪ ዘይኮይኑ፣ ጸሎት ሓይሊ የብሉን። ኣብ ልዕሊ ጾም ዉን ጸሎት እንድሕሪ ዘይተሃኒጹ፣ ጾም ፍረ የብሉን።

ካልኣይ ክፋል ይቅጽል. . .